ኣብ ቲኦክራሲ ዘለዉ ጓሶትን ኣባጊዕን
“እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ. ) ] ፈራዲና: እግዚኣብሄር [የሆዋ ] ሓጋግ ሕግና ኢዩ: እግዚኣብሄር [የሆዋ ] ንጉስና ኢዩ እሞ: ንሱ ኬድሕነና ኢዩ ” — ኢሳይያስ 33:22።
1. እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናትን ናይ ሎሚ ክርስትያናትን ቲኦክራሲ ኢዮም ዝበሃሉስ ብኸመይ ኢዩ?
ቲኦክራሲ ብኣምላኽ ምምሕዳር ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ ንስልጣን ኣምላኽ ምቕባልን ኣብቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ዓበይትን ንኣሽቱን ውሳኔታት ከኣ ንመምርሒታቱን ንትምህርትታቱን ምስዓብ ዘጠቓለለ ኢዩ። እታ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሓንቲ ናይ ብሓቂ ቲኦክራሲ ዝነበረት ማሕበር ኢያ ነይራ። እቶም ናይ ሽዑ ክርስትያናት: ብቕንዕና “እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ፈራዲና: እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.) ሓጋግ ሕግናን ኢዩ: እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ንጉስና ኢዩ እሞ ኬድሕነና እዩ” ክብሉ ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 33:22) ሎሚውን ብተመሳሳሊ እዛ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ሕምብርታ ዝኾኑ ማሕበር ኣምላኽ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ኢያ።
ሎሚኸ በየናይ መገዲ ኢና ቲኦክራቲካውያን እንኸውን?
2. መሰኻኽር የሆዋ ንናይ የሆዋ ስርዓት ዝግዝኡላ ሓንቲ መገዲ እንታይ ኣላ?
2 እታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ቲኦክራሲ ኢያ እንብላስ ከመይ ኢልና ኢና? ምኽንያቱ እቶም ኣባላታ ዘበሉ ንግዝኣት የሆዋ ብሓቂ ዝግዝኡ ኢዮም። ንመሪሕነት እቲ የሆዋ ኣብ ዙፋን ዘቐመጦ የሱስ ክርስቶስ ዝስዕቡ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ግዜ መወዳእታ ንየሱስ ከምዚ ዝስዕብ ግልጺ ዝኾነ ትእዛዝ ካብቲ ዓብዪ ቲኦክራቲክ ተመሓላለፈሉ:- “ግዜ ዓጺድ ኣትዩ: ፍረ ምድሪ እውን በጺሑ እዩ እሞ ማዕጺድካ ስደዶ።” (ራእይ 14:15) የሱስ ድማ ነቲ ትእዛዝ ንኽፍጽሞ ንምድሪ ኣብ ምዕጻዳ ይሰርሕ ኣሎ። ክርስትያናት ድማ ኣብዚ ዓብዪ ስራሕ እዚ ብስራት ብቅንኢ እናሰበኹን ደቀ መዛሙርቲ እናገበሩን ንንጉሶም ይሕግዝዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19። ማርቆስ 13:10። ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ከምዚ ብምግባሮም: መሳርሕቲ የሆዋ እቲ ዓብዪ ቲኦክራቲክ ኮኑ። — 1 ቈረንቶስ 3:9።
3. ብስነ ምግባር ዝመጸኸ ክርስትያናት ንቲኦክራሲ ዝግዝኡ ከመይ ኢሎም ኢዮም?
3 ክርስትያናት ብጠባዮምውን ንምምሕዳር አምላኽ ኢዮም ዝግዝኡ። የሱስ: “እቲ ሓቂ ዚገብር ግና: ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ: ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን ኢዩ ዚመጽእ” በለ። (ዮሃንስ 3:21) ሎሚ ብናይ ሞራል ስርዓታት ዝምልከት መወዳእታ ዘይብሉ መጐተ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ: እዚ መጐተ እዚ ግን ኣብ ክርስትያናት ቦታ የብሉን። ንሳቶም ነቲ የሆዋ ርኹስ ኢዩ ዝበሎ ርኹስ ከም ዝኾነ ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ: ከምኡውን ከም ሓደ ተላጋብን ሞት ዘስዕብ ሕማም ፌራን ኢዮም ዝርሕቕዎ። ንስድራ ቤቶም ዝኣልዩ ንወለዶም ዝእዘዙ ንልዕሊኦም ዘለዉ ሰብ ስልጣናት ዝግዝኡ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:3–5,22–33። 6:1–4። 1 ጢሞቴዎስ 5:8። ቲቶስ 3:1።) በዚ ከምዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ብቲኦክራቲካዊ መገዲ ኢዮም ዝመላላሱ።
4. ብኣዳምን ሄዋንን ሳኦልን ከመይ ዝበለ ጌጋ ኣተሓሳስባ ኢዩ እተራእየ? ክርስትያናትከ ከመይ ኢሎም ኢዮም ካብዚ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘርእዩ?
4 ኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ክውስኑ ስለ ዝደለዩ ኢዮም ንገነት ከጥፍእዋ ዝኸኣሉ። እቲ የሱስ ዝደለዮ ግና ልክዕ ኣንጻር ናይዚ ኢዩ ነይሩ። “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን ኢየ” ከኣ በለ። ክርስትያናት እውን ከምኡ ዝበለ ነገር ኢዮም ዝደልዩ። (ዮሃንስ 5:30። ሉቃስ 22:42። ሮሜ 12:2። እብራውያን 10:7) ሳኦል እቲ ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል ንየሆዋ ተኣዚዝዎ ኢዩ: እንተኾነ ግና ምሉእ ብምሉእ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ተነጽገ። ሳሙኤል: “ካብ መስዋእቲ ምእዛዝ: ካብ ስብሒ ድዓውል ጽን ምባል ይበልጽ” ኢሉ ነገሮ። (1 ሳሙኤል 15:22) ንፍቓድ የሆዋ ብመጠኑ ምክትታል ምናልባሽ ኣብ ኣኼባን ኣገልግሎትን ስርዓታዊ ብምዃን ቀጺልካ ድማ ብርኽሰት ወይ ብኻልእ መገዲ ክትለማመጥሲ ቲኦክራቲካዊ ድዩ? ፈጺሙ ኣይኰነን! ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ብምሉእ ነፍስና ኢና እንጋደል። (ኤፌሶን 6:6፤። 1 ጴጥሮስ 4:1, 2) ከም ሳኦል ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ኢና ንምምሕዳር ኣምላኽ እንግዛእ።
ሓደ ዘመናዊ ቲኦክራሲ
5, 6. ሎሚ የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ምስ ሰባት ዝራኸብ ዘሎ? ምስ እዚ ምስንዳእ እዚ ምትሕብባርከ እንታይ ኢዩ ዘፍሪ?
5 ብግዜ ጥንቲ የሆዋ ብኸም ነገስታትን ሃዋርያትን ነብያትን ዝበሉ ሰባት ገይሩ የመሓድርን ንሓቂ እውን ይገልጻን ነበረ። ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኰነን: ብመንፈስ ዝተመልኡ ነብያትን ሃዋርያትን የለዉን። ኣብ ክንድኡስ የሱስ ኣብ ግዜ ህላዌ ንግስነቱ ሓደ ብሰዓብቱ ዝቖመ እሙን ዝኾነ ኣካል “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ ልዕሊ ጥሪቱ ዝሸሞ ከም ዘሎ ኢዩ ዝተዛረበ። (ማቴዎስ 24:45–47። ኢሳይያስ 43:10) ብ1919 እቲ ባርያ እቲ ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ በቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ተወኪሉ ሕምብርቲ ናይ ቲኦክራሲ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ብኮሚቴ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ብዘወርቲ ተዓዘብትን ብናይ ጉባኤ ሽማግለታትን ኢዩ ተወኪሉ ዘሎ።
6 ንቲኦክራሲ ዘሎና ተኣዛዝነት እነርእየሉ ቀንዲ መገዲ: ምስታ ቲኦክራቲካዊት ማሕበር ምስ እንተሓባበር ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምትሕብባር ኣብቲ “ምሉእ ማሕበር ኣሕዋት” ዓለምለኻዊ ስምረትን ስርዓትን ዝፈጥር ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:17) እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ “ኣምላኽ ሰላም እምበር ኣምላኽ ዝርግርግ ዘይኰነ” የሆዋ ከሐጕሶ ኢዩ። — 1 ቈረንቶስ 14:33።
ኣብ ቲኦክራሲ ዘለዉ ሽማግለታት
7. ሓላፍነት ሽማግለታት ኣብ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ?
7 ኩሎም ዝተሸሙ ሽማግለታት ከመይ ዝበለ ናይ ስልጣን ቦታ ከም ዘለዎም ብዘየገድስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩ ዘሎ ብቕዓታት ናይ ማዕርግ ተዓዛቢ ወይ ሽማግለ ዘማልኡ ክኾኑ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1–7። ቲቶስ 1:5–9) ብተወሳኺ ድማ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝበሎም ቃላት ንኹሎም ሽማግለታት ዝምልከት ኢዩ:- “ንርእስኹምን ንማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እወ እቶም ሽማግለታት በቲ ካብ የሆዋ ዝመጽእ መንፈስ ቅዱስ ኢዮም ዝሽየሙ። (ዮሃንስ 14:26) ሽመቶም ቲኦክራቲካዊ ኢዩ። ንመጓሰ ኣምላኽ ድማ ኢዮም ዝጓስዩ። እቲ መጓሰ ናይ የሆዋ ደኣምበር ናይቶም ሽማግለታት ኣይኰነን። ከመይሲ ማሕበር ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ እያ እትመሓደር።
8. ሎሚኸ እቲ ጠቕላላ ሓላፍነት ናይ ሽማግለታት እንታይ ኢዩ?
8 ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ ደብዳቤኡ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንሱ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ክኾኑ ኢሉ: ገሊኦም ሃዋርያት: ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦም ከኣ ጓሶትን መማህራንን ኪኾኑ ሃበ” እናበለ ነቲ ጠቕላላ ሓለፍነት ናይቶም ሽማግለታት ኣሕጽር ኣቢሉ ዘርዚርዎ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:11, 12) ሃዋርያትን ነብያትን “እታ ኣካል ክርስቶስ” ሕጻን ከላ ኢዮም ሓሊፎም። (ምስ 1 ቈረንቶስ 13:8 ኣነጻጽሮ) ሽማግለታት ግን ወንጌል ብምዝርጋሕን ብምጕሳይን ብምምሃርን ኣዝዮም ትሑዛት ኢዮም ዘለዉ። — 2 ጢሞቴዎስ 4:2። ቲቶስ 1:9።
9. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብታ ጉባኤ ብዝግባእ መታን ከውዕልዎ ሽማግለታት ከመይ ገይሮም ንርእሶም ክዳለዉ ኣለዎም?
9 ቲኦክራሲ ምምሕዳር ኣምላኽ ካብ ኮነ እቶም ብቍዓት ሸማግለታት ንፍቓድ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ኢዮም። ኢያሱ ነቲ ሕጊ ዕለት ዕለት ከንብቦ ተኣዚዙ ነይሩ ኢዩ። ሽማግለታት እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከየብኰሩ ከጽንዕዎን ክውከስዎን ነቶም በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ተሓቲሞም ዝወጹ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ድማ ኣጸቢቖም ክፈልጥዎም የድልዮም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) እዚ ድማ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን ካልኦትን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ፍሉያት ኩነታት ብኸመይ ከም ዝውዕሉ ዘርእዩ ሕታማትን ዘጠቓለለ ኢዩ።a ሓደ ሽማግለ ነቶም ኣብ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጹ ሓበርቲ ንኽፈልጦምን ክስዕቦምን ሓደ ዓቢ ነገር ክኸውን ከሎ: ነቲ መበገሲኡ ወይ መሰረቱ ኰይኑ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣጸቢቑ ክፈልጦ እውን ኣለዎ። ሽዑ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ብምስትውዓልን ብርሕራሐን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢዩ። — ምስ ሚክያስ 6:8 ኣነጻጽሮ።
ብክርስትያናዊ መንፈስ ምግልጋል
10. ካብ እንታይ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ኢዮም ሽማግለታት ክሕለዉ ዘለዎም? ብኸመይከ?
10 ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ጸሓፋ። ሓደ ካብቲ ከደቅሶ ዝነበሮ ጸገማት ምስ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ምርኡያት ክኾኑ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ዝተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ: “ድሮ ጸገብኩም: ድሮ ሃብተምኩም: ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም ክንነግስሲ: ወሸለ ምነገስኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 4:8) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኩሎም ክርስትያናት ምስ የሱስ ሰማያውያን ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ከመሓድሩ ተስፋ ነይርዎም ኢዩ። (ራእይ 20:4, 6) ብዘይጥርጥር እምበኣር ገለ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ: ኣብታ ናይ ክርስትያን ቲኦክራሲ ኣብ ምድሪ ኰይኖም ክነግሱ ከም ዘይክእሉ ዝዘንግዑዎ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ ክንዲ ከም ነገስታት እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾኑ: ክርስትያናት ጓሶት ነታ ንየሆዋ እተሐጕሶ ዓይነት ትሕትና ኢዮም ኮስኲሶም ዘማዕበሉ። — መዝሙር 138:6። ሉቃስ 22:25–27።
11. (ሀ) ገለ ካብቶም ሓለፍ ዝበሉ ኣርኣያ ናይ ትሕትና እንታይ ኢዮም? (ለ) ሽማግለታት ይኹኑ ካልኦት ክርስትያናት: ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ?
11 ትሕትናዶ ሕመቕ ኢያ? ፈጺማ ኣይኰነትን! የሆዋ ንርእሱ ትሑት ከም ዝኾነ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (መዝሙር 18:35) ነገስታት እስራኤል ሰራዊት ሒዞም ናብ ውግእ ይወጹ: ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኰይኖም ድማ ነታ ሃገር ይገዝእዋ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን ‘ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ከይዕበ’ ክጥንቀቕ ነበሮ። (ዘዳግም 17:20) እቲ ዝተስአ የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ከሎ ግን ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ሓጸበ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ትሕትና ኢዩ! እቶም ሃዋርያቱ ድማ ከምኡ ትሑታት ክኾኑ ከም ዝደልዮም “ኣነ መምህርን ጐይታን ክንሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ: . . . ንስኻትኩምውን . . . ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም” ብምባሉ ኣርኣየ። (ዮሃንስ 13:14። ፊልጲ 2:5–8) ምሉእ ስብሓትን ውዳሰን ዝግብኦ ሰብ ዘይኰነስ የሆዋ ኢዩ። (ራእይ 4:11) ሽማግለታት ይኹኑ ኣይኹኑ ኩሎም ክርስትያናት: ብቓላት የሱስ ገይሮም: “ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ክንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና” ይበሉ። (ሉቃስ 17:10) ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘይቲኦክራቲክ ኢዩ።
12. ፍቕሪ ክርስትያናት ከዕብይዋ ዘለዎም ኣድላይት ባህሪ ዝኾነትስ ከመይ ኢላ ኢያ?
12 ምስ ትሕትና ድማ ክርስትያናት ሽማግለታት ፍቕሪ ይኹስኩሱ ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኸ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ክብል ከሎ ንኣድላይነት ፍቕሪ ኢዩ ዘርኣየ። (1 ዮሃንስ 4:8) ፍቕሪ ዘይብሎም ሰባት ቲኦክራቲካውያን ኣይኰኑን። ንየሆዋ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: “የሱስ. . . ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ አለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ይብል። (ዮሃንስ 13:1) የሱስ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክፍሊ ኣመሓዳሪ ኣካል ክኾኑ ዝነበሮም 11 ሰብኡት ክዛረቦም ከሎ: “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሕድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 15:12) ፍቕሪ መለለይት ሓቀኛ ክርስትና ኢያ። ነቶም ስቡራት ልብን ንሕዙናትን ነቶም ሓርነት ዝናፍቑ ብመንፈስ ምሩኻትን ትስሕቦም ኢያ። (ኢሳይያስ 61:1, 2። ዮሃንስ 13:35) ሽማግሌታት ፍቕሪ ብምርኣይ ኣብነት ክኾኑ ይግብኦም።
13. ሎሚ ዘለዉ ሽግራት እኳ ከበድቲ እንተኾኑ ሓደ ሽማግለ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ኹሉ ኩነታት ሰናይ ኣብነት ንጽቡቕ ተግባራት ዝኸውን?
13 ሎሚ ሽማግሌታት ነቲ ዝተሓላለኸ ግድላት ከደቅሱ ይሕተቱ ኢዮም። ናይ መርዓ ሽግራት ሱር ዝሰደዱን መመሊሶም ዝደጋገሙን ክኾኑ ይኽእሉ። መንእሰያት: ዓበይቲ ሰባት ክርድእዎ ዘይኽአሉ ጸገማት ይህልዎም ይኸውን። ብስምዒት ዝመጽእ ሕማም ኩሉ ግዜ ንኽትርድኦ ከቢድ ኢዩ። ኸምዚኦም ዝበሉ ነገራት ዘጋጥሞ ሽማግለ እንታይ ከም ዝገብር ይጠፍኦ ይኸውን። ብጸሎት ገይሩ ኣብ ጥበብ የሆዋ እንተ ተመርኲሱ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቶም በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝሕተሙ ጽሑፋትን እንተመርሚሩን ምስተን ኣባጊዕ ድማ ብትሕትናን ብፍቕርን እንተ ተመላሊሱ ዋላ ኣብቲ ከቢድ ዝኾነ ኵነታት ከይተረፈ ንጽቡቕ ተግባራት ሰናይ ኣብነት ክኸውን ኢዩ።
14, 15. የሆዋ ንህዝቡ ብብዙሓት ብሉጻት ሽማግለታት ገይሩ ከም ዝባረኾም እንታይ ዘርእዩ መግለጺታት ኣለዉ?
14 የሆዋ ንማሕበሩ “ብውህበት ሰባት” ገይሩ ኣዝዩ ባሪኽዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:8) ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ በቶም ትሑታት ሽማግለታት ዝግበር ዘሎ መርኣያ ፍቕሮም ዝኾነ ነተን ኣባጊዕ ኣምላኽ ዝገብሩለን ዘለዉ ርህራሄ ዝመልኦ ጉስነት: ዘሞጉስ ልቢ ዘምውቕ ደብዳቤታት ትቕበል ኣላ። ንኣብነት ሓደ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለ: ከምዚ እናበለ ይጽሕፍ:- “ካብዚ ኹሉ ዝረኤኹዎ ምብጻሕ: ከም ናይ ሓደ ኣውራጃ ተዓዛቢ ምብጻሕ ገይሩ ዝተንከፈኒ ኣይዝከረንን: ጉባኤናውን ክሳዕ ሕጂ ትዛረበሉ ኣላ። እቲ ናይ ኣውራጃ ዘዋሪ ተዓዛቢ ምስ ኣሕዋት ኣብ ዝመመላለሰሉ እዋን ኣብ ናእዳ ዘተኰረ አወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ክግንዘብ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
15 ሓንቲ ክትሕከም ኢላ ናብ ርሑቕ ቤት ሕክምና ዝኸደት ሓብቲ: “ኣብታ ቀዳመይቲ ለይቲ ኣብ ሆስፒታል ዝሓደርኩላ: ካብ ገዛይ ርሒቐ ብምህላወይ ዝፈጠረለይ ሻቕሎት ተዋሒጠ ከሎኹ: ሽማግለ ክረክብሲ ክንደይ ዘጸናንዕ ኢዩ! ንሱን ካልኦት ኣሕዋትን ምሳይ ብዙሕ ግዜ ኣሕለፉ። ዋላ እቶም ነቲ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ሕማም ዝፈልጡ ዝነበሩ ዓለማውያን ከይተረፉ ብዘይ ናይቶም ፍቑራትን ዉፉያትን ኣሕዋት ምጽንናዕን ሓልዮትን ጸሎትንሲ ክድሕን ፈጺመ ይኽእል ከም ዘይነበርኩ ይስምዖም ነይሩ” ኢላ ትጽሕፍ። ካልእ ሓብቲ ድማ: “ሎሚ ብህይወተይ ተሪፈ ዘለኹ ሳላ እቶም ሽማግለታት ካብቲ ዝነበረኒ ክቱር ሕማም ጭንቀት ንኽላቐቕ ኣብ ዝገበርክዎ ቃልሲ ብዓቢ ትዕግስቲ ደጊፎምኒ ኢዮም . . . ሓደ ሓው ምሰ ሰበይቱ እንታይ ከም ዝብሉኒ ስለ ዝጠፍኦም ክልቲኦም ኰይኖም ብምዉቕ ስምዒት ሕቑፍ ኣበሉኒ። እቲ ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዝተንከፈኒ ድማ እቲ ኣነ ዘሕልፎ ዘሎኹ ህይወት ፈጺሞም ዘይተረድእዎ ክነሶም ብፍቕሪ ምክንኻኖም ኢዩ” ኢላ ትጽሕፍ።
16. ጴጥሮስ ንሽማግለታት እንታይ ማዕዳ ይህቦም?
16 እወ: ብዙሓት ሽማግለታት ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኸ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ከንቱ ረብሓውን ኣይኹን: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናኾንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 5:1–3) ከምዚኦም ዝበሉ ቲኦክራቲካውያን ሽማግለታትስ ኣየ ከመይ ዝበሉ በረኸት ኰን ኢዮም!
ኣብቲ ቲኦክራሲ ዘለዋ ኣባጊዕ
17. እቶም ኣብታ ጉባኤ ሽማግለታት ዘይኰኑ ከዕብይዎም ዘለዎም ባህርያት ቍሩብ ጥቐስ።
17 ይኹን እምበር: ቲኦክራሲ በቶም ሽማግለታት ጥራይ ዝቖመ ኣይኰነን። እቶም ጓሶት ቲኦክራቲካውያን ካብ ኰኑ እተን ኣባጊዕውን ከምኡ ክኾና ኣለወን። በየኖት መገድታት? እቲ ነቶም ጓሶት ዝመርሖም ስርዓት ነተን ኣባጊዕውን ክመርሐን ኣለዎ። ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ ኩሎም ክርስትያናት በረኸት የሆዋ ክረኽቡ እንተደልዮም ትሑታት ክኾኑ ይግብኦም። (ያእቆብ 4:6) የሆዋ እቲ ብዘይ ፍቕሪ እነቕርበሉ መስዋእቲ ስለ ዘየሐጉሶ ኩሎም ፍቕሪ ከዕብዩ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 13:1–3) ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ ኩላትና ድማ በቲ “ቅኑዕ ዝኾነ ፍልጠት ፍቓድ የሆዋ ብኹሉ ጥበብን መንፈሳዊ ምርዳእን ክንመልእ ኣሎና።” — ቈሎሴ 1:9።
18. (ሀ) ላዕለ ላዕሊ ፍልጠት ናይ ሓቂ እኹል ዘይከውንስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ኩላትና በቲ ቅኑዕ ፍልጠት ክንመልእ እንኽእልስ ከመይ ገይርና ኢና?
18 ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናነበርና ኸሎና እሙናት ኰይንና ክንርከብ ህርድግ እናበልና ንዓበይትናን ንነኣሽቱናን ከበድቲ ዝኾኑ ውሳኔታት ኢዮም ዝገጥሙና ዘለዉ። እቶም ከም ክዳንን ሙዚቃን ቺነማን ጽሑፋትን ዝበሉ ናይ ዓለም መዘምበሊታት ንናይ ገሊኦም መንፈሳውነት ዝፍትኑ ኢዮም። ናይ ላዕለ ላዕሊ ፍልጠት ሚዛንና ሓሊና ክንከይድ እኹል ሓገዝ ዝህብ ኣይኰነን። እሙናት ኰይንና ከም እንጸንዕ መታን ከነረጋግጽ በቲ ቅኑዕ ፍልጠት ክንመልእ የድልየና። እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ዝርከብ ምስትውዓልን ጥበብን ከድልየና ኢዩ። (ምሳሌ 2:1–5) እዚ ድማ ጽቡቕ ናይ ምጽናዕ ልምዲ ከነማዕብልን በቲ ንመሃሮ ምስትንታንን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ማለት ኢዩ። (መዝሙር 1:1–3። ራእይ 1:3) ጳውሎስ: “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልምማድ ንልቦናኦም ዘላምዱ ብጹሓት ኢዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ንሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሎም ክርስትያናት ኢዩ ነይሩ። — እብራውያን 5:14።
ጓሶትን ኣባጊዕን ሓቢሮም ይሰርሑ
19, 20. ኩላቶም ምስ ሽማግለታት መታን ክተሓባበሩ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ? ስለምንታይከ?
19 ብዝተረፈ እቲ ሓቀኛ ቲኦክራቲካዊ መንፈስ ዝረአ ዘሎ በቶም ንሽማግለታት ዝተሓባበሩ ኢዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግለታት: ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞቴዎስ 5:17። 1 ጴጥሮስ 5:5, 6) ሽማግለ ምዃን ሓደ ግሩም ዝኾነ መሰል ኢዩ: ግን መብዛሕትኦም ሽማግለታት ዝእለዩ ኣንስትን ደቅን ዘለዉዎም ኩሉ መዓልቲ ናብ ናይ ዓለም ስርሖም ዝኸዱ ሰብ ስድራ ኢዮም። ንኸገልግሉ ሕጉሳት እኳ እንተኾኑስ እቲ ኣገልግሎቶም ቀሊልን ብዙሕ ዓስቢ ድማ ዘለዎን ምእንቲ ክኸውን እታ ጉባኤ ብዙሕ ነቓፊትን እዚ ይገበረለይ እትብልን ዘይኰነስ ደጋፊት ምስ እትኸውን ጥራይ ኢዩ። — እብራውያን 13:17።
20 ሃዋርያ ጳውሎስ: “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቋመትኩም: ንእምነቶም ቅድሕዎ” በለ። (እብራውያን 13:7 ት.ሓ.ዓ.) ጳውሎስ እቶም ኣሕዋት ነቶም ሽማግለታት ክኽተሉ ኣየተባብዐን። (1 ቈረንቶስ 1:12) ንሓደ ሰብ ምኽታል ቲኦክራቲካዊ ኣይኰነን። ግን ነቲ ፍትንቲ እምነት ዘላቶ ቲኦክራቲካዊ ሽማግለ: ኣብቲ ናይ ወንጌል ምስፋሕ ስራሕ ድማ ትሑዝ ዝኾነ: ከምኡውን: ኣብ ኣኼባታት ዘየብኩር ኣብታ ጉባኤ ድማ ብትሕትናን ብፍቕርን ዝመላለስ ክትመስሎ ምጽዓር ብርግጽ ልቦና ኢዩ።
ጭቡጥ ውጽኢታት ናይ አምነት
21. ክርስትያናት ከምታ ናይ ሙሴ ዝበለት ብርትዕቲ እምነት ዘርእዩስ ከመይ ገይሮም ኢዮም?
21 ኣብዚ ካብ ኩሉ ዛንታ ናይ ሰብ: እቲ ኣዝዩ ብልሽዊ ዝኾነ እዋን: ሓንቲ ቲኦክራቲካዊት ማሕበር ክትህሉ ምኽኣላ: ብሓቂ እዚ ንዕብየት ስልጣን ናይቲ ዓቢ ቲኦክራቲክ ጭቡጥ መረጋገጺ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:2–5) ከምኡውን ብተወሳኺ እዚ ጭቡጥ መረጋገጺ ንእምነት ናይቶም ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኾኑ ምስ መዓልታዊ ናብራ ግድሎም ዝቃለሱ ግን የሆዋ ገዛኢኦም ምዃኑ ፈጺሞም ዘይርስዑ: ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑትን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ እሙን ሙሴ “ነቲ ዘይረአ ከም ዝርአ ገይሩ ጸኒዑ ዝቀጸለ” ከምኡ እውን ናይ ሎሚ ክርስትያናት ከም ናቱ ዝበለት እምነት ኣላቶም። (እብራውያን 11:27) ኣብ ቲኦክራሲ ክነብሩ ብምኽኣሎም ኣዚዮም ተባሪኾም ኢዮም: ብዛዕባዚ መዓልቲ መዓልቲ ኢዮም ንየሆዋ ዘመስግንዎ። (መዝሙር 100:4, 5) ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ሓይሊ የሆዋ ስለ ዝጥዕምዎ “የሆዋ ፈራዲና የሆዋ ሓጋግ ሕግና የሆዋ ንጉስና ኢዩ: ንሱ ባዕሉ ከድሕነና ኢዩ” ኢሎም ክእውጁ ሕጉሳት ኢዮም። — ኢሳይያስ 33:22።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካብቶም ከምዚኦም ዝበሉ ሕታማት እታ: “ንርእስኹምን ንኹላ እታ መጓሰን ተጠንቀቑ” ትብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ዘለዋ ንዝተሸሙ ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ እትወሃብ መጽሓፍ ኢያ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ የርኢ?
◻ በየናይ መገዲ ኢዮም ክርስትያናት ንቲኦክራሲ ዝግዝኡ?
◻ ሎሚ ቲኦክራሲ ከመይ ኢሉ ኢዩ ቆይሙ ዘሎ?
◻ ሽማግለታት ሓላፍነቶም መታን ክፍጽሙስ ብኸመይ ኢዮም ንርእሶም ከዳልዉዋ ዝኽእሉ?
◻ እንታይ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ክርስትያናት ባህርታት ኢዮም ሽማግለታት ከዕብዩን ከርእዩን ዘለዎም?
◻ ኣብ ቲኦክራሲ ኣብ መንጎ እቶም ጓሶትን ኣባጊዕን እንታይ ዝምድና ኢዩ ክህሉ ዘለዎ?
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣምን ሄዋንን ብዛዕባ ጽቡቕን ኩፉእን ዝመጸ ባዕሎም ክውስኑ ስለ ዝደለዩ ኢዮም ንገነት ከጥፍእዋ ዝከኣሉ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ሽማግለ ምስተን ኣባጊዕ ብትሕትናን ብፍቕራዊ ዝኾነ መገድን ዝመላለስ እንተ ኰይኑ: ኩሉ ግዜ ንጽቡቕ ተግባራት ሰናይ ኣብነት ክኸውን ኢዮ።