ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
“ዎ እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ኣምላኽ ሓቂ ኣድሒንካኒ ኢኻ ። ” — መዝሙር 31:5።
1, 2. (ሀ) ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዘንበበቶ ሓሳብ ከመይ ተሰምዓ ? (ለ) ብዛዕባ መጽሔታትና እንታይ ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም ዝሕተቱ ?
ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ከምዚ እናበለት ጽሓፈት:- “ብዛዕባቲ ኣብታ ‘ኣብ ግዜ ጸበባ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ’a ትብል ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጽ ዝወጸ ዘደንቕ ትምህርቲ ብዙሕ እየ ዘመስግነኩም መብዛሕትኡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ልክዕ ነቲ ንዓይ ዘሸግረኒ ዝነበረ ስምዒታት ዝምልከት’ዩ ነይሩ ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብቐጥታ ንዓይ ተባሂላ ዝተጻሕፈት ኰይና ተሰሚዓትኒ ። መጀመርያ ከንብባ ከሎኹ ንብዓት ስዒሩኒ ። ስምዒተይ ዝፈልጠለይ ከም ዘሎ ምግንዛበይ ዘደንቅ ኢዩ ! ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃነይ ብዙሕ ኢየ ዘማሱ : ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ ምዃንና ዝነግር ተስፋ ካብዚ ሓሊፍና ኣበይ ክንረክብ ንኽእል : እዚ ተስፋዚ ሕጂ ንነፍስና ዘጸናንዕ ኰይኑ ኣሎ ! አመስግነኩም ። ሚልዮን ሳዕ አመስግነኩም ።”
2 ንስኻኸ ከምኡዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ ? ገለ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብታ ተበራበሩ ! ዝተባህለት ብጸይታ ዝኾነት መጽሔት ዝወጸ ሓሳብዶ ብፍላይ ንዓኻ ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ ኰይኑ ተሰሚዑካ ይፈልጥ ? ስለምንታይ እየን መጽሔታትና ንኣልባብ ናይ ሳባት ዝማርኻ ክኾና ክኢለን ዘለዋ ? ከመይ ጌርና ኢናኸ ንኻልኦት በቲ ህይወት ዘድሕን መልእኽቲ ናይዘን መጽሔታት ጌርና ከም ዝጥቀሙ ክንገብሮም እንኽእል ? — 1 ጢሞቴዎስ 4:16።
ምእንቲ ሐቂ ዝጣበቓ መጽሔታት
3. መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ብኸመይ ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት ኢየን ንናይ ብዙሓት ሰባት ኣልባብ ክትንክፉ ዝኽእላ ?
3 የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢዩ ። (መዝሙር 31:5) ቃሉ : ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መጽሓፍ ሓቂ ኢዩ ። (ዮሃንስ 17:17) እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንቓሉ ይሰምዕዎ ኢዮም ። (ምስ ዮሃንስ 4:23, 24 ኣነጻጽሮ) ሓደ ካብቲ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ንኣልባብ ናይ ሚልዮናት ኣንበብቲ ክምስጥኦ ክኢለን ዘለዋ ምኽንያት : ናይ ተኣማንነትን ሓቅን መጽሔታት ስለ ዝኾና ኢዩ ። አረ ግምቢ ዘብዐኛ መጀመርያ ክትሕተም ዝጀመረትሉስ ብዛዕባ ተኣማንነት ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ ነይሩ ።
4, 5. (ሀ) ንሲ. ቲ. ራሰል ንግምቢ ዘብዐኛ ክሓትም ዝደረኾ ኵነታት እነታይ ነበረ ? (ለ) ከመይ ገይሩ ኢዩ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዝጥቀመላ ?
4 ብ1876 ቻርለስ ቲ. ራስል ምስ ኔልሰን ኤች ባርቡር በዓል ቶቸስተር ኒው ዮርክ ክሓብር ጀመረ ። ራስል ነቲ ሄራልድ ኦቭ ዘ ሞርኒን ዝተባህለ ሃይማኖታዊ መጽሔት ንምሕታም ዝኸውን ገንዘብ ቀረበ ። ባርቡር ከም ቀንዲ ሓታሚ : ራሰል ከኣ ከም ተሓጋጋዚ ሓታሚ ነበረ ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ኣብ ናይ ነሓሰ 1878 ናይቲ ሄራልድ ሕታም : ባርቡር ነቲ ናይ ክርስቶስ ሞት ናይ ምድሓን ዋጋ ዝኽሕድ ዓንቀጽ ጽሒፉ ኣውጽአ ። ራሰል ካብ ባርቡር ብ30 ዓመታት እኳ ዝንእስ እንተነበረ ኣብታ እትቅጽል ሕታም : ንበጅነት ዝድግፍ ዓንቀጽ ብምጽሓፍ መለሸሉ : በጅነት ድማ “ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ትምህርትታት ናይ ቃል ኣምላኽ” ኢሉ ጠቐሶ ። (ማቴዎስ 20:28) ብጥቕሳዊ መገዲ ምስ ባርቡር ክረዳዳእ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምጽዓር : ራሰል ምስቲ ሄራልድ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ወሰነ ። ካብ ሕታም ናይ ሰነ 1879 ጀሚሩ ናይ ራስል ስም ኣብታ መጽሔት እቲኣ ከም ተሓጋጋዚ ሓታማይ ካብ ምዃን ኣቋረጸ ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ : 27 ዝዕድሚኡ ራስል ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ናይ ክርስቶስ ምህላው ዝነግር ኣዋጅን እትብል መጽሔት (ሎሚ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂላ ትፍለጥ) ክሓትም ጀመረ ። እዛ መጽሔት እዚኣ ካብ መጀመርያ ኣትሒዛ’ያ ንከም በዓል በጅነት ዝኣመሰሉ ጽሑፋዊ ሓቂ ዝደገፈት ።
5 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝሓለፋ 114 ዓመታት ከም ሓንቲ ክኢላ ጠበቓ ኰይና ኣብ ክንዲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅን ሰረተ – ትምህርትን ተኸላኻሊት ምዃና ኣረጋጊጻ ኢያ ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ኸኣ : ናይ ሚልዮናት መማሰውቲ ኣንበብቲ እምነት ረኺባ ኣላ ። ገና ድማ ንበጅነት ኣበርቲዓ ትድግፎ ኣላ ። (ንኣብነት ናይ 15 ለካቲት 1991 ሕታም ተመልከት) ብዛዕባ እታ ቆይማ ዘላ መንግስቲ የሆዋ ንምእዋጅን መንፈሳዊ መግቢ ድማ “ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ” ንምዕዳልን ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን” ናይቲ ናቱ ኣመሓዳሪ ኣካልን ቀንዲ መሳርያ ኰይና ትቕጽል ኣላ ። — ማቴዎስ 24:14, 45።
6, 7.ዕላማ ናይ ወርቃዊ መዋእል እንታይ ነበረ ? መስተውዓልቲ ዝኾኑ ሰባት ንመልእኽቱ ከም ዝተቐበልዎኸ እንታይ መረድኢ ኣሎ ?
6 ብዛዕባ መጽሔት ተበራበሩ !ኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ ? ካብ መጀመርያ ኣትሒዛ ተበራበሩ !ውን ንሓቂ ተጣቢቓትላ ኢያ ። ካብ ፈለማ እዛ መጽሔት እዚኣ ወርቃዊ መዋእል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ንህዝቢ ንምዕዳል ተባሂላ ኢያ ተዳልያ ። ብዛዕባ ዕላምኣ ኸኣ : እታ ናይ ዕለት 1 ጥቅምቲ 1919 ቀዳመይቲ ሕታም ከምዚ እናበለት ገለጸት “ዕላምኣ : ብመለኰታዊ ጥበብ ተመሪሓ ናይዚ ግዜና ዓቢ ተርእዮ ትርጕም እንታይ ከም ዝኾነ ንምግላጽን : ነቶም መስተውዓልቲ ዝኾኑ ሰባት ድማ ብዘየካትዕን ብዘእምንን መርትዖ ጌርካ እቲ ንደቅሰብ ተዳልዩሎም ዘሎ ዝዓበየ በረኸት ሕጂ ግዜኡ ኣዝዩ ቀረባ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኢዩ ።” መስተውዓልቲ ዝኾኑ ሰባት ንመልእኽቲ ናይ ወርቃዊ መዋእል ተቐቢሎሞ ኢዮም ። ንሓያለይ ዓመታት ድማ : ብዝሒ ሸያጥ ናይዛ መጽሔት እዚኣ ካብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዝተዓጻጸፈ ኢዩ ነይሩ ።b
7 መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ተፈተውቲ ዝገብረን : ሰረተ ትምህርታዊ ሓቂ ስለ ዝሓትማን ትንቢታዊ ትርጉም ናይ ኵነታት ዓለም ስለ ዝገልጻን ጥራይ ኣይኰነን ። ካብኡ ንላዕሊ ኣሎ ። ብሕልፊኳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመታት : መጽሔታትና ብኻልእ ምኽንያትውን ንኣልባብ ሰባት ማሪኸን ኢየን ።
ህይወት ሰባት ዝትንክፍ እዋናዊ ዓንቀጻት
8. ይሁዳ እንታይ ምትዕርራይ ብምግባር ኢዩ ንኣንበብቱ ነቲ ኣብ ውሸጢ እታ ጉባኤ ዝኣቱ መበላሸዊ ጽልዋ ክቃወምዎ ዝመዓዶም ?
8 30 ዓመታት ኣቢሉ ድሕሪ ሞትን ትንሳአን የሱስ ክርስቶስ : እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ዝነበረ ይሁዳ ጽንኩር ኵነታት ኣጋጠሞ ። ርኹሳትን ኣራዊታዊ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ኣብ መንጐ እቶም ክርስትያናት ስሉኽ ኢሎም ኣትዮም ነበሩ ። ይሁዳ ነቶም ብጾቱ ክርስትያናት : ቅድም ብዛዕባ ሰረተ – ትምህርቲ : ማለት ብዛዕባቲ ናይ ሓባር ድሕነት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ክጽሕፈሎምዩ መዲቡ ዝነበረ : ኣብ ክንድኡ ግን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ : ነቶም ኣንበብቱ ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ኣትዩ ከበላሹ ዝኽእል ጽልዋ ክቃወምዎ ክምዕዶም ኣድላዩ ኰይኑ ረኸቦ ። (ይሁዳ 3, 4, 19–23) ይሁዳ ምስቲ ኵነታት ተሰማሚዑ : ነቶም ክርስትያን ኣሕዋቱ ዘድሊ እዋናዊ ወይ ከኣ ምስ ግዜ ዝሰማማዕ ምኽሪ ኣዳለወሎም ።
9. ንመጽሔታትና ዝኸውን እዋናዊ ዓንቀጻት ንምድላው እንታይ ይሓትት ?
9 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ንመጽሔታትና ዝኸውን እዋናዊ ወይ ምስቲ ግዜ ዝሰማማዕ ዓንቀጻት ምድላው ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ። ግዜ ይለዋወጥ ኢዩ : ሳባትውን ይልወጡ ኢዮም ። ስለዚ ኸኣ እቲ ድልየቶምን ባህጐምን ከምቲ ናይ ቅድሚ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ዝነበረ ኣይኰነን ። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሃቦ ሓሳብ ኣሎ:- “ኣብ 1950ታት ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከሎኹ : ንሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከሎና ኣቀራርባና ብመሰረቱ ሰረተ – ትመህርታዊ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ስላሴ : ገሃነም ሓዊ : ነፍሲ ወዘተ ኢና እንምሀሮም ዝነበርና ። ሕጂ ግን ንሰባት ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም ብዙሕ ግድላትን ሽግራትን ስለ ዘሎ : ከመይ ገይሮም ከም ዝነብሩ ክንምህሮም ኢዩ ዝግብኣና ።” ስለምንታይ ከምኡ ዝኸውን ?
10. ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ሰብኣዊ ኣነባብራ ዘየቋርጽ ምንቍልቋል ከም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ ከገርመና ዘይብሉ ?
10 ብዛዕባ “እተን ዳሕሮት መዓልታት” መጽሓፍ ቅዱስ : “እቶም እኩያትን ጠበርትን ሰባት ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኽበጽሑ ኢዮም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ስለዚ እምበኣር እቲ ግዜ መወዳእታ ካብ 1914 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናብራ ደቅሰብ ብዘይ ምቍራጽ እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ክገርመና የብሉን ። ሰይጣን እተን ተሪፈን ዘለዋ መዓልታቱ ኣዝየን ሓጸርቲ ብምዃነን : ካብ ቅድም ሕጂ ብዝገድድ ኣገባብ ኢዩ ተሃንዲዱ ሕርቃኑ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘውርድ ዘሎ ። (ራእይ 12:9, 12) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ : ሞራልን ናይ ስድራቤት ወግዕን ካብቲ ቅድሚ 30 ወይ 40 ዓመታት ይገብር ዝነበርዎ ኣዝዮም ዝተለወጡ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ ። ሰባት ብሓፈሻ : ከምቲ ናይ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበርዎ ሃይማኖታዊ ዝምባሌ ሕጂ የብሎምን ። ዓመጻ ኣዝዩ ሰፊሑ ስለ ዘሎ ሰባት ቅድሚ 20 ወይ 30 ዓመታት ዘይዝውተር ዝነበረ ጥንቃቔታት የዘውትሩ ኣለዉ ። — ማቴዎስ 24:12።
11. (ሀ) ኣብ ኣእምሮ ናይ ሰባት ከመይ ዝበሉ ኣርእስትታት ኢዮም ዘለዉ : ነዚ ድሌታትዚኸ እቲ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ከመይ ገይሩ መሰሸሉ ? (ለ) ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ተበራበሩ ! ንህይወትካ ዝተንከፈትካ ዓንቀጽ ኣብነት ኣቕርብ ።
11 ናይ ስድራቤትን ስምዒትን ማሕበራውን ጉዳያት ዝምልከት ኣብ ኣእምሮ ናይ ብዙሓት ሰባት ምህላዉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን ። እቲ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቲ ሓቀኛ ድሌት ሰባት ዝምልከቱን ንህይወት ሰባት ድማ ብሓቂ ገይሮም ዝትንክፉን እዋናውያን ዓንቀጻት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ብምሕታም ነዚ ብትብዓት መሊሹሉ ኢዩ ። ገለ ኣብነታት እስከ ንመልከት ።
12. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1980 ብዛዕባ ንጽል ወለዲ ዘለዎም ስድራቤታት ዝኸውን ዓንቀጻት ዝተዳለወ ? (ለ) ከመይ ገይራ ኢያ ሓንቲ ሓብቲ ነታ ብዛዕባ ንጽል ወለዲ ዘለዎም ስድራቤት እትዛረብ ጠቒሳ ሞሳኣ ዝገለጸት ?
12 ንስድራቤት ዝምልከት ጉዳይ ። ካብ ጠቕላላ ዓለም ዝመጸ ጸብጻባት ብሓደ ወላዲ ዝእለዩ ስድራቤታት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ሓበረ : ብሓደ ወላዲ ዝእለዩ ስድራቤታት : ነቲ ግድል ብኸመይ ከም ዝዋጽኡሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1980 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ተኸታቲሉ ወጸ ። እተን ዓንቀጻት ድርብ ዕላማ ሒዘን ነይረን : (1) ንንጽል ወለዲ ነቲ ዘጋጥሞም ፍሉይ ግድል ብኸመይ ከም ዝዋጽኡሉ ንምሕጋዝን (2) ንኻልኦት ብዛዕባዚ ነገርዚ ዝያዳ ፍልጠት ከህልዎም እሞ “መንፈስ ብጻይነት” ከርእዩን ነቶም ብሓደ ወላዲ ዝእለዪ ስድራቤታት ብሓቂ ገይሮም “ዝሓልዩ” ምእንቲ ክኾኑ ንምሕጋዝን ኢዩ ። (1 ጴጥሮስ 3:8። ያእቆብ 1:27) ብዙሓት ኣንበብቲ ብዛዕባ እዘን ዓንቀጻት እዚአን ሞስኦም ንምግላጽ ጽሒፎም ኢዮም ። ሓንቲ ወላዲት ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብቲ ገበር ዝተጻሕፈ ኣርእስቲ ምስ ርኤኹ ኣዒንተይ ብንብዓት ተሸፊነን : ነቲ መጽሔት ገንጺለ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሓሳባት ምስ ኣንበብኩዎ ኸኣ : ኣብቲ ዝድለየሉ ግዜ ከምዚ ዝመሰለ ሓበሬታ ንዘዳለወለይ የሆዋ ልበይ ብምስጋና ጀርበበ ።”
13. ኣብ 1985 ኣብ ተበራበሩ ! እንታይ ብዛዕባ ጭንቀት ዝምልከት ዕምቆት ዘለዎ ትሕዝቶ ኢዩ ዝተተንተነ : ሓደ ኣንባቢኸ እንታይ በለ ?
13 ንስምዒት ዝምልከት ጉዳይ ። እቲ ብዛዕባ ጭንቀት ዝገልጽ ኣርእስቲ ካብ 1960 ጀሚሩ ካብ ግምቢ ዘብዔኛን ተበራበሩ !ን ክዝረበሉ ጸኒሑ ኢዩ ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣብ ናይ 8 መስከረም 1981 ሕታም ተበራበሩ ! ዝወጸ “ንጭንቀት ክትቃለሶ ትኽእል ኢኻ !” ዝብል ተኻታታሊ ዓንቀጻት ግን ነቲ ኣርእስቲ ብሓድሽን ኣወንታውን መንፈስ ኢዩ ተተሓሒዝዎ ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ካብ ምልእቲ ዓለም ናይ ምስጋና ደብዳቤታት ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውሕዝ ጀመረ ። ሓንቲ ሓብቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ስምዒት እሞ ከመይ ገይረ ኢየ ብጽሑፍ ክገልጾ ዝኽእል ? ኣነ ጓል 24 ዓመት ኢየ ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ ብዙሕ እዋናት ጭንቀት የጋጥመኒ ነይሩ ። ሕጂ ግን የሆዋ በዘን ፍቕሪ ዝሓዘላ ዓንቀጻት ገይሩ ንጸገም ናይቶም ጭንቀት ዝሓዞም ሰባት ስለ ዝመለሸሉ ኣጸቢቐ ናብኡ ክቐርብን ከመስግኖን ክኢለ ኣለኹ ። ነዚውን ንዓኹም ከካፍለኩም ደስ ይብለኒ ።”
14, 15. (ሀ) እቲ ብናይ ቆልዓ ምርኻስ ዝምልከት ኣርእስቲ : ኣብ መጽሔታትና ብኸመይ ተገልጸ ? (ለ) ዓንቀጻት ናይ ኣየነይቲ መጽሔት ኢየን ንሓደ ብፈረስ ዝቀዳደም ሰብ ዝመሰጣኦ ?
14 ማሕበራዊ ጉዳያት ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ . . . ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም (ት.ሓ.ዓ.) . . . ርእሶም ዘይገትኡ (ት.ሓ.ዓ.) : ጨካናት : ሰናይ ዘይፈትዉ” ክኾኑ ከም ዘለዎም ተነብዩ ነይሩ ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1–3) በዚ ኢዩ እምበኣር ሎሚ ንቖልዑ ምርኻስ ብዝሰፍሐ ደረጃ ዝውቱር ኰይኑ ምህላዉ ክገርመና ዘይብሉ ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1983 ግምቢ ዘብዐኛ “ነቶም ግዳያት ናይ ግብረ – ዘመድ ደግፍዎም” ብዝብል ዓንቀጽ ብጋህዲ ተገልጸ ። ሾሞንተ ዓመታት ብድሕሪኡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 1991 ተበራበሩ ! ዝወጸ “ቍስሊ ናይቲ ብቖልዓኻ ከሎኻ ዘራኸሱኻ ምፍዋስ” ብዝብል ዓንቀጻት ነቶም ግዳያት : ምርዳእን ተስፋን ንምሃብ : ነቶም ካልኦት ድማ ደገፍቲ ኰይኖም መታን ክርከቡ ንምንቃሕ ብዝብል ዕላማ ብጥንቃቐ ተዳለወ ። እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት : ኣብ ዛንታ ናይ መጽሔታትና ዝዓበየ ምላሽ ኣለዓዒለን ኢየን ። ሓደ ጸሓፋይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንኽጥዒ ዝዓበየ ጽልዋ ከሕድረለይ ዝኽኣለ እቲ ኣብዘን ዓንቀጻት ዝነበረ ዘጸናንዕ ሓሳባትን ጥቕሳዊ ሓበሬታን ኢዩ ነይሩ ። የሆዋ ኣትሒቱ ከምዘይርእየኒ ብምፍላጠይ ዓቢ ቅሳነት ኣምጺኡለይ ። እቲ ጸገም ኣብ በይነይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ምፍላጥውን ንርእሱ ዘጸናንዕዩ ነይሩ ።”
15 ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ከተማ መልቦርን ሓደ ብፈረስ ዝቀዳደም ሰብ ናብቲ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ስልኪ ደዊሉ ንናይ ፈረስ ምቅድዳም ዓለም ብርቱዕ ጽልኢ ከም ዘለዎ ገለጸ ። ገለ ዓንቀጻት ካብታ “ምዝራፍ : መባህረር ጓል ኣንስተይቲ” ዘርእስታ ናይ 8 መጋቢት ተበራበሩ ! ኣንቢቡ ነበረ እሞ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓሚ መጽሔት ብሓቂ ምህላዉ ንምእማን ኣጸገሞ ። ንገለ 30 ደቓይቕ ዝኸውን ሕቶታት ሓተተ ። እቲ ዝተዋህቦ መልሲውን ባህ ኣበሎ ።
16. ንመጽሔታትና ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢኻ ሞሳኻ ከተርእየሉ እትኽእል ?
16 ንስኻኸ ? ህይወትካዶ ብገለ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ተበራበሩ ! ዝተሓትመ ፍሉይ ዓንቀጽ ተተንኪፉ ይፈልጥ ? ከምኡ እንተደኣ ኣጋጢሙካ ኰይኑ ንመጽሔታትና ብዘይ ጥርጥር ዓሚቍ ሞሳ ክህልወካ ኢዩ ። እሞ ንሞሳኻ ብኸመይ ክትገልጾ ትኽእል ? ብርግጽ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ባዕልኻ ብምንባብ ኢኻ ከተርእዩ እትኽእል ። ከምኡውን ነዘን ክቡራት መጽሔታት እዚአን ዝዓበየ ዝርጋሐ ከም ዝህልወን ኣብ ምግባር ክትካፈል ትኽእል ኢኻ ። እዚኸ ከመይ ጌርካ ኢዩ ክግበር ዝከኣል ?
ንኻልኦት ኣካፍሎም
17. ጉባኤታት ዝያዳ መጽሔታት ምእንቲ ክዝርግሓ እንታይ ክገብራ ምኽኣላ ?
17 መጀመርያ : ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎ ። እታ ናይ ጥቅምቲ 1952 ሕታም ናይ ሓባሪት (ሎሚ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ትብሃል ዘላ) ከምዚ በለት:- “መጽሔታት ክዝርገሓሉ ዝኽእል ኣዝዩ ስሉጥ ኣገባብ ካብ ቤት ናብ ቤትን ካብ ድኳን ናብ ድኳን ብምኻድን ኢዩ ። ስለዚ ኸኣ ማሕበር እዚ ናይ መጽሔት ምዝርጋሕ ኣገባብዚ ስርዓታዊ ወይ ዘየቋርጽ ክፍሊ ናይ ተግባርና ኣብ መዓልቲ ምዕዳል መጽሔት ክኸውን ትምሕጸን ኣላ” እዚ ምኽሪ እዚ ሎሚውን ጌና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ ። ጉባኤታት ስርዓታዊ ዝኾነ ናይ መዓልቲ መጽሔት መደብ ከውጽኣ ይኽእላ : እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ብመጽሔት ጌርካ ንምምስካር ዝተመደበ ማለት ኢዩ ። ንመብዝሕትአን ጉባኤታት ብዘይጥርጥር ቀዳም ቀዳም ምቹእ ግዜ ክኾነለን ይኽእል ኢዩ ። እወ : ነፍስ ወከፍ ጉባኤ : ብመጽሔት እትምስክረሉ ፍሉይ መዓልታት ወይ ገለ ምሸት ትመድብ : እዚ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት : ካብ ድኳን ናብ ድኳን : ኣብ መገዲ ወይ መጽሔት ብምልኣኽ ክኸውን ይኽእል ! ብተወሳኺ : ንስኻ ኣታ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሒ ዝኾንካ እቲ ናይ መጽሔት ምዝርጋሕ ምእንቲ ክውስኽ እንታይ ሓገዝ ምሃብካ ?
18, 19. (ሀ) ጽምኢ ናይ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ምህላው : መጽሔታት ንምዕዳል ብኸመይ ክሕግዘካ ይኽእል ? (ለ) መጽሔት ክትዕድል ከሎኻ ሓጺርን ፍረ ዘለዎም ኣቀራርባ ምዝውታር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ ? (ሐ) ነቶም መጽሔታት ኣብ ኣባይቲ ናይ ሰባት ከም ዝኣትዉ ምግባሮም ጥቕሚ ከም ዘለዎ እንታይ መረድኢ ኣሎ ?
18 ጽምኢ ናይ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ዘሎካ ምዃን እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ኢዩ ። ነተን መጽሔታት ኣቐዲምካ ኣንብበን ። ንነፍስ ወከፍ ዓንቀጽ ከተንብብ ከሎኻ ንርእስኻ “እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንመን ኰን ተገድስ ትኸውን ?” ኢልካ ሕተት ። ካልኦት ኣብታ ዓንቀጽ እቲኣ ተገዳስነት ከሕድሩ ብኸመይ ዝበለ ሒደት ቃላት ከተለዓዕሎም ከም እትኽእል ሕሰብ ። ኣብ ርእሲ ነቲ ስርዓታዊ ናይ መዓልቲ መጽሔት ምድጋፍካ : ቅደሓት ምሳኻ ተማሊእካ ዘይትኽይድ እሞ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ማለት : ክትገይሽ ከሎኻ ወይ ኣብ ዕዳጋ ክትሽምት ከሎኻ ወይ ንመሳርሕትኻ ጐረባብትኻ : መማህርትኻ ወይ ንመማህራን ዘይተካፍሎም ?
19 ካልኣይ ርእይቶ ኸኣ ቀሊል ኣቀራርባ ምዝውታር ዝብል ኢዩ ። ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ታሕሳስ 1956 ከምዚ ትብል:- “መጽሔት ክትዕድል ከሎኻ : ሓጺርን ፍረ ዘለዎን ኣቀራርባ ጌርካ ምቕራቡ ኢዩ እቲ ዝበለጸ ። ከመይሲ እቲ ዕላማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ቅዳሓት ንምዕዳልዩ ። ብዛዕባ ምዝራብ እንተኾይኑ እተን መጽሔታት ባዕለን ‘ክዛረባ’ እየን ።” ገለ ኣስፋሕቲ ካብ ሓንቲ ዓንቀጽ ሓደ ሓሳባት ወሲድካ ብሒደት ቃላት ጌርካ ምስ ገለጽካዩ ነታ መጽሔት ምዕዳል መስለጢ ኰይኑ ረኺቦሞ ኣለዉ ። እተን መጽሔታት ሐንሳብ ኣብቲ ቤት እንተደኣ ኣትየን ብዘይካ ነቲ ዝተቐበለካ ሰብ ንኻልእውን “ክዛረብኦ” እየን ። ኣብ ኣየርላንድ ሓንቲ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝኾነት መንእሰይ : ኣቦኣ ካብ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝተቐበላ : ናይ 1 መስከረም 1991 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣንበበት ። ብዛዕባ “ምርድዳእ” (ኮሙኒኬሽን) ዝብል ኣርእስትን ካልእ ኣርእስትታትን ዝገልጽ ዓንቀጻት ንተገዳስነታ ኣነቓቕሖ ። ነታ መጽሔት ምስ ኣንበበታ ተቐላጢፋ ካብ ናይ ቴለፎን መጽሓፍ ቁጽሪ ስልኪ ወሲዳ ኣብቶም መሰኻኽር የሆዋ ደወለት ። ብኡንብኡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት : እዛ መንእሰይ ድማ ኣብቲ “መለኰታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ኣብ ሓምለ 1993 ዝተኻየደ ዓቢ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተጠምቀት ። ንሕናውን ነዘን መጽሔታት እዚአን ዝገበርና ጌርና ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣትየን “ክዛረባኦም” ከም ዝኽእላ ንግበር ! ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ካልእ ቀሊል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ:- “ነተን መጽሔታት ካብቲ መጻሕፍትኻ እተቐምጠሉ ሳንጣኻ ኣውጽኣየን ።” ብርግጽ ከኣ : እቲ ንስኻ እትዛረቦ ንተገዳስነት ናይቲ በዓል ቤት ክስሕቦ እንተደኣ ዘይክኣለ : ምናልባሽ እቲ ኣብቲ ገበር ናይታ መጽሔት ዘሎ ዝማርኽ ስእላዊ መግለጺ : ነታ መጽሔትካ ከም እትዕደል ክገብረልካ ኢዩ ።
20, 21. (ሀ) ኣብ ዕዮ ምዕዳል መጽሔት ክትካፈል ከሎኻ ከመይ ጌርካ ኢኻ ተዓጻጻፋይ ክትከውን እትኽእል ? (ለ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝያዳ መጽሔታት ንምዕዳል እንታይ ብሕታዊ ሸቶታት ክግበር ከም ዝከኣል ኢዩ ሓሳብ ተዋሂቡ ዘሎ ?
20 ሳልሳይ ምኽሪ ድማ ተዓጻጻፋይ ኩን ዝብል ኢዩ ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 9:19–23 ኣነጻጽሮ) ሒደት ሓጸርቲ መእተዊታት ኣዳሉ ። ሓንቲ ንሰብኡት እተገድስ ዝበልካያ ዓንቀጽ : ካልእውን ንኣንስቲ እተገድስ ቀርብ ። ንመንእሰያት ከኣ ካብቲ “መንእሰያት ዝሓትዎ . . .” ዝብል ኣርእስቲ ሓንቲ ዓንቀጽ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ። ከምኡውን ኣብ ዕዮ ምዕዳል መጽሔት መዓስ ክትሳተፍ ብዛዕባ ምኽኣልካ ምስቲ ኵነታት ብምስምማዕ ተዓጻጻፋይ ኩን ። ንኣብነት ኣብ ርእሲ እቲ ፍሉጥ ዝኾነ መዓልቲ ምዕዳል መጽሔት : እቲ ብግዜ ምሸት ዝግበር ምስክርነት : ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ መጽሔት ንምዕዳል ብሉጽ ኣጋጣሚ ይህብ ኢዩ ።
21 ራብዓይ ምኽሪ ድማ ናይ ብሕትኻ ሸቶ ኣዳሉ ዝብል ኢዩ ። ኣብ ናይ መጋቢት 1984 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ወጺኡ ዝነበረ “መጽሔታት መገዲ ህይወት ይሕብራ” ዝብል ኣርአስቲ ከምዚ በለ:- “ከም ሓሳብ : ተራ አስፋሕቲ ከከም ኵነታቱ : ኣብ ወርሒ 10 መጽሔታት ክዕድሉ ሸቶ ከውጽኡ ይኽእሉ እዮም ። ፓይነራት ከኣ 90 መጽሔታት ንምዕዳል ክመጣጠሩ ይኽእሉ ። ርግጽ ኢዩ : ካልኦት ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣብ ወርሒ ዝያዳ መጽሔታት ክዕድሉ ይኽእሉ ኢዮም ። ስለዚ ኸኣ ካብኡ ዝለዓለ ብሕታዊ ሸቶ ክምድቡ ይኽእሉ ኢዮም ። ዝኾነ ኰይኑ ግን : ብምኽንያት ጉድለት ጥዕና : ዓይነት ዞባ ወይ ካልእ ብቑዕ ምኽንያታት : እቲ ናይ ካልኦት ሸቶ ዝተሓተ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ምስናይዚ ግን እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘቕረብዎ ኣገልግሎት ልክዕ ከምቲ ናይቶም ካልኦት ብኽብሪ ኢዩ ዝርአ ። (ማቴዎስ 13:23። ሉቃስ 21:3, 4) እቲ ዘገድስሲ ብሕታዊ ሸቶ ምህላው ኢዩ ።
22. የሆዋ እዋናውያን ዝኾኑ መጽሔታት ሓቂ ስለ ዝሃበና በየናይ መገዲ ኢና መመስገንቲ ምዃንና ከነርኢ እንኽእል ?
22 የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢዩ : በቲ ክፍሊ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን እቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉን ገይሩ ነዘን እዋናውያን መጽሔታት ዘዳለወልና : ኣየ ክንደይ ኢና ነመስግኖ ! (መዝሙር 31:5) የሆዋ ክሳዕ ዝፈቕዶ እዘን መጽሔታት እዚኣተን ነቲ ንደቅሰባት ብሓቂ ዘድልዮም ነገራት ብዘይምቍራጽ ክተሓሓዛኦ ኢየን ። ነቲ ናይ የሆዋ ዝለዓለ ስርዓታት ናይ ሞራል ድማ ብዘይምቍራጽ ክድግፍኦ ኢየን ። ነቲ ቅኑዕ ሰረተ – ትምህርቲ ካብ ምድንፋዕ ድማ ኣይከቋርጻን ኢየን ። እዘን መጽሔታት እዚአን ነቲ ነዚ ዘሎናዮ መዓልታት : መንግስቲ ኣምላኽ እትገዝኣሉ ዘላ ግዜ ምዃኑን : ከምኡውን ፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ሕጂ ኰይኑዎ ብዘይፈልጥ በቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ የሆዋ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣብ ምድሪ ይኸውን ከም ዘሎ ዘመልክት ትንቢት : ከየቋረጻ ሰባት ኣብኡ ኣቢሎም ከም ዘቕልቡ ክገብራ ኢየን ። (ማቴዎስ 6:10። ራእይ 11:15) ኣየወ ከመይ ዝበለ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ወይ ሃብቲ ኢና ኣብ ውሽጢ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ረኺብና ዘሎና ! ነዘን ንህይወት ናይ ሰባት ዝትንክፋን ንናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቅታት ከኣ ዘጕልሓ መጽሔታት እዚኣተን ነቶም ትሑት ዝልቦም ሰባት ንምክፋል ንዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ንጠቐመሉ ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a 15 ሓምለ: 1992 ገጽ 19–22።
b ግምቢ ዘብዐኛ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ብፍላይ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ተባሂላ ዝተዳለወት መጽሔት ከም ዝኾነት ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ ። እንተ ኾነ ግን ካብ 1935 ጀሚሩ : ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ተስፋ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ ግምቢ ዘብዐኛ ክዕድግዋን ከንብቡዋን ቀጻሊ ምትብባዕ ተዋህቦም ። (ራእይ 7:9) ብድሕሪ ሒደት ዓመታት ብ1940 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መገድታት ብዘይ ምቍራጽ ንህዝቢ ትዕደል ነበረት ። ብድሕሪኡ ኸኣ ብፍጥነት ተዘርግሐት ።
እንታይ ኢልካ ምመለሽካ ?
◻ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን መጽሔታት ሓቂ ምዃነን ዘረድኣና እንታይ ኢዩ ?
◻ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ንናብራ ሰባት ብኸመይ ተንኪፈንኦ ይርከባ ?
◻ ቁጽሪ ምዕዳል መጽሔታት ንምውሳኽ ጉባኤታት እንታይ ክገብራ ምኽኣላ ?
◻ ዝያዳ መጽሔታት ንምዕዳል ዝሕግዙኻ ከመይ ዝበሉ ርእይቶታት ኢዮም ?
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]
ገለ ካብተን ንህይወት ናይ ሰባት ዝተንከፋ ዓንቀጻት
ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት : ብዙሓት ኣንበብቲ ብዛዕባ ገለ ፍልይ ዝበለ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን ዝወጸ ዓንቀጻት ኣመልኪቶም ናይ ምስጋና ደብዳቤ ክጽሕፉ ጸኒሖም ኢዮም ። ካብቶም ንኣንበብትና ክትንክፉኦም ዝኽኣላ ብዙሓት ኣርእስትታት ገለ ሒደት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ኣለዋ ። ንዓኻኸ እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ወይ ካልኦት ንህይወትካ ተንኪፈንኦዶ ይፈልጣ ?
ግምቢ ዘብዐኛ
“ስዉር ኣበሳ ንምሽናፍ ረድኤት ኣምላኽ ተቐበል” (15 ሚያዝያ : 1985)
“ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ወለዲ ፍርሃት የሆዋ ምዝውታር” (1 ሰነ : 1987)
“ዕላማ ዘለዎ ትምህርቲ” (1 ሕዳር : 1992)
ተበራበሩ !
“ንጭንቀት ክትቃላሶ ትኽእል ኢኻ” (8 መስከረም : 1981)
“እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ . . .” (22 ሚያዝያ 1985)
“ንደቅኻ ሓልዎም !” (8 ጥቅምቲ : 1993)
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ካናዳ : ብመጽሔታት ጊርካ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ስብከት
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሚያንማት : በተን መገዲ ህይወት ዝሕብራ መጽሔታት ዝግበር ኣቀራርባ