ምስ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ተሰማሚዕካ ንበር
“እግዚኣብሄር ፈራዲና: እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ: እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ: ንሱ ኼድሕነና እዩ።”—ኢሳይያስ 33:22
1. ምምሕዳር ንመብዛሕትኦም ሰባት ዘገድሶም ስለምንታይ ኢዩ፧
ንምምሕዳር ዝምልከት ኣርእስቲ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ኢዩ ዘገድሶም። ጽቡቕ ምምሕዳር ሰላምን ብልጽግናን የምጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ: ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ” ይብለና። (ምሳሌ 29:4) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሕማቕ ምምሕዳር ናብ ምጕዳል ፍትሕን ብልሽውናን ጭቈናን ኢዩ ዝመርሕ። ‘ረሲእ እንተ ሰልጠነ ህዝቢ የስቈርቍር።’ (ምሳሌ 29:2) ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ: ሰባት ብዙሕ ዓይነት ምምሕዳራት ፈቲኖም ኢዮም። ዘሕዝን ግን ብምኽንያት እቲ ካብ ገዛእቶም ዝወርዶም ጭቈና መብዛሕትኡ ግዜ ‘ብምስቍርቋር’ ኢዮም ዘሕልፍዎ። (መክብብ 8:9) ንተገዛእቱ ነባሪ ዕግበት ብምምጻእ ክዕወት ዝኽእል ገለ ናይ ምምሕዳር ዓይነት ይህሉ ደዀን ይኸውን፧
2. “ቲኦክራሲ” ነቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ምምሕዳር ንምግላጽ ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
2 እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ምምሕዳር ጠቒሱ ኣሎ:- “ገለ ነቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ምምሕዳር ገበርዎ: ካልኦት ከኣ ኣብ ትሕቲ ሒደት ሓያላት ሰባት ክገብርዎ ከለዉ: ገና ካልኦት ድማ ኣብቲ ሓፋሽ ህዝቢ ከም ዝኸውን ገበርዎ። እቲ ሕጊ ዝሃበና [ሙሴ] ግን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ፖለቲካዊ ምምሕዳራት ኣይተሳሕበን። ኣብ ክንድኡ ግን ንዅሉ ሉዓላውነትን ስልጣንን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኸውን ብምግባር ነቲ ቅዋሙ—ልሙድ ዘይኰነ መግለጺ ክንጥቀም እንተድኣ ኴንና—‘ቲኦክራሲ’ ተባሂሉ ክስየም ዝኽእል ቅርጺ ከም ዝሕዝ ኢዩ ገይርዎ።” (አጌንስት ኣፒዮን II, 164-5) ብመሰረት ኮንሳይስ ኦክስፎርድ ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ቲኦክራሲ ክበሃል ከሎ “ብኣምላኽ ዝምራሕ ምምሕዳር” ማለት ኢዩ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን ኢያ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ምምሕዳር ጽቡቕ ገይራ ክትገልጾ ትኽእል ኢያ። ሽሕ’ኳ እስራኤላውያን ዝርአ ንጉስ እንተ ነበሮም: እቲ ቐንዲ ገዛኢኦም ግን የሆዋ ኢዩ ነይሩ። እቲ እስራኤላዊ ነብዪ ኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ፈራዲና: እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ: እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 33:22
ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ፧
3, 4. (ሀ) ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ መዓልቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ: ቲኦክራሲ ንደቅሰብ ከመይ ዝበለ በረኸታት ኢዩ ከምጽኣሎም፧
3 ጆሰፈስ ነታ ቃል እቲኣ ድሕሪ ምምሃዙ: ብዙሓት ሕብረተሰባት ቲኦክራሲያውያን ከም ዝዀኑ ገይርካ ክውሰዱ ጸኒሖም ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ዘይጻወሩን ደረቐኛታትን ጨቈንትን ኢዮም ነይሮም። ናይ ሓቂ ቲኦክራሲያውያንዶ ኢዮም ነይሮም፧ በቲ ጆሰፈስ ነታ ቓል እተጠቕመሉ መገዲ ክርአ ከሎ ኣይነበሩን። ነታ “ቲኦክራሲ” እትብል ቃል ዝዋሃባ ትርጕም እናሰፍሐ ኢዩ ኸይዱ። ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ይገልጻ:- “እታ ሃገር ብካህን ወይ ከኣ ብካህናት እትመሓደር ኰይና: ኣባላት ናይቲ ቤተ-ክህነት ከኣ ኣብ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ስልጣን ዝሕዝሉ ኣገባብ ምምሕዳር ኢዩ።” ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ግን ብካህናት ዝምራሕ ምምሕዳር ኣይኰነን። ብርግጽ ናይ ኣምላኽ ኣገዛዝኣ: እወ በቲ ፈጣሪ ናይ ኣድማስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝምራሕ ምምሕዳር ኢዩ።
4 ድሕሪ ቀረባ እዋን: ምልእቲ ምድሪ ብቲኦክራሲ ክትምራሕ ኢያ: ሽዑስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ክኸውን ኢዩ! “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን [ምስ ደቅሰብ] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:3, 4) ዝዀነ ይኹን ብዘይፍጹማት ሰባት ዝምራሕ ናይ ክህነት ምምሕዳር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ኣምላኻዊ ምምሕዳር ጥራይ ኢዩ ከምጽኦ ዝኽእል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓቀኛታት ክርስትያናት ንቲኦክራሲ ብፖለቲካዊ መገዲ ገይሮም ከቕርብዎ ኣይፍትኑን ኢዮም። ኣምላኽ ኣብ ዝመደቦ ግዜን ብናቱ መገድን ገይሩ ዓለምለኻዊ ቲኦክራሲ ክምስርተሎም ብትዕግስቲ ኢዮም ዝጽበይዎ።—ዳንኤል 2:44
5. ሎሚ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ዝዓዪ ዘሎ ኣበይ ኢዩ: ብዛዕብኡኸ ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧
5 ይኹን እምበር: ሕጂ እውን እንተዀነ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ይዓዪ ኣሎ። ኣበይ፧ ኣብ መንጎ እቶም ንምምሕዳር ኣምላኽ ፈትዮም ዝግዝኡ: ፍቓዱ ንምግባር ከኣ ዝተሓባበሩ ሰባት ኢዩ ዘሎ። እዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም: ከም ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ “ህዝቢ” ኰይኖም ኣብቲ መንፈሳዊ ‘ሃገር’ ይእከቡ ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ እቶም ተረፍ “ናይ ኣምላኽ እስራኤልን” እቶም ካብ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝበዝሑ ክርስትያናት ብጾቶምን ኢዮም። (ኢሳይያስ 66:8፣ ገላትያ 6:16) እዚኣቶም ንየሱስ ክርስቶስ: ነቲ ብየሆዋ ኣምላኽ እተሾሙ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢዮም ዝግዝኡ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ ራእይ 11:15) እዛ ማሕበር እዚኣ በየናይ መገዲ ኢያ ቲኦክራሲያዊት እትኸውን፧ ኣባላታ ንስልጣን ናይ ዓለማዊ ምምሕዳራት ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ፧ እቶም ኣብ መንፈሳዊት ሃገሮም ኰይኖም ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባትከ ነቲ ናይ ቲኦክራሲ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ኢዮም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ፧
ቲኦክራሲያዊት ማሕበር
6. እትርአ ሰብኣዊት ማሕበር ብኸመይ ኢያ ብኣምላኽ ክትማሓደር እትኽእል፧
6 ብሰባት ዝቘመት ማሕበር በቲ ኣብ ዘይርአ ሰማያት ዝነብር የሆዋ ክትማሓደር እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ (መዝሙር 103:19) እቶም ኣብታ ማሕበር እቲኣ ዘለዉ ኵሎም ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ስለ ዝስዕብዎ ኢዩ። (ምሳሌ 2:6፣ 3:5) “ሕጊ ክርስቶስ” ብምእዛዝን ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ብምውዓልን ኣምላኽ ክገዝኦም የፍቅዱ። (ገላትያ 6:2፣ 1 ቈረንቶስ 9:21፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ ኣብ ማቴዎስ 5:22, 28, 39፣ 6:24, 33፣ 7:12, 21 ርአ።) ከምዚ ንኽገብሩ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክዀኑ ኣለዎም። (መዝሙር 1:1-3) ልክዕ ከምቶም “ደግታት” ዝነበሩ ሰብ ቤርያ: ነቲ ዝማሃርዎ ነገራት ወትሩ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዘረጋግጽዎ እምበር ንሰባት ኣይስዕቡን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11፣ መዝሙር 119:33-36) ከም ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትእዛዛትካ አሚነ አሎኹ እሞ: ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ” ኢሎም ኢዮም ዝጽልዩ።—መዝሙር 119:66
7. ኣብ ቲኦክራሲ ዝግበር ኣገባብ ኣመሓዳድራ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
7 ኣብ ዝዀኑ ይኹን ማሕበር: ሓላፍነት ዝስከሙ ወይ ከኣ መሪሕነት ዝህቡ ገለ ሰባት ክህልዉ ኣለዎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እተፈልዩ ኣይኰኑን: ነቲ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ [ኢዩ]” ዝብል ብሃዋርያ ጳውሎስ እተዋህበ መስርዕ ስልጣን የኽብርዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 11:3) ምስዚ ብምስምማዕ ኣብታ ጉባኤ ከም ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ብቑዓት ሰብኡት ጥራይ ኢዮም። ከምኡውን ሽሕኳ የሱስ—“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ”—ኣብ ሰማይ እንተሎ: ምስኡ ዀይኖም ኣብ ሰማያት ናይ ምግዛእ ተስፋ ዘለዎም ‘ተረፍ’ ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ገና ኣብ ምድሪ ኣለዉ። (ራእይ 12:17፣ 20:6) እዚኣቶም ነቲ ብብዙሓት ዝቘመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” የቝሙ። ክርስትያናት ነቲ “ባርያ” ዝህቦም መሪሕነት ብምቕባል ንየሱስ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ነቲ ርእሲ የሱስ ዝዀነ የሆዋ ከም ዝግዝኡ የርእዩ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ 25:40) በዚ መገዲ እዚ እምበኣር ቲኦክራሲ ስርዓት ዝሓዘ ኢዩ። “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር: ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን።”—1 ቈረንቶስ 14:33
8. ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ናይ ቲኦክራሲ ስርዓት ብኸመይ ኢዮም ዝድግፍዎ፧
8 ክርስትያን ሽማግለታት: ነቲ ደረት ዘለዎ ስልጣኖም ዝጥቀምሉ መገዲ የሆዋ ከም ዝሓቶም ስለ ዝፈልጡ ነቲ ናይ ቲኦክራሲ ስርዓት ይድግፍዎ ኢዮም። (እብራውያን 13:17) ውሳነ ክገብሩ ከለዉ ኸኣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ኣብ ጥበብ ኣምላኽ ኢዮም ዝውከሉ። በዚ መዳይ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ የሱስ ኣብነት ኢዮም ዝስዕቡ። ንሱ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዅሎም ብጥበቡ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ። (ማቴዎስ 12:42) ይኹን ድኣ እምበር ንኣይሁድ “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን” በሎም። (ዮሃንስ 5:19) ብዘይዚውን ሽማግለታት ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዘለዎም። ነቲ ከቢድ ሓላፍነቱ ብቲኦክራሲ ኢዩ ዘካይዶ ነይሩ። ይኹን እምበር መገዱ ዘይኰነስ መገዲ የሆዋ ኢዩ ክስዕብ ዝደሊ ነይሩ። “ዎ እግዚኣብሄር: መገድኻ ምሀረኒ: ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ” ኢሉ ድማ ጸለየ።—መዝሙር 27:11
9. ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ቲኦክራሲ ሒዝዎ ዘሎ እተፈላለየ ተስፋታትን እተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት መሰላትን ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣመላኻኽታ ኢዩ ዘለዎም፧
9 ገለ ሰባት ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኣብ ብቑዓት ሰብኡት ጥራይ እተወሰነ ምዃኑ ከምኡውን ገሊኦም ሰማያዊ ተስፋ ክረኽቡ ከለዉ ካልኦት ግን ምድራዊ ተስፋ ምርካቦም ኣድልዎዶ ኣይኰነን: ኢሎም ይሓቱ። (መዝሙር 37:29፣ ፊልጲ 3:20) ይኹን እምበር: ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተሰርዐ ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም። ቲኦክራሲያውያን ከኣ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ዝቐርብ እንተድኣ ዀይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቶም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ዘይግንዘብዎ ሰባት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ክርስትያናት ብድሕነት ዝመጸ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ማዕረ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። (ገላትያ 3:28) ሓቀኛታት ክርስትያናት: ነቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ኣምለኽቱ ክዀኑ እቲ ዝዓበየ መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ: የሆዋ ዝመደበሎም ዘበለ ግደ ክቕበሉ ኸኣ ሕጉሳት ኢዮም። (መዝሙር 31:23፣ 84:10፣ 1 ቈረንቶስ 12:12, 13, 18) ኣብ ርእሲ እዚውን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ሰማይ ይኹን ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ: ብሓቂ ዘደንቕ ተስፋ ኢዩ።
10. (ሀ) ዮናታን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዘንጸባረቐ፧ (ለ) ሎሚ ክርስትያናት ምስ ናይ ዮናታን ዝመሳሰል ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቑ ብኸመይ ኢዮም፧
10 በዚ ኸምዚ እምበኣር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዮናታን ዝስሙ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ወዲ ንጉስ ሳኦል ይመስልዎ ኢዮም። ዮናታን ንፉዕ ንጉስ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ብምኽንያት ናይ ሳኦል ዘይተኣማንነት ግን: የሆዋ ንዳዊት ካልኣይ ንጉስ ናይ እስራኤል ክኸውን መረጾ። ዮናታን በዚ ተመሪሩዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። ሕያዋይ ዓርኪ ዳዊት ኰነ: አረ ሳኦል ንኸይቀትሎውን ይከላኸለሉ ነበረ። (1 ሳሙኤል 18:1፣ 20:1-43) ብተመሳሳሊ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት በቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ኣይቀንኡን ኢዮም። ሓቀኛታት ክርስትያናት ከኣ በቶም ኣብ ጉባኤ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣይቀንኡን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ኣብ ክንዲ መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝገብርዎ ጻዕሪ ብምግንዛብ ‘ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ የኽብርዎም’ ኢዮም።—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13
ብዛዕባ ዓለማዊ ምምሕዳር ክህሉ ዘለዎ ቲኦክራሲያዊ ኣመለኻኽታ
11. እቶም ንቲኦክራሲያዊ ምምሕዳር ዝግዝኡ ሰባት ንዓለማዊ ስልጣን ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ፧
11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ማለት ኣምላኻዊ ምምሕዳር ካብ ኰኑ ንዓለማውያን ገዛእቲ ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎም፧ የሱስ ሰዓብቱ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:16) ይኹን እምበር: ክርስትያናት “ንቄሳር” ማለት ንዓለማዊ ምምሕዳራት ዕዳ ከም ዘለዎም ይግንዘቡ ኢዮም። የሱስ ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ክህቡ’ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:21) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣውያን ምምሕዳራት “ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም።” እቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ስልጣን ዝዀነ የሆዋ: ንሰብኣውያን ምምሕዳራት ክነብሩ ኣፍቂዱሎም ኢዩ: ነቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ንኽገብሩሎም ከኣ ይጽበዮም ኢዩ። ከምኡ ምስ ዝገብሩ ‘ኣገልጋልቲ ኣምላኽ’ ኢዮም። ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምምሕዳር ‘ስለ ሕሊናኦም’ ኢሎም ይግዝእዎ ኢዮም። (ሮሜ 13:1-7) ርግጽ ኢዩ: እቲ መንግስቲ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ነገር ምስ ዝሓቶም: ክርስትያናት ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢዮም ዝእዘዙ።’—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
12. ክርስትያናት ካብ ሰበ-ስልጣን መስጐጕቲ ክወርዶም ከሎ ናይ መን ኣብነት ኢዮም ዝስዕቡ፧
12 ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ መስጐጕቲ ምስ ዝወርዶምከ፧ ኣብነት ናይቶም ከቢድ መስጐጕቲ ምስ ወረዶም እተጸመሙ ቀዳሞት ክርስትያናት ኢዮም ዝስዕቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1፣ 13:50) እዚ ናይ እምነት ፈተናታት እዚ ክወርዶም ምዃኑ የሱስ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ስለ ዝነበረ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣይነበረን። (ማቴዎስ 5:10-12፣ ማርቆስ 4:17) ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣንጻር እቶም መስጐጕቲ ዘውርዱሎም ሰባት ሕነ ኣይፈድዩን፣ እምነቶም እውን በቲ ጸቕጢ እቲ ኣይደኸመትን። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብነት ናይቲ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” የሱስ ኢዮም ዝስዕቡ። (1 ጴጥሮስ 2:21-23) እወ: ክርስትያናዊ ስርዓታት ነቲ ናይ ሰይጣን መለዓዓሊ ኣሰኒፍዎ ኢዩ።—ሮሜ 12:21
13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመስጐጕትን ነቲ ኣንጻሮም ኰነ ኢልካ ዝግበር ጸለመን ብኸመይ ኢዮም ዝምልሽሉ፧
13 ሎሚውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ጨቈንቲ ገዛእቲ መሪር ስቓይ ወሪድዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:9, 13) ኣብ ገለ ገለ ሃገራት በቶም ንሰበ-ስልጣን ኣንጻር እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት ስጕምቲ ንኽወስዱ ከለዓዕልዎም ዝፍትኑ ሰባት ሓሶትን ጸለመን ተነዚሑ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ‘ክፉእ ወረ’ እኳ እንተሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ሰናይ ጠባዮም ገይሮም ርእሶም ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ የርእዩ። (2 ቈረንቶስ 6:4, 8) ኣብቲ ዝከኣለሉ ግዜ ድማ ካብ ገበን ንጹሃት ምዃኖም ንምግላጽ ጕዳዮም ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣንን ቤት ፍርድን እታ ሃገር የቕርቡ ኢዮም። ምእንቲ ብስራት ንምጥባቕ ኢሎም ዝዀነ ይኹን ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ይጥቀምሉ ኢዮም። (ፊልጲ 1:7) ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ ሕጊ ዝከኣሎም ዘበለ ኵሉ ምስ ገበሩ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዮም ዝሓድግዎ። (መዝሙር 5:8-12፣ ምሳሌ 20:22) ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ንምስቓይ ኣይፈርሑን ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 3:14 -17፣ 4:12-14, 16
ክብሪ ኣምላኽ ኣቐድም
14, 15. (ሀ) እቶም ንመሰረታዊ ስርዓት ናይ ቲኦክራሲ ዝስዕቡ ሰባት ቀዳምነት ዝህብዎ ነየናይ ኢዮም፧ (ለ) ሰሎሞን ኣብቲ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ከሎ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢዩ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈ፧
14 የሱስ ንሰዓብቱ ክጽልዩ ክምህሮም ከሎ: እቲ መጀመርታ ዝጠቐሶ ነገር ስም የሆዋ ምቕዳስ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9) ምስ እዚ ብምስምማዕ ድማ እቶም ብቲኦክራሲ ዝግዝኡ ሰባት ክብሪ ርእሶም ዘይኰነስ ክብሪ ኣምላኽ ኢዮም ዝደልዩ። (መዝሙር 29:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ንገለ ካብቶም ሰዓብቲ የሱስ ምዃን ዘይደለዩ ሰባት ‘ናይ ሰብ ክብሪ ስለ ዝፈተዉ:’ ብሰባት ክቡራት ክበሃሉ ብምድላዮም መዐንቀፊ ከም ዝዀኖም ይገልጸልና። (ዮሃንስ 12:42, 43) ካብ ናይ ርእስኻ ክብሪ ንየሆዋ ከተቐድም ብርግጽ ትሕትና ዝሓትት ኢዩ።
15 ሰሎሞን በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ሰናይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ነይርዎ። እታ ግርማዊት ቤት መቕደስ ንየሆዋ ክትውፈ ኸላ እተዛረቦ ቃላት ምስቲ ነቡካድነጻር ብዛዕባ ህንጻታቱ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ኣነጻጽሮ። ነቡካድነጻር ብትዕቢት ተነፊሑ: “እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” ብምባል ተጃሃረ። (ዳንኤል 4:30) ብኣንጻሩ ግን ሰሎሞን “ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧ እንሆ: ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይኽእሉን: እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ፧” ብምባል እቲ ዝፈጸሞ ዕማም ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ከም ዘይኰነ ገይሩ ብትሕትና ገለጸ። (2 ዜና መዋእል 6:14, 15, 18፣ መዝሙር 127:1) ሰሎሞን ንርእሱ ክብ ኣየበለን። ወኪል ናይ የሆዋ ጥራይ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ “ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ብምባል ጸሓፈ።—ምሳሌ 11:2
16. ሽማግለታት ንገዛእ ርእሶም ብዘይምኽባር ናይ ሓቂ በረኸት ምዃኖም ዘረጋግጹ ብኸመይ ኢዮም፧
16 ክርስትያን ሽማግለታት እውን ብተመሳሳሊ ንገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ንየሆዋ ኢዮም ልዕል ዘብሉ። ነቲ “ዜገልግል እንተ ዀነውን: ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር” ዝብል ናይ ጴጥሮስ ምኽሪ ይስዕብዎ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 4:11) ሃዋርያ ጳውሎስ “መዓርግ ኤጲስቆጶስ” ከም “ሰናይ ግብሪ” ድኣ እምበር ከም ናይ ልዕልነት ቦታ ገይሩ ኣይገለጾን። (1 ጢሞቴዎስ 3:1) ሽማግለታት ከገልግሉ ድኣ እምበር ክገዝኡ ኣይኰኑን ተሸይሞም። ናይ መጓሰ ኣምላኽ መምህራንን ጓሶትን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ያእቆብ 3:1) ትሕትናን ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ዘንጸባርቑ ሽማግለታት ንሓንቲ ጉባኤ በረኸት ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ [ሰብኡት] ኣኽብሮም:’ ከምኡውን ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንቲኦክራሲ ክብ ምእንቲ ከብልዎ ብዙሓት ብቑዓት ሽማግለታት ስለ ዘዳለወልና ንየሆዋ ኣመስግኖ።—ፊልጲ 2:29፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1
“ንኣምላኽ ምሰልዎ”
17. እቶም ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ዘለዉ ኵሎም በየናይ መገዲ ኢዮም ንኣምላኽ ዝመስልዎ፧
17 ሃዋርያ ጳውሎስ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰልዎ:” NW ]” ብምባል ተማሕጸነ። (ኤፌሶን 5:1) እቶም ንቲኦክራሲ ዝግዝኡ ሰባት: ብእተኻእሎም መጠን ዘይፍጹማት ሰባት ክበጽሕዎ ብዝኽእሉ ደረጃ ንኣምላኽ ክመስልዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ይብል። (ዘዳግም 32:3, 4) ክርስትያናት በዚ መዳይ እዚ ንኣምላኽ ምእንቲ ክመስልዎ: ተኣማንነት: ጽድቂ: ከምኡውን ሚዛናዊ ትርጕም ዘለዎ ፍትሒ ኢዮም ዝስዕቡ። (ሚክያስ 6:8፣ 1 ተሰሎንቄ 3:6፣ 1 ዮሃንስ 3:7) ከም እኒ ዘይስነ-ምግባራውነት: ክፉእ ትምኒትን ስስዐን ንዝኣመሰለ ኣብ ዓለም ቅቡል ዝዀነ ብዙሕ ነገራት የወግድዎ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኣዊ ዘይኰነስ መለኮታዊ መለክዒታት ስለ ዝስዕቡ ማሕበሩ ቲኦክራሲያዊትን ጽፍፍትን ጥዕይትን ኢያ።
18. ዓብላሊት ባህሪ ናይ ኣምላኽ እንታይ ኢያ: ክርስትያናትከ ነዛ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ኢዮም ዘንጸባርቕዋ፧
18 እታ ናይ ኣምላኽ ዓብላሊት ባህሪ ፍቕሪ ኢያ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:8) ቲኦክራሲ ክበሃል ከሎ ብኣምላኽ ዝመሓደር ማለት ስለ ዝዀነ ብፍቕሪ ዝመሓደር ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እታ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ኣብዘን ኣጸገምቲ ዝዀና ዳሕሮት መዓልትታት ሓለፍ ዝበለ መርኣያ ናይ ፍቕሪ ከተንጸባርቕ ጸኒሓ ኢያ። ኣብ እዋን እቲ ኣብ ኣፍሪቃ እተገብረ ዓሌታዊ ምጽናት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ሰባት ዓሌቶም ብዘየገድስ ፍቕሪ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኣብቲ ዓሌታዊ ምጽራይ ዝበሃል ውግእ ክእለኻ ከለዋ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ተሓጋጊዞም ኢዮም። ብብሕቲ ደረጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ቃላት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ይጽዕሩ ኢዮም።—ኤፌሶን 4:31, 32
19. እቶም ንቲኦክራሲ ዝግዝኡ ሰባት ሕጅን ንዝመጽእን ከመይ ዝበለ በረኸታት ኢዮም ዝረኽቡ፧
19 እቶም ንቲኦክራሲ ዝግዝኡ ሰባት ብዙሕ በረኸታት የስተማቕሩ ኢዮም። ምስ ኣምላኽን ምስ ኣመንቲ ብጾቶምን ሰላም ኣለዎም። (እብራውያን 12:14፣ ያእቆብ 3:17) ኣብ ህይወቶም ዕላማ ኣለዎም። (መክብብ 12:13) መንፈሳዊ ዕቝባ: ብዛዕባ መጻኢ ድማ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ኣለዎም። (መዝሙር 59:9) ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ክሓብሩ ከለዉ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል ኣቐዲሞም የስተማቕርዎ ኣለዉ። ሽዑ ከመይ ከም ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዘጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” (ኢሳይያስ 11:9) ኣየ ሽዑስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ኰን ኢዩ ክኸውን! ሕጂ ኵላትና ምስ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ተሰማሚዕና ብምንባር ኣብታ እትመጽእ ገነት እንህሉ ይግበረና።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ: ሎሚኸ ኣበይ ኢዩ ዝርከብ፧
◻ ሰባት ኣብ ናብርኦም ንቲኦክራሲያዊ ምምሕዳር ዝግዝኡ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ዘለዉ ሰባት ካብ ክብሪ ርእሶም ንኽብሪ ኣምላኽ ዘቐድሙ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ እቶም ንቲኦክራሲ ዝድግፉ ሰባት ዝቐድሕዎ ኣምላኻዊ ባህርያት ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ክብሪ ርእሱ ክብሪ ኣምላኽ ኢዩ ኣቐዲሙ