ምጥዓም ህያብ ናይ ሓደ ፈቃር ፈጣሪ
እታ ቀንዲ መራሒት ናይቲ ብዛዕባ ምጥዓም ዝግበር ምምርማር ሊንዳ ባርቶሹክ “ካብቶም [ሓሙሽተ] ህዋሳት: ምጥዓም እቲ ኣውራ ኢዩ” ትብል። ምጥዓም ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ከኣ ጐዳኢ ምዃኑ ክንፈላሊ ዝሕግዝ ብሓቂ ደስ ዘብል ነገር ኢዩ።
ምጥዓም መቐረት ናይ ኣራንሺ: ባህ ዘብል ብሜንታ እተሰርሐ ዝሑል ጀላቶ: ናይቲ ብንግሆኡ እንሰትዮ ዘበራብር ጥዑም ሻሂ: ከምኡውን መቐረት ናይቲ ብጽቡቕ ተቓሚሙ እተዳለወ ጸብሒ ንኸነስተማቕር ዝሕግዘና ድንቂ ዝዀነ ክእለት ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መቐረት ናይ ምፍላይ ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ምዃኑ መጠን ጠባይ ሰብ እውን ከይተረፈ ብእኡ ተመሲሉ ኢዩ።
ንኣብነት ንገለ ሰባት ጥዑማት ኢዮም ኢልካ ትገልጾም ትኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንኻልኦት ዕረ ኢዮም ትብሎም ትኸውን። ንሓደ ተፈታዊ ሰብ ከኣ ጨው ዘለዎ ኢዩ ትብሎ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም “ነፍሶም እተመረረት” ሰባት ይዛረብ: “መሪር ቃላት” ብምባል እውን ይጠቅስ ኢዩ።—መሳፍንቲ 18:25፣ መዝሙር 64:3፣ 2 ሳሙኤል 17:8
ምጥዓም ከምኡውን ታሪኽ ዓለም
ኣብቲ ኣብ መበል 15 ከምኡውን 16 ክፍለ-ዘበናት ሓድሽ ነገር ንምርካብ ኢልካ ዝግበር ዝነበረ ጕዕዞታት ምጥዓም ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ 500 ዓመታት ይገብር ቫስኮ ደጋማ ወሰነ ወሰን ኣፍሪቃ ገይሩ ናብ ህንዲ ድሕርዚ ድማ ናብ ፖርቱጋል ብመርከብ ተጓዒዙ ነይሩ: ክምለስ ከሎ ኸኣ እተፈላለየ ቀመማት ሒዙ ተመልሰ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ክፍለ-ዘበናት ከኣ ከም እኒ ፈረንሳ: ዓባይ ብሪጣንያ: ሆላንድ: ፖርቱጋል: ከምኡውን ስጳኛ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ናይ ቀመማት ምንጪ ዝነበረ ቦታታት ንምቍጽጻር ክብላ ኣብ ግርጭት ኣትየን ኢየን።
‘ቀመማት ንምርካብ ህዝብታት ኣብ ንሓድሕዶም ዝዋግኡን ዝሞቱን ስለምንታይ ኢዮም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነቲ ናይ ምጥዓም ሸውሃቶም ንምዕጋብ ኢዩ! እወ: ኣውሮጳውያን ቀመማት ንምጥዓም ዝነበሮም ባህጊ ኣዝዩ ሓያል ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ ሎሚ ዘመናዊ ኢንዱስትሪ: ንግዲ: ከምኡውን ስነ-ፍልጠት ምስ ምጥዓም እተተሓሓዘ ኢዩ።
ምጥዓም ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ምስቲ ኻልእ ህዋሳትና ብምትሕብባር ዝሰርሕከ ብኸመይ ኢዩ፧
ግደ መልሓስ
ኣብቲ ናይ ምጥዓም ህዋስና እታ ቀንዲ ተዋሳኢት መልሓስ ኢያ። እቶም ንምጥዓም እንጥቀመሎም ቴስት ባድስ ዝበሃሉ ክፍሊ ኣካላት ዋላ እኳ ኣብ ካልእ ወገን ኣፍናን ሻሕለለን ዝርከቡ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ኣብ መልሓስ ኢዮም ዝርከቡ። ኣብ መስትያት ኴንካ ንመልሓስካ ቀሪብካ እስከ ርኣያ። ነቶም ኣብ መልሓስ ሹፍ ዝብሉ ከም ናይ ከፋይ መልክዕ ከም ዝህልዋ ዝገብርዋ ነገራት ኣስተብህለሎም። እዚኣቶም ፓፒሌ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ ላዕለዋይ ወገን መልሓስና ኣብ ውሽጢ ፓፒሌ እኩባት ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት ኣለዉ። “ነፍሲ ወከፍ ቴስት ባድ ከኣ 100 ኣቢሎም ዝዀኑ ንምጥዓም ዘገልግሉ ዋህዮታት ኣለዎም: እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ምስ ተለዓዓሉ ኸኣ ነቶም መልእኽቲ ናብ ሓንጎል ዘብጽሑ ነርቭ ሴልስ ዝበሃሉ ዋህዮታት ከም ዝንቀሳቐሱ ይገብርዎም” ብምባል እቲ ሳይንስ ዝበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ይገልጽ።
ቍጽሪ ናይዞም ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ምስትምቓር ክእለት ይትንክፎ። ናይ ሰብ መልሓስ ክሳዕ 10,000 ዝምብዝሑ ወይ ክሳዕ 500 ዝምውሓዱ ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ኣሰራርዓ ናይዞም ክፍሊ ኣካላት እዚኣቶም ዘጽንዐ ኢሊስ ሚለር ከምዚ ይብል:- “ብዙሕ ዝቝጽሮም ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ናይ ምጥዓም ክእለት ኣለዎም፣ ውሑድ ዝቝጽሮም ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት ዘለዎም ከኣ ናይ ምጥዓም ክእለቶም ትሑት ኢዩ።”
ምጥዓም ብኸመይ ከም ዝዓዪ
ምጥዓም ኣዝዩ እተሓላለኸ ህዋስ ኢዩ። ኣዕሚቝካ ክርአ ከሎ ናይ ስነ-ቐመም ጕዳይ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ኣፍና ዘሎ መግቢ ዝወጽእ ቀመማዊ ንጥረ-ነገራት ነቶም ኣብ መልሓስና ዘለዉ መቐረት ዝቕበሉ ዋሃዮታት የነቓቕሖም። ንሳቶም ድማ ናብ ሓንጎል መልእኽቲ ንምስዳድ ነቶም ነርቭ ሴልስ ዝበሃሉ መትንታት (neurons) የለዓዕልዎም።
እቲ ዘገርም: ሓንቲ ናይ ምስትምቓር ክፍሊ ኣካል ንእተፈላለዩ መትንታት ከተለዓዕል ትኽእል ኢያ: ሓደ መትኒ ኸኣ ካብ እተፈላለዩ ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካላት መልእኽቲ ክቕበል ይኽእል ኢዩ። እዞም መቐረት ዝቕበሉ ወሃዮታትን እቲ እተሓላለኸ ኣገባቦምን ንዅሉ ብኸመይ ከም ዝፈላልይዎ ብልክዕ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ሓንጎል ዝበጽሕ መልእኽቲ ውጽኢት ናይቲ እቶም መቐረት ዝቕበሉ ዋሃዮታት ዝሰድዎ እተሓላለኸ ኤሌክትሪካዊ ዓይነት መልእኽቲ ኢዩ።”
ኣብቲ ምስ ምጥዓም ተተሓሒዙ ዝመጽእ መልእኽቲ ካልእ ህዋሳት እውን እቱዋት ኢዮም። ዘ ኒው ቡክ ኦቭ ፖፑላር ሳይንስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ሓድሓደ እዋን ሓደ ሰብ ይጥዕም ድዩ ዘሎ የሽትት ክትፈልጦ ኣይከኣልን ኢዩ።” ንኣብነት: ብኣፍ ደገ ናይ ሓደ ቤት ሕብስቲ ንሓልፍ እሞ ናይቲ ሓድሽ እተሰንከተ ሕብስቲ ሽታ ድማ ይጨንወና። ኣፍና ማይ ክመልእ ይጅምር። ድሕርዚ ናብ ውሽጢ ኣቲና ነቲ ሕብስቲ ምስ ረኣናዮ: ምናልባት እውን ምስ ተንከፍናዮ ህዋሳትና ዝያዳ ይለዓዓል። ናይ መጀመርታ ኵላሶ ክንጥዕም ድማ ንህወኽ!
እዚ ናይ ምጥዓም ህዋስ እዚ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ እታ ኦምኒ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ሓደ ተራ ሰብ ምጥዓም ዝብሎ ናይ እተፈላለዩ ስምዒታት—ጨና: ምጥዓም: ምትንካፍ: ትሕዝቶ: ምርኣይ: ናይ ቀመማት ምስርሳር (ናይ ጕዕ ምምራር: ሜንታ ምስ በላዕካ ዝስመዓካ ዛሕሊ): ከምኡውን ሙቐት—ሕውስዋስ ኢዩ።”
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እታ ዓንቀጽ ብምቕጻል “ምጥዓም . . . እተሓላለኸ ኣይኰነን። ኣርባዕተ ዓይነት ጣዕሚ (ኣርባዕተ ጥራይ) ኢና እንፈሊ: እዚኣቶም ከኣ:- ምቁር: ጨው ጨው ዝጥዕም: መጺጽ: ከምኡውን መሪር።” ንመልሓስ በቲ ዓይነት ጣዕሚ ምምቃላ ልሙድ እኳ እንተ ነበረ: ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ መልሓስ ዘላ ሓንቲ ናይ ምጥዓም ክፍሊ ኣካል ንእተፈላለየ ጣዕምታት ወይ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣርባዕቲኡ ናይ ጣዕሚ ዓይነት ክትፈልዮ ትኽእል ኢያ ዝብል እምነት ኢዩ ዘሎ።
ብዛዕባ ናይ ምጥዓም ስነ-ቀመም ግን ገና ዘይተፈልጠ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ መግቢ ቁሩብ ምጽጽ ዝበለ ናይ ለሚን ጽማቝ ምእታው ስለምንታይ ነቲ መግቢ ጨው ጨው ከም ዘጥዕሞ እተፈልጠ ነገር የለን። ምቁር: መጺጽ: ከምኡውን ጨው ጨው ዝጥዕም ነገራት ነቶም ናይ ምጥዓም ዋህዮታት ኤሌክትሪካዊ መልእኽቲ ንኽሰዱ ዘለዓዕል ክኸውን ከሎ መሪር ነገር ግን ነዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ቀመማዊ መልእኽቲ ከም ዝሰዱ ዝገብሮም ስለምንታይ ምዃኑ ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።
ንሓደ ዓይነት መቐረት ምፍታው
ምናልባት ቅድሚ ሕጂ መቐረቱ ባህ ዘይብለካ ዝነበረ ነገራት ለሚድካ ትኸውን ኢኻ። እዚ ኣብ ከም ፍረ ኣውልዕ: ንመግቢ ዝኸውን ዓይነት ሱር: መሪር ቀመማት: ከምኡውን ካልእ ዓይነት ዕረ ዝጥዕም ነገራት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ቅድም ኣትሒዙ ከም እኒ ኣድርን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ‘መሪር ኣሕምልቲ’ ንመግብን ሰላጣን ፍሉይ ጣዕሚ ወሲኹሉ ኢዩ። መሪር ነገር ባህ ንኽብለካ ግን እቲ ናይ ምጥዓም ክእለትካ ክለማመድ ኣለዎ።—ዘጸኣት 12:8
መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ መግቢ ንኸተስተማቕሮ መግቢ ክትበልዕ ከሎኻ ዘሎ ኵነታት እውን ዝውሰን ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ሰበይቲ ቦለኛ ዝበሃል ስጎ ፈጺማ ጥዒማ ኣይትፈልጥን ኢያ። ኣዲኣ ኣዝያ ትጸልኦ ብምንባራ ክትበልዖስ ይትረፍ ክትርእዮን ክትጨንዎን ከላ ጥራይ ስግድግድ የብላ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣብ ዕድመ 20ታት ምስ በጽሐት: እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣዝያ ጠመየት: ብዘይካ ቦለኛ ኸኣ ካልእ ዝብላዕ ኣይረኸበትን። ስለዚ ኸኣ ንእሽቶ በልዐት እሞ: ኣዝዩ ጥዑም ኰይኑ ስለ ዝረኸበቶ ኸኣ ተገረመት!
ስለዚ እምበኣር: ናይ ሓደ ሓድሽ ነገር ጣዕሚ ክትፈትዎ እንተድኣ ደሊኻ: ኣጸቢቕካ ጠሚኻ ከሎኻ ብልዓዮ። ወላዲ እንተድኣ ዄንካ ኸኣ: ነቲ መግቢ ምስ ደቅኻ እተፋልጠሉ ኵነታት ሓዊስካ እቲ ንገለ መግቢ ዘሎካ ኣረኣእያ ንደቅኻ ክትንክፎም ይኽእል ኢዩ። ሓድሽ መግቢ ከተጥዕሞም ከሎኻ ደስ ዘብል ኵነታት ከም ዝህሉ ግበር። ንደቅኻ ምስኻ ሓውሶም። ሓንቲ ጸሓፊት ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:-
“መግቢ ከተዳልዋ ከለኽን ነቲ ሕጻን ኣብ መጻወቲኡ ወይ ኮፍ መበሊኡ ገይርክን ኣብ ክሽነ ምሳኽን ግበራኦ። ነቲ ኣብታ ስድራቤት ዝስራሕ መግቢ ደስ ኢልዎ ክርእን ክሽትቶን ኢዩ—ምብላዕ ቅድሚ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ ነቲ መግቢ ክፈልጦ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ካብቲ እትሰርሕኦ ዘለኽን መግቢ ብጥሪኡ ኸሎ ወይ ቁሩብ ብስል ምስ በለ ንእሽቶ ተጥዕምኦ።”
ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ኣቐዲምካ መደብ ምግባርን ተወሳኺ ግዜን ይሓትት ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሓድሽ ዓይነት መግቢ ወይ ዘይፍቶ ዓይነት መግቢ ክትሰርሓ ከለኽን ደቅኽን ክሕግዙኽን ዝኽእልሉ ቀሊል መገዲ ኣዳልዋ። ክትሰርሓኦ ከለኽን ክጥዕምዎ ኣበራትዕኦም። እቲ ዝሕግዝ ዘሎ ሰብ ምስ ጠዓሞ ክሕጐስን ዝያዳ ክሃርፍን ኢዩ: እዚ ኸኣ ምስቲ ሓድሽ መግቢ ንምልላይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ።”
ናይ ምጥዓም ክእለትካ ምስ ዝበላሾ
እቲ ዘሕዝን ግን ከምቲ ንንጉስ ዳዊት ዓርኩ ዝነበረ ባርዚላይ “ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ: . . . ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፧” ዝበሎ ናይ ምጥዓም ክእለት ምስ ዕድመ ክቕንስ ይኽእል ኢዩ። (2 ሳሙኤል 19:35) ነቲ ናይ ምጥዓም ክእለት ኣብ ምቕናስ ወይ ከም ዝጠፍእ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ዝገብር ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ።
ኣብ ርእሲ ዝወርድ ማህሰይቲ: ኣለርጂ: ቍስሊ: መድሃኒት: ንመርዛም ቀመማት እተቓላዕካ ምዃን: ወይ እውን ሰዓል ነቲ ናይ ምጥዓም ክእለት ከም ዝቕንስ ወይ ከም ዝጠፍእ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እቶም ናይ ምሽታትን ምጥዓምን ጸገም ዘለዎም ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጭነቑ ብሓንቲ ከምዚ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ነቲ ደስ ዘብል ጨና ናይ ቡን: ነቲ ምቁር ጣዕሚ ናይ ኣራንሺ ብኸምኡ እተረኽበ ገይርና ንወስዶ ንኸውን: እዚ ህዋሳት እዚ ምስ ጠፍአ ግን ምትንፋስ ከም ዘቋረጽና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓና።”
እቲ ፋንቶም ቴስት ዝበሃል ዓይነት ሕማም ኣብ ምጥዓም ዝፍጠር ምዝንባል ኰይኑ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ምዝንባል ምስ ዝህሉ እቲ ሰብ ብቐጻሊ ንዘየለ ነገር የስተማቕር። እቶም ብብዙሕ መድሃኒታት ዝግበር ሕክምና ዝከታተሉ ናይ መንሽሮ ሕሙማት ሓድሓደ እዋን ናይ ምጥዓምን ምሽታትን ህዋሳት ይተሓዋወሶም ኢዩ።
ኣምላኽ ዝሃበና በረኸት
ጽቡቕ ናይ ምጥዓም ክእለት ክህልወናስ ክንደይ ደስ ዘብል ኰን ኢዩ! ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ነቲ ንኣሽቱ ከለዉ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ጣዕምታት—ካብ ገረብ እተቐንጠበ ዝበሰለ ፍረታት ወይ ብፍሉይ ኣገባብ እተሰርሐ መግብታት—ይዝክሩ። ፈጣሪና ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ምጥዓም ዝርከብ ደስታ ከነስተማቕር ከም ዝደልየና: ኣብታ ስቓይን እርጋንን ሞትን ዘይህልወላ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም “ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ” ከዳሉ ምዃኑ ብምምብጽዑ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 25:6-9፣ እዮብ 33:25፣ ራእይ 21:3, 4
ምጥዓም ንህይወትና ብሓቂ ደስ እተብል ንኽትከውን ዝሕግዝ ነገር ኢዩ። ብዘይ ብእኡ ምብላዕ ማለት ልክዕ ንሓንቲ ማኪና ነዳዲ ከም ምምላእ ጥራይ ምዀነ ነይሩ። ብሓቂ ካብቲ ጥበበኛን ፈቃርን ዝዀነ ፈጣሪ እተዋህበና በረኸት ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ውሉድኩም መኣዛ ዘለዎ መግቢ ደስ ኢልዎ ምስትምቓር ክኽእል ምሃርዎ