ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ምሳሌ 7-11
“ልብኹም . . . ኣየልግስ”
ስርዓታት የሆዋ ኼዕቍበና ይኽእል እዩ። ካብኡ ምእንቲ ኽንጥቀም ድማ ኣብ ልብና ኸነስፍሮ ይግባእ። (ምሳ 7:3) ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ልቡ ኼልግስ እንተ ፈቒዱ፡ በቲ ልዙብን መታለልን ሜላታት ሰይጣን ብቐሊሉ ኺጥቃዕ ይኽእል እዩ። ምሳሌ ምዕራፍ 7 ብዛዕባ ሓደ ልቡ ኼታልሎ ዝፈቐደ መንእሰይ ትገልጽ። ካብ ጌጋኡ እንታይ መለበሚ ንረክብ፧
ሰይጣን ካብ የሆዋ ምእንቲ ኼርሕቐና ነተን ሓሙሽተ ህዋሳትና ተጠቒሙ ኣብ ኣበሳ ኼውድቐና ይጽዕር
ጥበብን ኣእምሮን ንሳዕቤናት ክፉእ ተግባር ከም እነስተውዕል ብምግባር ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኽንርሕቕ ይሕግዛና