ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ቍጥዓኻ ክትቈጻጸሮ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ዅነታት ካብ ኣጀማምርኡ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ጆን ነታ ጂንጀር ዝስማ ሓዳስ መርዓቱ “ሕጂ ርእሲ ናይዛ ገዛ እዚኣ ኣነ ኢየ: ደንጒኺ እናመጻእኪ ከተዋርድኒ ኣይኰንክን” ብምባል ተቛየቛ።a ኣብቲ ሶፋ ኮፍ ክትብል ምስ ኣዘዛ ድማ ንልዕሊ 45 ደቒቕ ኣብ ልዕሊኣ ነደረ። ሃሳዪ ዘረባ ምዝራብ ኣብቲ ሓዳሮም ልሙድ ነገር ኰነ። እቲ ዘሕዝን ድማ: እቲ ናይ ጆን ቍጥዓ እናወሰኸ ከደ። ማዓጹ ገም የብል: ነቲ ናይ ክሽነ ጣውላ ይሃርሞ: ከምኡውን ንህይወት ካልኦት ሰባት ኣብ ሓደጋ ብምእታው ነቲ መዘወሪ ናይታ መኪና ብኢዱ እናሃረመ ብናህሪ ይዝውር።
ኣጸቢቕካ ከም እትፈልጦ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ። ቍጥዓ ናይዚ ሰብኣይ እዚ ቅቡል ድዩ ነይሩ ወይስ ምቍጽጻር ስኢኑ ኢዩ፧ ቍጥዓ ዘበለ ዅሉ ጌጋ ድዩ፧ ቍጥዓ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኢዩ ዝበሃል መዓስ ኢዩ፧ ኣዝዩ ሕሉፍ ዝኸውን መዓስ ኢዩ፧
ክትቈጻጸሮ እትኽእል ቍጥዓ ቅቡል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ልዕሊ እተን ብስነ-ምግባር ብልሹዋት ዝነበራ ናይ ጥንቲ ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ቍጥዓ ኣምላኽ ወሪዱ ኢዩ። (ዘፍጥረት 19:24) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ተቐማጦ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ከምቲ ብምልኡ ኣብቲ ከባቢ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ: ኣብ ዓመጽን ጽዩፍ ጾታዊ ተግባራትን ተጸሚዶም ነበሩ። ንኣብነት: እቶም ተላኢኾም ዝመጹ መላእኽቲ ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ክበጽሕዎ ምስ መጹ: ብዙሓት መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ብጕጅለ ኰይኖም ነቶም ናብ ሎጥ ዝመጹ ኣጋይሽ ብጾታዊ ርክብ ክዕምጽዎም ፈተኑ። የሆዋ ኣምላኽ በቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ክቝጣዕ ግቡእ ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 18:20፣ 19:4, 5, 9
እቲ ፍጹም ሰብኣይ የሱስ ክርስቶስ እውን ልክዕ ከም ኣቡኡ እተቘጥዓሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ኢዩ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ማእከል ኣምልኾ ክትኰኖም ኢያ ተሓሲባ ነይራ። “ቤት ጸሎት:” ሰባት ንኣምላኽ ብሕታዊ መስዋእትታትን ህያባትን ዘቕርቡላ: ከምኡውን መገድታቱ ዝማሃሩላን ሕድገት ሓጢኣት ዝረኽቡላን ቦታ ክትከውን ነበራ። ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ምስ የሆዋ ክራኸቡ ይኽእሉ ነበሩ። እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ግን ነታ ቤት መቕደስ “ቤት ዕዳጋ” ከምኡውን “በዓቲ ጐሓሉት” ገበርዎ። (ማቴዎስ 21:12, 13፣ ዮሃንስ 2:14-17) ንመስዋእቲ ዝቐርቡ እንስሳታት ብምሻጥ ብሕታዊ መኽሰብ ይረኽቡ ነበሩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ነቶም እንስሳታት ብኽቡር ብምሻጥ ነተን መጓሰ ይገፍወን ነበሩ። ስለዚ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ነዞም ጐሓሉ እዚኣቶም ካብቲ ናይ ኣቡኡ ቤት ምስጓጉ ልክዕ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ተቘጢዑ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ!
ዘይፍጹማት ሰባት ምስ ዝቝጥዑ
ሓድሓደ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባትውን ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ክቝጥዑ ይኽእሉ ኢዮም። ሙሴ እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ርአ። ህዝቢ እስራኤል ብተኣምራታዊ መገዲ ካብ ግብጺ ካብ ዝወጹ ነዊሕ ኣይገበሩን። የሆዋ ኣብ ግብጻውያን ዓሰርተ መዓት ብምውራድ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ግብጺ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብዘገርም መገዲ ሓይሉ ኣርእዩ ነበረ። ድሕሪኡ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ብምምቃል እስራኤላውያን ክሃድምሉ ዝኽእሉ መገዲ ከፈተሎም። ብድሕሪኡ: ናብ እግሪ ከረን ሲና ከዱ እሞ ኣብኡ ድማ ከም ህዝቢ ተመሓደሩ። ሙሴ ከም ማእከላይ ኰይኑ ብምዕያይ: ሕግታት ኣምላኽ ንኽቕበል ናብቲ ከረን ደየበ። ንዅሉ እቲ ካልእ ሕግታት ሓዊሱ: የሆዋ ነተን ባዕሉ ካብቲ ከረን ዝቐረጸን: “በጻብዕ እግዚኣብሄር” እተጻሕፈ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ: ጽላት ኣእማን ንሙሴ ሃቦ። ይኹን እምበር: ሙሴ ካብቲ ከረን ምስ ወረደ: እንታይ ጸንሖ፧ እቲ ህዝቢ ንምስሊ ናይ ሓደ ካብ ወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ናብ ምምላኽ ዘንቢሉ ነበረ! ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ቀልጢፎም ዝረስዕዎ! ሒደት ሰሙናት ጥራይ ኢዩ ሓሊፉ ነይሩ። ሙሴ ‘ኵራኡ ክነድድ’ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ነተን ጽላት ኣእማን ሰበረን: ንምስሊ እቲ ምራኽ ድማ ኣዕነዎ።—ዘጸኣት 31:18፣ 32:16, 19, 20
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: እቲ ህዝቢ ብስእነት ማይ ምስ ኣጕረምረመ ሙሴ ተቘጥዐ። ስለ እተቘጥዐ ድማ: እቲ ፍሉጥ ዝነበረ ዓቕሉን ልእመቱን ብቕጽበት ጠፍአ። እዚ ናብ ሓደ ዓቢ ዝዀነ ጌጋ መርሖ። ሙሴ ንየሆዋ ከም ዓንጋሊ እስራኤል መጠን ክብ ኣብ ክንዲ ዘብል: ተሃዊኹ ነቲ ህዝቢ ብምዝራብ ኣቓልቦኦም ናብ ገዛእ ርእሱን ናብ ኣሮንን ከም ዝገብሩ ገበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ኣምላኽ ንሙሴ ክቐጽዖ ግቡእ ኰይኑ ረኸቦ። ናብ ምድሪ ተስፋ ክኣቱ ኣይተፈቕደሉን። ብድሕርዚ ኣብ መሪባ እተገብረ ፍጻመ: ሙሴ ከም እተቘጥዐ ዝገልጽ እተጠቕሰ ካልእ ሓበሬታ የለን። ካብ ጌግኡ ከም እተማህረ ርዱእ ኢዩ።—ዘሁልቍ 20:1-12፣ ዘዳግም 34:4፣ መዝሙር 106:32, 33
ስለዚ: ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ፍልልይ ኣሎ። የሆዋ ‘ንቝጥዓኡ ከደንጕዮ’ ይኽእል ኢዩ። እታ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ ፍቕሪ ድኣምበር ቍጥዓ ስለ ዘይኰነት: “ንዅራ ደንጓይ” ተባሂሉ እንተ ተገልጸ ግቡእ ኢዩ። ቍጥዓኡ ኵሉ ግዜ ጽድቃውን ቅኑዕን ዝቈጻጸሮን ኢዩ። (ዘጸኣት 34:6፣ ኢሳይያስ 48:9፣ 1 ዮሃንስ 4:8) እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ንቝጥዓኡ ኵሉ ግዜ ክቈጻጸሮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ፣ “ለዋህ” ተባሂሉ ድማ ተገልጸ። (ማቴዎስ 11:29) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ዘይፍጹማት ሰባት: ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ናይ እምነት ሰባት እውን ከይተረፉ: ንቝጥዓኦም ምቍጽጻር ከቢድ ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም።
ብተወሳኺ: ሰባት ብሓፈሻ ንቝጥዓ ዘይምቍጽጻር ዘምጽኦ ሳዕቤን ካብ ምስትውዓል ሰኒፎም ኢዮም። ሓደ ሰብ ቍጥዓኡ ምስ ዘይቈጻጸር ሕማቕ ሳዕቤን ከስዕበሉ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ በዓል እንዳ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብምቝጣዕ ሚዛኑ ኣጥፊኡ ኢዱ ዓሚኹ ኣቝሑ እንተድኣ ሰይሩ: እቲ ዝስዕብ ግሁድ ሳዕቤናት እንታይ ኢዩ፧ ንብረት ይዓኑ። ኢዱውን ክጕዳእ ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን: እቲ ቝጥዓኡ ነቲ በዓልቲ ቤቱ ኣብኡ ዘለዋ ፍቕርን ክብርን እንታይ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ይኽእል፧ እቲ ኣቝሑ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክትካእ: ኣእዳዉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ክሓዊ ይኽእል ኢዩ፣ በዓልቲ ቤቱ እንደገና ኣብኡ ትውክልቲ ንኽትገብርን ንኸተኽብሮን ግን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ክወስድ፧
ብሓቂ ክርኣ ኸሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ቝጥዕኦም ምቍጽጻር ዘይከኣሉ: በቲ ሳዕቤናቱ ኸኣ እተሳቐዩ ሰባት ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ሒደት ኣብነት ርአ። ቃየል ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ተሰጐ። ስምኦንን ሌውን ንሰብኡት ሴኬም ብምቕታሎም: ኣቡኦም ረገሞም። ዑዝያ ነቶም ክእርምዎ ዝፈተኑ ካህናት ምስ ኰረየሎም: የሆዋ ብለምጺ ወቕዖ። ዮናስ ምስ ‘ኰረየ’ የሆዋ ገንሖ። ኵሎም በቲ ዘርኣይዎ ቍጥዓ ተሓተትቲ ነበሩ።—ዘፍጥረት 4:5, 8-16፣ 34:25-30፣ 49:5-7፣ 2 ዜና መዋእል 26:19፣ ዮናስ 4:1-11
ክርስትያናት ተሓተትቲ ኢዮም
ብተመሳሳሊ: ሎሚ ክርስትያናት በቲ ዝገብርዎ ነገራት ብኣምላኽ ከምኡውን ብእተወሰነ ደረጃ ብኣመንቲ ብጾቶም ተሓተቲ ኢዮም። እዚ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ንቝጥዓ ዘመልክታ ናይ ግሪኽ ስያመታት ዝጥቀመሉ ኣገባብ ብቐሊሉ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ካብተን መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሙለን ዘሎ ክልተ ቓላት እታ ሓንቲ ኦር·ጅ ʹ እትብል ኢያ። እዚኣ ድማ ብሓፈሻ “ሕርቃን” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ: ብመጠኑ ኸኣ ብፍላጥን ደይመደይን ኢልካን ብተደጋጋሚ ሕነ ምፍዳይ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘት ኢያ። ስለዚ ኸኣ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ [“ሕርቃን:” NW ] [ኦር·ጅ ʹ] ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ብምባል መዓዶም። ብኣሕዋቶም ኣብ ክንዲ ዝቕየሙ ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም ክስዕርዎ’ ተተባቢዖም ኢዮም።—ሮሜ 12:19, 21
እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሙላ ዘሎ ካልእ ስያመ ድማ እታ ቲይ·ሞስ ʹ እትብል ኢያ። እታ ሱር ቃል “ብመሰረቱ ንብርቱዕ ምንቅስቓስ ኣየር: ማይ: ሓመድ: እንስሳታት: ወይ ሰባት ኢያ እተመልክት።” ስለዚ ኸኣ: እዛ ቓል እዚኣ “ናይ ጽልኢ ስምዒት ሓዲሩካ ብሕርቃን ቶግ ምባል:” “ምንዳር:” ወይ “ንኣእምሮ ዝርብሽ: ኣብ ቤት ከምኡውን ኣብ ደገ ህውከትን ሸቐልቀልን ዘስዕብ ሕማቕ ሕርቃን” ብዝብል እተፈላለየ መገድታት ተገሊጻ ኣላ። ስምዒቱ ክቈጻጸር ዘይክእል ሰብኣይ ወይ ስምዒታ ክትቈጻጸር ዘይትኽእል ሰበይቲ ልክዕ ከምቲ መጠንቀቕታ ከይሃበ ዝነቱግ እሞ ኸኣ ከቝስልን ከሰንክልን ክቐትልን ዝኽእል ውዑይ ሓሙኽሽትን ኣእማንን ፈሳስን ዘውጽእ እሳተ-ጎመራ ኢዩ ወይ ኢያ። ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 5:20 ‘ንቝጥዓ’ ምስ ዝሙት: ዕብዳን: ስኽራን ዝኣመሰለ ካልእ “ግብሪ ስጋ” (ቍጽሪ 19) ክዝርዝሮ ከሎ ናይታ ቲይ·ሞስ ʹ እትብል ንብዙሕ እተመልክት ቃል ተጠቒሙላ ኢዩ። ጠባይ ናይቲ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ጆን ‘ቍጡዕ’ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ከም ዝገልጽ እተረጋገጸ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ብምርኣይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ወይ ኣብ ልዕሊ ንብረት ካልኦት ተደጋጋሚ ጕድኣት ዘውርዱ ውልቀ-ሰባት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ኢያ ክትምልከቶም ዘለዋ፧ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቍጥዓ ኣዕናውን ብቐሊሉ ናብ ባእሲ ዝመርሕን ኢዩ። የሱስ “ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ: . . . እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ዝገለጸ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:21, 22) ሰብኡትውን “ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን [“ኣምሪርኩም ኣይትቈጥዕወን:” NW ]” ብምባል ተማዒዶም ኢዮም። ሓደ ‘ኰራዪ’ ዝዀነ ሰብ ኣብታ ጉባኤ ተዓዛቢ ክኸውን ኣይበቅዕን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እቶም ንቝጥዓኦም ምቍጽጻር ዘይክእሉ ኣሕዋት ኣብታ ጉባኤ ኣብነታውያን ኰይኖም ክረኣዩ የብሎምን። (ቈሎሴ 3:19፣ ቲቶስ 1:7፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:8) አረ: ናይቲ ውልቀ-ሰብ እቲ ኣመለኻኽታ: ጠባይ: ከምኡውን ኣብ ህይወት ካልኦት ሰባት ዘውርዶ ከቢድ ዕንወት ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታው: እቲ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቍጥዓ ዘርኢ ሰብ ካብታ ጉባኤ ክውገድ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ብሓቂ ሕማቕ ሳዕቤን ኢዩ።
እቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረአናዮ ጆን ንስምዒቱ ተቘጻጺርዎ ድዩ፧ ነቲ ናብ ዕንወት ዝመርሕ ቅልጡፍ ቍጥዓኡ ክቈጻጸሮዶ ክኢሉ ኢዩ፧ እቲ ዘሕዝን: ካብ ምጭዳር ሓሊፉ ክዳፋእን ክጓነጽን ጀመረ። እቲ ምውጥዋጥ ኣጻብዑ ናብቲ ዘቐንዙን ስምብራት ዝገድፍን ቃል ብቓሉ ምጽፋዕ ኣምርሐ። ምእንቲ ከይፍለጥ ድማ ኣብ ክፍሊ ኣካላት ጂንጀር ብቐሊሉ ዝርአ ስምብራት ከይገድፍ ይጥንቀቕ ነበረ። መወዳእትኡ ግን: ብእግሩ ክቃላዕን ብጉስጢ ክዋቓዕን ርእሳ ክነጽያን ካልእ ካብኡ ዝገደደ ነገራትን ክገብር ጀመረ። ሕጂ ጂንጀር ካብ ጆን ተፈልያ ኢያ።
ከምዚ ክግበር ኣይነበሮን። ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ንቝጥዕኦም ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ፍጹም ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ምቕዳሕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ። ነዲሩ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቍጥዓ ኣርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ቍጥዕኡ ኵሉ ግዜ ጽድቃዊ ነበረ፣ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ጳውሎስ ጥበብ ብዝመልኦ መገዲ ገይሩ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ብምባል ንዅልና መዓደና። (ኤፌሶን 4:26) ከም ሰባት መጠን ደረት ከም ዘሎናን ነቲ ዝዘራእናዮ ድማ ከም እንዓጽዶን ብትሕትና ኣፍልጦ ምሃብ ንቝጥዓና ልጓም ንኽንገብረሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ይፍትን/The Doré Bible Illustrations/ Dover Publications, Inc.