ካብ ክልተ ኣቦታት ንሓዲኦም ክመርጽ ዘጋጠመኒ ብድሆ
“ድሕሪ ሕጂ ወደይ ኣይኰንካን! ካብዚ ገዛ ውጻእ: ነዚ ሃይማኖት እዚ ከይገደፍካዮ ድማ ከይትምለስ!”
እተን ተኸዲነየን ዝነበርኩ ክዳውንቲ ጥራይ ሒዘ: ካብ ገዛ ወጻእኩ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ተወንጫፊ ኣብ ከባቢና ይወድቕ ስለ ዝነበረ: ናብ ዝኸዶ ቦታ ጠፍኣኒ። ናብ ገዛ ከይተመለስኩ ድማ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ሓለፈ።
ሓደ ኣቦ ኣዝዩ ተቘጢዑ ንወዱ ካብ ገዛ ክሳዕ ምስጓጕ ከብጽሖ ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝጀመረ ክገልጸልኩም።
ኣብ ሓንቲ ጽልኢ ዝመልአ ዓለም ምዕባይ
ወለደይ ኣብታ ቅድም ብመስሕብ ቱሪስት ፍልጥቲ ዝነበረት ሃገር: ሊባኖስ: ኣብ ከተማ በይሩት ይነብሩ ነበሩ። ይኹን እምበር: ካብ 1975 ክሳዕ 1990 ኣብ ዝነበረ እዋን እታ ከተማ ኣዕናዊ ውግእ ዝካየደላ ማእከል ነበረት። ብ1969 ተወለድኩ: ካብታ ሰለስተ ውሉዳት ዝነበርዋ ኣርመናዊት ስድራቤት ድማ እቲ በዅሪ ነበርኩ። በዚ ኸምዚ: እቲ ግዜ ቍልዕነተይ ሰላም ዝመልኦ ግዜያት ኢዩ ነይሩ።
ወለደይ ናይታ ናይ ኣርመን ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣባላት ነበሩ። ኣደይ ግን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት ኣብ በዓል ትንሳኤን ልደትን ጥራይ ኢያ ናብ ቤተ-ክርስትያን እትወስደና ነይራ። ስለዚ ስድራቤትና ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ እትግደስ ኣይነበረትን። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ወንጌላውያን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክማሃር ኣተኹ: ኣብኡ ድማ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ቀሰምኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣነ እውን ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ዝበሃል ኣይነበረንን።
እቲ ብዙሓት ኣርመናውያን ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም እተማህርዎ ቀንዲ ነገር ንቱርካውያን ምጽላእ ኢዩ። ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ቱርካውያን ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣርመናውያን ቀቲሎም: ንዝበዝሐ መሬት ኣርመንያ ድማ ወሪሮም ነበሩ። ብ1920 ከኣ እቲ ተሪፉ ዝነበረ ምብራቓዊ ክፍሊ: ኣካል ሪፓብሊክ ሕብረት ሶቭየት ኰነ። ከም መንእሰይ መጠን: ፍትሒ ሰፊኑ ንኽርኢ ክቃለስ ወሰንኩ።
ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ
ይኹን እምበር: ኣብ 1980ታት ዕድመይ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ኰተቴ ከሎ: እቲ ኣኮይ ዝነገረኒ ነገራት ንኣተሓሳስባይ ክልውጦ ጀመረ። እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅሉ ምጕዳል ፍትሒ ከዐርዮ ምዃኑ ነገረኒ። በታ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ክጽልዩላ ዝማሃሮም መንግስቲ ኣቢሉ ነቶም ብጃምላ እተቐትሉ ሰባት እውን ከይተረፈ ኣብ ምድሪ ብህይወት ንኽነብሩ ከተንስኦም ምዃኑ ገለጸለይ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ራእይ 21:3, 4
ኣዝየ ተሓጐስኩ። ብዙሕ ክፈልጥ ደልየ ተወሳኺ ሕቶታት ሓተትክዎ። እዚ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር ደረኸኒ። ኣብ ገዛ እንዳ ሓደ ካልእ ምስክር ድማ ጽንዓት ንገብር ነበርና።
ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ የሆዋ ምምሃር ምስ ቀጸልኩን ብዝያዳ እናኣፍቀርክዎ ምስ ከድኩን: ሓደ መዓልቲ ንስድራቤተይ ወይ ንየሆዋ ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ከቢድ ውሳነ ከጋጥመኒ ኢዩ ብምባል ክፈርሕ ጀመርኩ።—መዝሙር 83:18
ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ከቢድ ዝዀነ ምርጫ
መወዳእትኡ: ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሓብር ከም ዘሎኹ ምስ ሰምዐት: ኣዝያ ጐሃየት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸቋርጽ ድማ ኣዘዘትኒ። ካብቲ ጽኑዕ እምነተይ ነቕ ከም ዘይብል ምስ ተገንዘበት ከኣ: ነቦኻ ክነግሮ ኢየ ብምባል ኣፈራርሃትኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ኣይተጨነቕኩን: ከመይሲ ነቲ ኵነታት ከም ዝሃድእ ብምግባር ኣብ ኣቕዋመይ ክጸንዕ ኢየ ዝብል ሓሳብ ነበረኒ። ይኹን እምበር: ተጋግየ ኢየ ነይረ።
ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሓብር ከም ዘሎኹ ምስ ፈለጠ ነደረ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እንተድኣ ዘየቋሪጸ: ካብ ገዛ ክሰጐኒ ምዃኑ ኣፈራርሓኒ። እቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ስለ ዝነበረ: ከም ዘየቋርጾ ነገርክዎ። ዓው ኢሉ ጨዲሩ: ግዒሩ: ተራጊሙ ምስ ወድአ ልክዕ ከም ቈልዓ ክበኪ ጀመረ። ምስቶም መሰኻኽር ዝነበረኒ ሕብረት ከቋርጾ ኣምሪሩ ለመነኒ።
ልበይ ኣብ ክልተ ተመቕለ: ካብ ክልቲኦም ኣቦታት—ንየሆዋ ወይ ንዕኡ—ንመኖም ከም ዝመርጽ ጠፍኣኒ። ክልቲኦም ኣዝዮም ከም ዘፍቅሩኒ እፈልጥ ነበርኩ: ንኽልቲኦም ድማ ከሐጕሶም ደለኹ፣ ግን ከኣ ዘይመስል ነበረ። እቲ ጸቕጢ ልዕሊ ዓቕመይ ኰነ። ምስ ዓበኹ ጽንዓተይ ክቕጽሎን ምስክር ክኸውንን እኽእል ኢየ ኢለ ብምሕሳብ: ዝደለዮ ነገር ክገብር ምዃነይ ነቦይ ነገርክዎ። ሽዑ ወዲ 17 ዓመት ነበርኩ።
ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ግዜ: በቲ ዝገበርክዎ ውሳነ ሕፍረት ተሰምዓኒ። የሆዋ ከም ዝጐሃየ: ኣብቲ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት ድማ ትውክልቲ ዘይገበርኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ። (መዝሙር 27:10) እንተዀነ ግን: ገና ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝነበርኩ: ንትምህርቲ ዘድልየኒ ነገራት ወለደይ ይሽፍኑለይ ነበሩ።
ዝጸንዐ ኣቕዋም
ወለደይ ንዅሉ ምንቅስቓሳተይ ይከታተልዎ ምንባሮም እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ: ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት ዝኣክል ንኣኮይ ኣይበጻሕክዎን: ምስ መሰኻኽር ድማ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኣይነበረንን። ሓደ መዓልቲ ብ1989 ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ: በጋጣሚ ምስ ሓደ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ምስክር ተራኸብና። ክመጾ ዝኽእል እንተድኣ ዀይነ ብሕያውነት ሓተተኒ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምግባር ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይጠቐሰለይ: መወዳእትኡ ከድክዎ።
ድሕሪ ገለ ግዜ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ጀመርኩ። ኣብቲ ዋላ ሓደ ሰብ ክህውኸኒ ዘይክእለሉ ቦታ: ኣብ ስርሐይ ኰይነ ጽንዓት እገብር ነበርኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ባህሪ የሆዋ ብዝያዳ ክግንዘብ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምግባርን ነቲ ርክብ ምዕቃቡን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብዝያዳ ክርዳእ ከኣልኩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይታ ዓመት እቲኣ: ነቲ እተማሃርክዎ ነገራት ንኻልኦት ከካፍል እውን ጀመርኩ።
ክሳዕ ሽዑ ስድራቤተይ ዋላ ሓንቲ ኣይፈለጡን። ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ ግን: ምስ ኣቦይ ንኻልኣይ ግዜ ገጽ ንገጽ ተፋጠጥና። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ነቲ ኵነታት ንኽዋጽኣሉ ብዝያዳ ዕጡቕ ነበርኩ። ህድእ ኢሉ “ስማዕ እሞ ዝወደይ: ገና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሓብር ኣሎኻ ዝበሃልሲ ሓቂ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ዝህቦ መልሲ ክሰምዕ ክጽበ ኸሎ: ኣዒንቱ ቍጽርጽር ኢለን ነበራ። ኣደይን ሓብተይን ድማ ይነብዓ ነበራ።
ምስቶም መሰኻኽር ምሕባር ዝጀመርኩ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምዃኑ: ሓደ ካብኣቶም ንኽኸውን ድማ ከም ዝወሰንኩ ገለጽኩሉ። ሽዑ ንሽዑ: ነገራት ሃንደበት ተለወጠ። ኣቦይ ዓው ኢሉ ነተን ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘለዋ ቃላት ኣውስአን። ድሕርዚ ብኢዱ ሓዘኒ እሞ: ክቐትለኒ ምዃኑ ጨደረ። ካብ ኢዱ ኣምሊጠ በቲ ኣስካላ እናጐየኹ ንታሕቲ ክወርድ ከሎኹ ድማ እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ንኣቦይ ከህድኦ ክፍትን ከሎ ሰማዕክዎ። “ካብ ሎሚ ንደሓር ኣቦይ ንስኻ ኢኻ። ንዓኻ መሪጸ ስለ ዘሎኹ: በጃኻ ኣይትግደፈኒ” ኢለ ናብ የሆዋ ጸለኹ።
ሕነ ምፍዳይ
ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ: ኣቦይ ኣብቲ እንዳ ኣኮይ ክረኽበኒ ብምሕሳብ: ናብቲ ገዛ ከደ። ንኣኮይ ሃረሞ: ክቐትሎ ድማ ደለየ። ክበጽሕዎ ኢሎም መጺኦም ዝነበሩ ገለ መሰኻኽር ግን ኣተዓረቕዎ። ክምለስ ኢየ ኢሉ ብምፍርራህ ድማ ከደ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ መሳርያ እተዓጥቁ ኣባላት ምልሻ ሒዙ መጸ። ነቲ ኣዝዩ ሓሚሙ ዝነበረ ኣኮይን ነቶም መሰኻኽርን ናብቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈቶም ወሰድዎም።
ብድሕሪኡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት መሰኻኽር ክደልይዎም ጀመሩ። ናብ ቤት እንዳ ሓደ ካብቶም መሰኻኽር እውን ብሓይሊ ኣተዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓዊስካ ነቲ መጻሕፍቲ ኣብ መገዲ ጸፍጺፎም ኣንደድዎ። በዚ ግን ኣይኣኸሎምን። ሽዱሽተ መሰኻኽርን ምስኣቶም ጽንዓት ዝገብሩ ዝነበሩ ገለ ሰባትን ተኣስሩ። ንዅሎም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ዳጐንዎም: ጸኒሖም ድማ መርመርዎምን ቀጥቀጥዎምን። ንገሊኦም እውን ብሽጋራ ገይሮም ኣካሎም ኣንደድዎም። ወረ ናይቲ እተፈጸመ ነገራት ኣብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ተዘርግሐ። ኣባላት ምልሻ ንዓይ ንምርካብ ዘይኣተዉዎ ቦታ ኣይነበረን። ኣቦይ እቲ ዝጥቀምሉ ሜላ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንዓይ ረኺቦም ኣተሓሳስባይ ክልውጡ ነገሮም።
ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ: ሓንቲ ካብተን ጉባኤታት ኣኼባ እናካየደት ከላ እቶም ኣባላት ምልሻ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣተዉ። ንዅሎም እቶም ኣሕዋት—ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን—ካብቲ ኣደራሽ ኣውጽእዎም። ንመጽሓፍ ቅዱሶም ገበትዎ: ናብቲ ቐንዲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈቶም ብእግሮም ክጓዓዙ ኣዘዝዎም: ኣብኡ ድማ መርመርዎም።
ናብ ግሪኽ ሃደምኩ
እዚ ዅሉ ክፍጸም ከሎ: ምስ ሓንቲ ካብቲ ህውከት ዝነበሮ ቦታ ርሒቓ እትርከብ ናይ መሰኻኽር ስድራቤት ነበርኩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ: ነታ ሃገር ገዲፈ ናብ ግሪኽ ከድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ: ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፈኹ: ነቲ ወፈያይ ድማ ብማይ ጥምቀት ገለጽክዎ።
ኣብ ግሪኽ ነቶም ቱርካውያን እውን ሓዊስካ ካብቶም እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ነቲ መንፈሳዊ ሕውነት ዘምጽኦ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣስተማቐርክዎ። ነቲ ከምዚ ዝብል ሓቅነት ቃላት የሱስ ተመከርክዎ:- “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።”—ማርቆስ 10:29, 30
ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት: ኣብ ግሪኽ ተቐመጥኩ። ነቦይ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ጸሓፍኩሉ: መልሲ ግን ፈጺሙ ኣይለኣኸለይን። ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣዕሩኽ ክበጽሕዎ ኢሎም ምስ ዝመጹ እሞ ብዛዕባይ ድማ ምስ ዝሓትዎ: “ከምኡ ዝበሃል ውላድ የብለይን” ይብሎም ከም ዝነበረ ሰማዕኩ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እንደገና ተራኸብና
ብ1992 እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ኣብ በይሩት ንምንባር ተመለስኩ። ንገዛ ክምለስ ከም ዝደሊ ብሓደ ዓርከይ ኣቢለ ንኣቦይ ሓበርክዎ። ንገዛ ክምለስ ዝኽእል ንእምነተይ ገዲፈዮ እንተ ዀይነ ጥራይ ምዃኑ መልሲ ለኣኸለይ። ስለዚ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ገዛ ተኻርየ ተቐመጥኩ። ድሕርዚ: ብሕዳር 1995 ኣቦይ ሃንደበት ናብ ስርሐይ መጸ እሞ ክረኽበኒ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ሓተተ። ሽዑ ኣብኡ ስለ ዘይጸናሕክዎ: ንገዛ ክመጽእ መልእኽቲ ጽሒፉ ገደፈለይ። መጀመርታ ነቲ ዝዀነ ነገራት ንኽኣምን ኣዝዩ ጸገመኒ። ስለዚ ኸኣ: ኣዝየ እናተጠራጠርኩ: ንኽረኽቦ ከድኩ። እቲ እንደገና ምርኻብና ልባዊ ምርኻብ ነበረ። ምስክር ብምዃነይ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይቃወምን ንገዛ ክምለስ ከም ዝደልየንን ነገረኒ!
ሎሚ ኣብ ሓንቲ ተዛረብቲ ቛንቋ ኣርመንያ ዘለዉዋ ጉባኤ ከም ክርስትያን ሽማግለን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ኰይነ አገልግል ኣሎኹ። ንየሆዋ ከገልግሉ ንዝደልዩ ኣባላት ስድራቤቶም ዝቃወሙ ከም ኣቦይ ዝኣመሰሉ ሰባት ብዙሕ ግዜ የጓንፉኒ ኢዮም። ኣቦይ ንኣምልኾይ ብምቅዋም ቅኑዕ ነገር ይገብር ከም ዝነበረ ብቕንዕና ይኣምን ምንባሩ ተገንዘብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ስድራቤት ተቓውሞ ክጽበዩ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ እውን ከይተረፈ ንክርስትያናት የዳልዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 10:34-37፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12
ሓደ መዓልቲ ኣቦይን እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤተይን ነቲ ብዛዕባ እታ መጻኢት ዝሓሸት ዓለም ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ክቕበልዎ ተስፋ እገብር። ሽዑ ድሕሪ ደጊም ውግእ ይኹን ጃምላዊ ቕትለት ኣይክህሉን ኢዩ: ሰባት ድማ ካብ ሃገሮም ኣይክባረሩን ወይ ምእንቲ ጽድቂ ኣይክስጐጕን ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሽዑ ሰባት ካብ ኣዝዮም ዝፈትውዎም ክልተ ነገራት ንሓዲኡ ክመርጹ ኣይከድልዮን ኢዩ።—እተላእከ ጽሑፍ