ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“ውግእ ኣብ ዚልዓለሉ እዋን፡ ክልቲኦም እቶም ዚዋግኡ ኣካላት፡ ኣምላኽ ከም ዚሕግዞም ይኣምኑ። ኣምላኽ ንውግእ ዚድግፍ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ስለምንታይ ይዋጋእ ከም ዝነበረን ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንውግእ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ብኸመይ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉን ትገልጽ።” መዝሙር 46:9 ኣንብበሉ፡ ነተን መጽሔታት ድማ ኣበርክተሉ።
ንቕሑ! ሕዳር
“ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ በቲ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዚርእይዎ ግብዝና ዀነ በቲ ጐዳኢ ትምህርትታተን ጕህዮም እዮም። ኣብ መጻኢ ሃይማኖት እንታይ ዚኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ንዘሎ ዜደንቕ ትንቢት ተጕልሕ እያ። እቲ ትንቢት ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዚወጹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ መወዳእታ ኸም እትጠፍእ እውን ዚሕብር እዩ።