ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ከተዕሪ ዓቕሚ እንተ ዚህልወካ፡ እንታይ ከተዕሪ ምደለኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዝን ንኻልእ ጸገማትን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። [ምስቲ ምይይጥኩም ዚኸይድ ጥቕሲ ምረጽ፣ ከም ዳንኤል 2:44፣ ምሳሌ 2:21, 22፣ ማቴዎስ 7:21-23፣ ወይ 2 ጴጥሮስ 3:7 ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ለውጥታት መዓስን ብኸመይን ከም ዚገብሮ ትገልጽ።”
ንቕሑ! ግንቦት
“ሰባት፡ ኣብ መጻኢ ምሹእ ቤት ሃልዩና፡ ድኽነት ኣብ ዘይብላ ዓለም ክንነብር እንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚምልከት ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘተስፈዎ ተስፋ እሞ ኣስተብህለሉ። [ኢሳይያስ 65:21,22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞን ንሕና ድማ ብኸመይ ተኻፈልቲ ናይዚ በረኸት ክንከውን ከም እንኽእልን ትገልጽ።”