ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/13 ገጽ 3
  • ንኣገልግሎትና እትሕግዘና ዓምዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣገልግሎትና እትሕግዘና ዓምዲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ዓንቀጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እትወጽእ ሓዳስ ዓንቀጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ምኽሪ ወብሳይት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 11/13 ገጽ 3

ንኣገልግሎትና እትሕግዘና ዓምዲ

1. እታ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ” ዘርእስታ ዓምዲ፡ እንታይ ክልተ ዕላማ እዩ ዘለዋ፧

1 ኣብታ ሕታም ህዝቢ ዝዀነት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ” እትብል ዓምዲ ሓሓሊፋ ትወጽእ እያ። እዛ ዓምዲ እዚኣ፡ ክልተ ዕላማ ኣለዋ። እቲ ሓደ ዕላማ፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚስሕብ መገዲ ጌርካ ምቕራብ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ ገሊኡ ርእሰ ነገራት ብኸመይ ብሜላ ኸነረድእ ኸም እንኽእል ምርኣይ እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ነዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመለን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2. ነታ ዓምዲ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመለን፦ ነታ ዓምዲ ዜጠቓልል ተወሳኺ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ኽትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ብዓል ቤት፡ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ፡ ወይ ከኣ ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕቶ ምስ ዚሓትት ወይ ድማ ኣብ ገለ ኻብቲ ዓምዲ ዝወጸ ተቓውሞ ምስ ዜልዕል፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሃቦ እሞ ተመያየጡሉ። ቅዳሕ እታ መጽሔት ዘይብልካ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ምናልባት ካብ jw.org ከተራግፋ ትኽእል ኢኻ።

3. ነታ ዓምዲ ተጠቒምና ምስ ሓደ ብዓል ቤት ብኸመይ ክንመያየጥ ንኽእል፧

3 ነታ ዓምዲ ተጠቒምካ ምይይጥ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ዜዘራርብዎ ዘለዉ ሰብ፡ ንቓላት እቲ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ እተጠቕሰ ብዓል ቤት ዓው ኢሉ ንኼንብቦ ይዕድምዎ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ እተጠቕሰ ናይ የሆዋ ምስክር ዚብሎ ቓላት የንብብዎ። ከምኡ ምግባር፡ እቲ ብዓል ቤት ከይተሰከፈ ንእምነትና ንኺምርምሮ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍተሉ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ።—ዘዳ. 32:2።

4. ነታ ዓምዲ ተጠቒምና ንገዛእ ርእስና ኸነሰልጥን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ንርእስኻን ንኻልኦትን ኣሰልጥን፦ ነታ ዓምዲ ኸተንብባ ኸለኻ፡ ነቲ ጥቕስታትን ስእልታትን ኣገላልጻታትን ኣስተብህለሉ። ነቲ ዚፈጥሮ ስምዒት እውን ኣቕልበሉ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ፈትን። (ምሳ. 1:5፣ 9:9) ሓንቲ ሓብቲ፡ “ነዘን ዓንቀጻት እዚአን ምንባብ፡ ካብ ሓደ ሓቢሩካ ዜገልግል፡ ኪብሃል ዘለዎ ነገራት ኵሉ ሳዕ ዚፈልጥ ‘ፍጹም’ ፈላሚ ትመሃር ከም ዘለኻ እዩ” በለት።

5. ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት፡ ንኣገልግሎት ንኺዳለዉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

5 ብዘይካዚ፡ ነታ ዓምዲ ተጠቒምካ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ንኣገልግሎት ንኺዳሎ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ተመሃራይካ ኸምቲ ኣብታ ዓምዲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስፋሒ ኸም ዚኸውን ብምግባር፡ ነቲ ሓበሬታ ሓቢርኩም ኣንብብዎ። በዚ ኸምዚ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነቶም ብኸመይ ብሜላ ኺገልጹ ኸም ዚኽእሉ ኺለማመዱ ይኽእሉ እዮም። (ቈሎ. 4:6) ብርግጽ እምበኣር፡ እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣገልግሎትና “ምሉእ ብምሉእ” ንኽንፍጽም ዚሕግዘሉ ብዙሕ መገድታት እየን።—2 ጢሞ. 4:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ