ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/13 ገጽ 3
  • መደብ 25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ 25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 11/13 ገጽ 3

መደብ 25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 31⁠ን ጸሎትን

□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦

jl ትምህርቲ 11-13 (30 ደቒቕ)

□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1-5 (10 ደቒቕ)

ቍ. 1፦ ያእቆብ 1:22–2:13 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ቍ. 2፦ ፍቕሪ ንፍርሂ ብኸመይ ከም እተሰንፎ—1 ዮሃ. 4:16-18 (5 ደቒቕ)

ቍ. 3፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እትገብረሎም ነገራት—td 6ሀ (5 ደቒቕ)

□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦

መዝሙር 1

10 ደቒቕ፦ ኣብ ታሕሳስ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡ ሕተቶም። ካብኡ፡ ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑ ኺገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

10 ደቒቕ፦ ከመይ ጌርካ ኽትምልስ ኣሎካ፧ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 69፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-5 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ ውሳነ ንኺገብር ኪሕግዞ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ኣስፋሒ፡ “ንስኻ ኣብ ቦታይ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧” ኢሉ ይሓትቶ።

10 ደቒቕ፦ “ንኣገልግሎትና እትሕግዘና ዓምዲ።” ሕቶታትን መልስታትን። ነታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸት፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ” ዘርእስታ ዓምዲ ተጠቒምካ፡ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዚርከብ ርእይቶ ብሓጺር መርኣያ ኣቕርቦ።

መዝሙር 45⁠ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ