መደብ 2 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
2 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 42ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 14-16 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 1–2 ጴጥሮስ 3 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ጴጥሮስ 2:18–3:7 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መንግስቲ ኣምላኽ ገና ጸላእቲ ክርስቶስ ከይጠፍኡ፡ ግዝኣታ ትጅምር—td 6ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሱስ መሲሕ ከም ዝዀነ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና—ሉቃ. 24:44፣ ገላ. 4:4 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኵር። መደረ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ታሕሳስ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኪሳተፉ ኣተባብዓዮም። ንዳሕረዋይ ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒምካ ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም እተጀምር ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ፈቲንካዮዶ፧ ምይይጥ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጻ ዓንቀጻት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተመርኲስካ፡ ሕጽር ዝበለ መደረ ኣቕርብ፦ “ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንዓናን ንኻልኦትን ዚጠቅም” (km 12/12)፡ “ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም” ከምኡውን “እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንመን እያ እተገድሶ፧” (km 5/13)። ንሰማዕቲ፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ንኺገልጹ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍሉይ ወፈራ ኽሊ ኽትካፈል ትኽእልዶ፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ምይይጥ። ነታ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት ደብዳበ ኣንብባ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወፈራ እተኻፈሉ ቓለ መጠይቕ ብምግባር ድማ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዚፍጠር ግበር።
መዝሙር 12ን ጸሎትን