ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
1 ሓንቲ ሓብቲ ነታ ናይ 1 ጥሪ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ድሕሪ ምንባባ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክጥቀመላ ተሃንጥየ እየ ዘለኹ!” በለት። ንገለ ኽፋል እቲ ኣዘውቲሩ ዚወጽእ ትሕዝቶ እታ ሕታም ህዝቢ ኣንቢብካዮዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ኣገልግሎትካ ኸተበርክታ እትኽእለሉ መገድታትከ ረኺብካዶ፧
2 “ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ”፦ ምናልባት ነዚ ትሕዝቶ እዚ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ሓጋዚ ዀይኑ ረኺብካዮ ትኸውን። ክሳዕ ሕጂ ኸምዚ ዘይገበርካ እንተ ዄንካ፡ ኣርእስቲ እታ ዓንቀጽ ነቲ ብዓል ቤት ኣንብበሉ፣ ድሕሪኡ፡ ከምቲ ኣብታ ናይ መጀመርታ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዝበለ ነቲ ብዓል ቤት ግለጸሉ። እቲ ሰብ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ፡ ነቲ ኸም ዜመራምር ሕቶታት ኰይኑ ቐሪቡ ዘሎ ንኡስ ኣርእስትታት ተጠቒምካ፡ እቲ ምይይጥ ከም ዚቕጽል ክትገብር ጽዓር። እቲ ሰብ ነቲ ሕቶ መልሲ ኺህበሉ ዓድሞ። ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ስእልታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ፣ ድሕሪኡ ናብቲ ቐጺሉ ዚርከብ ሕጡብ ጽሑፍ ስገር። ኣብ ናይ ፈለማ ርክብኩም ንፍርቂ ኽፋል እታ ዓንቀጽ ክትመያየጡላ ትኽእሉ ኢኹም፣ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል ድማ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ ተመያየጠሉ። ነቲ መጽናዕቲ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንኽትቅጽሎ ተዳሎ።
3 “መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት”፦ እዛ ተኸታታሊት ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓንሳእ እያ እትወጽእ፣ ንሰብኡት፡ ንኣንስቲ፡ ከምኡውን ንወለዲ፡ ሰላም ስድራ ቤቶም ዚዘርግ ሽግራት ኪለዓል ከሎ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ንኺርድኡ ኽትሕግዞም ተባሂላ እያ ተዳልያ። ንስኻ እውን ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ንኺርድእዎ ንምሕጋዞም ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ።—2 ጢሞ. 3:16, 17
4 ንመንእሰያት ዚኸውን ትሕዝቶ፦ እታ “ንመንእሰያትና” እትብል ተኸታታሊት ዓንቀጽ፡ ንሓደ ፍሉይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽን ብዛዕባኡ ኸም እነስተንትን ዚገብርን ሓበሬታ ሒዛ እያ እትወጽእ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም መንእሰያት፡ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ ምእንቲ ኺርድኡ ንምሕጋዞም ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 119:9, 105) ምስ ወለዲ ኽትዘራረብ ከለኻ፡ ነቲ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ዚወጽእ “ንደቅኻ ምሃሮም” ዚብል ተኸታታሊ ዓንቀጻት ክትጥቀም ትኽእል እኻ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ ነቶም ንኣሽቱ ቘልዑ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ-ባህርያት ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኺመሃሩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ነዚ ዓንቀጻት እዚ ምስ ደቅኻ ዄንካ ንኸተንብቦ መዲብካዶ፧
5 ካልእ ትሕዝቶታት፦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ እታ “ሕቶታት ኣንበብትና” እትብል ትሕዝቶ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣንበብቲ ኺሓትዎ ዚኽእሉ ሕቶታት ሒዛ ትወጽእ። ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት መጽሔታት እተበርክተሉ እዋን፡ ነዚ ዓንቀጽ እዚ ኸተጕልሖ ትኽእል ኢኻ። እቲ “ካብ . . . እተላእከ ደብዳበ” ዚብል ትሕዝቶ፡ ነቲ ሚስዮናውያንን ካልኦትን ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ዜሕልፍዎ ሽግራት ዚገልጽ ኰይኑ፡ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝጸሓፎ ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ። እዚ ዓንቀጻት እዚ ንተገደስቲ ሰባት፡ እቲ ብስራት ከም መፈጸምታ ምልክት ህላወ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ከም ዘሎ ንኺርድኡ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—ማቴ. 24:3, 14
6 እቲ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመርኲሱ ወርሓዊ ዚወጽእ “ንኣምላኽ ቅረቦ” ዚብል ዓንቀጽ፡ ንቕኑዓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኺመሃሩ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሳዕ ዚወጽእ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዚብል ዓንቀጽ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ንዘለዉ ሰባት ነቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ዜንጸባረቕዎ ጠባያትን ምርጫታቶምን ዜጋጠሞም ሽግራትን እምነቶምን ዚገልጽ ጸብጻባት ኣብ ኣእምሮኦም ንኺስእልዎ ኺሕግዞም ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።
7 ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓንቲ ብምልኡ ትሕዝቶኣ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንጥቀመላ እንኽእል ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ምርካብናስ ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ኰን ኢና! ሃየ እምበኣር፡ ምስ ትሕዝቶኣ ምሉእ ብምሉእ ንፋለጥ፣ ኣብ ኣገልግሎት ድማ ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብብምሉእ ንጠቐመላ!