መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት ዘይረብሑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር ይከኣል ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኺረኽቡ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ትገልጽ እያ።” ኣብታ “መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ” እትብል ዓንቀጽ ብድሙቕን ሰያፍን ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ኣጕልሕ።
Awake! Aug. 8
“ብዙሓት ሰባት ብፍርሂ ተዋሒጦም እዮም ዘለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ኺህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ሓደጋታት ኬዕቍበና ዚኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ፍርሂ ናጻ ዝዀነት ዓለም ዚጠቅስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ እውን ትገልጽ እያ።” ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓ.
“ብዙሓት ሰባት ዜሕዝን ሞት ምስ ርኣዩ: ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዚኸውን ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ሞት ክትርድኦ ትኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ንምትንሳእ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ እውን ትጠቅስ እያ።” ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።
Awake! Aug 22
“ቱሪዝም ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ሰባት ዚሰርሕሉ ዓውዲ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ዕቤት ቱሪዝም ጥቕምን ጸገማትን ኣምጺኡ እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ እዚ ዘመናዊ ናይ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ዜምጽኦ ጥቕምን ጕድኣትን ትምርምር እያ። ንኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ኺጠቅም ዚኽእል ግብራዊ ሓሳባት እውን ኣለዋ።”