ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/05 ገጽ 1
  • ክብሪ የሆዋ ኣዘንቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክብሪ የሆዋ ኣዘንቱ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።”—መዝሙር 96:8።
    “ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።”—መዝሙር 96:8።
  • ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 11/05 ገጽ 1

ክብሪ የሆዋ ኣዘንቱ

1 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ” ብምባል ኣወጀ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልናን ሕጂ ዚገብረልና ዘሎን ንመጻኢ ዚገብረልና ነገራትን ክንሓስብ ከለና: ልብና ኽብሩ ንኸነዘንቱ ይድርኸና።—መዝ. 96:1, 3

2 ኣብ ኣገልግሎትና:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ስም ኣምላኽ ናይ ምጻርን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዕኡ ናይ ምውዳስን ክብሪ ረኺቦም እዮም። (ሚል. 1:11) እዝስ ካብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ደይመደይ ኢሎም ስም ኣምላኽ ካብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንምልጋስ ዚገበርዎ ጻዕሪ ኽሳዕ ክንደይ እተፈለየ ዀን እዩ! ሰባት ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ምእንቲ ኺድሕኑ ስም ኣምላኽ ብእምነት ኪጽውዑ ስለ ዘለዎም: እቲ ስም ኣምላኽ ናይ ምፍላጥ ዕዮ ህጹጽ እዩ። (ሮሜ 10:13-15) ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት እውን ሓዊስካ: ኣብ ብምልኡ ኣድማስ ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ኣለዎ። ብርግጽ እምበኣር: ኵሉ ግብርታት ኣምላኽ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ እዩ።

3 “እግዚኣብሄር ዓብዪ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።” ይኹን እምበር: ሰባት ‘ንስም የሆዋ ኽብሪ ምእንቲ ኺህቡ’ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ኣለዎም። (መዝ. 96:4, 8) እንተዀነ ግን: ገሊኦም ኣምላኽ የልቦን ይብሉ። (መዝ. 14:1) ገሊኦም ከኣ ሓይሊ ኸም ዘይብሉ ወይ ብዛዕባ ሰባት ከም ዘይግደስ ገይሮም የካፍእዎ። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ ፈጣሪናን ዕላማታቱን ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ባህርያቱን ርጡብ ፍልጠት ኪረኽቡ ምስ እንሕግዞም: ንየሆዋ ኢና እንውድስ ዘሎና።

4 በካይዳና:- ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ምንባር: ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ እዩ። ሰባት ነቲ ጽቡቕ ኣካይዳና የስተብህልሉ እዮም። (1 ጴጥ. 2:12) ንኣብነት: እቲ ጽሩይን ጽፉፍን ትርኢትና ሰባት ኣወንታዊ ርእይቶ ኺህቡሉ ይኽእሉ: እዚ ድማ ንዓና ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ተሰማሚዕካ ምንባር ዘለዎ ረብሓታት ንኽንዛረብ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ሰባት ‘ነቲ ጽቡቕ ግብርና ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦና ኼመስግንዎ’ ኽንርኢ ኸለናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!።—ማቴ. 5:16

5 ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና ብቓልን ብግብርን ንወድሶ። ብእኡ ኣቢልና ድማ ኢና ነቲ “ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ: ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ” ዚብል ዜሐጕስ ጻውዒት መልሲ እንህብ።—መዝ. 96:2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ