መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ሎሚ: ሰባት ንኻልኦት ኬጋፍዑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ናይ የሱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕልዎ: ኵነታት ኪቕየር ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 7:12 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መሰረታዊ መሰል ሰብኣዊ ኽብረት ብኸመይ ከም ዚረጋገጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”
Awake! Aug.
“ኵላትና ጽቡቕ ክንክን ጥዕና ብዛዕባ ምርካብ ንግደስ ኢና። ሎሚ ብዙሓት ሓኻይም ኣብ ሕክምና ደም ኪጥቀሙ ኸም ዘይመርጹ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ስለምንታይ ደም ምጥቃም ከም ዘይመርጹ ትገልጽ። ኣምላኽ ንደም ኣኽቢሩ ዚርእየሉ ምኽንያት እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።” ዘሌዋውያን 17:11 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓ.
“ብዛዕባ እቲ የሱስ እተዛረበሉ ሓደ ነገር ዘሎካ ርእይቶ ኽንፈልጥ ምደለና። [ማቴዎስ 5:5 ኣንብብ።] እዚ መብጽዓ እዚ ፍጻሜኡ ምስ ረኸበ: ኵነታት ምድሪ ኸምዚ ዘለዎ ዚቕጽልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ የሱስ ንምድሪ ብኸመይ ከም ዚልውጣ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ። ንምድሪ መን ከም ዚወርሳ እውን ትገልጽ።”
Awake! Sept.
“ብዙሓት ሰባት ‘ኣብ ኣምላኽ ምእማን ስነ-ፍልጠታዊ መሰረት ይህልዎዶ ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓቱ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ እብራውያን 3:4 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ነቲ ገለ ተመራመርቲ ኣብ ፈጣሪ ንኺኣምኑ ዝደረኾም መርትዖታት ትምርምር።”