መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ሎሚ ፍጻሜኡ ዚረክብ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 24:11 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንገለ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ትምህርትታት ትገልጽ። ብመማህራን ሓሶት ከይንታለል እውን ትሕግዘና።”
Awake! Dec.
“ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ዚምልከት ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያታት ኣሎ። ኣምላኽ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እታ የሱስ ዝገበራ ናይ መጀመርታ ተኣምር የሱስ ማይ ናብ ወይኒ ምቕያር እኳ እንተ ነበረት: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ እውን ይህብ እዩ። [ምሳሌ 20:1 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ትገልጽ።” ነታ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕ.
“ኣብዚ ወርሓት እዚ: ብዙሓት ሰባት ነቲ መላእኽቲ ኣብ ውልደት የሱስ እተዛረብዎ ነገራት ይዝክሩ። [ሉቃስ 2:14 ኣንብብ።] ሰላም ኣብ ምድሪ ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ የሱስ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብኸመይ ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ ምድሪ ኸም ዜምጽእ ትገልጽ።”
Awake! Jan.
“እዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜኡ ረኺቡ እንርኢዶ ይመስለካ፧ [ኢሳይያስ 33:24 ኣንቢብካ: መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት እንታይ ከም ዝዓመመን መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚፍጸምን ትገልጽ።”