ንብዙሓት ሰባት እተነቓቕሕ ቅንኢ
እታ ሰብ ቈረንቶስ ንሰናይ ግብሪ ዝነበረቶም ቅንኢ “ንብዙሓት” ክርስትያናት ብጾት ስለ ‘ዝሰሓለት [“ዘነቓቕሐት:” NW ]’ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢድዎም ኢዩ። (2 ቈረ. 9:2) መብዛሕትኡ ግዜ ውልቀ-ሰብ: ስድራቤት: ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ: ወይ ምልእቲ ጉባኤ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ቅንኢ ዝመልኦ ተሳትፎ ብምግባር ተመሳሳሊ ጽልዋ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ኣገልግሎት ቅንኢ ከተርኢ እትኽእለሉ ገለ መገድታት እንሆ።
◼ ቀዳም ቀዳም ንንጥፈታት ናይ መዓልቲ መጽሔት ዝኸውን ገለ ግዜ መድብ።
◼ ኣብ ሰናብቲ ኣብ ገለ መዳይ ግራት ኣገልግሎት ተሳተፍ።
◼ ኣብ ኵለን እተን ፍሉይ ምስክርነት ንምሃብ ምድላው ዝግበረለን መዓልትታት ተሳተፍ።
◼ ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ እትዀነሉ መዓልቲ ንኣገልግሎት ተጠቐመሉ።
◼ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክበጽሓኩም ከሎ ኣብ ኣገልግሎት ደገፍካ ሃብ።
◼ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኣገልግል።
◼ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ኵነታትካ ኣተዓራሪ።
ናይ 2000 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 17-19 ርአ።