ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበር ባጅ ክዋሃቦ ዘለዎ መን ኢዩ፧
ኣብ ዓቢ ኣኼባ ዝግበር ባጅ ንኣሕዋትና ኣብ ምልላይን ነቲ ዓቢ ኣኼባ ንኻልኦት ኣብ ምፍላጥን ሓጋዚ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንዅሉ ክዕደል የብሉን። እቲ ነዚ ባጅ ዝገበረ ውልቀ-ሰብ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዝርከብ ምስ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመላለስ ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝርአ።
እቲ ካርድ ስም ናይ ውልቀ-ሰብን ናይ ጉባኤን ዝጸሓፈሉ ቦታ ኣለዎ። ስለዚ: እቲ ውልቀ-ሰብ ምስታ እትጥቀስ ጉባኤ ብግቡእ ዝመላለስ ክኸውን ኣለዎ። ማሕበር ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘድሊ ካርድ ትልእኽ ኢያ። እቲ ካርድ ንዅሎም እተጠመቑን ዘይተጠመቑን ኣስፋሕቲ ክወሃብ ይግባእ። ብተወሳኺውን: ቈልዑ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝካፈሉ ካልኦት ሰባት: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ዕቤት ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት ሓሓንቲ ካርድ ክወሃቦም ይከኣል ኢዩ። ኣብ ዓቢ ኣኼባ ዝግበር ባጅ ንሓደ እተወገደ ሰብ ምሃብ ግቡእ ኣይኰነን።
እቲ ካርድ ናብ ጉባኤታት ምስ በጽሐ: እቶም ሽማግለታት ምስዚ መምርሒታት እዚ ብዝሰማማዕ መገዲ ይዕደል ምህላዉ ክዕዘቡ ኣለዎም።