ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/6 ገጽ 20-25
  • ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብራ ስድራቤት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኢዩ ዘሎ
  • ኣብ ስድራቤት ቅልውላው ዝርአ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ኣርባዕተ ኣድለይቲ ስርዓታት
  • ኣምለኻዊ ሰላም ምስዓብ ቀጽል
  • ስድራቤትኩም ነባሪ መጻኢ ከም ዝህልዋ ግበሩ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
    ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
  • ስድራቤት ንወድሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/6 ገጽ 20-25

ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ

“ኣቱም ዓሌታት [“ስድራቤታት:” NW ] ኣህዛብ: ንእግዚኣብሄር ሀቡ: ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።”​—⁠መዝሙር 96:7

1. የሆዋ ንናብራ ስድራቤት ከመይ ዓይነት ምጅማር ኢዩ ዝገበረሉ፧

የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይትን ብመርዓ ከተኣሳስሮም ከሎ: ንናብራ ስድራቤት ሰላማውን ሕጕስን ገይሩ ኢዩ ጀሚርዎ። አረ: ኣዳምስ ኣዝዩ ተሓጒሱ ስለ ዝነበረ ኢዩ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ እተመዝገበ ግጥሚ ከምዚ ብምባል ሓጐሱ ዝገለጸ:⁠- “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ: ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ: ካብ ሰብ​­ኣይ ተወሲዳ እያ እሞ: ሰበይቲ ትብሀል።”​—⁠ዘፍጥረት 2:​23

2. ኣምላኽ ነቶም ሰብኣውያን ደቁ ሓጐስ ኣብ ርእሲ ምምጻእ እንታይ ካልእ ተወሳኺ ዕላማ ኢዩ ዝነበሮ፧

2 ኣምላኽ መርዓን ስርዓት ስድራቤትን ከቕውም ከሎ: ዕላምኡ ንሰብኣውያን ደቁ ሓጐስ ምምጻእ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ፍቓዱ ክገብሩ ኢዩ ደልይዎም ነይሩ። ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ: በሎም።” (ዘፍጥረት 1:​28) ብርግጽ: ዓስቢ ዘለዎ መዝነት ኢዩ ነይሩ። እቶም ናይ መጀመርታ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ንፍቓድ የሆዋ ብተኣዛዝነት ፈጺሞም ነይሮም እንተ ዝዀኑስ ኣዳምን ሄዋንን እቶም ንመጻኢ ደቆም ዝዀኑ ሰባትን ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕሳት ምዀኑ ነይሮም!

3. ስድራቤታት ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ምእንቲ ክነብራ እንታይ ኢዩ ዝድለየን፧

3 ሎሚ እውን እንተዀነ: ስድራቤታት ሓቢረን ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ዝገብራ ኣዝየን ሕጕሳት ኢየን ዝዀና። ከምዚአን ዝበላ እዙዛት ስድራቤታት ከመይ ዝበለ ዘገርም ተስፋታት ኰን ኢዩ ዘለወን! ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ኣምልኾ [“ኣምላኻዊ ተወፋይነት:” NW ] . . . ንዅሉ ይጠቅም: ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:8) በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝነብራ ስድራቤታት ንስርዓታት ቃል የሆዋ ይስዕባ: ፍቓዱ ድማ ይፍጽማ። ኣምላኻዊ ሰላም ይስዕባ: በዚ ኸኣ ኣብዛ “ሕጂ ዘላ ህይወት” ሓጐስ ይረኽባ።

ናብራ ስድራቤት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኢዩ ዘሎ

4, 5. ናብራ ስድራቤት ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ርግጽ ኢዩ: ሰላምን ሓጐስን ኣብ ኵሉ ስድራቤት ኣይኰንናን እንረክብ። ፖፑለሽን ኮንስል እተባህለ ናይ ስነ⁠-ህዝቢ ትካል ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ብምጥቃስ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ኣብ ሃብታማት ይኹን ኣብ ድኻታት ሃገራት: ኣብቲ ናይ ስድራቤት መዋቕር መሰረታዊ ለውጥታት ይርአ ኣሎ።” ናይዚ መጽናዕቲ እዚ ደራሲት “እቲ ኣቦ ከም ናይ ቁጠባ ምንጪ እታ ኣደ ድማ ስምዒታዊ ሓልዮት እትህብ ኰይኖም ዝዓዩላ ስድራቤት ርግእትን ጥምርትን ኣሃዱ ኢያ ዝብል ሓሳብ ጽውጽዋይ ኢዩ። እቲ ሓቂ: ኣብ ምሉእ ዓለም ናብ ከም እኒ ብዘይ መርዓ ኣደ ምዃን: ናብ እናወሰኸ ዝኸይድ ቍጽሪ ፍትሕ: [ከምኡውን] ናብ ብሰንኪ ፍትሕ ዝስዕብ ዋሕዲ ቍጽሪ ስድራቤት . . . ዝመርሕ ሓፈሻዊ ኣንፈት ኢዩ ዝርአ ዘሎ” ከም ዝበለት ተጠቒሱ ኣሎ። ብምኽንያት ከምዚ ዝበለ ሓፈሻዊ ኣንፈታት ብሚልዮናት ዝቝጸራ ስድራቤታት ርግኣት: ሰላም: ከምኡውን ሓጐስ የብለንን: ብዙሓት ድማ ይፈርሳ ኣለዋ። ኣብ ስጳኛ ካብ ምጅማር ናይዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ኣትሒዙ ካብ 8 መርዓታት 1 ይፈርስ ኣሎ​—⁠እዚ ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመታት 1 ካብ 100 ዝነበረሉ እዋን ዓቢ ወሰኽ ኢዩ። ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ ቍጽሪ ፍትሕ ዝርኣየላ ሃገር ኢያ: እዚ ድማ ካብ 10 መርዓታት እቲ 4 ይፈርስ። እዛ ሃገር እዚኣ ዝለዓለ ቍጽሪ ናይተን ንጽል ወለዲ ዘለዉወን ስድራቤታት እውን ኣጋጢምዋ ኢዩ።

5 ገለ ሰባት ንፍትሕ ዝህወኹ ኢዮም ዝመስሉ። ብዙሓት ሰባት ናብቲ ኣብ ጥቓ ቶክዮ: ጃፓን ዝርከብ “ማእሰር ዝፈትሕ ቅዱስ ቦታ” ዝበሃል ይውሕዙ ኢዮም ዘለዉ! እዚ ናይ ሺንቶ ቤተ⁠-መቕደስ ንፍትሕ ከምኡውን ካልእ ዘይተደልየ ዝምድናታት ንምብታኽ ዝቐርብ ልመናታት ኢዩ ዝቕበል። ነፍሲ ወከፍ ኣምላኺ ኣብ ቀጢን ናይ ዕንጨይቲ ጣውላ ልመናኡ ይጽሕፍ: ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቅዱስ ቦታ ይሰቕሎ: መልሲ ክረክብ ድማ ይጽሊ። ሓደ ኣብ ቶክዮ ዝሕተም ጋዜጣ: እቲ ቅዱስ ቦታ ዳርጋ ሓደ ዘበን ይገብር ክምስረት ከሎ “ኣንስቲ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሃብታማት ነጋዶ: ሰብኡተን ነተን ውሽማታቶም ሓዲጎም ናብአን ክምለሱ ጸሎተን ዝጽሕፋሉ ቦታ” ከም ዝነበረ ይዛረብ። ሎሚ ግን: ዝበዝሕ ልመናታት ንዕርቂ ዘይኰነስ ንፍትሕ ተባሂሉ ኢዩ ዝቐርብ። ኣብ መላእ ዓለም ናብራ ስድራቤት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ንክርስትያናት ከገርሞምዶ ኣለዎ፧ ኣይፋሉን: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ቅልውላው ስድራቤት ዕምቝ ዝበለ ሓሳብ ይ ህበና ኢዩ።

ኣብ ስድራቤት ቅልውላው ዝርአ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

6. 1 ዮሃንስ 5:​19 ምስቲ ሎሚ ኣብ ስድራቤት ዝርአ ዘሎ ቅልውላው እንታይ ርክብ ኢዩ ዘለዋ፧

6 ነዚ ሎሚ ኣብ ስድራቤት ዝርአ ዘሎ ቅልውላው: ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:⁠- “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ [ኣላ]።” (1 ዮሃንስ 5:​19) ካብቲ እኩይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እሞ እንታይ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧ ንሱ ሕሱም: ስነ⁠-ምግባር ዘይብሉ ሓሳዊ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:​44) እዛ ንሱ ዝገዛኢኣ ዓለም በቲ ንናብራ ስድራቤት ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝዀነ ምትላልን ዘይስነ⁠-ምግባርን ትዓግብ ምዃና እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ! ካብ ማሕበር ኣምላኽ ወጻኢ: ናይ ሰይጣን ጽልዋ ነቲ የሆዋ ዘቘሞ መርዓ ንምዕናውን ንሰላም ናብራ ስድራቤት ንምጥፋእን የንጸላሉ ኣሎ።

7. ስድራቤታት ብጠባይ ናይቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ክትንከፋ ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧

7 ነቲ ሎሚ ንደቅሰብ ኣሸጊርዎም ዘሎ ናይ ስድራቤት ግድል ጠንቂ ዝዀነ ካልእ ምኽንያት ድማ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5 ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ጳውሎስ ትንቢታዊ ቃላት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብር። ኣባላተን “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት [“ዘይእሙናት:” NW ]: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ [“ርእሰ⁠-ግትኣት ዘይብሎም:” NW ]: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” እንተድኣ ኰይኖም: ስድራቤታት ሰላማውያንን ሕጕሳትን ክዀና ኣይክእላን ኢየን። ሓንቲ ስድራቤት ካብቶም ኣባላታ ሓደ እውን ይኹን ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሉ ወይ ዘይእሙን ምስ ዝኸውን ምሉእ ብምሉእ ሕጕስቲ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። ኣብቲ ቤት ሓደ ሰብ ጨካንን ተቐያምን ምስ ዝኸውን ናብራ ስድራቤት ሰላም ዝመልኦ ክኸውን ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ገና ዝገደደ ኸኣ: ኣባላት ስድራቤት ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ ምስ ዝዀኑ: ከመይ ኢሉ ሰላምን ሓጐስን ክህሉ ይኽእል፧ እዚ መለለዪ ጠባይ ናይቶም ኣብዛ ብሰይጣን እትምራሕ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኢዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይ ስድራቤት ሰላምን ሓጐስን ክርከብ ዘይከኣል እንተዀነስ ኣየገርምን ኢዩ!

8, 9. ናይ ውሉዳት ጠባይ ኣብ ልዕሊ ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧

8 ብዙሓት ስድራቤታት ሰላምን ሓጐስን ዝስእናሉ ዘለዋ ካልእ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ጠባይ ናይ ውሉዳት ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ክህሉ ዘለዎ ኵነታት ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ: ብዙሓት ቈልዑ ንወለዶም ዘይእዘዙ ክዀኑ ምዃኖም ተነብዩ ኢዩ። መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ጠባይካ ንስድራቤትካ ሰላም ዝመልኣን ሕጕስትን ንምግባር ዝሕግዝ ድዩ፧

9 ገሊኦም ቈልዑ ጠባዮም ኣብነታዊ ኣይኰነን። ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ወዲ ንኣቦኡ እዚ ዝስዕብ ጽዩፍ ደብዳበ ጸሓፈሉ:⁠- “ንኣለክሳንድርያ እንተድኣ ዘይወሲድካኒ: ደብዳበ ኣይጽሕፈልካ: ኣይዛረበካ: ድሓን ኩን ኣይብለካ: ገዲፍካኒ እንተድኣ ኬድካ ድማ ብኢደይ ኣይትንክፈካ ወይ እንደገና ሰላም ኣይብለካን ኢየ። እንተ ዘይተማሊእካኒ ከምቲ ዝበልኩዎ ክገብር ኢየ . . . [በገና] ክትሰደለይ ግን እልምነካ። እንተ ዘይሰደድካለይ: ኣይበልዕ ኣይሰቲ። በቃ!” እዝስ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እተፈጸመዶ ይመስል፧ እዛ ካብ ሓደ ወዲ ናብ ኣቡኡ እተላእከት ደብዳበ ልዕሊ 2,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ጥንታዊት ግብጺ እተጻሕፈት ኢያ።

10. መንእሰያት ስድራቤታቶም ኣምላኻዊ ሰላም ምእንቲ ክስዕባ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ፧

10 ናይዚ መንእሰይ እዚ ኣመለኻኽታ ናይ ስድራቤት ሰላም ኣየምጽአን። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ውሽጢ እዘን ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዋ ስድራቤታት ካብኡ ዝገደደ ኵነታት ይፍጸም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣቱም መንእሰያት ስድራቤትኩም ኣምላኻዊ ሰላም ንኽህልዋ ክትሕግዙ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ፧ ነዚ ዝስዕብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብምእዛዝ:⁠- “ኣቱም ውሉድ: እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ: ንወለድኹም ብዅሉ ተአዘዝዎም።”​—⁠ቈሎሴ 3:​20

11. ወለዲ ውሉዳቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንቲ ክዀኑ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧

11 ንስኻትኩም ወለዲኸ፧ ደቅኹም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንቲ ክዀኑ ብፍቕራዊ መገዲ ሓግዝዎም። ምሳሌ 22:6 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል። ሰናይ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትን ጽቡቕ ኣብነት ወለድን ምስ ዝረኽቡ: ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን ምስ ዓበዩ ካብቲ ግቡእ መገዲ ኣየላግሱን ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ዝበዝሐ ካብቲ ውጽኢት: ኣብ ዓይነትን ትሕዝቶን ናይቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኽቦ ልምምድ ከምኡውን ኣብ ልቢ ናይቲ ቘልዓ ዝምርኰስ ኢዩ።

12. ሓንቲ ናይ ክርስትያን ቤት ሰላም ዝመልኣ ክትከውን ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ኵሎም ኣባላት ስድራቤትና ፍቓድ የሆዋ ክገብሩ ይጽዕሩ እንተድኣ ኣልዮም: ኣምላኻዊ ሰላም ከም እነስተማቕር ፍሉጥ ኢዩ። ናይ ክርስትያን ቤት ‘ብፈተውቲ ሰላም’ ኢያ ክትመልእ ዘለዋ። ሉቃስ 10:​1⁠-6 የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቲ ከም ኣገልገልቲ መጠን ክልእኮም ከሎን “ኣብ ዝአቶኹምዋ ቤት: ቅድም፤ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን: በሉ። ኣብኣ ወዲ [“ፈታው:” NW ] ሰላም እንተሎ: ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ” ኢሉ ክዛረቦም ከሎን: ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝነበሩ ኢያ እትገልጽ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብስራት ሰላም’ ሒዞም ብሰላማዊ መገዲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ከለዉ: ፈተውቲ ሰላም ኢዮም ዝደልዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34⁠-36፣ ኤፌሶን 2:​13⁠-18) ብርግጽ: ብፈተውቲ ሰላም ዝቘመት ክርስትያናዊት ስድራቤት ሰላም ዝመልኣ ክትከውን ኣለዋ።

13, 14. (ሀ) ናእሚ ንሩትን ዖርጳን እንታይ ኢያ እተመነየትለን፧ (ለ) ናይ ክርስትያን ቤት ከመይ ዝዓይነታ ቦታ ዕረፍቲ ኢያ ክትከውን ዘለዋ፧

13 ሓንቲ ቤት ቦታ ሰላምን ዕረፍትን ክትከውን ኣለዋ። እታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት መበለት: ናእሚ: ነተን መበለታት ዝነበራ ንኣሽቱ ኣንስቲ ደቃ: ሩትን ዖርጳን: ኣምላኽ ሕያዋይ በዓል ቤትን ጽቡቕ ሓዳርን ካብ ምህላው ዝርከብ ዕረፍትን ምጽንናዕን ክህበን ተመነየትለን። ናእሚ ከምዚ በለተን:⁠- “ነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን።” (ሩት 1:9) ነዚ ናይ ናእሚ ትምኒት ኣመልኪቱ: ሓደ ምሁር ሩትን ዖርጳን ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰላማዊ ኣባይቲ “ካብ ከርተትን ጭንቀትን ክገላገላ ነበረን። ዕረፍቲ ክረኽባ ነበረን። እፎይ ክብላሉ ዝኽእላ: እቲ ለዋህ ስምዒታተንን ክቡር ባህግታተንን ድማ ዕግበትን ቅሳነትን ክረኽበሉ ዝኽእል ቦታ ክኸውን ነበሮ። እቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ፍሉይ መልእኽቲ . . . በቲ ኣብ [ኢሳይያስ 32:17, 18] ዝርከብ ምስኡ ሓቢሩ ዘሎ መግለጺታት ዝሓዞ መንፈስ ብጽቡቕ ኣገባብ ተገሊጹ ኣሎ።”

14 በጃኻ ነዚ ናይ ኢሳይያስ 32:17, 18 ጥቕሲ ኣስተብህለሉ። ኣብኡ ከምዚ ነንብብ:⁠- “ግብሪ ጽድቅስ ሰላም: ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ። ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።” ሓንቲ ናይ ክርስትያን ቤት ጽድቂ: ቅሳነት: ደሓን: ከምኡውን ኣምላኻዊ ሰላም ዘለዋ ቦታ ዕረፍቲ ክትከውን ኣለዋ። ፈተናታት: ፍልልያት: ወይ ካልእ ዓይነት ግድላት እንተ ተላዕለኸ እንታይ ይኹን፧ ሽዑ ኢና እምበኣር ብፍላይ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ምዃኑ ክንፈልጦ ዘድልየና።

ኣርባዕተ ኣድለይቲ ስርዓታት

15. ንምስጢር ሓጐስ ስድራቤት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

15 ኣብ ምድሪ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት በቲ ጀማር ስድራቤታት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢያ እትስመ። (ኤፌሶን 3:​14, 15) ስለዚ እቶም ናይ ስድራቤት ሓጐስ ክህልዎም ዝብህጉ ሰባት ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ: መሪሕነቱ ክደልዩን ክውድስዎን ኣለዎም:⁠- “ኣቱም ዓሌታት [“ስድራቤታት:” NW ] ኣህዛብ: ንእግዚኣብሄር ሀቡ: ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።” (መዝሙር 96:7) ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት ኣብ ገጻት ናይቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኢዩ ዝርከብ። ነዚ ኣብ ግብሪ እተውዕል ስድራቤት ሕጕስቲ ኽትከውን ኣምላኻዊ ሰላም ድማ ከተስተማቕር ኢያ። እምበኣር ካብዚ ኣገደስቲ ስርዓታት እዚ ኣርባዕተ ዝዀኑ ንርአ።

16. ርእሰ⁠-ግትኣት ኣብ ናብራ ስድራቤት እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዋ ዘለዎ፧

16 ሓደ ካብዚ ስርዓታት እዚ ኣብዚ ዝስዕብ ዘተኰረ ኢዩ:⁠- ርእሰ⁠-ግትኣት ነቲ ኣብ ናብራ ስድራቤት ዝህሉ ኣምላኻዊ ሰላም ኣድላዪ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:⁠- “መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።” (ምሳሌ 25:28) ሰላማውን ሕጕስን ስድራቤት ክህልወና ንብህግ እንተድኣ ኴንና: መንፈስና ምቍጽጻር​—⁠ርእሰ⁠-ግትኣት ምርኣይ​—⁠ኣድላዪ ኢዩ። ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና: እታ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ርእሰ⁠-ግትኣት ከነርኢ የድልየና። (ሮሜ 7:​21, 22፣ ገላትያ 5:​22, 23) እዛ ባህርይ እዚኣ ክትህልወና እንተድኣ ጸሊና: ንዓኣ ዝምልከት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልና: ምስቶም ነዛ ባህርይ እዚኣ ዘንጸባርቑ ካልኦት ሰባት ድማ እንተድኣ ሓቢርና: እቲ መንፈስ: ርእሰ⁠-ግትኣት ከም እነርኢ ክገብረና ኢዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ‘ካብ ምንዝርና ክንሃድም’ ክሕግዘና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:​18) ርእሰ⁠-ግትኣት ዓመጽ ክንጸልእ: ልምዲ ኣልኮላዊ መስተ ከነርሕቕ ወይ ከነሰንፍ: ከምኡውን ኣሸጋሪ ኵነታት ምስ ዘጋጥም ዝያዳ ብህድኣት ክንዋጽኣሉ እውን ክትሕግዘና ኢያ።

17, 18. (ሀ) 1 ቈረንቶስ 11:3 ኣብ ናብራ ስድራቤት እትውዕል ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ዘዕቢ ብኸመይ ኢዩ፧

17 ካልእ ኣድላዪ ዝዀነ ስርዓት ድማ በዚ ዝስዕብ መገዲ ኽግለጽ ይከኣል ኢዩ:⁠- ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ስድራቤታትና ኣምላኻዊ ሰላም ክንስዕብ ክሕግዘና ኢዩ። ጳወሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 11:3) እዚ ድማ ሰብኣይ ኣብቲ ስድራቤት መሪሕነት ይወስድ: በዓልቲ ቤቱ ኸኣ እምንቲ ደጋፊት ትኸውን: ውሉዳት ድማ እዙዛት ይዀኑ ማለት ኢዩ። (ኤፌሶን 5:​22⁠-25, 28⁠-33፣ 6:​1⁠-4) ከምዚ ዝበለ ጠባይ ኣብ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ከዕቢ ኢዩ።

18 ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ: ቅዱስ ጽሑ​­ፋዊ ርእስነት ውልቀ መላኺ ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ ክዝክር የድልዮ። ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሱስ ክመስሎ ኣለዎ። ንሱ ‘ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርእሲ’ እኳ እንተ ነበረ: ‘ከገልግል እምበር ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።’ (ኤፌሶን 1:​22፣ ማቴዎስ 20:28) ብተመሳ​­ሳሊ መገዲ: ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንድሌታት ስድራቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ክሓሊ ብዘኽእሎ ፍቕራዊ ኣገባብ ኢዩ ርእስነቱ ዝጥቀመሉ። ሓንቲ ክርስትያን በዓልቲ ቤት ድማ ምስ በዓል ቤታ ክትተሓባበር ከም እትደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። ከም ‘ደጋፊቱ’ ከምኡውን ‘መመላእታኡ’ (NW ) መጠን: ነቲ በዓል ቤታ ዝጐድሎ ባህርያት ትምልእ: በዚ ድማ ዘድልዮ ደገፍ ትህቦ። (ዘፍጥረት 2:​20፣ ምሳሌ 31:10⁠-31) እቲ ግቡእ ኣጠቓቕማ ርእስነት: ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ብኽብሪ ክረኣኣዩ ውሉዳት ድማ እዙዛት ንክዀኑ የለዓዕሎም ኢዩ። እወ: ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ዘዕቢ ኢዩ።

19. ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንሰላምን ሓጐስን ስድራቤት ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ሳልሳይ ኣገዳሲ ስርዓት ከኣ በዚ ዝስዕብ ቃላት ክግለጽ ይከኣል ኢዩ:⁠- ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንሰላምን ሓጐስን ስድራቤት ኣድላዪ ኢዩ። ያእቆብ 1:​19 ከምዚ ትብለና:⁠- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።” ኣባላት ስድራቤት ነንሓድሕዶም ጽን ክበሃሃሉን ክዘራረቡን የድልዮም ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ስድራቤት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኢሂን ምሂን እትብሃለሉ መትረብ ኢዩ። እቲ እንብሎ ቅኑዕ እኳ እንተዀነ: ጭካነ ዘለዎ: ትዕቢት ዘለዎ: ወይ ሓልዮት ብዘይብሉ ኣገባብ ምስ ዝዝረብ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ይዓቢ። ዘረባና ላዛ ዘለዎ “ብጨው እተቓመመ” ክኸውን ኣለዎ። (ቈሎሴ 4:6) ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዝኽተላ: ጽቡቕ ርክብ ድማ ዘለወን ስድራቤታት ኣምላኻዊ ሰላም ኢየን ዝስዕባ ዘለዋ።

20. ፍቕሪ ንሰላም ስድራቤት ኣድላዪ ኢዩ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

20 እቲ ራብዓይ ስርዓት ድማ እዚ ኢዩ:⁠- ፍቕሪ ንሰላምን ሓጐስን ስድራቤት ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዝህሉ ፍቕሪ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ: ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ዓሚቝ ምፍታው ክምዕብል ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝያዳ እተገድስ በታ ኣጋʹ ፐ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ተወኪላ ዘላ ፍቕሪ ኢያ። እዚኣ ድማ እታ ንየሆዋ: ንየሱስ: ከምኡውን ንብጻይና እንዅስኵሳ ፍቕሪ ኢያ። (ማቴዎስ 22:37⁠-39) ኣምላኽ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ‘በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ብምሃብ’ ኢዩ ንደቅሰብ ገሊጽዋ። (ዮሃንስ 3:​16) ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ንኣባላት ስድራቤትና ከነርኢ እንኽእል ምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ! እዛ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ እዚኣ: “ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት” ኢያ። (ቈሎሴ 3:​14 NW ) ንምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ትጠምሮም: ንሓድሕዶምን ንውሉዳቶምን ከኣ እቲ ዝበለጸ ክገብሩ እተለዓዕሎም ኢያ። ኣሸጋሪ ኵነታት ምስ ዝለዓል: ፍቕሪ ነቲ ጕዳይ ሓቢሮም ክኣልይዎ ትሕግዞም ኢያ። ብዛዕባ እዚ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና: ምኽንያቱ “ፍቕሪ . . . ናታ ኣይትደልን [“ናይ ገዛእ ርእሳ ጥቕሚ ኣይትርእን:” NW ] . . . ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።” (1 ቈረንቶስ 13:​4⁠-​8) ንየሆዋ ብዘለዎም ፍቕሪ ዝደልደለት ገይሮም ኣብ ንሓድሕዶም ዝፋቐሩ ኣባላት ስድራቤታት ብርግጽ ሕጕሳት ኢዮም!

ኣምለኻዊ ሰላም ምስዓብ ቀጽል

21. ንሰላምን ሓጐስን ስድራቤትካ ክውስኸሉ ዝኽእል እን​­ታይ ኢዩ፧

21 እዚ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝጸናሕናን ካልእ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ስርዓታትን ኣብቲ የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ: ብሕያውነት ዘዳለዎ ጽሑፋት ወጺኡ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45 NW ) ንኣብነት: ኣብቲ ብ1996/97 ኣብ ምሉእ ዓለም እተገብረ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዘርእስቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝወጸት: ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ 192 ገጽ ዘለዋ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ብኸምዚ ዝበለ ጽሑፍ ተሓጊዝካ ብብሕትን ብስድራቤትን ንቕዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ ብዙሕ ረብሓታት ክርከቦ ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) እወ: ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንሰላምን ሓጐስን ስድራቤትካ ከም ዝውስኸሉ ፍሉጥ ኢዩ።

22. ናብራ ስድራቤትና ኣብ እንታይ ኢዩ ከተኵር ዘለዎ፧

22 የሆዋ ነተን ፍቓዱ ዝገብራ ስድራቤታት ዘደንቕ ነገራት ዓቚሩለን ኣሎ: ውዳሰናን ኣገልግሎትናን ድማ ይግብኦ ኢዩ። (ራእይ 21:​1⁠-4) ስለዚ እምበኣር: ስድራቤትካ ናብርኣ ኣብ ኣምልኾ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እተተኵር ይግበራ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ: ኣብ ስድራቤትካ ኣምላኻዊ ሰላም ክትስዕብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣብዚሑ ይባርኽካ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ስድራቤታት ብኣምላኻዊ ሰላም ክነብራ እንተድኣ ኰይነን እንታይ ኢዩ ዝድለየን፧

◻ ሎሚ ኣብ ስድራቤት ቅልውላው ዝርአ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ኢዩ፧

◻ ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ሰላምን ሓጐስን ንኸነዕቢ ክሕግዘና ዝኽእል ገለ ስርዓታት እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ንኽንስዕብ ክሕግዘና ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ