ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/6 ገጽ 14-19
  • “ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን
  • ደጋዊ ትርኢት
  • ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን​—⁠ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም
  • ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣንስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለወን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበረ ክቡር ግደ ደቂ ኣንስትዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/6 ገጽ 14-19

“ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም”

“ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”​—⁠ዘፍጥረት 1:​27

1. ሓቂ ንክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን በረኸት ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧

ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ክትህሉን ምስቶም ንኣምላኽ ምፍቃርን ምእዛዝን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዝህቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትሓብርሲ ኣየ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ሓቂ ካብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘየሐጕሶ ኣረኣእያታትን ጠባይን ሓራ ተውጽኣና: ከምቲ ክርስትያናት ክነብርዎ ዝግባእ ምእንቲ ክንነብር ድማ ትምህረና ኢያ። (ዮሃንስ 8:​32፣ ቈሎሴ 3:​8⁠-10) ንኣብነት: ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዘለዉ ሰባት: ሰብኡት ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ኣንስቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ዝገልጽሉ ልምድታት ወይ ኣምራት ኣለዎም። እዝስ ሰብኡት ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም ኣንስቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን ስለ እተፈጥሩ ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ካልእ ረቛሒታት ኣሎ፧

2. (ሀ) ንባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ዝምልከት ንኣረኣእያና ክውስኖ ዘሎዎ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ጾታታት ዘሎ ኣረኣእያ ከመይ ኢዩ፧

2 ዝለመድናዮ ብሕታዊ: ባህላዊ: ወይ ልምዳዊ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ክርስትያናት ክንግዝኦ ዘሎና በዓል ስልጣን: ቃል ኣምላኽ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:​1⁠-9) መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርን ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህርን ዝምልከት መዳያት ብዝርዝር ኣይዛረበሉን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት እንረኽቦ ናይ ተባዕታይ ባህርን ኣንስተይቲ ባህርን መግለጺታት ንኽህሉ ዘፍቅድ ኢዩ። ከምቲ ኣምላኽ ክዀንዎ ኢሉ ዝፈጠሮም ምእንቲ ክዀኑ ሰብኡት ተባዕትዮ ኣንስቲ ድማ ኣንስትዮ ክዀና ኣለወን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ርእሲ እቲ ብኣካል ኣብ ንሓድሕዶም መመላእታ ክዀኑ እተፈጥርዎ: በቲ ናይ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ባህርያት ኣብ ንሓድሕዶም መመላእታ ክዀኑ ኢዮም ተፈጢሮም። (ዘፍጥረት 2:​18, 23, 24፣ ማቴዎስ 19:​4, 5) እንተዀነ ግን: ኣብ ጾታ ዘሎ ኣረኣእያ ተበላሽዩ ወይ ተደናጊሩ ኢዩ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ምስ ጭከና ዘለዎ ዕብላለ: ትሪ: ወይ ምስ ናይ ወዲ ሕሉፍ ትዕቢት የተሓሕዝዎ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይኹን ኣብ ብሕቱ ክበኪ ዘይተለምደ ወይ ነውሪ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ መቓብር ኣልኣዛር ዝነበሩ እኩባት ሰባት ከሎ ‘የሱስ ነቢዑ’ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:35) እቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርያቱ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ከምኡ ምግባሩ ዘይግቡእ ኣይነበረን። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: ነቲ ብኣካላውን ጾታዊ ርክባውን መገዲ ንምምራኽ ዘለዎ ክእለት ጥራይ ብምሕሳብ: ብዛዕባ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህሪ ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም።

ናይ ሓቂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን

3. ሰብኡትን ኣንስትን ብኸመይ ኢዮም ዝፈላለዩ፧

3 ናይ ሓቂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን እንታይ ኢዩ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “መብዛሕትኦም ሰብኡትን ኣንስትን ብስነ⁠-ቕርጺ ኣካል ጥራይ ዘይኰነስ: ብጠባይን ድሌትን እውን ካብ ንሓድሕዶም እተፈላለዩ ኢዮም። ገለ ካብዚ ፍልልያት እዚ ብስነ⁠-ህይወታዊ መገዲ እተወሰነ ኢዩ። . . . ይኹን እምበር: ብዙሕ ናይ ኣካላዊ ስነ⁠-ቕርጺ ዘይኰነ ፍልልያት ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-ሰብ ዝማሃሮ ናይ ጾታ ግደ እተመርኰሰ ኢዩ ዝመስል። ሰባት ተባዕታይ ጾታ ወይ ኣንስተይቲ ጾታ ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ: ተባዕታይ ምዃንካ ወይ ኣንስተይቲ ምዃንካ ዘርኢ ባህርያት ምንጽብራቕ ግን ይማሃርዎ ኢዮም።” ስነ⁠-ውርሻዊ ኣሰራርሓና ኣብ ብዙሕ ነገራት ምኽንያት ክኸውን እኳ እንተ ኸኣለ: ግቡእ ዝዀነ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ወይ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህሪ ምዕባይ ግን ኣብቲ ኣምላኽ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ ምምሃርና ከምኡውን ኣብቲ ብውልቀ⁠-ሰብ ደረጃ ክንስዕቦ እንመርጾ ነገራት እተመርኰሰ ኢዩ።

4. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ግደ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

4 ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣዳም ግደ ከም ርእሲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን መጠን መሪሕነት ምውሳድ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገልጽ። ምስቲ ንምድሪ ምምላእን ምምላኽን ንዅሉ ምድራዊ ፍጥረት ምግዛእን ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ እውን ክሰማማዕ ነበሮ። (ዘፍጥረት 1:​28) እቲ ሄዋን ዝነበረቶ ናይ ኣንስተይቲ ወገን ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝነገሮም ዕላማ ኣብ ምፍጻም ምስ ኣዳም ብምትሕብባር: “ደጋፊት:” “መመላእታ” ከምኡውን ናይ ርእስነቱ ተገዛኢት ምዃን ዘጠቓለለ ግደ ኢዩ ነይሩዎ።​—⁠ዘፍጥረት 2:​18 NW፣ 1 ቈረንቶስ 11:3

5. እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበረ ርክብ እተበላሸወ ብኸመይ ኢዩ፧

5 ኣዳም ግን ሓላፍነቱ ኣይፈጸመን: ሄዋን ድማ ነቲ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህሪኣ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘርኣየቶ ዘይምእዛዝ ኣዳም ምእንቲ ኽሓብራ ንኸተስድዖ ኣታላሊ ብዝዀነ መገዲ ተጠቕመትሉ። (ዘፍጥረት 3:6) ኣዳም ከኣ ነቲ ጌጋ ምንባሩ ዝፈልጦ ነገር ክገብር ፍቃደኛ ብምዃን: ነቲ ናይ ሓቂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታ ካብ ምርኣይ ሰነፈ። ንኣቦኡን ፈጣሪኡን ምእዛዝ ኣብ ክንዲ ዝመርጽ ብሕመቕ ነታ እተሓብለት መጻምድቱ ክስዕባ መረጸ። (ዘፍጥረት 2:​16, 17) እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ሽዑ ንሽዑ ነቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ናይ ዘይምእዛዝ ሳዕቤን ክምከርዎ ጀመሩ። እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብውዕዉዕ ናይ ግጥሚ ስያመታት ገይሩ ንበዓልቲ ቤቱ ዝገለጻ ኣዳም: ሕጂ እታ “ዝሀብካኒ ሰበይቲ” ኢሉ ፍቕራዊ ብዘይኰነ ኣገባብ ጸውዓ። ዘይፍጽምንኡ ነቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪኡ ኣበላሸዎ: ናብ ዘይኣንፈቱ ድማ ኣቃንዖ: እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ‘ምልኪ’ ከም ዘርኢ ገበሮ። ሄዋን ድማ ብግዲኣ: ምሒር ወይ ሚዛኑ ብዘይሓለወ መገዲ ‘ድሌታ’ ናብ በዓል ቤታ ኰነ።​—⁠ዘፍጥረት 3:12, 16

6, 7. (ሀ) ቅድሚ ማይ ኣይሂ ንባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ዝምልከት እንታይ ምብልሻው ኢዩ ዝማዕበለ፧ (ለ) ካብቲ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ኵነታት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

6 ንባህሪ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጾታ ብጌጋ ምጥቃም ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምምጽኡ ኣዝዩ ገኒኑ ነበረ። ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበሮም ናይ ቅድም ቦታ ዝሓደጉ መላእኽቲ ምስ ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ባህ ምእንቲ ክብሎም ስጋ ሰብ ለበሱ። (ዘፍጥረት 6:​1, 2) እቲ ጸብጻብ ካብዞም ዘይባህርያውያን መጻምድቲ እተወልዱ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ምንባሮም ኢዩ ዝጠቅስ። እቶም እተወልዱ ድማ ኵላቶም ክፋረዩ ዘይክእሉ ደቓሉ ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል። ንኻልኦት ሰባት የውድቑ ብምንባሮም: ንጉዓት: ነፍሊም: ወይ መውደቕቲ ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። (ዘፍጥረት 6:4 NW እግረ⁠-ጽሑፍ።) ሕሱማት: ዓመጽቲ: ጨካናት: ንኻልኦት ለውሃት ዘለዎ ድንጋጽ ዘየርእዩ ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ።

7 ኣካላዊ መልክዕ: ቅርጺ ኣካላት: መጠን ኣካል: ወይ ሓይሊ ጥራይ ተቐባልነት ዘለዎ ተባዕታይ ጾታ ወይ ኣንስተይቲ ጾታ ከም ዘየመልክት ንጹር ኢዩ። እቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ መልከዐኛታት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ነፍሊም ድማ ገዘፍትን ቅልጹማትን ኢዮም ነይሮም: ይኹን እምበር ናይ ኣተሓሳስባኦም ዝንባለ ብልሹው ኢዩ ነይሩ። እቶም ዘይእዙዛት መላእኽትን ዘርኦምን ንምድሪ ብጾታዊ ርኽሰትን ዓመጽን መልእዋ። ስለዚ: የሆዋ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ኣጥፍኣ። (ዘፍጥረት 6:5⁠-7) ማይ ኣይሂ ግን ነቲ ጋኔናዊ ጽልዋ ይኹን ነቲ ሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ኣየጥፍኦን። ድሕሪ ማይ ኣይሂ እንደገና ንባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ዝምልከት ዘይግቡእ ኣረኣእያ ክንጸባረቕ ጀመረ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ትምህርቲ ክንረኽበሉ እንኽእል ክልቲኡ ማለት ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነታት ኣሎ።

8. ዮሴፍ ብዛዕባ ግቡእ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ምርኣይ እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝሓደገ፧

8 እቲ ናይ ዮሴፍን ሰበይቲ ጶጢፋርን ጸብጻብ ኣብ መንጎ እቲ ግቡእ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርይን ዓለማዊ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህርይን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ኢዩ ዘቕርብ። ሰበይቲ ጶጢፋር ምስቲ መልክዐኛ ዝነበረ ዮሴፍ ሃነይነይ ስለ ዝበለት: ከተስድዖ ፈተነት። ኣብቲ ግዜ እቲ ንምንዝር ወይ ንዝሙት ዝኽልክል እተጻሕፈ መለኮታዊ ሕጊ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ዮሴፍ ካብታ ስነ⁠-ምግባር ዝጐደላ ሰበይቲ ሃደመ: ስምረት ኣምላኽ ዘውህብ ናይ ተባዕታይ ባህሪ ብምርኣይ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ ድማ ኣረጋገጸ።​—⁠ዘፍጥረት 39:​7⁠-9, 12

9, 10. (ሀ) ንግስቲ ዋሽቲ ነቲ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህሪኣ ከመይ ገይራ ኢያ ብዘይግቡእ እተጠቕመትሉ፧ (ለ) ኣስቴር ንባህሪ ኣንስተይቲ ጾታ ዝምልከት እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢያ ዝገደፈትልና፧

9 ኣስቴርን ንግስቲ ዋሽቲን ብመንጽር ኣንስቲ ክርአ ከሎ ጕሉሕ ምንጽጻር ይህባና ኢየን። ዋሽቲ ኣዝያ መልክዐኛ ብምንባራ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኵሉ ግዜ ምስ ድሌታ ከም ዝሰማማዕ ገይራ ትሓስብ ከም ዝነበረት ፍሉጥ ኢዩ። መልክዓ ግን ካብቲ ሎሚ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብዙሕ ናይ ቈርበት ቅብኣት ሓሊፉ ንውሽጢ ዝኣቱ ኣይነበረን። ንበዓል ቤታን ንጉሳን ተገዛእነት ካብ ምርኣይ ስለ ዝሰነፈት ትሕትናን ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህርይን ጐዲልዋ ነበረ። እቲ ንጉስ ንዓኣ ነጺጉ ነታ ናይ ሓቂ ባህሪ ኣንስተይቲ ጾታ ዝነበራ: አረ ንየሆዋ እውን እትፈርህ ሰበይቲ: ንግስቲ ክትከውን ሓረያ።​—⁠ኣስቴር 1:​10⁠-12፣ 2:​15⁠-17

10 ኣስቴር ንክርስትያናት ኣንስቲ ጽቡቕ ኣብነት ኢያ እትዀነን። “ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ” ኢያ ነይራ: እንተዀነ ግን: እቲ ‘ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ’ ዝነበሮ ስልማት ኢያ ኣርእያ። (ኣስቴር 2:7፣ 1 ጴጥሮስ 3:4) ነቲ ደጋዊ ስልማት ቀዳምነት ክሕዝ ዘለዎ ነገር ገይራ ኣይረኣየቶን። ኣስቴር ህይወታን ህይወት ህዝባን ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ እውን ከይተረፈ ንበዓል ቤታ ኣሓሽዌሮስ ተገዛኢት ብምዃን: ሜላን ርእሰ⁠-ግትኣትን ኣርእያ ኢያ። ኣስቴር ስቕ ምባል ጥበባዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ስቕ ኢላ ኢያ: ኣድላዪን ግቡእን ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ድማ ብትብዓት ከምኡውን ከይፈርሀት ተዛሪባ ኢያ። (ኣስቴር 2:​10፣ 7:​3⁠-6) ካብቲ ብሱል ዝነበረ ሓወቦኣ ማርዶካይ ምኽሪ ተቐቢላ ኢያ። (ኣስቴር 4:​12⁠-16) ንህዝባ ዝነበራ ፍቕርን ተኣማንነትን ድማ ገለጸት።

ደጋዊ ትርኢት

11. ብዛዕባ ደጋዊ ትርኢት ዝመጸ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧

11 ግቡእ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህሪ ንኽህሉ ዘድሊ ቀንዲ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ሓንቲ ኣደ “ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ: ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ: ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ” በለት። (ምሳሌ 31:30) ስለዚ ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ምርኣይ ኣድላዪ ኢዩ: ፍቕራዊ ሕያውነት: ምቕሉል ምዃን: ትሕትና: ከምኡውን ልዙብ ልሳን ንባህሪ ኣንስተይቲ ጾታ ካብ ኣካላዊ መልክዕ ንላዕሊ ኣበርክቶ ኣለዎ።​—⁠ምሳሌ 31:26

12, 13. (ሀ) እቲ ዘሕዝን: ናይ ብዙሓት ሰባት ዘረባ ብምንታይ እተፈልጠ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ምሳሌ 11:22 ትርጕም እንታይ ኢዩ፧

12 እቲ ዘሕዝን ግን: ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣፎም ብጥበብ ኣይከፍቱን: ኣብ ልሳኖም ድማ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣይርከብን። ዘረብኦም ሃሳዪ: ሸምጣጢ: ብዕሉግ: ከምኡውን ሓልዮት ዘይብሉ ኢዩ። ገለ ሰብኡት ጽዩፍ ኣዘራርባ ምልክት ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ: ገሊኣተን ኣንስቲ ድማ ብዕሽነት ነቲ ናታቶም ይቐድሕኦ። ሓንቲ ሰበይቲ መልከዐኛ: ግናኸ ምስትውዓል ዝጐድላ: ህልኽኛ: ሸምጣጢት: ትዕቢተኛ እንተድኣ ዀይና: እቲ ልክዕ ባህሪ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ዘለዋ: ብሓቂ ምልክዕቲ ክትበሃል ትከኣልዶ፧ “መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ: ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።”​—⁠ምሳሌ 11:22

13 ምስ ዘይጽፉፍ ዘረባ: ምሽምጣጥ: ወይ ድማ ምስትውዓል ምስ ዘይምህላው ዝቝረን መልክዕ ምስቲ ሓደ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ትርኢት ዘይሰማማዕ ኢዩ። አረ: ከምዚ ዝበለ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ጠባይሲ ንሓደ ኣካላዊ መልክዕ ዘለዎ ሰብ ግናይ መሲሉ ከም ዝርአ እውን ከይተረፈ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ናይ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ ኣካላዊ ትርኢት ንባዕሉ ጥራይ ንሕርቃን: ንምጭዳር: ወይ ንሃሳዪ ዘረባ ክኽሕሶ ወይ ምኽኑይ ክገብሮ ከም ዘይክእል ብቐሊሉ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኵሎም ክርስትያናት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣዘራርብኦምን ጠባዮምን ገይሮም ንኣምላኽን ንኸምኦም ሰባትን ዝማርኹ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ክዀኑ ድማ ኣለዎም።​—⁠ኤፌሶን 4:​31

14. ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:​3⁠-5 እንታይ ዓይነት ስልማት ኢዩ ናእዳ ረኺቡ ዘሎ: ብዛዕብኡኸ እንታይ ይስምዓካ፧

14 ናይ ሓቂ ባህሪ ኣንስተይቲ ጾታን ባህሪ ተባዕታይ ጾታን ምርኣይ ኣብ መንፈሳዊ ባህርያት ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ: ዓይነት ናይቲ እንኽደኖ ክዳንን ኣከዳድንኡን ሓዊስካ ኣካላዊ ትርኢት ብዛዕባና ይዛረብ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር: እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን: ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን: ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ: ንሰብኡተን እናተአዘዛ: ከምዚ እየን እተሰለማ” ብምባል ንክርስትያን ኣንስቲ ክመኽረን ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ገለ ገለ ኣከዳድናን ኵለንተናዊ ኣቃውማን ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​3⁠-5

15. ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ኣከዳድናአን እንታይ ከንጸባርቓ ኢየን ክጽዕራ ዘለወን፧

15 ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ጳውሎስ ንኽዳን ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓሳብ ንረክብ:⁠- “ኣንስቲውን . . . ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” ኣብዚ እቲ ናይ ኣእምሮ ጥቅውና ዘንጸባርቕ ሕንክን ግቡእ ኣከዳድናን ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ።

16, 17. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ንኣከዳድና ብጌጋ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ዘዳግም 22:5 ዝርከብ ምኽሪ እንታይ ኢና ክንድምድም ዘሎና፧

16 ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ: ወዲ ወይ ጓል: ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ጠባይ ወይ ኣከዳድና ምስ ዝህልዎ ናይ ሓቂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታ ወይ ባህሪ ኣንስተይቲ ጾታ ዘዕቢ ኣይኰነን: ብርግጽ ድማ ንኣምላኽ ኣየኽብርን ኢዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣከዳድናን ጠባይን ንዩት ባህሪ ተባዕታይ ጾታ ወይ ባህሪ ኣንስተይቲ ጾታ ብምርኣይ ሕሉፋት ይዀኑ። ካልኦት ድማ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ዕላማታት ብምሓዝ ነቲ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ፍልልይ ኣጥፊኦምዎ ይርከቡ። ንሕና ­ክርስትያናት መጽሓፍ ቅዱስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ስለ ዝገልጸልናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን እንኽእል! የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤል ከምዚ ኢልዎም ነበረ:⁠- “ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን: ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን: ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።”​—⁠ዘዳግም 22:5

17 ነዚ ዝምልከት: ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 17 ወጺኡ ዝነበረ ሓሳብ ደጊምካ ምርኣዩ ከም ዘሐጕሰካ ፍሉጥ ኢዩ:⁠- “እቲ ጕዳይ ገለ ዓይነት ቅዲ ኣዝዩ ዘመናዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዘይኰነስ: ንሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢየ ዝብል ሰብ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። (ሮሜ 12:2፣ 2 ቈረንቶስ 6:3) ካብቲ ግቡእ ንታሕቲ ተራ ዝዀነ ወይ ምስ ኣካል ዝጠብቕ ክዳውንቲ ካብቲ መልእኽትና ከዘንብለና ይኽእል ኢዩ። ብግሁድን ደይ መደይ ተባሂሉን ንሰብኡት ኣንስቲ ዘምስሎም ወይ ንኣንስቲ ሰብኡት ዘምስለን ቅድታት ፈጺሙ ግቡእ ኣይኰነን። (ምስ ዘዳግም 22:5 ኣረኣእዮ።) ርግጽ ኢዩ: ብምኽንያት ኵነታት ኣየር: ስራሕን ከምኡ ብዝኣመሰለ ካልእ ነገራትን ናይ ከባቢ ልምድታት ክፈላለ ይኽእል ኢዩ: ስለዚ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምሉእ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ክውዕል ዝኽእል ደረቕ ሕግታት ኣይተውጽእን ኢያ።”

18. ነቲ ንኽዳንን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕል ከሎና እንታይ ስጕምትታት ኢና ክንወስድ እንኽእል፧

18 ከመይ ዝበለ ሚዛናውን ብቑዕን ምኽሪ ኰን ኢዩ! እቲ ዘሕዝን ግን: ገለ ክርስትያናት: ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን: ንየሆዋን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ክሳዕ ክንደይ ክትንክፍ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከየእተዉ ነቲ ዓለም እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ኣከዳድናን ኵለንተናዊ ኣቃውማን ተዓሚቶም ይስዕብዎ። ነፍሲ ወከፍና ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ተጸሊና እንተሊና ንምርኣይ ገዛእ ርእስና ኣዕሚቝና ክንምርምር ንኽእል ኢና። ወይውን ናብ ሓደ ሕፉር ወይ ሕፍርቲ: ተመክሮ ዘለዎም ሓው ወይ ሓብቲ ቀሪብና ኣብቲ ናይ ኣከዳድናና ቅዲ ክንገብሮ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ምትዕርራይ ዘለዎም ትዕዝብቲ ክንሓቶም: ነቲ ዝህቡና ርእይቶታት ድማ ኣርዚንና ክንሓስበሉ ንኽእል ኢና።

ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን​—⁠ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም

19. ንኸመይ ዝበለ ዘይድለ ጽልዋ ኢና ክንቃለሶ ዘሎና፧

19 ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ኢዩ: ጽልዋኡ ድማ ኣብቲ ናይ ጾታታት ምትሕውዋስ ክርአ ይከኣል ኢዩ: እዚ ኸኣ ክንዮ ኣከዳድና ዝሓልፍ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ሸለል ብምባል: ኣብቲ ርእስነት ምስ ሰብኡት ይወዳደራ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብኡት: ከምቲ ኣዳም ዝገበሮ ነቲ ናይ ርእስነት ሓላፍነታቶም ብቐሊሉ ይጥንጥንዎ። ነቲ ኣብ ህይወት ዘለዎም ናይ ጾታ ግደ ካብቲ ሓደ ናብቲ ኻልእ ክቕይርዎ ዝፍትኑ እውን ከይተረፉ ኣለዉ። (ሮሜ 1:​26, 27) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዝረክብ ናይ ኣነባብራ ኣማራጺታት ኣይሰርዕን ኢዩ። ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ብዛዕባ እቲ ኣብ ጾታ ዘለዎም ግደ ወይ ጾታዊ ምርጫታቶም እተደናገሩ ሰባት: ምስቲ ኣምላኽ ንሰብኡትን ንኣንስትን ክኸውን ኢሉ ዝሰርዖ መዐቀኒ ተሰማሚዖም ክነብሩ ንዘለኣለማዊ ጥቕሞም ምዃኑ ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም: እዚ ድማ በቶም ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ዝበጽሑ ሰብኡትን ኣንስትን ሞሳ ዝዋሃበሉ መዐቀኒ ኢዩ።

20. ገላትያ 5:​22, 23 ኣብቲ ንባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ዝምልከት ኣረኣእያና እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧

20 ቅዱሳት ጽሑፋት ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ፍረ መንፈስ ኣምላኽ​—⁠ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ⁠-ተጻዋርነት: ሕያውነት: ሰናይ: እምነት: ልእመት: ከምኡውን ርእሰ⁠-ግትኣት​—⁠ከማዕብሉን ከንጸባርቑን ከም ዘድልዮም ይሕብር ኢዩ። (ገላትያ 5:​22, 23 NW ) ኣምላኽ: በቲ ዓቢ ጥበቡ ገይሩ: ነዚ ፍረ መንፈስ እዚ ብምዅስኳስ ሰብኡት ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርዮም ኣንስቲ ድማ ናይ ኣንስተይቲ ጾታ ባህርየን ከዕብዩ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ነዚ ፍረ መንፈስ እዚ ዘርኢ ሰብኣይ ከተኽብሮ ቀሊል ኢዩ: ልክዕ ከምዚ እትገብር ሰበይቲ ድማ ንኸተፍቅራ ቀሊል ኢዩ።

21, 22. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ኣነባብራ ዝመጸ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝሓደገ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪኡ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ፧

21 ብህይወት ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ: ክርስትያናት ድማ ናቱ ኣነባብራ ኢዮም ክቐድሑ ዘለዎም። (1 ጴጥሮስ 2:​21⁠-23) ክልቲኦም ማለት ሰብኡትን ኣንስትን: ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ንኣምላኽ እሙናት ንቓሉ ድማ እዙዛት ምዃኖም ከርእዩ ኣለዎም። የሱስ ከም ፍቕሪ: ለውሃት: ከምኡውን ምሕረት ዝኣመሰለ ዘደንቕ ባህርያት ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት መጠን እምበኣር: ደቀ መዛሙርቱ ምዃንና ንምርኣይ ንዕኡ ­ክንመስሎ ትጽቢት ይግበረልና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:35

22 የሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ሰብ ኢዩ ነይሩ: እቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርያቱ ድማ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ ህይወቱ ከነጽንዕ ከሎና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ፈጺሙ ኣይተመርዓወን: ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንስቲ ሚዛኑ ዝሓለወ ሕብረት ከም ዝነበሮ ይገልጽ ኢዩ። (ሉቃስ 10:​­38, 39) ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ዝነበሮ ርክብ ኵሉ ግዜ ንጹህን ክቡርን ኢዩ ነይሩ። ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ኣብ ምርኣይ ፍጹም ኣብነት ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ኣካል​—⁠ሰብኣይ: ሰበይቲ: ወይ ዘይእዙዛት መላእኽቲ⁠—​ነቲ ኣምላኻዊ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህርያቱን ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነትን ክሰርቀሉ ኣየፍቀደን። ሓላፍነታቱ ክቕበል ኣይተወላወለን: ነዚ ድማ ብዘይ ምዕዝምዛም ኢዩ ገይርዎ።​—⁠ማቴዎስ 26:39

23. ነቲ ኣብ ጾታ ዘለዎም ግደ ዝምልከት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍላይ እተባረኹ ብኸመይ ኢዮም፧

23 ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ክትህሉን ምስቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ምፍቃርን ምእዛዝን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዝህቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትሓብርሲ ኣየ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ንቓል ኣምላኽ ብምሕላውና ኣይንዅኰድን ኢና። ኣብ ክንድኡ: ካብዛ ዓለም እዚኣን ካብቲ ንመልክዕ: ዕላማ: ከምኡውን ነቲ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ጾታታት ግደ ዘናእስ መገድታታ ሓራ ንወጽእ። ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ ብዘየገድስ: ነቲ ኣምላኽ ኣብ ናብራ ዝሃበና ሓላፍነት ብምፍጻምና ዝርከብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንምከሮ ንኽእል ኢና። እወ: ነቲ ምእንታና ክብል ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላዋት ከምኡውን ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ስለ ዝፈጠረናስ ነቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡትን ኣንስትን ዝኸውን እንታይ ዝሰማማዕ ግደታት ኢዩ ዝገልጽ፧

◻ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ባህሪ ተባዕታይ ጾታ እተበላሸወ ብኸመይ ኢዩ: ኣብ ግዜናኸ ኣብ ባህሪ ተባዕታይ ጾታን ኣንስተይቲ ጾታን ዘሎ ኣረኣእያ እተበላሸወ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢት ዝመጸ ነየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኢኻ ኣብ ግብሪ ከተውዕል እትደሊ፧

◻ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን ምዃኖም ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣስቴር መልከዐኛ እኳ እንተ ነበረት:በቲ ዘርኣየቶ ትሕትና ከምኡውን ህዱእን ልኡሙን ጠባይ ብፍላይ ትዝከር ኢያ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ውሽጣዊ መልክዕ ዝዓበየ ትዅረት እናገበርካ ንዅለንተናዊ ኣቃውማ ግቡእ ዝዀነ ቈላሕታ ሃብ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ