ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሚስዮናዊ ዕዮ ምፍጻም
እተን ዝበጽሐን ጉጅለ ናይ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ካብ ፖርቱጋል ክሳዕ ቻይና ከም ዝንቀሳቐስ ኢየን ዝገብራኒ—ወይ ከኣ ከምኡ ኢዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን: በዓልቲ ቤተይ ኦሊቭን ኣነን ካብ ብሪጣንያ ፈጺምና ኣይንወጽእን ኢና።
ነተን ኣብ ምልእቲ እታ ዓዲ ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና እንበጽሕ። ካብቲ ናይ ፈረንሳይ ገማግም ኖርማንዲ ገለ 20 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝርሕቕ ፖርቱጋልኛ ዝዛረቡ ጉጅለ ዝርከብዎ ደሴት ጄርሲ ጀሚርካ: ክሳዕ እቲ ቋንቋ ቻይና ዝዛረቡ ተገደስቲ እንበጽሓሉ ኣብ ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ናይ ሳንደርላንድ ከተማ ዘሎ: ኣብ ስሱን ዝዀነ መንፈሳዊ ብልጽግና ዘሎዎ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ዞባ ኢና እንካፈል። ብኸመይ ኢዩ እዚ ልሙድ ዘይኰነ መዝነት እዚ ዝሃለወና፧ ኣብቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሚስዮናዊ ዕዮኸ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧ እስከ ክገልጸልኩም።
ኦሊቭን ኣነን ንገለ 20 ዓመታት ኣቢሉ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈልየት ጉባኤ ብምብጻሕ ኣብ ናይ ምጋሽ ዕዮ ኣገልጊልና ኢና። መገሻና ኣብ ምልእቲ ብሪጣንያ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ከም እንቀሳቐስ ኢዩ ዝገብረና: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ሓለፍ ዝበለ ክርስትያናዊ ምቕባል ግሽነት ዝረኸብናሉ ናይ መዲተራንያን ደሴት ማልታ ንዝርከቡ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብጽሓና። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 28:1, 2 ኣረኣእዮ።) ኣብ ማልታ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና: እቲ ዝቕጽል መደብና ኣበይ ከም ዝኸውን ክንሓስብ ጀመርና። ምናልባት ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሃገረሰብ ንበጽሕ ንኸውን ኢልና ገመትና: ኣእምሮና ኸኣ ነዚ ሓድሽ መደብና ክኸውን ዝኽእል ቦታ ከነቃንዖ ጀመርና። ኣብዚ ብ23 እተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረባ ጕጅለታትን ጉባኤታትን ዝቘመ ሓድሽ ወረዳ ከነገልግል ምስ ተመዘዝና ኣየ ከመይ ዝበለ ምግራም ኰን ኢና እተገረምና!
ከመይ ገይርና ክንክእሎ ኢና ኢልና ሓሰብና። ብዘይካ እቲ ኣብ ማልታ ዝረኸብናዮ ተመክሮ: እተፈላለየ መበቆልን ባህልን ምስ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ዓዪና ኣይንፈልጥን ኢና። ብሓቂ ነቶም እንግሊዝኛ ብዙሕ ዘይርድኦም ሰባት ምትብባዖም ክንክእልዶ ኢና፧ ካልእ ቋንቋታት ዘይንፈልጥ ክነስና ከመይ ኢልና ምስ ካልኦት ርክብ ክንገብር ንኽእል፧ ብዛዕባ ናይ ካልኦት መግብን እተፈላለየ ልምድታትንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ክንለምዶ ዲና፧ ነዚ ናይ መቄዶንያ ጻውዒት ብጸሎት ክንሓስበሉ ከሎና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና ይመጽእ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10፣ 1 ቈረንቶስ 9:19-22
ነቲ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋት ምስጋሩ
ኦሊቭ “መጀመርታ ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዓኒ: ምኽንያቱ ቋንቋታት ኣይፈልጥን ኢየ” ብምባል ትገልጽ። “ነተን ኣሓት ከመይ ገይረ ክሕግዘን ከም ዝኽእል ፈጺሙ ኣይተረድኣንን። ብድሕርዚ እቶም መጀመርታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበሩልና ሰብኣይን ሰበይትን: እተዋህበና መዝነት ፈጺምና ከይንነጽግ ከመይ ገይሮም የተባብዑና ከም ዝነበሩ ዘከርኩ። የሆዋ ክንገብሮ ዘይንኽእል ነገር ፈጺሙ ከም ዘይሓተና ኢዮም ምሂሮምና።” ስለዚ ክልቴና ነቲ መዝነት ብፍታው ተቐበልናዮ።
ሕስብ ከነብሎ ከለና: ካልእ ቋንቋ ዘይምፍላጥና ንዅሉ ሰብ ማዕረ ገይርና ክንርኢ ከም ዝሓገዘና ኣስተብሂልና ኢና። ንኣብነት: ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብእተፈልየ ቋንቋ ዝካየድ ጉባኤ ምክፋል: ኣሕዋት ካብቲ ዝብሃል ዘሎ ሒደት ጥራይ እናተረድኦም ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ኮፍ ክብሉ ከመይ ከም ዝስምዖም ከም እንግንዘብ ገይሩና ኢዩ። ሓሳባት ናይቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ንኽንርዳእ ንኣኼባታት ብሓቂ ጽቡቕ ገይርና ክንዳሎ ኣለና። ኦሊቭ ኵሉ ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ሓደ ካብቲ ሕቶታት ትምልስ። እቲ መልሲ ብእንግሊዝኛ ተዳልዎ እሞ ሓንቲ ሓፍቲ ከም እትትርጕመላ ትገብር: ነቲ ትርጕም ከኣ ከምቲ ኣናብብኡ ትጽሕፎ። መልሲ ንምሃብ እናተዋላወለት ኢዳ ሓፍ ተብል ከም ዝነበረት ትእመነሉ ኢያ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ብጻዕሪ እትህቦ መልሲ ከም ዝስሕቁ ይገብሮም። እንተዀነ ግን እዚ ኣይዓገታን። “ኣሕዋት ነቲ መልሲ ንምሃብ ዝገብሮ ፈተነ ከም ዘማስዉሉ እፈልጥ ኢየ” ትብል። “እኳ ድኣስ: እቲ መልሲ ምሃበይ ነቶም ኣጸቢቖም ቋንቋ ዝፈልጡ ኣብቲ ኣኼባ ንኽካፈሉ የተባብዖም ኢዩ።”
ንዓይ እውን ዝርርብ ምሃብ ፍልይ ዝበለ ኢዩ: ምኽንያቱ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት ነቲ ተርጓሚ ግዜ ክህቦ ኣለኒ። እቲ ዝህቦ ተኸታታሊ ሓሳብ ክጠፍኣኒ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ብዙሕ ከተኵርን ነቲ ዝርርበይ ከኣ ከሕጽሮን ከም ዘለኒ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። እንተዀነ ግን ይሕጐሰሉ ኢየ።
እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገልግሎትና
ኣብ ብዙሕ ከተማታት ናይ ብሪጣንያ እቶም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ኵሉ ፋሕ ኢዮም ዝበሉ: ኣብ ሓደ ጐደና ምናልባት ሓደ ወይ ክልተ ኢዮም ዝርከቡ: ካብኡ ካልኦት ንኽትረክብ ቍሩብ ርሕቕ ኢልካ ክትከይድ ኣለካ። እንተዀነ ግን: ብናቶም ቋንቋ ሰላም ክትብሎም ከለኻ ዝህብዎ መልሲ ምስ ረኣኻ እቲ ዘጥፋእካዮ ግዜን ጉልበትን ዝግባእ ኢዩ የብለካ። እቲ ኣነ ዘሰንዮ ሓው መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብቛንቋ ናይቲ በዓል ቤት እንተድኣ ኣቕሪብዎ: እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ባህ ዘብል ኢዩ።
ኣብ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዞባ ዘሎ ኣገልግሎት ብሓቂ ሓደ ካብቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዘሕለፍናዮ ናይታ መንግስቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ባህ ዘብል ዕዮ ኢዩ። እቲ ንምምዕባል ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓቂ ብቕልጡፍን ብዓሚቝ ሞሳን ዝመሃርዎ በቲ ናይ ዓዶም ቋንቋ ክመሃሩ ከለዉ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ግብሪ 2:8, 14, 41) ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ነቲ ፕሮግራም ብምሉኡ ክሰምዕዎን ክርድእዎን ዝኸኣሉ ንመጀመርታ ግዜኦም ብምዃኑ: ኣሕዋትን ኣሓትን ኣኼባ ምስ ተወድአ ብሓጐስ ክነብዑ ምርኣይ ስምዒትካ ዘለዓዕል ኢዩ።
ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና: ሓድሓደ ግዜ ዘሸግረና እኳ እንተዀነ: ብቛንቋ ናይቲ በዓል ቤት እንተወሓደ መእተዊ ክንገብር ንጽዕር ኢና። ንኣብነት: ተዛረብቲ ቋንቋ ጉጃራቲ ንዝዀኑ ሰብ ቤት እቲ ልሙድ ሰላምታ ከምቾ ኢዩ: ትርጕሙ ኸኣ “ከመይ ኣለኻ” ማለት ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣደማምጻ ብዝገበርክዎ ጌጋ ናይ ሓደ ፍሉጥ ዝዓይነቱ ቡን: ረክላም ዝገብር ዘለኹ መሰለ። ይኹን እምበር: ኣብ ሓደ ገዛ እቲ ሰብኣይን ኣታ ሰበይቱን ብጉጃራቲ ሰላም ምስ በልክዎም ፍሽኽ በሉ። ንኽንኣቱ ዓደሙና ብሕያውነት ከኣ ቡን ሃቡና—ብዝገበርናዮ ጌጋ ኣደማምጻ ግን ኣይኰነን። ንገለ ካብቶም ኣብቲ ንበጽሖ ዝነበርና ጉጅለ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝማዶም ኰይኖም ጸንሑ: ኣብ ሓቂ ኸኣ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኣዩ።
ሓንቲ እንግሊዝኛ እትዛረብ ሓፍቲ ብተደጋጋሚ ንሓንቲ ቋንቋ ቻይና እትዛረብ ሰበይቲ ንብዙሕ ዓመታት መጺሔታት ትህባ ነበረት። ጸጸኒሓ ነታ ሰበይቲ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረላ ትሓታ ነበረት: ፍቓደኛ ግን ኣይነበረትን። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ቋንቋ ቻይና እትማሃር ዝነበረት ሓፍቲ ኣሰነየታ እሞ: እታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትብሃል መጽሓፍ በቲ ቋንቋኣ ሃበታ: እታ ተገዳስነት ዝነበራ በዓልቲ ቤት ከኣ ብኡንብኡ ተቐበለት።a ሕጂ እቲ መጽሓፍ ብናይ ገዛእ ርእሳ ቋንቋ ስለ ዝረኸበት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። እተን ብቛንቋ ናይታ ሰበይቲ እተዘርባ ሒደት ቃላት ዓቢ ለውጢ ኣምጽኣ።
እተፈላለየ ባህልታት
ኣብ ገለ ባህልታት ሰብኡት ኣንስቶም ምሸት በይነን ክወጻ ከም ዘይፈትዉ ኣይርድኣናን ኢዩ ነይሩ። እዚ ንብዙሓት ኣሓት ኣብቲ ብምሸት ዝግበር ኣኼባታት ክካፈላ ኣዝዩ ዘሸግረን ኰነ። ኣብ ገለ ናይ እስያ ማሕበረሰባት ከይተመርዓዋ ኣብ ገዝአን ምንባር ዝመርጻ መንእሰያት ኣዋልድ: ነታ ስድራቤት ከም ዘጽርፍኣ ኢዩ ዝሕሰብ። ሓንቲ መንእሰይ ሓፍቲ ነቲ ስድርኣ ዝመረጹላ ሰብኣይ ምምርዓው ምስ ኣበየት ኣቦኣ ስሚ ክሰቲ ደለየ። እወ: እዘን ከምዚኣተን ዝበላ ኣሓት ክጽመምኦ ዘለወን ነገር ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ሓቂ ኣብ ናብራ ናይቲ ስድራቤት ዘለዎ ሳዕቤን: ከምኡውን እተን ኣሓት ኣብ የሆዋ ዘለወን ተኣማንነት ነቶም ወለዲ ብኸመይ ከም ዝትንክፎም ክትርኢ ከለኻ ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ።
ነዚ መዝነት እዚ ክንቅበል ከለና ገለ ለውጥታት ክንገብር ነበረና። ናይ ምጋሽ ዕዮ ቅድሚ ምጅማርና: መግበይ ተራ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብልዒ ኢዩ ነይሩ: ሕጂ ግን እቲ መግቢ ቀመም ዝበዝሖ እኳ እንተዀነ: ዝበለጸ ኢዩ ዝኸውን። ካብ ጥረ ዓሳ ጀሚርካ ክሳዕ እቲ ብቐመም ዝቕሎ እተፈላለየ ኣከሻሽና መግቢ ምስትምቓር ቅድሚ ምጅማርና ብዙሕ ዓመታት ብምሕላፉ ንጠዓስ ኢና።
ተስፋ ዘለዎ መጻኢ
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ብናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዕየ ግራት ዝዓብየሉ እዋን: እዚ ግዜ እዚ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ ዝመስል። ሎሚ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ብዙሕ ጽሑፋት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ሓደስቲ ጉባኤታት ክቘማ ከለዋ በረኸት የሆዋ ከም ዘሎ ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ቋንቋታት ዝፈልጡ ኣሕዋት ንኽሕግዙ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዘሎ ጉባኤታት ይመጹ።
ሓደ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ብፈረንሳይኛ ኣብ ምስባኽ እተረኽበ መልሲ ኢዩ። ካብ ዛየርን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ብዙሓት ናይ ፈረንሳይኛ ዝዛረቡ ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናብ ብሪጣንያ መጺኦም ኢዮም። እታ ናይ መጀመርታ ፈረንሳይኛ ጉባኤ ኣብ ለንደን ምስ ቈመት: ገለ 65 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ነበሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ቍጽሪ 117 በጽሐ: ካብዚኣቶም ከኣ እቶም 48 ስርዓታውያን ፓይነራት ብምዃን ምሉእ ግዜ የገልግሉ ነበሩ። ብዙሕ ከይጸንሑ ከኣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ተገዳስነት ንምክትታል ካልአይቲ ጉባኤ ቈመት። ሕጂ ነቶም ተገደስቲ ዝያዳ ቈላሕታ ክግበረሎም ይኽእል ኢዩ: 345 ካብዚኣቶም ኣብቲ ናይ 1995 በዓል ዝኽሪ ተኻፈሉ። ቅድም ኣብ በኒን: ኣይቮሪ ኮስት: ሞሮኮ: ከምኡውን ዛየር ዘገልግሉ ዝነበሩ ናይ ጊልዓድ ምሩቓት: ነዚ ዝዓቢ ዘሎ ዞባ ንምክትታል ሕጂ ተመክሮኦም ይጥቀምሉ ኣለዉ: እቲ ዝርከብ ዘሎ ምላሽ ከኣ ዘገርም ኢዩ።
ሓደ ግዜ ነታ ናይ ፈረንሳይኛ ጉባኤ ክበጽሓ ከለኹ: ምስ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት መንእሰይ ሰበይቲ ናብ ዝግበር ጽንዓት ከድኩ። ክንከይድ ምስ ደለና: እታ መንእሰይ ሰበይቲ “በጃኹም ኣይትኺዱ። ቍሩብ ጽንሑ” ኢላ ለመነትና። ዝያዳ ክትፈልጥ ኢያ ደልያ ነይራ። ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ልድያ ድማ ኣዘኻኸረትኒ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15
እቲ ናይ መጀመርታ ዕዮና ነተን ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረባ ንኣሽቱ ጉጅለታት ጉባኤታት ንክዀና ምሕጋዝ ኢዩ ነይሩ። ኣብዘን ንኣሽቱ ጉጅለታት እዚኣተን እቶም ኣሕዋት ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ይገብሩ ነበሩ: ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ሕጽር ዝበለ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክገብሩ ኣርኣናዮም። እዚ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባቶም ጽቡቕ ገይሮም ንኽገልጹ ይሕግዞም ኢዩ። ብድሕርዚ ቀስ እናበሉ ኵሉ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምግባር ጀመሩ። ድሮ ቋንቋ ቻይና (ካንቶነስ): ፈረንሳይኛ: ጉጃራቲ: ጃፓንኛ: ፖርቱጋልኛ: ፑንጃቢ: ታሚል: ከምኡውን ወልሽ ዝዛረባ ሓደስቲ ጉባኤታት ኣለዋና።
ናይ ጸማማት ኣሕዋት ኣኼባታት ንምክፋል ብዝረኸብናዮ መሰል እውን ኣሐጕሱና ኢዩ። እቶም ኣሕዋት በእዳዎም ክዝምሩ ክትርእዮም ከለኻ ብሓቂ ስምዒትካ ዘለዓዕል ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ምልክት ገይሮም ከም ዝዛረቡ ብምግንዛበይ: ነቲ ኣብ ስብከት መንግስቲ ንምክፋል ዝገብርዎ ብሉጽ ጻዕሪ ይንእዶ ኢየ። ነቶም ዕዉራትን ጸማማትን ዝዀኑ መዝሙር ዝትርጕሙሎም ሰባት እውን ከይተረፉ ኣለዉ። የሆዋ ዋላ ሓደ ከም ዘይተርፍ ዝገብር ዘሎ ኢዩ ዝመስል።
ሓደ ፍልይ ዝበለ ልማኖ ክንገብር እንተድኣ ኴንና: ከምቲ ናይ የሱስ “ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ዝብል ኢና ክንገብር። (ማቴዎስ 9:38) ብዙሓት ኣሕዋትና ነቲ ቋንቋ ናይቶም ኣብ ናይ ጉባኤኦም ዞባ ዘለዉ እተፈላለዩ ቀቢላዊ ጉጅለታት ናይ ምምሃር ከቢድ ዕማም ይቕበልዎ ኢዮም ዘለዉ። እተፈላለየ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለት ብተኣምራታዊ መገዲ እኳ እንተ ዘይተዋሃብና: የሆዋ ንኣገልግሎት ናይዚ ንዓጺድ ዝበጽሐ ኣብ ዓድኻ ዝርከብ ሚስዮናዊ ዕዮ ይኸፍቶ ኢዩ ዘሎ። (ዮሃንስ 4:35, 36)—ካለን ሰይሞር ከም ዘዘንተዎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።