ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ምስክርነት ኣብ ቤትን ቤት ትምህርትን ፍረ የፍሪ
ናይ ክርስትያን ናብራ ንኻልኦት ሰናይ ምግባር: ብፍላይ ድማ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስኦም ምምቓል ዘጠቓለለ ኢዩ። ምሳሌ 3:27 ከምዚ ትብል:- “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።” ኣብ ኣርጀንቲና ሓደ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘሎ መንእሰይ ምስክር ብስራት ናይታ መንግስቲ ንሓደ ናይ ቤት ትምህርቲ ዓርኩ ከካፍሎ ደለየ። ከምኡ ምግባሩ ድማ ሰፊሕ ፍረታት ኣምጽአ።
ሓደ ግዜ እቲ መንእሰይ ምስክር ንዓርኩ: ቅኑዓት ኵለን ሃይማኖታት ከም ዘይኰና ጠቐሰሉ። እቲ ጐበዝ ዝዀነ ሕማቕ ተግባር ከም ዘይገበረ ምስ ነገሮ ኸኣ: እቲ ምስክር “ንኣምላኽውን ዝዀነ ጽቡቕ ነገር ኣይገበርካሉን” በሎ። እዚ ድማ ነቲ መንእሰይ ከም ዝሓስብ ገበሮ። ጸኒሑ እቲ ምስክር እዚኣተን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ምዃነን ከምኡውን ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ: ሓደ ሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ክሕዝን ኣብ ተግባር ድማ ከውዕሎን ከም ዘለዎ ገለጸሉ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዓርኩ ድማ ተሰማምዐ። እንተዀነ ግን: ስድራቤቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከፍቅድሉ ድዮም፧ እቲ ምስክር: እቲ ዓርኩ ምእንቲ ክሓስበሉ ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከንብባ ሓተቶ።
እዋን ሓሊፉ: እቲ ዓርኩ ድማ ትምህርቲ ኣቋረጸ። ንልዕሊ ዓመት ዝኸውን ብዛዕባኡ ምንም ደሃይ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ግና እቲ መንእሰይ ምስክር ካብ ዓርኩ ቴሌፎን ምስ ተደወለሉ: እሞ ኸኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ብሓቂ ክፍጸሙ ይርኢ ኣሎኹ ኢሉ ምስ ነገሮ ተገረመ። እቲ ምስክር ድማ ሽዑ ንሽዑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምረሉ መደብ ገበረ።
ኣብ ገዛ እንዳ እቲ ቀደም ናይ ቤት ትምህርቲ ዓርኩ ዝነበረ ምስ ከደ: ናይ ዓርኩ ወለዲ: ወዶም ኣብ እንታይ ይካፈል ከም ዘሎ ንኽፈልጡ ተገዳስነት ከም ዘሕደሩ ተዓዘበ። ናይቲ ዓርኩ ንእሽቶ ሓዉ እውን ከይተረፈ ሓዉ እተጸለለ ኰይኑ ተሰምዖ። ስለዚ ኸኣ እቶም ወለዲ ነቲ ንእሽቶ ሓዉ ኣብታ እትቕጽል ዘለ መጽናዕቲ ምስኦም ኮፍ ከም ዝብል ገበሩ። ብድሕሪኡ እቲ ጐበዝ እናነብዐ ንወለዱ ዓቢ ሓዉ ከም ዘይተጸለለ ነገሮም: እታ ኣደ ድማ “ኣብ ክንዲ ሓደ ግድል: ሕጂ ክልተ ግድል ኰነኒ” ክሳዕ እትብል ኰነት!
ስለዚ ድማ: ኣብታ እትቕጽል መጽናዕቲ ባዕላ እውን ተኻፈለት: እቶም ኣወዳት ከም ዘይተጸለሉ ድማ ተሰማምዐት። ድሕርዚ ምስኣን ምስ ሰብኣያን መደብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተገብረ። ከይደንጐዩ ድማ ብምልእታ እታ ስድራቤት ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ዝግበር ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት። ኣብ መወዳእታ: ኣባሓጎኦምን እናሓጎኦምን እውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ናብ ኣኼባታት ምኻድን ጀመሩ። ካብኡ ንደሓር: እቲ ናይ መጀመርያ ጐበዝ ተጠሚቑ ኢዩ። ተመርዕዩ: ንሱን ሰበይቱን ድማ ቀናኣት ኣስፋሕቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ድማ: እዚ መንእሰይ ምስክር እዚ: በቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝገበሮ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ክልተ ካልኦት መማህርቱን: ናይ ሓዲኦም ኣደን ሓፍትን ሓዊስካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ሓጊዝዎም ኢዩ። እዚ መንእሰይ ምስክር እዚ: ኣብ ቤት ትምህርቱ ንመማህርቱ ሰናይ ካብ ምግባር ዓዲ ስለ ዘይወዓለ: ብጠቐላላ 11 ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማህሩ። ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ፍረ ኰን ኢዩ! ብሓቂ “እቲ [የሆዋ ትሓዓ ] ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 144:15