ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 30 ገጽ 246-252
  • ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጐዳኢ ሸነኹ
  • ምርጫኻ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት
  • እንታይ ዓይነት ጸወታ እየ ኽመርጽ ዘሎኒ፧
  • ብጥበብ ምረጽ
  • ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 30 ገጽ 246-252

ምዕራፍ 30

ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧

ብራያን ዚበሃል ወዲ፡ “ጸወታታት ኮምፕዩተር ዜሐጕስን ዜኸይፍን እዩ። ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ኣብ ከቢድ ሽግር ከይኣተኻ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገር፡ ኣብቲ ጸወታ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ” በለ። ዴቦራ ኸኣ ጸወታታት ኮምፕዩተር ምጽዋት ባህ ከም ዚብላ ገለጸት። ይኹን እምበር፡ “ግዜኻ ዜባኽንን ወልፊ ዜትሕዝን ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢላ ኣጠንቀቐት።

ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ምዕቡል ተክኖሎጂ ዘፍረዮ መዘናግዒ ጥራይ ኣይኰነን። ርግጽ እዩ፡ ንኽእለትካ ይፍትኖ፡ ከይስልክየካ ድማ ይሕግዘካ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ይገብር እዩ። ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ንመልሰ-ግብርኻ ቕልጡፍ ከም ዚኸውን ይገብሮ። ገሊኡ እሞ ኸኣ ንናይ ሕሳብን ንባብን ክእለትካ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኣብ ቤት ትምህርቲ መዘራረቢ ጕዳይ እዩ ዚኸውን። ነቲ ጸወታ እንተ ተጻዊትካዮ፡ ምስ መዛኑኻ እትዘራረበሉ ጕዳይ ረኺብካ ማለት እዩ።

ተጠንቂቕካ እንተ መሪጽካ፡ ዜሐጕስን ቅቡልን ጸወታ ኽትረክብ ከም እትኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ስለምንታይ ግን ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ፧

ጐዳኢ ሸነኹ

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኵሉ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኣይኰነን ዘይጓዳእ መዘናግዒ ዝዀነ። ሓያሎ ኻብቲ ሎሚ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ መዘናግዒታት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ግብሪ ስጋ” ኢሉ ዚጽውዖ፡ ኣምላኽ ዚዅንኖ ርኹስ ተግባራት እዩ ዜተባብዕ።—ገላትያ 5:19-21

ኣድሪያን ዚበሃል ወዲ 18 ዓመት ጐበዝ፡ ንሓደ ብብዝሒ እተሸጠ ጸወታ፡ “ውግእ ዓዋሉ፡ ሓሽሽ ምውሳድ፡ ቅሉዕ ጾታዊ ተግባራት፡ ጽዩፍ ዘረባ፡ ክቱር ዓመጻ፡ ደም፡ ከምኡውን ዜስካሕክሕ ትርኢት” ዝመልኦ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ገሊኡ ጸወታታት ንስሒራዊ ተግባራት ውቁብ ገይሩ እዩ ዜቕርብ። ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዚወጽእ ጸወታ ኸኣ ካብቲ ቕድሚኡ ዝወጸ ዝበኣሰ ዀይኑ እዩ ዚቐርብ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ዓመጻ ዝመልኦ ጸወታታት፡ ብኢንተርነት ጌርካ ምስ ካልኦት ሰባት ኪጽወት ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ዝያዳ በዳህን መሳጥን ይገብሮ። ጄምስ ዚበሃል ወዲ 19 ዓመት ጐበዝ፡ “ኣብ ቤትካ ኣብ ዘሎ ኮምፕዩተር ኴንካ፡ ኣብ ካልእ ሸነኽ ዓለም ምስ ዘሎ ሰብ ክትወዳደር ትኽእል ኢኻ” በለ።

ኣብ ኢንተርነት ዚውክለካ ገጸ-ባህርይ ሒዝካ ምጽዋት፡ ብብዙሓት ተፈታውነት ይረክብ ኣሎ። እቶም ተጻወትቲ ብኮምፕዩተር ኣብ እተፈጥረ ኣሽሓት ተጻወትቲ ኣብ ዚጥቀሙሉ ዓለም፡ ሰብ፡ እንስሳ፡ ወይ ፍርቁ ሰብ ፍርቁ እንስሳ ዝዀነ ገጸ-ባህርይ ይመርጹ። እዚ ብኢንተርነት እተፈጥረ ዓለም፡ ድኳናት፡ ማካይን፡ ኣባይቲ፡ ክለባት ትልሂት፡ እንዳ ኣመናዝር ዝሓዘ እዩ፣ ብብዙሕ መዳያቱ ቕዳሕ እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ዚርከብ ነገራት እዩ። እቶም ብኮምፕዩተር እተፈጥሩ ኣቫታር ተባሂሎም ዚጽውዑ ገጸ-ባህርያት ተግባሮም ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ እቶም ኣብዚ ጸወታታት ዚጻወቱ ተጻወትቲ ብቕጽበት መልእኽቲ ኺለኣኣኹ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ኻብቶም ኣብ ናይ ኢንተርነት ዓለም ዚርከቡ እኩያት ገጸ-ባህርያት፡ ማፍያ፡ ንኣመናዝር ዜማጽኡ ሰባት፡ ኣመናዝር፡ ዘረፍቲ፡ መደናገርቲ፡ ቀንጸልቲ ኺጥቀሱ ይከኣሉ። እቶም ተጻወትቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወቶም ፈጺሞም ዘይገብርዎ ንጥፈታት ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኮምፕዩተሮም ሒደት መፋትሕ ብምጽቃጥ፡ ነቶም ኣቫታር ጾታዊ ርክብ ከም ዚፍጽሙ ኺገብርዎም ከለዉ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ከኣ እቶም ተጻወትቲ ብቕጽበታዊ መልእኽትታት ገይሮም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይዘራረቡ። ገሊኡ ጸወታታት ነቶም ኣቫታር ምስ ቈልዑ ዚመስሉ ኻልኦት ኣቫታር ጾታዊ ርክብ ንኺገብሩ የኽእሎም እዩ። ሰባት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብልሹው ተግባራት ገይሮም ዚጻወቱ ምዃኖም፡ ንገሊኦም ሓያስያን ኣተሓሳሲብዎም ኣሎ።

ምርጫኻ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጻ ወይ ጾታዊ ርኽሰት ዝመልኦ ጸወታታት ዚጻወቱ ሰባት፡ “ዋላ ሓንቲ ጕድኣት የብሉን። ናይ ሓቂ ኣይኰነን። ጸወታ ጥራይ እዩ” ይብሉ ይዀኑ። በዚ ኸምዚ ናይ ሓሶት መመኽነይታ ግን ኣይትተዓሾ!

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ” ይብል። (ምሳሌ 20:11) ዓመጻን ርኽሰትን ዘለዎ ጸወታታት ትጻወት እንተ ዄንካ፡ ቅኑዕን ንጹህን ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ትኽእል ዲኻ፧ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ ዚርእዩ ሰባት፡ ዝያዳ ዓመጸኛታት ከም ዚዀኑ መጽናዕትታት ብተደጋጋሚ ሓቢሩ እዩ። አረ ገሊኦም ክኢላታት እሞ ኸኣ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ዚጻወቱ ሰባት ኣብቲ ተግባር ስለ ዚሳተፉ፡ እቲ ጸወታታት ካብ ቲቪ ንላዕሊ ዝያዳ ጽልዋ ኼሕድረሎም ከም ዚኽእል እዮም ዚገልጹ።

ዓመጻ ወይ ርኽሰት ዝመልኦ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ምጽዋት፡ ብጸርገ-ንጡፍ ዝዀነ ጓሓፍ ከም ምጽዋት እዩ። እቲ ጕድኣቱ ብኡንብኡ ኣይርአን ይኸውን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘይተርፍ እዩ። ብኸመይ እዩ ጕድኣት ዜስዕብ፧ ሓደ ንልዑል መጠን ጸርጊ እተቓልዐ ሰብ፡ እቲ ኣብ ከስዐኡ ዚርከብ ቀጸላ ስለ ዚቀዳደድ፡ ኣብ መዓናጡኡ ዚርከብ ባክተርያ ናብ ደሙ ኣትዩ የሕምሞ። ብተመሳሳሊ፡ ንልዑል መጠን ጾታዊ ትርኢትን ዜስካሕክሕ ዓመጻን እንተ ተቓሊዕካ፡ ‘ድንዙዝ’ ክትከውን ኢኻ፡ ስጋዊ ትምኒታትካ ኸኣ ንኣተሓሳስባኻን ተግባራትካን ኪዕብልሎ እዩ።—ኤፌሶን 4:19፣ ገላትያ 6:7, 8

እንታይ ዓይነት ጸወታ እየ ኽመርጽ ዘሎኒ፧

ወለድኻ፡ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክትጻወት እንተ ፈቒዶምልካ፡ ኣየናይ ከም እትመርጽን ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም እትጻወትን ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት፦

ምርጫይ ነቲ የሆዋ ብዛዕባይ ዚስምዖ ስምዒት ብኸመይ ይጸልዎ፧ መዝሙር 11:5፡ “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፡ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ትብል። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ስሒራዊ ተግባራት ዚሳተፉ፡ “እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ይብል። (ዘዳግም 18:10-12) ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 97:10 ዚርከብ፡ “እከይ ጽልኡ” ዚብል ምኽሪ ኽትስዕቦ ኣሎካ።

እዚ ጸወታ ንኣተሓሳስባይ ብኸመይ ኪጸልዎ እዩ፧ ‘ነዚ ጸወታ እዚ ምጽዋተይ፡ ነቲ “ኻብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ምኽሪ ንምስዓቡ ኸም ዚቐለኒ ድዩ ዚገብር ወይስ ከም ዚኸብደኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (1 ቈረንቶስ 6:18) ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ትርኢት ወይ ዝርርብ ዘለዎ ጸወታታት፡ ኣብ ቅኑዕን ንጹህን ደግነታውን ተግባር ከም እተተኵር ኣይገብረካን እዩ።—ፊልጲ 4:8

ክንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ኣብ ጸወታ ኸሕልፍ ዘሎኒ፧ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ንጹህ ዚበሃል ጸወታ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ግዜ ኼባኽን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኣብ ጸወታ ተሕልፎ ኸም ዘለኻ መዝግቦ። ካብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ንዝዀነ ንጥፈታት ዜድልየካ ግዜ ይሰርቀካ ድዩ ዘሎ፧ ግዜኻ ኣበይ ከም እተሕልፎ ዘለኻ ምቍጽጻርካ፡ ነቲ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ብግቡእ ንኽትሰርዕ ኪሕግዘካ እዩ።—ኤፌሶን 5:16

ልክዕ እዩ፡ ምሉእ ህይወትካ ኣብ መጽናዕቲ ወይ ዋኒን ገዛ ኣብ ምዕያይ ከተሕልፎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጽበየካን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ። . . . ንጓይላ [“ንምስርሳር፡” NW] ድማ ጊዜ አለዎ” ኢሉ ንዅላትና የዘኻኽረና እዩ። (መክብብ 3:4) እታ “ምስርሳር” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ንጸወታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣካላዊ ንጥፈት እውን ከም እተመልክት ከነስተብህለላ ኣሎና። ስለዚ፡ ንዅሉ እትዘናግዓሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ወይ ቲቪ ተተኺልካ ኣብ ክንዲ እተሕልፎ፡ ንገሊኡ ኻብቲ ናጻ ግዜኻ ኣካላዊ ንጥፈታት ኣብ ዘለዎ ጸወታታት ንምንታይ ዘይተሕልፎ፧

ብጥበብ ምረጽ

ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት፡ ብፍላይ ትመልኮ እንተ ዄንካ፡ ዜሐጕስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢኻ ንእትጻወቶ ጸወታታት ብጥበብ ክትመርጾ ዜድልየካ። ‘ኣብ ምንታይ ዓይነት ትምህርትታት እየ ብሉጽ ዝዀንኩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ እትፈትዎ ዓይነት ትምህርትታት ደይኰነን፧ ንሓደ ዓይነት ትምህርቲ ዝያዳ ብዝፈተኻዮ መጠን፡ ኣባኻ ዚሓድጎ ጦብላሕታ እናዓበየ እዩ ዚኸይድ። ሕጂ ድማ፡ ‘እንታይ ዓይነት ጸወታ እየ ልዕሊ ዅሉ ዝፈቱ፧ እዚ ጸወታ እዚ እንታይ ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ እዩ ዚምህረኒ ዘሎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

መዛኑኻ ስለ ዝፈተውዎ ጥራይ ኢልካ ንሓደ ጸወታ ኣብ ክንዲ እትጻወት፡ ሓሲብካ ምርጫኻ ንኽትገብር ዜኽእል ብርታዐ ኣጥሪ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ንጐይታና ዜሐጕሶ እናመርመርኩም . . . ተመላለሱ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።—ኤፌሶን 5:10

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ሙዚቃ ትፈቱ ኢኻ፡ እዚ ኸኣ ንቡር እዩ። እንተዀነ ግን፡ ባርያኡ ዲኻ፧

ቀንዲ ጥቕሲ

“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ።”—መዝሙር 97:10

ምኽሪ

ንነፍሲ ወከፍ ክትጻወቶ እትደሊ ጸወታ፡ ሸቶኡን ነቲ ሸቶ ንምውቃዕ እትጥቀመሉ ሜላታትን ብምግላጽ ኣሕጽር ኣቢልካ መግለጺ ጽሓፈሉ። ነቲ ዝጸሓፍካዮ ጽሑፍ ምስቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጻጽሮ፡ ድሕሪኡ እቲ ጸወታ ግቡእ እንተ ዀይኑ ወስን።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ዓለም ንፈለማ ግዜ፡ ነቶም ብኢንተርነት ዚግበር ጸወታታት ውሉፋት ዝዀኑ ጥራይ ኢልካ እተዳለወ ክሊኒክ፡ ብ2006 ኣብ ኣምስተርዳም፡ ነዘርላንድስ ተኸፊቱ።

መደባተይ

ዓርከይ ዓመጻ ዝመልኦ ወይ ርኹስ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታ ኽጻወት እንተ ሓቲቱኒ፡ ከምዚ ኽብል እየ፦ ․․․․․

ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ዚጻወተሉ ግዜ ኣብ ሰሙን ካብ ․․․․․ ኪሓልፍ የብሉን፡ ነዚ ደረት እዚ ንምሕላው ድማ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኣብ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን ሓደ ሰብ እንታይ ጽልዋ ኺገብር ይኽእል፧

● ጸወታ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

● ብሕማቕ ዓይነት ጸወታ ንእተወለፈ ምንኣስካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብኸመይ ምሓገዝካ፧

[ኣብ ገጽ 249 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብዙሕ ጸወታታት ንኸም ዓመጻን ጽዩፍ ዘረባን ርኽሰትን ዝኣመሰለ ነገራት ድንዙዝ ከም እትኸውን እዩ ዚገብረካ፡ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ዘይጥንቁቕ ከም እትኸውን ይገብረካ። እትጻወቶ ጸወታ ኽትመርጽ ከለኻ ልዑል ጥንቃቐ ኽትገብር ኣሎካ።’’—ኤሚ

[ኣብ ገጽ 250 ዘሎ ስእሊ]

ዓመጻ ወይ ርኽሰት ዝመልኦ ጸወታታት ምጽዋት፡ ብጸርገ-ንጡፍ ዝዀነ ጓሓፍ ከም ምጽዋት እዩ። እቲ ጕድኣቱ ብኡንብኡ ኣይርአን ይኸውን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘይተርፍ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ