ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 31 ገጽ 253-262
  • ሙዚቃ ንህይወተይ ከይቈጻጸሮ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙዚቃ ንህይወተይ ከይቈጻጸሮ እንታይ ክገብር እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መባኣሲ ድዩ መሰማምዒ፧
  • መልእኽቲ እቲ ዝሰምዖ ሙዚቃ እንታይ እዩ፧
  • ብርእስኻ ወስን
  • መዓስ እዩ እምብዛ በዚሑ ዚበሃል፧
  • ሙዚቃ እትሰምዓሉ ልማድካ ምትዕርራይ
  • ቅኑዕ ምርጫ ግበር
  • ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 31 ገጽ 253-262

ምዕራፍ 31

ሙዚቃ ንህይወተይ ከይቈጻጸሮ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ማዕረ ኽንደይ ኢኻ ሙዚቃ እትፈቱ፧

□ ብዘይ ብእኡ ኽነብር እኽእል እየ።

□ ብዘይ ብእኡ ምንባር ዳርጋ ሞት እዩ።

መዓስ ኢኻ ሙዚቃ እትሰምዕ፧

□ ክጐዓዝ ከለኹ

□ ከጽንዕ ከለኹ

□ ኵሉ ግዜ

እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ኢኻ እትፈቱ፧ ስለምንታይከ፧ ․․․․․

ብሙዚቃ ናይ ምሕጓስ ክእለት፡ ኣብ ኵላትና ዘሎ እዩ ዚመስል። መንእሰያት እሞ ኸኣ ሙዚቃ ናይ ግድን ዜድልዮም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣምበር እትበሃል ጓል 21 ዓመት መንእሰይ፡ “ብዘይ ብእኡ ኽነብር ኣይክእልን እየ። ከጽሪ ኸለኹ፡ ምግቢ ኽሰርሕ ከለኹ፡ ክለኣኽ ከለኹ፡ ከጽንዕ ከለኹ፡ ኰታስ ኵሉ ግዜ ሙዚቃ እሰምዕ እየ” በለት።

እቲ ኣብ ሙዚቃ ዘሎ ረምታ ኣብ ቀሊል ሕሳብ ተመርኲሱ እተዳለወ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሙዚቃ ግን ንውሽጣዊ ስምዒታትና እውን ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። ከምቲ “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ” ዝዀነ፡ ብግዜኡ ዚስማዕ ደርፊ እውን ዜጸናንዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ! (ምሳሌ 15:23) ጀሲካ ዝስማ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንስምዒታትካ ኸም ዘይርድኣልካ ትሓስብ። ነቶም ዝፈትዎም ባንድ ክሰምዕ ከለኹ ግን፡ በይነይ ጥራይ ጭንቀት የጋጥመኒ ኸም ዘየሎ እፈልጥ” በለት።

መባኣሲ ድዩ መሰማምዒ፧

ንእተሰምዖ ሙዚቃ ንስኻ ኸም እትፈትዎ ዜጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ወለድኻ ግን ካባኻ እተፈለየ ኣረኣእያ ይህልዎም ይኸውን። ሓደ ኰተቴ፡ “ኣቦይ፡ ‘ኣጥፍኣዮ! ኣጽሚምካኒ!’ እዩ ዚብለኒ” በለ። ዓሰርተ ሳዕ መኘኽኘኽ ስለ ዚጽልኣካ፡ ወለድኻ ንዘይረብሕ ጕዳይ ኣኽቢዶም ይርእይዎ ኸም ዘለዉ ይስምዓካ ይኸውን። ሓንቲ ጐርዞ፡ “ንሳቶም መንእሰያት ኣብ ዝነበረሉ ግዜኸ፧ ወለዶም ነቲ ዚሰምዕዎ ሙዚቃ ሕማቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይርእይዎን ነይሮም ማለት ድዩ፧” በለት። ኢንግሪድ እትበሃል ጓል 16 ዓመት ጐርዞ፡ “ዓበይቲ ድሕሪት እዮም ተሪፎም። ወለዶና እውን ሓድሽ መቐረት ሙዚቃ ኸም ዘለዎ እንተ ዚቕበልዎ ምሓሸ” በለት።

እዚ ኢንግሪድ ዝበለቶ ነገር ሓቅነት ኣለዎ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ወለዶታት ኣብ ብሕታዊ ምርጫታት ወትሩ ምስ ተጋጨዉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ግን፡ ሙዚቃ ወትሩ መባኣሲ ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ነዚ ፍታሕ ምእንቲ ኽትገብረሉ፡ ምስ ወለድኻ ዜሰማምዓኩም ባይታ እንተ ኣልዩ ኸተናዲ ኣሎካ። ወለድኻ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ብሓቂ ኺረብሓካ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃል ኣምላኽ ንዓኻን ንወለድኻን እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ብዘየተሓታትት መገዲ ዘይቅቡል ምዃኑ፡ እንታይ ከኣ ንብሕታዊ ምርጫ ኸም ዚግደፍ ንኽትፈልጡ ኺሕግዘኩም እዩ። ነዚ ነገር እዚ ንምፍላጥ፡ እዚ ዚስዕብ ክልተ ኣገዳሲ ረቛሒታት ክትምርምር ኣሎካ፦ (1) መልእኽቲ እቲ እትሰምዖ ሙዚቃ፡ (2) ሙዚቃ ኣብ ምስማዕ እተሕልፎ ግዜ። ፈለማ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ንርኣያ፦

መልእኽቲ እቲ ዝሰምዖ ሙዚቃ እንታይ እዩ፧

ሙዚቃ ኸም ምግቢ እዩ። ጽቡቕ ዓይነትን ግቡእ መጠንን እንተ ዀይኑ ይጠቕመካ እዩ። ሕማቕ ዓይነት እንተ ዀይኑ ግን፡ ብዝዀነ ይኹን መጠን ይጐድኣካ እዩ። እቲ ዜሕዝን፡ እቲ ሕማቕ ዓይነት ሙዚቃ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሰሓቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስቲቭ ዚበሃል መንእሰይ፡ “ስለምንታይ እዩ ዅሉ እቲ ማራኺ ዜማ፡ ሕማቕ ዓይነት ግጥሚ ዚህልዎ፧” ኢሉ መረረኡ ገሊጹ ኣሎ።

ነቲ ዜማ እንተ ፈቲኻዮ፡ እቲ መልእኽቲ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ገሊኦም ሰባት ስሚ ኼውሕጡኒ እንተ ደልዮም፡ ከመይ ገይሮም እዮም ኬታልሉኒ ዚፍትኑ፧ ብመጺጽ ነገር ድዮም ለቢጦም ዜቕርቡለይ ወይስ ብሽኮር፧’ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ “ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (እዮብ 12:11) ስለዚ፡ ነቲ ንደርፊ ለቢጥዎ ዘሎ ሽኮር፡ ማለት ንህርመቱ ወይ ንዜማኡ ስለ ዝፈተኻዮ ጥራይ፡ ነቲ ደርፊ ስቕ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትውሕጦ፡ ንኣርእስቱን ግጥሙን ብምምርማር ‘ነቲ ቓላት ኣለልዮ።’ ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ምስቲ ሙዚቃ ተወሃሂዱ ዘሎ ግጥሚ፡ ንኣተሓሳስባኻን ንኣረኣእያኻን ይጸልዎ እዩ።

እቲ ዜሕርቕ ግን፡ መብዛሕትኡ ሎሚ ዚወጽእ ሓድሽ ዓይነት ሙዚቃ፡ ንጾታዊ ነገራትን ንዓመጻን ንምውሳድ ሓሽሽን ዜተባብዕ ግጥሚ እዩ ዘለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጥሚ ምስማዕ ከም ዘይጸልወካ እንተ ተሰሚዑካ፡ በቲ “ስሚ” ኽትጕዳእ ጀሚርካ ኣለኻ ማለት እዩ።

ብርእስኻ ወስን

መዛኑኻ ሕማቕ ዓይነት ሙዚቃ ንኽትሰምዕ ሓያል ጸቕጢ ይገብሩልካ ይዀኑ። ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ንባዕሉ እውን ጸቕጢ ይገብረልካ እዩ። ሙዚቃ ብሓገዝ ረድዮን ኢንተርነትን ተለቪዥንን ኣቢሉ፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር ገንዘብ ዚንቀሳቐሰሉ ሓያል ኢንዱስትሪ ዀይኑ ኣሎ። ብዛዕባ ሙዚቃ ንዘሎካ መቐረት ንምቕራጽን ንምቍጽጻርን ዚሕግዙ ብርቱዓት ክኢላታት ይቝጸሩ እዮም።

መዛኑኻ ወይ መራኸቢ ብዙሓን እንታይ ክትሰምዕ ከም ዘሎካ ንኺውስኑልካ እንተ ፈቒድካ ግን፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኢኻ ኣሕሊፍካ እትህብ። ብርእስኻ ዘይትመላለስ ባርያ ትኸውን። (ሮሜ 6:16) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንጽልዋታት ዓለም ንኽትጻረሮ እዩ ዚምሕጸነካ። (ሮሜ 12:2) ስለዚ፡ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ልቦናኻ ኸተላምድ’ ወይ ከተሰልጥን ኣሎካ። (እብራውያን 5:14) ሙዚቃ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ንልቦናኻ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ርአ፦

ነቲ ገበሩ መርምሮ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ገበሩ ወይ ነቲ ረክላሙ ብምርኣይ ትሕዝቶኡ ኽትግምግም ትኽእል ኢኻ። ዓመጻ፡ ቅሉዕ ጾታዊ ነገራት፡ ወይ ስሒራዊ ምስልታት እንተ ኣልይዎ፡ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሙዚቃ እውን ዜተሓታትት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ነቲ ግጥሙ መርምሮ። እንታይ መልእኽቲ እዩ ሒዙ ዘሎ፧ ነቲ ሓሳባት እቲ ደጋጊምካ ኽትሰምዖ ወይ ክትደርፎ ትደሊ ዲኻ፧ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ምስቲ እትስዕቦ መለክዒታትን ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታትን ዚሰማማዕ ድዩ፧—ኤፌሶን 5:3-5

ዜሕድረልካ ጽልዋ ኣስተብህለሉ። ፊሊፕ ዚበሃል መንእሰይ፡ “ሓያሎ ኻብቲ ዝሰምዖ ሙዚቃን ግጥምን ጭንቀት የሕድረለይ እዩ” በለ። ልክዕ እዩ፡ ሙዚቃ ንሰባት ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ጽልዋ ዜሕድረሎም። እቲ እትሰምዖ ሙዚቃ ኣባኻ ዜሕድሮ ጽልዋ ግን እንታይ እዩ፧ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነቲ ሙዚቃ ወይ ደርፊ ድሕሪ ምስማዐይ ሕማቕ ዓይነት ሓሳባት ይመጸኒ ድዩ፧ ከይተፈለጠኒ ነቲ ኣብቲ ሙዚቃ ዚርከብ ሕማቕ ዓይነት ዘረባ እወርስ ኣለኹ ድየ፧’—1 ቈረንቶስ 15:33

ንኻልኦት ኣብ ግምት ኣእቱ። ወለድኻ ብዛዕባ እቲ እትሰምዖ ሙዚቃ ኸመይ ይስምዖም፧ ርእይቶኦም ኪህቡኻ ሕተቶም። ክርስትያናት ብጾትካ ኸመይ ከም ዚስምዖም እውን ሕሰብ። ገሊኦም በቲ እትሰምዖ ሙዚቃ ይርበሹ ደዀን ይዀኑ፧ ንስምዒታት ካልኦት ካብ ዘሎካ ኣኽብሮት ተላዒልካ ተግባርካ ምቕራጽ፡ ምልክት ብስለት እዩ።—ሮሜ 15:1, 2

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት ንርእስኻ ብምሕታት፡ ንመንፈሳውነትካ ኸየበላሸወ ንመንፈስካ ኼነቓቕሕ ዚኽእል ሙዚቃ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ ሓደ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዚግባእ ረቛሒ ኣሎ።

መዓስ እዩ እምብዛ በዚሑ ዚበሃል፧

ጽቡቕ ሙዚቃ፡ ከም ጽቡቕ ምግቢ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምስላ፡ “መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ፡ ዚአኽለካ ብላዕ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ምሳሌ 25:16) መዓር ከም ፈውሲ ኸም ዜገልግል ኣጸቢቕካ ዚፍለጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ጽቡቕ ነገር እውን እምብዛ እንተ ኣብዚሕካ፡ ሕማቕ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ጽቡቕ ነገራት እውን ብመጠኑ እዩ ኺግበር ዘለዎ።

ገሊኦም መንእሰያት ግን፡ ሙዚቃ ንህይወቶም ኪቈጻጸሮ የፍቅዱ። ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዘላ ጀሲካ፡ “ኵሉ ግዜ እየ ሙዚቃ ዝሰምዕ፣ ዋላ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ እሰምዕ እየ። ንኸተኵር ከም ዚሕግዘኒ እየ ንወለደይ ዝነግሮም። ንሳቶም ግን ኣይኣምኑንን እዮም” ኢላ ተኣመነት። ከምዚ ጀሲካ እተዛረበቶ ዝኣመሰለ ዘረባ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧

ሙዚቃ እምብዛ በዚሑ ዚበሃል መዓስ ምዃኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት፦

መዓልቲ መዓልቲ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ሙዚቃ ኣብ ምስማዕ ዘሕልፎ፧ ․․․․․

ኣብ ወወርሒ ኽንደይ ዚኣክል ገንዘብ እየ ንሙዚቃ ዘውጽእ፧ ․․․․․

ዝሰምዖ ሙዚቃ ኣብ መንጎ እቲ ምስ ስድራ ቤተይ ዘሎኒ ርክብ ይኣቱ ኣሎ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም እተመሓይሾ ጽሓፍ። ․․․․․

ሙዚቃ እትሰምዓሉ ልማድካ ምትዕርራይ

ሙዚቃ ኻብ ብሕታዊ ህይወትካ ኣመና ብዙሕ ግዜ ይወስደልካ እንተ ኣልዩ፡ ደረት ክትገብረሉ ኣሎካ፡ ንልማድካ ድማ መጠነኛ ኸም ዚኸውን ግበሮ። ንኣብነት፡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ እዝንኻ መስምዒ ወቲፍካ ምኻድ ወይ ናብ ገዛ እትው ምስ በልካ ሙዚቃ ምኽፋት ክትሓድጎ የድልየካ ይኸውን።

ንእተወሰነ እዋን ብጸጥታ ምጽናሕ ስለምንታይ ዘይተስተማቕር፧ እዚ ንመጽናዕትታትካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስቲቭ፡ “ሙዚቃ እንተ ኣጥፊእካ፡ ብዙሕ ነጥብታት ኢኻ እትረክብ” በለ። ብዘይ ሙዚቃ መጽናዕቲ ምግባር ፈትኖ፡ ኣትኵሮኻ እንተ ተመሓይሹ ድማ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስን ኣብኡ እተመስረተ ጽሑፋትን ንምንባብን ንምጽናዕን ዚኸውን ግዜ ኽትምድብ እውን ኣሎካ። የሱስ ክርስቶስ ንኺጽልን ንኼስተንትንን ኢሉ ጸጥ ናብ ዝበለ ቦታ ይኸይድ ነበረ። (ማርቆስ 1:35) እቲ መጽናዕቲ እትገብረሉ ሃዋህውከ ብተመሳሳሊ ጸጥታን ሰላምን ዝሰፈኖ ድዩ፧ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ትድኽድኽ ትህሉ ትኸውን።

ቅኑዕ ምርጫ ግበር

ሙዚቃ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት እዩ፣ ብዘይግቡእ ከይትጥቀመሉ ግን ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ከምታ፡ “ክድርብዮ ዚግባእ ሙዚቃ ኣሎኒ። ግን ኣዝዩ እንድዩ ጥዑም ኰይኑ” ዝበለት ማርሊን ኣይትኹን። ሕማቕ ሙዚቃ ብምስማዓ ንኣእምሮኣን ንልባን ብዛዕባ እተስዕበሉ ዘላ ጕድኣት ሕሰብ! ካብቲ መጻወድያ ኣምልጥ። ሙዚቃ ንኼበላሽወካ ወይ ንህይወትካ ንኺቈጻጸራ ኣይተፍቅድ። ሙዚቃ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ነቲ ልዑል ክርስትያናዊ መለክዒታት ስዓብ። መምርሕን ሓገዝን ኣምላኽ ንምርካብ ጸሊ። ከም ናትካ ዓይነት እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ተመሓዞ።

ሙዚቃ ኼዛንየካን ኬዘናግዓካን ይኽእል እዩ። ጽምዋ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ባዶነት ከም ዘይስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። እቲ ሙዚቃ ምስ ኣብቅዐ ግን፡ ጸገማትካ ኣብኡ ደው ኢሉ እዩ ዚጸንሓካ። ደርፊ መተካእታ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣይኰነካን እዩ። ስለዚ፡ ሙዚቃ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ግደ ኺህልዎ ኣይተፍቅድ። ኣስተማቕሮ፡ ግናኸ ኣብ ቦታኡ ሓልዎ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ሓሓሊፍካ ኽትዘናጋዕ የድልየካ እዩ። ካብ ምዝንጋዕ ብዝበለጸ ንኽትጥቀም ግን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ቀንዲ ጥቕሲ

“ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧”—እዮብ 12:11

ምኽሪ

ንሓደ ደርፊ ወይ ባንድ ስለምንታይ ከም እትፈትዎ ወለድኻ ኺርድኡልካ እንተ ደሊኻ፡ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ንሳቶም ዚፈትውዎ ዓይነት ሙዚቃ ኽትፈትዎ ጽዓር።

ትፈልጥዶ፧

ነቲ እትፈትዎ ዓይነት ሙዚቃ ወለድኻ ኺሰምዕዎ ዘይትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ናይ ሙዚቃ ምርጫኻ ገለ ሽግር ከም ዘሎ ዚሕብር ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መደባተይ

ከምዚ ዚስዕብ እንተ ገይረ፡ ንዝሰምዖ ሙዚቃ ኽቈጻጸሮ እኽእል፦ ․․․․․

መዛኖይ ዘይቅቡል ዓይነት ሙዚቃ ኽሰምዕ ጸቕጢ እንተ ገይሮምለይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክብል እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● እትመርጾ ሙዚቃ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

● ሓደ ደርፊ ቕቡል ወይ ዘይቅቡል ምዃኑ ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

● እተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ ንምስትምቓር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 259 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሓድሓደ ግዜ ዘይኰነኒ ዓይነት ሙዚቃ ኽሰምዕ እጅምር። ብኡንብኡ እየ ዘጥፍኦ። ከምኡ እንተ ዘይገይረ፡ ንኽሰምዖ መመኽነይታታት ክድርድር እጅምር።’’—ካመሮን

[ኣብ ገጽ 258 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

እተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ ምስትምቓር ተምሃር

ካብቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበርካሉ እዋን፡ ሕጂ ብዝያዳ እተፈላለየ ዓይነት ምግቢ ተስተማቕርዶ፧ ከምኡ ኽትገብር ዝኸኣልካ፡ ሓድሽ መቐረት ከተስተማቕር ስለ ዝኸኣልካ እዩ። ሙዚቃ እውን ምስዚ ይመሳሰል እዩ። ሓደ ዓይነት ሙዚቃ ጥራይ ኣይትስማዕ። እተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ ምስትምቓር ተምሃር።

ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እትገብረሉ መገዲ፡ ሓደ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃ ምውቃዕ ምስ እትመሃር እዩ። እዚ በዳህን ኣዕጋብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ንግዲ ዚዝውተር ሙዚቃ እተፈልየ ዓይነት ሙዚቃ ንኽትለምድ ኬኽእለካ እዩ። ሙዚቃ ንኽትመሃር ዚኸውን ግዜ ግን ካበይ ክትረክብ ትኽእል፧ ካብቲ ቲቪ ኣብ ምርኣይ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኣብ ምጽዋት እተሕልፎ ዝነበርካ ግዜ ኽትዕድግ ትኽእል ኢኻ። እዞም ቀጺሎም ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ከም ዝበሉ ኣስተብህል።

“መሳርሒ ሙዚቃ ምውቃዕ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰካ፡ ስምዒታትካ እትገልጸሉ ጽቡቕ መገዲ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሽ ደርፊ ኽደርፍ ምፍታነይ፡ ብዙሕ ዓይነት ሙዚቃ ንኽፈቱ ምሂሩኒ እዩ።”—ብራያን፡ 18፡ ጊታርን ድራምን ፕያኖን ይጻወት

“ሓደ መሳርሒ ሙዚቃ ጽቡቕ ጌርካ ምውቃዕ ክትመሃር እንተ ደሊኻ፡ ክትለማመድ ኣሎካ። ልምምድ ከኣ ኬፍ የብሉን። ሙዚቃ ምውቃዕ ምስ ከኣልካ ግን ጽቡቕ ስምዒት ይስምዓካ።”—ጄድ፡ 13፡ ቪዮላ ትጻወት

“ሕማቕ መዓልቲ ኽውዕል ከለኹ ወይ ክድቈስ ከለኹ፡ ጊታር ምውቃዐይ ብሓቂ የዛንየኒ እዩ። ባህ ዜብልን ዜጸናንዕን ሙዚቃ ኽትፈጥር ምኽኣልካ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓካ።”—ቨነሳ፡ 20፡ ጊታርን ፕያኖን ክላሪነትን ትጻወት

“‘ማዕረ እዚ ወይ ማዕረ እቲ እኳ ኣይከውንን እየ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። እንተዀነ ግን፡ ልምምድ ካብ ምግባር ኣየቋረጽንኩን፡ ሕጂ ጽቡቕ ገይረ ሙዚቃ ኽወቅዕ ከለኹ ብሓቂ ዕግበት እዩ ዚስምዓኒ። ካልኦት ሙዚቀኛታት ንዘለዎም ክእለት እውን ዝያዳ ኣድንቖት ኣሎኒ።”—ጃኮብ፡ 20፡ ጊታር ይጻወት

[ኣብ ገጽ 255 ዘሎ ስእሊ]

ሙዚቃ ኸም ምግቢ እዩ። ጽቡቕ ዓይነትን ግቡእ መጠንን እንተ ዀይኑ ይጠቕመካ እዩ። ሕማቕ ዓይነት እንተ ዀይኑ ግን፡ ብዝዀነ ይኹን መጠን ይጐድኣካ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ