ንቕሑ!
ብጽልኢ ተለዓዒልካ ዚፍጸም ገበን ኬብቅዕ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
እቲ ዜሕዝን፡ ብጽልኢ ተለዓዒልካ ዚፍጸም ገበን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ሰባት ብዓሌቶም፡ ብሃይማኖቶም፡ ብቐቢላኦም፡ ብጾታኦም፡ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ጥራይ ኣደዳ መጥቃዕቲ ይዀኑ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብ ማሕበረ ሰብ ፍርሂ የሕድር እዩ። ንብዙሓት ሰባት ኣካላውን ስምዒታውን በሰላ ሓዲጉሎም እዩ፡ አረ ንገሊኦምሲ ህይወቶም እውን ኣስኢንዎም እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ “ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡” ከምኡ እውን “ፍቕሪ . . . ዘይብሎም” ከም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እሞ ደኣ፡ ብጽልኢ ተለዓዒልካ ዚፍጸም ገበን ኬብቅዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ብጽልኢ ተለዓዒልካ ዚፍጸም ገበን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧
ኣምላኽ ንጭካነ ደው ኬብሎ ከም ዚኽእልን ደው ከም ዜብሎን መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ።
“እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:9-11) ዓመጸኛታት ሰባት ንኻልኦት እናጐድኡ ኺነብሩ ኣምላኽ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ።
“[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሰባት ዚወርድ ዘሎ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ።
“ትንሳኤ ኪኸውን” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣምላኽ ንሚልዮናት ሰባት እንተላይ ነቶም ብሰንኪ ብጽልኢ ተለዓዒልካ ዚፍጸም ገበን ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ ካብ ሞት ኬተንስኦም እዩ።
ንጽልኢ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ጥራይ ኣይኰነን ዚህበና፣ ነቲ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ጽልኢ ኸነሰንፎ እውን ይሕግዘና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ ኽትምርምር ንዕድመካ፦
ሎሚ ነቲ ናብ ዓመጻ ዚመርሕ ጽልኢ ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር፡ ኣብታ “ንዓንኬል ጽልኢ ምስባሩ” ዘርእስታ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣንብብ።
ኣምላኽ እዚ ዅሉ መከራ ኪቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ካብታ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንጹር መግለጺ ርኸብ።