ካብ የሱስ ተምሃር
ንኣምላኽ ዚኸውን ግዜ መድብ
ንኣምላኽ ዚኸውን ግዜ እንተ መዲብካ ህይወትካ ኺመሓየሽ እዩ። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ መንፈሳዊ ህርፋንካ ኸተርዊ ኸም እትደሊ ኢኻ እተርኢ ዘለኻ። የሱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝበለ ርአ።
የሱስ እንታይ ኢሉ፧
“መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3።
ኵላትና መልሲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና፦ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ሓጐስና ኣብ መልሲ እዚ ሕቶታት እተመርኰሰ እዩ።
“ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋa ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን።”—ማቴዎስ 4:4።
ከምቲ ስጋዊ ምግቢ ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ እውን የድልየና እዩ። መንፈሳዊ ህርፋንና ኸነርዊ እንተ ደሊና፡ ኣዘውቲርና ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና የሱስ ብንጹር ሓቢሩ ኣሎ።
“ቃልካ ሓቂ እዩ።”—ዮሃንስ 17:17።
ኣምላኽ መንፈሳዊ ህርፋንና ንምርዋይ ዚጥቀመሉ ቐንዲ መገዲ፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ምዃኑ፡ የሱስ ምሂሩ እዩ።
ንኣምላኽ ዚኸውን ግዜ ብምምዳብን መንፈሳዊ ህርፋንካ ብምርዋይን፡ ነባሪ ሓጐስ ክትረክብ ነተባብዓካ። ከምዚ ንምግባር ዚሕግዘካ መሰናድዎ እንሀ፦
ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ።
ብሓገዝ መምህር ዚግበር ናጻ ኣሳታፊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕተት።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።