ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 127
  • ቃየል ካበይ እዩ ሰበይቲ ረኺቡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃየል ካበይ እዩ ሰበይቲ ረኺቡ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ ረኺብዋ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ምቕራብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 127
ቃየልን ሰበይቱን

ቃየል ካበይ እዩ ሰበይቲ ረኺቡ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ በዅሪ ወዲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀነ ቃየል ንሓንቲ ኻብ ኣሓቱ ወይ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመዱ እዩ ተመርዕዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየልን ቤተ ሰቡን ዚብሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ቃየልን ቤተ ሰቡን እንፈልጦ ጭቡጥ ሓቅታት

  • ኵሎም ደቂ ሰብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን እዮም። ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ [ኣዳም] ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ሄዋን ሰበይቲ ኣዳም ከኣ “ኣደ ዅሉ ህያው” እያ። (ዘፍጥረት 3:20) ስለዚ፡ ቃየል ሓንቲ ኻብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ተመርዕዩ ኪኸውን ኣለዎ።

  • ሄዋን ድሕሪ ቃየልን ኣቤልን ብዙሓት ውሉዳት ወሊዳ እያ። (ዘፍጥረት 4:1, 2) ቃየል ንሓዉ ብምቕታሉ ምስ ተሰጕጐ፡ “ዚረኽበኒ ዘበለ እውን ብርግጽ ኪቐትለኒ እዩ” ኢሉ ጠሪዑ እዩ። (ዘፍጥረት 4:14) ቃየል ንመን እዩ ፈሪሁ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳም “ኣወዳትን ኣዋልድን . . . ወለደ” ይብል። (ዘፍጥረት 5:4) ስለዚ እምበኣር፡ ካልኦት ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ንቃየል ስግኣት ኰይኖምዎ ነይሮም ማለት እዩ።

  • ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ቤተ ሰብካ ምምርዓው ዘይልሙድ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ኣብርሃም፡ ጓል ኣቦኡ ተመርዕዩ እዩ። (ዘፍጥረት 20:12) እቲ ንኸምዚ ዓይነት መርዓ ዚኽልክል ናይ ፈለማ ሕጊ ኻብ ግዜ ቃየል ዘመናት ጸኒሑ ኣብ ሕጊ ሙሴ እዩ ተሓጊጉ። (ዘሌዋውያን 18:9, 12, 13) ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ቀረባ ኣዝማድ ዚውለዱ ቘልዑ፡ ከምዚ ሕጂ ዚርአ ዓይነት ካብ ዚውለዱ ኣትሒዙ ዜጋጥም ኣበራት ብብዝሒ ዘየጋጥሞም ዝነበረ እዩ ዚመስል።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንዛንታ ኣዳምን ሄዋንን ስድራ ቤቶምን ከም ልክዕ ታሪኽ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ክሳዕ ኣዳም ዚበጽሕ ሓረግ ወለዶ ኣብቲ ሙሴ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘፍጥረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽሑፋት እቶም እዝራን ሉቃስን ዚብሃሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ እውን ይርከብ እዩ። (ዘፍጥረት 5:3-5፣ 1 ዜና መዋእል 1:1-4፣ ሉቃስ 3:38) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዛንታ ቃየል ከም ታሪኻዊ ፍጻመ እዮም ዚጠቕስዎ።—እብራውያን 11:4፣ 1 ዮሃንስ 3:12፣ ይሁዳ 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ