ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 128
  • ቦታ ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቦታ ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሞት
    ንቕሑ!—2014
  • ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ኢያ እትኸውን፧
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 128
ሓደ ሰኣላይ ካብ ሓሳቡ ተበጊሱ ዝሰኣሎ ቦታ ንስሓ

ቦታ ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይፋልን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቦታ ንስሓ” ዚብል ቃላት ኣይርከብን እዩ፣ ነፍሲ ምዉታት ኣብ ቦታ ንስሓ ኸም ዚነጽህ እውን ኣይምህርን እዩ።a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትን ሞትን እንታይ ከም ዚምህር፡ ምስ ሰረተ እምነት ቦታ ንስሓ ድማ ብኸመይ ከም ዚጋጮ እስከ ንርአ።

  • ንሓደ ሰብ ካብ ሓጢኣት ዜንጽሆ፡ ኣብ ደም የሱስ ዘለዎ እምነት እምበር፡ ኣብ ቦታ ንስሓ ዜሕልፎ ግዜ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደም የሱስ ወዱ [ወዲ ኣምላኽ] እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ” ይብል፡ “የሱስ ክርስቶስ . . . ካብ ሓጢኣትና ብደሙ ሓራ ዘውጽኣና” ኸም ዝዀነ ድማ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 1:7፣ ራእይ 1:5) የሱስ፡ ዋጋ ሓጢኣት ሰባት ንምኽፋል፡ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኣሕሊፉ’ እዩ።—ማቴዎስ 20:28።

  • ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።” (መክብብ 9:5) ምዉት ዋላ ሓንቲ ኪስምዖ ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ፡ ብሓዊ ቦታ ንስሓ ኺነጽህ ኣይክእልን እዩ።

  • ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኣይቅጻዕን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡” ከምኡ ድማ “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:7, 23) ሞት፡ ምሉእ መቕጻዕቲ ሓጢኣት እዩ።

ሰረተ እምነት ቦታ ንስሓ እንታይ እዩ፧

ብመሰረት ትምህርቲ ካቶሊክ፡ ቦታ ንስሓ፡ ነፍሳት ምዉታት ካብቲ ይቕረ ዘይተባህለለን ሓጢኣት ዚተዓረቓሉን ዚነጽሃሉን ኵነት ወይ ቦታ ኸም ዝዀነ እዩ ዚግለጽ።b ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች ከም ዚሕብሮ፡ “ናብ ሰማያዊ ፍስሃ ንምእታው ዜድሊ ቕድስና ምእንቲ ኽትበጽሕ” እዚ ስርዓተ ምንጻህ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ካተኪዝም ቀጺሉ፡ “ትውፊት ቤተ ክርስትያን . . . ብዛዕባ ዜንጽህ ሓዊ ይዛረብ እዩ” ይብል፣ እዚ ዜንጽህ ዚብሃል ሓዊ እዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ ብስእሊ ተገሊጹ ኣሎ። ግናኸ፡ እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኣይኰነን።

ሰረተ እምነት ቦታ ንስሓ ኻበይ ዝመጸ እዩ፧

ጥንታውያን ግሪኻውያን ኣብ ሊምቦን ቦታ ንስሓን ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ ኸኣ ብፍልስፍና ግሪኽ ተጸልዩ፡ ምዉታት ብዜንጽህ ሓዊ ኻብ ሓጢኣቶም ኪነጽሁ ኸም ዚኽእሉ ገለጸ። ብመሰረት ዘ ሂስትሪ ኦቭ ክርስትያን ዶክትሪንስ፡ ሓዊ ቦታ ንስሓ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ እምነት ከም ዝዀነ ጸቒጡ ዘጕልሐ ግና ጳጳስ ግሪጎሪ ቐዳማይ እዩ። እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ ቐጺሉ፡ እቲ ኻብ 590 ክሳዕ 604 ድ.ክ. ጳጳስ ዝነበረ ግሪጎሪ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘መሃዚ ቦታ ንስሓ’ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ” ይብል። ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ነቲ ወግዓዊ ትምህርቲ ቦታ ንስሓ ኣብ ዋዕላ ልዮንን (1274) ዋዕላ ፍሎረንስን (1439) ኣብሪሃቶ እያ፣ ኣብ ዋዕላ ትረንት (1547) ድማ ደጊማ ኣረጋጊጻቶ እያ።

a ኦርፈዩስ፡ ኤ ጀነራል ሂስትሪ ኦቭ ረሊጅንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቦታ ንስሓ፡ “ኣብ ወንጌላት ብዛዕባኡ ዚገልጽ ቃል የልቦን” ትብል። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ድማ፡ “እቲ ሰረተ እምነት ካቶሊክ ዝዀነ ቦታ ንስሓ፡ ኣብ ትውፊት ደኣ እምበር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣይኰነን” ይብል።—ካልኣይ ሕታም፡ ጥራዝ 11፡ ገጽ 825።

b ኣብ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ካልኣይ ሕታም፡ ጥራዝ 11፡ ገጽ 824 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ