ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 4 ገጽ 16-ገጽ 17 ሕ.ጽ. 2
  • ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ቅኑዕ ውላድን እኩይ ውላድን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ምቕራብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 4 ገጽ 16-ገጽ 17 ሕ.ጽ. 2
ኣቤል ንየሆዋ መስዋእቲ ኬቕርብ ከሎ፡ ቃየል ይቝጣዕ

ትምህርቲ 4

ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ምስ ወጹ፡ ብዙሓት ውሉዳት ወለዱ። እቲ ቃየል ዚብሃል ቀዳማይ ወዶም፡ ሓረስታይ ኰነ፣ እቲ ኣቤል ዚብሃል ካልኣይ ወዶም ከኣ፡ ጓሳ ዀነ።

ሓደ መዓልቲ፡ ቃየልን ኣቤልን ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። መስዋእቲ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ፍሉይ ዓይነት ህያብ እዩ። የሆዋ ብመስዋእቲ ኣቤል ተሓጐሰ፣ ብመስዋእቲ ቃየል ግና ኣይተሓጐሰን። እዚ ድማ ንቃየል ብዙሕ ኣቘጥዖ። የሆዋ ኸኣ ንቃየል፡ ብሰንኪ ቝጥዓኡ ኽፉእ ነገር ኪገብር ከም ዚኽእል ኣጠንቀቖ። ቃየል ግና ኣይሰምዐን።

ኣብ ክንዳኡስ፡ ቃየል ንኣቤል፡ ‘ንዓናይ ናብ በረኻ ንኺድ’ በሎ። ኣብ በረኻ በይኖም ምስ ኰኑ ኸኣ፡ ቃየል ንሓዉ ወቒዑ ቐተሎ። እሞ ደኣ የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ገይሩ፧ የሆዋ ንቃየል፡ ካብ ስድራ ቤቱ ብምስጓግ ቀጽዖ። ቃየል ኪምለስ ኣይተፈቕደሉን።

ቃየል ኣብ በረኻ ናብ ኣቤል ይቐርብ

ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንምሃር፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ዝሓሰብናዮ እንተ ዘይኰይኑ፡ ክንቍጣዕ ንጅምር ኢና። ቍጥዓና ኣብ ውሽጥና እናዓበየ እንተ ኸይዱ፡ ወይ ከኣ ካልኦት ነዚ ርእዮም እንተ ኣጠንቂቖምና፡ ቀልጢፍና ኣረኣእያና ኸነዐርን ንስምዒትና ኽንቈጻጸሮን ኣሎና።

ኣቤል ንየሆዋ የፍቅሮ ስለ ዝነበረን ቅኑዕ ስለ ዝገበረን፡ የሆዋ ወትሩ ይዝክሮ እዩ። ንምድሪ ገነት ኣብ ዚገብረሉ እዋን ከኣ፡ ንኣቤል ኬተንስኦ እዩ።

“ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ [ወይ ህያብካ] ኣቕርብ።”—ማቴዎስ 5:24

ሕቶታት፦ እቶም ቀዳሞት ክልተ ደቂ ኣዳምን ሄዋንን መነመን ይብሃሉ ነይሮም፧ ስለምንታይ እዩ ቃየል ንሓዉ ቐቲልዎ፧

ዘፍጥረት 4:1-12፣ እብራውያን 11:4፣ 1 ዮሃንስ 3:11, 12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ