ካብ የሱስ ተምሃር
ኣብ ዓለም ሰላም ኪሰፍን እዩ
ኵሉ ሰብ ሰላም ኣብ ዝዓሰላ ዓለም ኪነብር ይህንጠ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ መራሕቲ ዓለም ሰላም ኬስፍኑ ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ግዝያዊ ፍታሕ የምጽኡ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ግጭት መሊሱ ይደግስ እዩ። ኣብ ዓለም ሰላም ኪሰፍን ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ካብ የሱስ እንታይ ከም ንምሃር ንርአ።
የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ሰላም ኣብ ዓለም ንምስፋን እንታይ ከም ዚገብር ይነግረና።
“[የሱስ] መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ። . . . ንዕቤት ግዝኣቱን ንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።” (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዓለምለኻዊ ሰላም ኬስፍን እዩ።
“ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ።” (መዝሙር 72:12-14) የሱስ ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ናይ ሓቂ ፍትሒ ብምስፋን ንዅሉ ውግኣትን ዓመጻን መከራን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።
“ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:4) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ውግእ ሰላም ኪምሃሩ እዮም።
የሱስ ብኸመይ ኣብ መጻኢ ሰላም ከም ዜስፍንን እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ንምፍላጥን፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ርአ።
የሱስ እንታይ ምሂሩ፧
ሎሚ እውን፡ ትምህርትታት የሱስ ንሚልዮናት ሰባት ብሰላም ኪነብሩ ይሕግዝ ኣሎ። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሰላም ክንስዕብ ዚሕግዝና ስርዓታት ምሂሩ ነይሩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
“ገበርቲ ሰላም፡ . . . ሕጉሳት እዮም።” (ማቴዎስ 5:9) የሱስ ንሰዓብቱ ግጭት ኬወግዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገበርቲ ሰላም ኪዀኑ እውን እዩ ኣተባቢዕዎም።
“ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” (ማቴዎስ 5:23, 24) የሱስ፡ ሰዓብቱ ንዘይምርድዳእ ቀልጢፎም ኬደቅሱ ተላብይዎም። ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ገበርቲ ሰላም ምዃን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ከም ዚጸልዎ ምሂሩ እዩ።
“ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ።” (ማቴዎስ 7:1) የሱስ ብጭካነ ወይ ብግብዝና ምፍራድ ናብ ግጭት ኪመርሕ ከም ዚኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ። የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ክንዲ ጌጋታት ዜናድዩ፡ በደል ብጾቶም ‘ኪሓድጉ’ እዩ ምሂርዎም።—ሉቃስ 6:37።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንትምህርትታት የሱስ ይትግብርዎ ኣለዉ። ዋላ እውን ኣብቲ ዓመጻን ምክፍፋልን ዘለዎ ቦታ ዚነብሩ ሰባት፡ ንግጭት ብዘይ ቍጥዓን ይቕረ ብምባልን ኪፈትሑ ይምሃሩ ኣለዉ፣ ነቶም ብዘይ ለውሃት ዚሕዝዎም እውን ከይተረፈ ፍቕሪ የርእይዎም ኣለዉ።
ትምህርትታት የሱስ ንገሊኦም ሰላም ኪረኽቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እናሃለወ ኽነሱ ሰላም ምርካብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።