ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ንስብእናይ ኰሊዕዎ
ኣብ ክፍሊ ጥረዛ እቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት-ኤል ስራሕ ዝጀመርኩላ መዓልቲ ኸቶ ኣይርስዓን እየ። ናብቲ ፋብሪካ ምስ ኣቶኹ፡ እቲ ቐጻሊ ምንቅስቓስ እተን ማሽናት ዚፈጥሮ ብርቱዕ ደሃይ እዩ ንኣቓልቦይ ወሲድዎ። እቲ ኣየር እውን ብብናን ወረቐት መሊኡ፡ ብርቱዕ ሽታ ዘይቲ እውን ሃገግ ይብል ነይሩ።
ካብቲ ንኣቓልቦይ ዝሰሓቦ ሓያሎ ነገራት ግና፡ እቶም ኣብኡ ዚዓይዩ ሰባት እዮም ልዕሊ ዅሉ መሲጦምኒ። ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዜሰልኪ ጌርካ ኺርአ ዚከኣል ዕዮ እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ብቐጻሊ ናእዳን ኣትኵሮን ይረኽቡ እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ብዕዮኦም ሕጉሳትን ዕጉባትን እዮም ነይሮም። ካብ ኣብነቶም ከኣ፡ ንኣምላኽ ብትሕትና ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ተማሂረ።
ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ የሆዋ ይዅልዓኒ እዩ ነይሩ፣ ዝሓሽኩ ኣገልጋሊኡ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ብዙሕ እዩ ኣሰልጢኑኒ። ፈለማ ግና፡ ካብቲ ሰዓቢ እምነት ቡድህና ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ ሓቂ ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኸዘንትወልኩም።
ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ንኣምላኽ ደለኽዎ
ኣብ ቺካጎ፡ ኢልዮንስ፡ ሕ.መ.ኣ. እየ ተወሊደ ዓብየ። ካብቶም ኣብ ስድራ ቤትና ዝነበሩ ኣርባዕተ ውሉዳት ከኣ፡ ኣነ በዅሪ እየ። ወለደይ ኣብ ኣመሪካ ዝሓሸ ናብራ ኺህልዎም ኢሎም ካብ ጃፓን ናብ ቺካጎ ዝፈለሱ እዮም ነይሮም። ደቆም ብሉጽ ትምህርትን ዕዉት ናብራን ኪህልዎም ድማ ይደልዩ ነበሩ።
ወለደይ ውፉያት ሰዓብቲ ቡድህና እዮም ነይሮም። ኣደይ ናይ ቡድህና ቤተ መቕደስ ኣብ ዘለዎ ቤት እያ ዓብያ። ኣቦኣን ክልተ ኣሕዋታን ከኣ ፈለስቲ ቡድህና ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ስለዚ፡ ቡድህና ኣብ ቍልዕነተይ ዓብዪ ግደ እዩ ነይርዎ። ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ፡ መጀመርታ ዝገብሮ ነገር ንጣኦት ቡድህና ዕጣን ምዕጣን፡ ሩዝን ማይን ከኣ ምስዋእ እዩ ነይሩ። ሰንበት ሰንበት ድማ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ቡድህና ንኸይድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ብወርቂ እተለበጠ ተመሳሳሊ ዝትርኢቱ ገዚፍ ጣኦት ብዜማ ንጽሊ ነበረና።
ወዲ ሸውዓተ ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ናብቲ ኣብ ገዛና ዚርከብ ጣኦት እናጠመትኩ፡ ‘ምስ ሞትኩ፡ ህይወተይ ከመይ ኪኸውን እዩ፧’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። ኣብ እምነት ቡድህና፡ ድሕሪ ሞት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዝነብር እየ ተማሂረ ነይረ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ህይወተይ ከም ዜብቅዕ ተገንዘብኩ። መንፈስ ኰይነ እነብር እኸውን፣ ሰብ ኰይነ ግና ንህይወት ኣይከስተማቕራን እየ። እዚ ኣመና እዩ ኣጕህዩኒ! ብሃንደበት እውን ዝገብሮ ሓርቢቱኒ።
ኣብ መፋርቕ ዓሰርተታት ዕድመይ፡ እቲ ኣብ እምነት ቡድህና ዝሳተፎ ዝነበርኩ ጽምብላት ትርጉም ኣልቦ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ ህይወተይ ዚጐድለኒ ነገር ከም ዘሎ ተፈለጠኒ። (ማቴ. 5:3) ኵሉ ዚኽእል ህያው ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣብ ውሽጠይ ተሰምዓኒ። ንዕኡ እውን ክፈልጦ ደለኹ። ምናልባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽረክብ ከም ዝኽእል ሓሰብኩ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ቡድህና በዓል፡ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዝትርጉሙ ዘገልገለ መጽሓፍ ቅዱስ ዓደግኩ።
ምስቲ ሓቂ ዝመሃረኒ ዊልሰን ባሹ
ወዲ 17 ምስ ኰንኩ፡ ከልበይ ሒዘ ብእግረይ እናተዛወርኩ ኸለኹ፡ ዊልሰን ባሹ ዝስሙ ሓው ናባይ ቀሪቡ ኣዛረበኒ። “ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኢሉ ኸም ዘተስፈወ ትፈልጦዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ናብ ዓሚቝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ መርሓትና። ዊልሰን ከኣ ራእይ 17:1 ድሕሪ ምንባብ፡ “እታ ኣመንዝራ እተቐመጠትሉ ‘ብዙሕ ማያት’ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ግና ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ስለዚ፡ ንሱ ፍቕዲ 15 ኣርኣየኒ፣ ኣብኣ ድማ እቲ ማያት ንህዝብታት ከም ዜመልክት ተሓቢሩ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኸር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብ በቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓበሬታ ገይሮም ከም ዚርድእዎ ምፍላጠይ መሰጠኒ። ዊልሰን ከኣ ቅድሚ ምፍልላይና፡ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበኒ። እታ ንእሽቶ ሰማያዊት መጽሓፍ ድማ ንህይወተይ ቀየረቶ።
ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ተኣከብኩ። ነቲ ሽዑ እተገብረለይ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይርስዖን እየ። ካብ ሽዑ ንደሓር ካብ ኣኼባታት ኣየብኰርኩን። ድሕርዚ፡ ዊልሰን ንዓይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመረ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኽቦ ትምህርቲ ኣጸቢቐ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ ሸሞንተ ሰዓት ዝንውሓቱ መጽናዕቲ ንገብር ነበረና። እዚ ነገር እዚ ንወለደይ ኣሰምበዶም፣ ንመጽናዕተይ ድማ ኣበርቲዖም ተቓወምዎ። ኣነ ግና መጽናዕተይ ብዝቐጸልኩ መጠን፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ብዝያዳ ኣመንኩ። ብ1983 ድማ ተጠመቕኩ።
ፈላሚ ክኸውን ኢለ ኻብ ዩኒቨርሲቲ ወጻእኩ
ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓውዲ ሕክምና እምሃር ነበርኩ። ኣነ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምእንቲ ኽምሃር፡ ወለደይ ብዙሕ መስዋእቲ እዮም ከፊሎም ነይሮም። ናይ ዩኒቨርሲቲ መጽናዕተይ ክቕጽሎ እኽእል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንየሆዋ ብሉጸይ ክህቦ፡ ብምሉእ ግዜይ እውን ከገልግሎ ደለኹ።
ሽዑ ኣቦይ፡ “ዩኒቨርሲቲ እንተ ኣቋሪጽካ፡ ካብ ገዛይ ክሰጕጐካ እየ!” ኢሉ ኣጠንቀቐኒ። በዚ ጐሃኹ፡ ዝገብሮ እውን ጠፍኣኒ። ንወለደይ እፈትዎም ስለ ዝነበርኩ፡ ከጕህዮም ኣየደለኹን። ስለዚ፡ ብዙሕ ሳዕ ለይቲ ኻብ ክፍለይ ናብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ እወጽእ እሞ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብዚ ውሳነ እዚ በጃኻ ሓግዘኒ” ኢለ እጽሊ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርተይ ከቋርጽ ምስ ወሰንኩ፡ ኣቦይ ካብ ገዛ ሰጐጐኒ። ሽዑ፡ ናብ ዊልሰን ደዊለ፡ እቲ እተፈጥረ ነገር ነገርክዎ። ንሱ ድማ ምስኡ ኽነብር ዓደመኒ። ንዅሉ እቲ ዘሎኒ ንብረት ኣብ ሓንቲ ቦርሳ ጠርኒፈ ብኣውቶቡስ ገይረ ናብ ኣፓርታማኡ ኸድኩ። ሽዑ፡ ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ህድኣት ኪስምዓኒ ትዝ ይብለኒ። ቅኑዕ ውሳነ ኸም ዝገበርኩ፡ ተፈሊጡኒ ነይሩ እዩ።
ካብ ጋብያኣ እተፈትሐት ዑፍ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ መወዳእታ፡ ገዛእ ርእሰይ ንኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክውፊ ዜኽእለኒ ናጽነት ረኸብኩ። ብ1984 ድማ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ።
ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ዓመታት፡ የሆዋ ኸም ሓቦ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ባህርያት ምሂሩኒ እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ኣገልግሎት ንምብኳር ዚድርኽ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጠመኒ። ድሕሪ ቐትሪ መገላግልቲ ስለ ዘይረኸብኩ፡ በዚ ኣይተሓጐስኩን ነይረ። ዝዀነ ዀይኑ ግና ናብ ኣገልግሎት ከድኩ። ዳርጋ ኽልተ ሰዓት ኣቢለ ምስ ኣገልገልኩ፡ ኣብ ሓደ ኣፓርታማታት ዘለዎ ህንጻ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ክገብር ሓሰብኩ። ድኻም ነይሩኒ፡ በይነይ እውን እየ ነይረ፣ ማይ እውን ኪወቅዕ ኢሉ ነይሩ። ‘ከቋርጽዶ፧’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። ናብ ካልኣይ ደርቢ ኽድይብ ከለኹ፡ ሓደ ፊሊፒንሳዊ መንእሰይ ኣብ መንጽረይ ጸንሓኒ። ‘እዚ እኳ ተገዳስነት የብሉን’ ኢለ ሓሰብኩ። ግናኸ፡ ኣመና እየ ተጋግየ! ምስቲ ሰብ እቲ መጽናዕቲ ጀመርኩ፣ ደሓር ድማ መንፈሳዊ ሓወይ ኰነ።
ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ስብእናይ ተዀልዐ
ምስ ዊልሰን ክልተ ዓመት ምስ ተቐመጥኩ፡ ብ1985 ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል ክኣቱ ጻውዒት ቀረበለይ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ኣብ ክፍሊ ጥረዛ ኸገልግል ተመደብኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ገበር ኣርእስትታት ኣብ እትሓትም ማሽን ክዓዪ ኸለኹ፡ ብዘይፍላጥ ብኣማእታት ዚቝጸር ገበር መጻሕፍቲ ኣበላሾኹ። ኣሕዋት ድማ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ነቲ ብሓላፍነት ዚመርሕ ሓላዊ ኽሕብሮ ኸም ዘሎኒ ነገሩኒ። ኣነ ኸኣ እቲ ጌጋ ስለምንታይ ከም እተፈጥረ ምኽንያታተይ ሓበርክዎ፣ ሓንቲ ነገር ግና ጐዲላትኒ ነበረት። ሽዑ፡ እቲ ሓላዊ ብለውሃት፡ “ይቕረታ ምሕታት ወትሩ ጽቡቕ እዩ” ኢሉ ኣዘኻኸረኒ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ጌጋይ ተኣሚነ ይቕረታ ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ተምሃርኩ።
ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ክፍሊ ጥረዛ
እቲ ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ቤት-ኤላውያን እተዓዘብክዎ ነገር እውን፡ ንሰብ ምግልጋል እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ንኣረኣእያይ ኰሊዕዎ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ምስቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓውና ሚልተን ሄንሸል ኣብ ዙርያ ሓደ ጠረጴዛ ኾፍ ኢለ ነበርኩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ናብቲ መመገቢ ስለ ዝመጹ፡ እቶም ኣሳሰይቲ ተብተብ እናበሉ ምግቢ ይዕድሉ ነበሩ። ሽዑ፡ እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ጠረጴዛ ዝነበርና መንእሰያት ኣሕዋት፡ ደንጕዮምና ኢልና ኸነዕረምርም ጀመርና። ሓውና ሄንሸል ግና ብድድ ኢሉ ነቶም ኣሳሰይቲ ሓገዞም፣ ማይን ባንን ብሮን እውን ኪዕድል ጀመረ። እቲ ብትሕትና ዝገበሮ ተግባር ንሓዋሩ እዩ ኣብ ተዘክሮይ ተቐሪጹ። ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝገበረሎም እዩ ኣዘኻኺሩኒ።—ዮሃ. 13:3-5።
“ጃፓንኛ ኽትምሃር ኣሎካ!”
ምስ ሚቺኮ ኦዳን ብዓል ቤታን
ብ1987፡ ናብ ጃፓን ገሽኩ፣ ብቕንኣትን ብትሕትናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ እውን ተመሰጥኩ። ኣነ እውን ብዓቕመይ ክሕግዝ እኳ እንተ ደለኹ፡ ጃፓንኛ እፈልጥ ስለ ዘይነበርኩ ግና ክሕግዝ ኣይከኣልኩን። ኣብ ቤት-ኤል እተገልግል ዝነበረት ሚቺኮ ኦዳ ዝስማ ሓብቲ፡ ዓይን ዓይነይ እናጠመተት፡ “ጃፓንኛ ኽትምሃር ኣሎካ!” በለትኒ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ገይረ። እዚ ቓላታ ንህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚቕይሮ ግና ኣይፈለጥኩን ነይረ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ናብ እትርከብ ጉባኤ ጃፓንኛ ቐየርኩ። ጃፓንኛ ምፍላጠይ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘገልግለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከፈተለይ። ብ1989፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ ብጃፓንኛ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ ንፈለማ ግዜይ ተኣከብኩ። ኣብኡ ድማ ንሓንቲ ኣብ ድራማ እትዋሳእ ዝነበረት ሚዋኮ ኦናሚ ዝስማ ፈላሚት ዓይነይ ኣውደቕኩላ።
ብ1992፡ ኣነን ሚዋኮን ተመራዓውና፣ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል እውን ተፈቕደልና። ሚዋኮ ሓላዪት ስለ ዝዀነት፡ ንሰብ ንምሕጋዝ ወትሩ ድልውቲ እያ። ኣብነታ ኸኣ ኣብቲ ኣነ ንሰብ ዝሕዘሉ መገዲ ባህርያተይ ክዅልዕ ሓጊዙኒ እዩ። ብሓቂ ኻብ የሆዋ እተዋህበትኒ ውህበት እያ፣ ወትሩ ምንጪ ሓጐስን ምጽንናዕን ትዀነኒ እያ።
ኣብ መዓልቲ መርዓና
ኣብ ጨንፈር ጃፓንን ኣብ ክሊ ጃፓንን
ድሕርዚ፡ ኣብ ጃፓን ዚነብሩ ዝነበሩ ኽልቲኦም ወለዲ ሚዋኮ ኸቢድ ሕማም ሓመሙ። ስለዚ፡ ኣብ ጥቓኦም ኴንና ምእንቲ ኽንከናኸኖም፡ ናብ ጨንፈር ጃፓን ተመሓላለፍና። ብ1999 ኢና ናብኡ ዝገዓዝና።
ኣብ ጃፓን ዝነበሩ ስድራ ቤት-ኤል ጽቡቕ ገይሮም ተቐበሉና፣ ንሕና እውን ነቲ ዓዲ ለመድናዮ። ነቲ ኣብ ጃፓናውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝረኣኽዎ ኸም ልግስን ምቕባል ጋሻን ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ባህርያት ክቕድሖ ብምጽዓረይ እውን፡ እዚ ንባህርያተይ ብዝያዳ ዀሊዕዎ እዩ። ጃፓናውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ስራሕ፡ ቁም ነገረኛታትን ትኩራትን እዮም። ብጕጅለ እውን ጽቡቕ እዮም ዚዓይዩ። ብኸመይ እዮም ከምኡ ዀይኖም፧ ብመሰረት ባህሊ ጃፓን ብውልቂ ኣብ ክንዲ ምዕያይ፡ ምስ ካልኦት ብስኒት ተሓባቢርካ ምዕያይ እዩ ኣኽቢርካ ዚርአ። እዚ ሰናይ ኣብነቶም ከኣ ኣነ ምስ ካልኦት ብትሕትና ኽዓዪ፡ ነቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘበርክቶ ንእሽቶ ግደ እውን ኣኽቢረ ኽርኢ ኣተባቢዑኒ እዩ።
ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ባህሊ ፍልልይ፡ ንገሊኡ ኣሰራርሓታት ክርድኦ ዘይከኣልኩሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ዓቕሊ ኽገብርን ስምዒተይ ክቈጻጸርን ነይሩኒ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣረኣእያይ ተዀልዐ፣ ነቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኽሳዕ ዝሓሎና፡ ንሱ ንዝዀነ ይኹን ውሳነ ኸም ዚባርኾ ተገንዘብኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብ የሆዋ እዩ ኣሳልጦ ዚርከብ።
ብዙሕ ግዜ፡ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ስብእናይ እተዀልዓሉ መስርሕ፡ ምስቲ ሙሴ እተዀልዓሉ መገዲ አነጻጽሮ እየ። ኣብቲ ሙሴ ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፎ 40 ዓመት፡ ዓቃልን ትሑትን ምእንቲ ኪኸውን ብየሆዋ ስልጠና ተዋሂብዎ እዩ። ኣነ እውን ከም ሙሴ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ተማሂረ ነይረ እየ። ብሰሪ እቲ ትምህርቲ እቲ ኸኣ ብርእሰይ እሕበንን ኣብ ርእሰይ እውከልን ነይረ እየ። ኣብ ቤት-ኤል ግና ትሑት ክኸውንን ኣብ የሆዋ ኽውከልን እየ ተማሂረ። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ብትዕግስቲ እናዀልዐ ዘሰልጠኖ፡ ንዓይ እውን ንሓያሎ ዓመታት ኣሰልጢኑኒ እዩ።
ኣብ ጨንፈር ጃፓን እናዓየኹ
ንወለዲ ሚዋኮ ኽሳዕ ዕለተ ሞቶም ንኣስታት 24 ዓመት ተኸናኺንናዮም ኢና። ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ብዙሕ ሳዕ ተሌፎን ክንድውል፡ ብዙሕ ጭንቀት ክንሰግር፡ ብተደጋጋሚ እውን ናብ ሆስፒታል ክንመላለስ ነይሩና። ማሳኮ፡ ማለት ኣደ ሚዋኮ፡ ጥዕናኣ ኣመና ስለ ዘንቈልቈለ፡ ብእግራ ኽትከይድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ ነይራ እያ። ናብ ኣኼባታት ጉባኤን ናብ ኣገልግሎትን ምኻድ እውን ከቢድዋ ነይሩ እዩ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት፡ ብሽክለታ ስንኩላን ክትጥቀም ተገዲዳ እያ። ኣብዚ ዅሉ ግና ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ ኣይሃሰሰን። ብዛዕባ ሓቂ ኽትዛረብ ከላ፡ ገጻ ብሓጐስ ይበርህ ነበረ። ማሳኮ በቲ ንኣምላኽ ብምግልጋል፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት እውን ዕግበትን ሓጐስን ብምርካብ ዝሓደገቶ ኣብነት ኣቢላ፡ ንዓይ ኣርኣያ ዀይናትኒ እያ።
ኣብ ኦኪናዋ፡ ምስ ሚዋኮ
ብ2024፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ለውጢ ኣጋጠመና። ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኸነገልግል ተመደብና። ሕጂ ኣብ ደሴት ኦኪናዋ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኣለና። ኣብታ ደሴት ከኣ ኣብ ጥቓና ኣብ ዚርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንዚነብሩ ስድራ ቤታት ንምስክረሎም ኣለና። እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ስልጠና፡ ነዚ ሓድሽ ምድብና ኸይተሸገርና ኽንለምዶ ኣኽኢሉና እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና ብምትኳርን ብትግሃት ብምዕያይን ከኣ፡ ጽቡቕ መደብ ንምስዓብ፡ ንግዜና እውን ብዝበለጸ ንምጥቃም ዚከኣለና ንገብር ኣለና። የሆዋ ድማ ከም ቤተ ሰብና ጌርና እንርእዮም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃብ ባሪኹና ኣሎ። ፍቕሪ ሰባት ዘለዎ ኣገዳስነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንርእዮ ኣለና። ጽቡቕ ምድብ ስለ እተዋህበና፡ ኣነን ሚዋኮን መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ነመስግኖ ኣለና።
ብሕጂ እውን የሆዋ ንስብእናይ ኪዅልዖ እደሊ እየ
ሕጂ ስድራይ ዘይጻረሩኒ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ግና ኣይተጸምበሩንን። ይኹን እምበር፡ ንስድራ ቤቱ ሓዲጉ ወደ መዝሙር ዚኸውን ዘበለ፡ ብመንፈሳዊ ስድራ ቤቱ ኣቢሉ ሕጂ 100 ዕጽፊ ኸም ዚረክብ የሱስ ቃል ኣትዩልና እዩ። (ማር. 10:29, 30) ነዚ ኣብ ህይወተይ ርእየዮ እየ። ንዅሎም እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኸም ኣባል ስድራ ቤቶም ገይሮም ዚፈትዉንን ዚሓልዩለይን ሰባት ጸብጺበ ኽውድኦም ኣይክእልን እየ።
እታ ዊልሰን ዘበርከተለይ መጽሓፍ ሐቂ ኽሳዕ ሕጂ ምሳይ ኣላ። ነታ ሰማያዊት መጽሓፍ እቲኣ ኽርእያ ኸለኹ፡ የሆዋ ኺርከበለይ ፍቓደኛ ምዃኑ እያ እተዘኻኽረኒ። (1 ዜና 28:9) ስለዚ፡ ንሱ ወትሩ ንስብእናይ ኪዅልዖ እደሊ እየ፣ ኣነ እውን ንሰባት፡ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ሓቂ ንምምሃር ቈሪጸ እየ ዘለኹ።