ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሓምለ ገጽ 20-25
  • ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ሓግዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ሓግዝ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተምሃራይካ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺፈልጦ ሓግዞ
  • ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ምሃሮ
  • ፍልጠቱ ኣብ መዓላ ኼውዕል ሓግዞ
  • እቶም ንየሆዋ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሓምለ ገጽ 20-25

28 መስከረም–4 ጥቅምቲ 2026

መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ሓግዝ

“በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻ . . . ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃ. 17:3።

ኣትኵሮ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ፡ ማለት ባህርያቱን ዜሐጕሶ ነገራትን ዜጕህዮ ነገራትን ምእንቲ ኺፈልጡ ብኸመይ ከም እትሕግዞም።

1. ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ምስ ረኣኻ፡ ከመይ ይስምዓካ፧

ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምስ ተኣከበ፡ ሓሳብ ኪህብ ምስ ጀመረ፡ ብዛዕባ እምነቱ ንሰባት ኪነግር ምስ ጀመረ፡ ጸኒሑ ድማ ርእሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ወፈየ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ኣዚኻ ኸም እትሕጐስ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ! ልክዕ እዩ፡ በቲ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት፡ የሆዋ እዩ ኺምስገን ዘለዎ። ሓደ ሰብ ብሓገዝ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ዚገብር፡ ንየሆዋ ንውድሶ ኢና።—1 ቈረ. 3:5-9፣ 3 ዮሃ. 3, 4።

2. የሆዋ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም፧ (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4)

2 ኣምላኽ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።) ሰባት ንዕኡ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎ፡ ዕላማኡ እውን ኣጸቢቖም ኪፈልጡ እዩ ዚደሊ። (ኤር. 9:24) እሞ ደኣ ልክዕ ፍልጠት ምቕሳም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ “ልክዕ ፍልጠት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዜዋህልሎ ጭቡጥ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ “ኣብቲ ሰብ ምሉእ ጽልዋ ዜሕድር” ፍልጠት ከም እተመልክት ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ዚፈልጦ፡ እቲ ፍልጠት እቲ ንኣነባብራኡ ይጸልዎ እዩ። መገዲ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እውን ይኸፍተሉ እዩ።—ዮሃ. 17:3።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ሓገዝ የድልዮም እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ነዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ንዓና ሂቡና ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንመያየጥ ኢና፦ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ከመይ ጌርና ኢና ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽንምህሮም እንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ፍልጠት ኣብ መዓላ ኼውዕልዎ እንሕግዞም፧

ተምሃራይካ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺፈልጦ ሓግዞ

4. ብመሰረት ማርቆስ 12:30፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐዳምነት ክንሕዞ ዚግባእ ሸቶ እንታይ እዩ፧

4 እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኣእምሮናን ሓይልናን ከነፍቅሮ እትእዝዝ ሕጊ ምዃና የሱስ ገሊጹ እዩ። (ማርቆስ 12:30 ኣንብብ።) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምእንቲ ኼፍቅሮ፡ ፈለማ ኺፈልጦ ኣለዎ። ተምሃራይና ህይወቱ ንዓና፡ ንትምህርትታት፡ ወይ ንሓንቲ ውድብ ኪውፊ ኣይንደልዮን ኢና። የግዳስ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ኢና እንደልዮ። ስለዚ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐዳምነት ክንሕዞ ዚግባእ ሸቶ፡ ተምሃራይና ንየሆዋ ኺፈልጦን ኬፍቅሮን ምሕጋዝ እዩ።

5. ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ የሆዋ እንተ ኣልይዎ፡ እንታይ ንምግባር እዩ ዚልዓዓል፧

5 ኣብ መንጎ ፍቕርን ተኣዛዝነትን ምትሕሓዝ ኣሎ። ተምሃራይካ ንየሆዋ ምስ ፈለጦን ምስ ኣፍቀሮን፡ ኪእዘዞ ይለዓዓል እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ የሱስ፡ “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃ. 14:31) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ልዕሊ ዅሉ ብፍቕሪ የሆዋ ምስ ዚድረኽ እዩ ንየሆዋ ኺእዘዞን ናብኡ ኺለግብን ዚኽእል።—1 ዮሃ. 5:3።

6. ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ዚፈልጦ፡ እዚ ኣብ ውሳነታቱ ብኸመይ ይጠቕሞ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

6 ንየሆዋ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ነዚ ዜብርህ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ሓደ ነፋሪት ዜብርር ፓይለት፡ ሕግታት ብምጽናዕ ወይ ፈተና ብምሕላፍ ጥራይ ኣይኰነን ነፈርቲ ብኸመይ ከም ዚበርራ ዚምሃር። የግዳስ፡ ንሓያሎ ሰዓታት እናኣብረረ እዩ ዚምሃር። እናሓደረ ኸኣ፡ ነፋሪት ኣብ በበይኑ ዅነታት እንታይ ጠባይ ከም ዘለዋ፡ ውሳነታቱ እውን ነታ ነፋሪት ብኸመይ ከም ዚጸልዋ ይፈልጥ። ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብመጽናዕቲ ጥራይ ኣቢሉ ኣይኰነን ንየሆዋ ዚፈልጦ፣ የግዳስ፡ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተሰማሚዑ ኺውስን ከሎ ዚረኽቦ ፍረ ብምርኣይ እውን ንየሆዋ ይፈልጦ እዩ። ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጦ ምስ ከደ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ እውን እናረኣየ ምስ ከደ፡ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዅነታት ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእሎ ዓቕሚ ይህልዎ።

7. ዮሴፍ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ፡ ጽቡቕ ውሳነ ኺገብር ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

7 ዮሴፍ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኻብ ሰበይቲ ጶጢፋር ዝመጾ ፈተና ሓጊዝዎ እዩ። ዮሴፍ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብዛዕባ ዛንታ ኣዳምን ሄዋንን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ዛንታ ኣብርሃምን ሳራን ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 2:24፣ 20:3, 6) ካብዚ ዛንታታት እዚ ድማ፡ የሆዋ ብዛዕባ መውስቦን ጾታዊ ርክብን እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኼስተውዕል ክኢሉ እዩ። ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ዘቕረበትሉ ሕቶ፡ “ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብዚብል ምላሽ ነጸጎ። (ዘፍ. 39:7-9) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣምላኹ እንታይ ኬጕህዮ ኸም ዚኽእል ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅኑዕ ውሳነ ገበረ። ንሕና እውን ንተምሃሮና፡ ንየሆዋ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎን ባህርያቱ ኺፈልጡን እንተ ሓጊዝናዮም፡ ንዕኡ ዜሐጕሶ ውሳነታት ኪገብሩ እዮም።

ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ምሃሮ

8. ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጦ፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧

8 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንምህሮ፧ የሆዋ ንእዮብ ልዕሊ 50 ሕቶታት ብምሕታት፡ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኺፈልጥ ኣኽኢልዎ እዩ። (እዮ. 38:1–41:34) ንሕና እውን ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና። ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ ሕቶታት፡ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ በብደረጃኡ ንምምሃር ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። (“ንምምሃር ዚሕግዝና ሕቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ስለዚ፡ ተምሃራይካ ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጦ፡ በቲ ሕቶታት እቲ ጌርካ ሓግዞ።

ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ትምህርቲ 17 እትርከብ ሕቶ ኽትምልስ ከላ፡ ሓንቲ ሓብቲ ትሰምዓ።

ንምምሃር ዚሕግዘና ሕቶታት

ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንተምሃሮ ብዛዕባ የሆዋ በብደረጃኡ ዚምህር ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • “የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ እንታይ ይስምዖ፧” (ትምህርቲ 21)

  • “እቲ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እተምሃርካዮ ነገራት፡ ተግባራቶም [ማለት ኣብ ኣርማጌዶን ዚወስድዎ ስጕምቲ] ፍትሓውን ቅኑዕን ከም ዚኸውን ብኸመይ የረጋግጸልካ፧” (ትምህርቲ 33)

  • “ንስኻ ጥበበኛ ዄንካ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ኸለኻ፡ ንሱ እንታይ ይስምዖ፧ ስለምንታይ፧” (ትምህርቲ 34)

  • “የሆዋ፡ ንዕኡ ዘየፍቅር ሰብ ክንምርዖ ኸለና እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧” (ትምህርቲ 42)

  • “የሆዋ ዚገብረልና ይቕረታ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧” (ትምህርቲ 56)

  • “የሆዋ በቲ ንሓጥኣን ዚሕዘሉ መገዲ ኣቢሉ ሚዛናውን መሓርን ፈቃርን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧” (ትምህርቲ 57)

9-10. (ሀ) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጥቀሙ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ያእቆብ 5:11) (ለ) ሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ወይ ዜጕህዮ ነገር ኪገልጽ ከም ዚኽእል ዚሕብር ምሳሌ ሃብ።

9 ካብ መጀመርታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዝና፡ ንተምሃሮና ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ነተባብዖም ኢና።a እሞ ደኣ ኻብቲ ብሕታዊ ንባቦም ብዝያዳ ምእንቲ ኺጥቀሙ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ መምስ ኣንበቡ፡ የሆዋ ነቲ ኽፋል እቲ ስለምንታይ ኣብ ቃሉ ኸም ዘስፈሮን ብዛዕባ ባህርያቱ እንታይ ከም ዚገልጽን ኪሓስቡ ነተባብዓዮም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ዛንታ እዮብ ኪጠቅስ ከሎ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ያእቆብ ኣብ ባህርይ እዮብ፡ ማለት ኣብ ተጻዋርነቱ ጥራይ ኣይኰነን ኣተኲሩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ባህርያት የሆዋ፡ ማለት ኣብ ፍቕሩን ምሕረቱን እውን ኣተኲሩ እዩ።—ያእቆብ 5:11 ኣንብብ።

10 ተምሃሮና ኣብ ኵሉ እቲ ዜንብብዎ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ እንታይ ከም ዜሐጕሶ ወይ እንታይ ከም ዜጕህዮ ኼስተውዕሉ ንደልዮም ኢና። ንኣብነት፡ ተምሃራይና ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ፡ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጀምር” ዘርእስቱ ሰሌዳ ምስ ተወከሰ፡ ብዛዕባ እቲ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ እተደርበየሉ ዛንታ ኼንብብ ከም ዝወሰነ ይሕብረና ንበል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ‘የሆዋ ንዳንኤል ዘድሓኖ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ነገር እዚ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገር እንታይ ይነግረኒ፧’ ንዚብል ሕቶታት ምእንቲ ኼስተንትነሉ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። (ዳን. 6:10, 22) ብዘይካዚ ኸኣ፡ ‘እቶም ንዳንኤል ዝኸሰስዎ ሰባት ኣብ መወዳእታ እንታይ እዮም ኰይኖም፧ እዚ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገራት እንታይ ይሕብረኒ፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ይኽእል እዩ። (ዳን. 6:4, 5, 24) ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብቲ ዛንታ እቲ ተንጸባሪቑ ብዛዕባ ዘሎ ባህርያት የሆዋ ኺሓስብ ይኽእል እዩ።—ዳን. 6:26, 27።

11. ተምሃራይና ብየሆዋ ይምሃር ከም ዘሎ ኺርኣዮ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

11 ተምሃራይና ነቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚረኽቦ ጥቕሚ ኼማስውሉ ኸሎ ንሕጐስ ኢና። እዚ ጥቕሚ እዚ ግና ካብቲ ዓብዪ መምህርና የሆዋ ኸም ዝዀነ ኺርኣዮ ንደሊ ኢና። (ኢሳ. 30:20, 21) ተምሃራይና ስለቲ እተማህሮ ትምህርቲ የመስግነና፡ ስለቲ ኣመሃህራና እውን ይንእደና ይኸውን። እዚ ልባዊ መግለጺ ምስጋና ጌጋ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ውዳሰን ምስጋናን ግና ንየሆዋ ኸም ዚግብኦ ኸነዘኻኽሮ ኣሎና።

ፍልጠቱ ኣብ መዓላ ኼውዕል ሓግዞ

12-13. ሓደ ተምሃራይ ንየሆዋ ዚፈልጦ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ነገር እዚ ኣብቲ ንምርዳኡ ዜጸግም ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጓንፈሉ እዋን ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ካብ ልክዕ ፍልጠት ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ነቲ እንፈልጦ ኽንጥቀመሉ ኣሎና። እሞ ደኣ ንተምሃራይካ፡ ነቲ ፍልጠቱ ምእንቲ ኺትግብሮ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ቀዳማይ፡ ንምርዳኡ ዚኸብዶ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚፈልጦ ነገር ኪዝክር ምሃሮ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ፍርድታት ኣምላኽ ኬንብብ ከሎ፡ የሆዋ ንገሊኦም እናነሓፈ፡ ንገሊኦም ስለምንታይ ከም ዘጥፈኦም ይሓስብ ይኸውን። እሞ ደኣ ተምሃራይካ ነዚ ነገር እዚ ብትኽክል ምእንቲ ኺሓስበሉ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

13 ንተምሃራይካ፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተማህሮ ነገር ኬስተንትነሉ ኣተባብዓዮ። ንኣብነት፡ ከምዚ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ፦ የሆዋ ንህይወት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢሩ ዚርኢ፧ (2 ጴጥ. 3:9) ገና ሓጥኣን ከለና፡ ንዓና ንምድሓን ክሳዕ ክንደይ እዩ መስዋእቲ ኸፊሉ፧ (ኤፌ. 2:4, 5) የሆዋስ ንዘይግብኦም ሰባት ይቐጽዕ ድዩ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ መቕጻዕቲ ንዚግብኦ ሰብ ከይቀጽዐ ይሓድጎ ድዩ፧ (ዘጸ. 34:6, 7) ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ገሊኡ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ስለምንታይ ሓደ ውሳነ ኸም ዝወሰነ ኽንርዳእ ዜኽእለና ሓበሬታ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ሓበሬታ እዚ ግና ኣየድልየናን እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንኣምላኽና ንፈልጦ ኢና፣ ኣምላኽና ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር እውን ንኣምን ኢና።

ስእልታት፦ እታ ሓብቲ እቲኣ ነታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ እተማህረቶ ትኽልሰላ። 1. የሆዋ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ተቐሚጡ ኣሎ። 2. ኣዳምን ሄዋንን ነታ እተኸልከለት ፍረ ብዛዕባ ምብላዕ ይሓስቡ። 3. ሓደ እግሪ ንርእሲ ተመን ይጭፍልቖ። 4. ማይ ኣይሂ እናዘነመ፡ መርከብ ኖህ ኣብቲ ማይ ጸምበለል ትብል። 5. ሙሴ ንቐይሕ ባሕሪ ይመቕሎ። 6. መካበብያ ያሪኮ ኺወድቕ ከሎ፡ ቤት ረሃብ ግና ኣይትፈርስን። 7. ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ካብ መዕቘር ማይ ስሒቡ የውጽኦ። 8. የሱስ ኣብ ጕንዲ ይስቀል።

ተምሃራይካ ነቲ ኣብ ገሊኡ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበቦ ምርዳኡ ኪኸብዶ ኸሎ፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚፈልጦ ነገር ኪዝክር ምሃሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)


14. ተምሃራይካ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘሎ ሰብ እንተ ዘይተቓድዩ፡ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

14 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠት ኪጥቀመሉ ዚኽእል ካልኣይ መገዲ እስከ ንርአ። ንበል ተምሃራይካ ኣብ ኣኼባታት ይእከብ ኣሎ፣ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘሎ ሰብ ግና ኣይተቓደወን። ምናልባት እቲ ኣስፋሒ ኣጕህይዎ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ተምሃራይካ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘለዎ ኣረኣእያ ኺሓስበሉ ኣተባብዓዮ። የሆዋ ንዓታቶም ፍቕሩ ኼርእዮም ኢሉ እንታይ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ፧ (ዮሃ. 3:16) ሓድነትና ንዕኡ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ (መዝ. 133:1) ነቲ ሓድነት እቲ ንምዕቃብ ክንጽዕር ከለና፡ እንታይ ይስምዖ፧ (2 ቈረ. 13:11) ኣብ ናይ ሰብ ጕድለታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት ከነተኵር ከለና የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ከም ዚብሎ ንተምሃራይካ ኣረድኣዮ።

15-16. (ሀ) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ውሳነ ኺገብር ከሎ ብኸመይ እዩ ንየሱስ ኪመስሎ ዚኽእል፧ (ዮሃንስ 8:29) (ለ) ማሪኣን ንተምሃሪታ ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ሳልሳይ መገዲ ድማ፡ ንተምሃራይካ በቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠት ገይሩ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ንምግባር፡ ፈለማ ነቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ፡ “ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧” ዘርእስቱ ትምህርቲ 35 ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ተምሃራይካ ጸሎትን ምርምርን ድሕሪ ምግባሩ፡ ውሳነ ንምግባር ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ምናልባት ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ምዃኑ ምልላይ ይኸብዶ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብዛዕባ የሱስ ኬስተንትን ሓሳብ ሃቦ። የሱስ ብኸመይ እዩ ውሳነታት ዚገብር ነይሩ፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ‘ኵሉ ሳዕ ንኣቦይ ባህ ዜብሎ እየ ዝገብር’ ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 8:29 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ንተምሃራይካ፡ ‘ብመሰረት እዚ ዝገበርክዎ ምርምርን ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጦ ነገራትን፡ እንታይ ውሳነ እዩ ንዕኡ ዜሐጕሶ፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ኣተባብዓዮ። ንየሆዋ ዜሐጕሶ ዘበለ ውሳነ፡ ጽቡቕ ውሳነ እዩ።

16 ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ቺለ እትነብር ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበረት ከላ ዓብዪ ውሳነ ኣጋጠማ። ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ከይትእከብ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ጽቡቕ ዝደሞዙ ስራሕ ክትቅበል ብስድራ ቤታ ጸቕጢ ተገብረላ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዓ ዝነበረት ማሪኣን ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “የሆዋ ብውሳነኣ ኸመይ ከም ዚስምዖ ኽትሓስብ ምዒደያ። ኪሕጐስ ድዩ ወይስ ኪጕሂ፧ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ፈልያ ብምጥቃስ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ፡ እንታይ መልሲ ኸም ዚህባ ኸኣ ክትዕዘብ ኣተባቢዐያ። ድሕርዚ፡ ነቲ ስራሕ እቲ ሓዲጋ፡ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ዕንቅፋት ዘይከውን ስራሕ ረኺባ።” ማሪኣን ነታ ተምሃሪታ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣ ኣይነገረታን፣ የግዳስ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እትፈልጦ ኸተስተንትነሉ እያ ሓጊዛታ። ኣብዚ ተመክሮ እዚ፡ እታ ተምሃሪት ነቲ ምስ ማሪኣን ዝነበራ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ እውን ከተደልድል ከም ዝኸኣለት ርኢና ኢና። ማሪኣን ብዛዕባ ተምሃሪታ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንሕና ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብና፡ ንሱ ኸም ዚሓልየልና ተማሂራ” ትብል።

ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣካያዲ ስራሕ ንዝቐረበላ ስራሕ ብኣኽብሮት ትነጽጎ።

ተምሃራይካ ብኸመይ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ከም ዚገብር ሓግዞ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)b


እቶም ንየሆዋ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

17. ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምእካብ፡ እንታይ ኪገብሩ እውን ኢና እንደልዮም፧

17 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርትታት ይምሃሩ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኸም ኵነታት ምዉታትን እቲ በጃን መንግስቲ ኣምላኽን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምሃሩ እዮም። ብዛዕባ ኸም ስርዓት ኣኼባታትን ስርዓት ሽማግለታትን እጃም ኣመሓዳሪ ኣካልን ዝኣመሰለ ውድባዊ ኣሰራርሓታት እውን ይምሃሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ተምሃሮና ሓበሬታ ኺእክቡ ጥራይ ኣይኰንናን እንደልዮም። የግዳስ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎ ኢና እንደልዮም።

18. እቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎ ዘበሉ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

18 ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ምሕጋዝ፡ ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! እቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎን ዜምልኽዎን ዘበሉ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ይረኽቡ እዮም። (መዝ. 25:12-15) ኣብ መጻኢ፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ‘ዚፈልጥዎ’ ዘበሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (1 ዮሃ. 5:20) እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን። ንኣምላኽ ኪፈልጦን ኬፍቅሮን ዚጽዕር ዘበለ ‘ብእኡ ኸም ዚፍለጥ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (1 ቈረ. 8:3) እወ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ የስተብህለልናን ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ይርእየናን እዩ። እዚ ድማ ሓደ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈልጦ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ብሉጽ ዓስቢ እዩ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ኺፈልጦ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንምህሮ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቱ ኣብ መዓላ ኼውዕል ክንሕግዞ እንኽእል፧

መዝሙር 84 ንሓግዝ

a ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ትምህርቲ 05 ዘሎ ሸቶ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ‘ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጀምር’ ዘርእስቱ ሰሌዳ ጌርካ፡ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጀምር።”

b መግለጺ ስእሊ፦ እታ ማሪኣን ዝመሃረታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ንዝቐረበላ ስራሕ ክትኣቢ ኸላ ዜርኢ ተዋስኦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ