ቀልጢፍካ ተዓረቕ!
ክርስትያን ብጻይካ ብሰንኪ ዝፈጸሞ በደል፡ ርክብኩም ሓርፊፉዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ምእንቲ ኽትዕረቑን ዕርክነትኩም ምእንቲ ኪቕጽልን፡ ብቕኑዕ ሓሳብ ተላዒልካ ቐልጢፍካ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ።a
ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ናይ ዓጽሚ መስበርቲ ኣጋጢሙካ ንበል። ካብቲ መስበርቲ ንምሕዋይ፡ ሕክምና ኽትገብር ኣሎካ። ቅልጡፍ ሕክምና እንተ ዘይጌርካ ግና፡ ንነዊሕ እዋን ክትቕንዞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ እቲ ዓጽሚ ተመዛቢሉ ኸሎ ኺጽግን እሞ፡ ንሓዋሩ ሽግር ኪፈጥረልካ ይኽእል እዩ።
ከምቲ ናይ ዓጽሚ መስበርቲ ቕልጡፍ ሕክምና ዜድልዮ፡ ምስ ክርስትያን ብጻይና ዚፍጠር ምጕንፋጥ እውን ቅልጡፍ ፍታሕ ኪግበረሉ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕርክነትኩም ብምብልሻዉ ስቓይ ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መንጎኹም ቂም ኪፍጠር፡ ምስ ፈታዊኻ እውን ክትባተኹ ትኽእሉ ኢኹም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “ቀልጢፍካ ኣደቅሶ” ዚብል ምኽሪ ዝሃበ። (ማቴ. 5:25) እምበኣር፡ ንፈታዊኻ ቕረቦ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ብለውሃትን ብግልጽን ኣዛርቦ። እዚ ግና ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።
ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ጸገማት ምዝርራብ ስለ ዜጨንቐካ፡ ነቲ ነገር ከይፈታሕካዮ ሸለል ትብሎ ትኸውን።b ንኣብነት፡ ኤዎድያን ስንጥኬን ዚብሃላ ኣሓት ነቲ ኣብ መንጎአን እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኪፈትሓኦ ኣይከኣላን። እቲ ጸገመን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ርሑቕ ኣብ ሮሜ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እኳ ብዛዕባኡ ኺሰምዕ ክኢሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ ግና፡ ሓድነተን ንምምላስ ዚከኣለን ኪገብራ ተማሕጸነን። (ፊል. 4:2) ምሕዝነተን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፡ ትሕትናን ልዝብን ናይ ሓቂ ይቕረታን የድልየን ነይሩ እዩ።
ካልኣይ፡ እቲ ሓደ ሰብ ጌጋኡ ኺእመን ትጽበ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ መንኩም ጌጋ ኸም ዝገበረ ኸተርኢ ዘይኰነስ፡ ዕርክነትኩም ከተድሕን ኢኻ እትጽዕር ዘለኻ። ንእተሰብረ ዓጽሚ ዚሕክም ሓኪም ብዛዕባ ጠንቂ እቲ መስበርቲ ብዝርዝር ኪፈልጥ ኣይጽዕርን እዩ፣ የግዳስ፡ ንምሕዋዩ ኣብ ዚገብሮ ሕክምና እዩ ዜተኵር። ንስኻ እውን ንፈታዊኻ ኸተዛርቦ ኸለኻ፡ መንኩም ተወቃሲ ኪኸውን ከም ዚግባእ ከተርኢ ኣይትጽዓር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዕርክነትኩም ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ዘክር፣ ኣብቲ ንምጽጋኑ ኽትገብሮ ዚግባእ ነገራት እውን ኣተኵር።
እሞ ደኣ ምስ ክርስትያን ብጻይካ ምእንቲ ኽትዕረቑን ዕርክነትኩም ናብ ዝነበሮ ምእንቲ ኺምለስን፡ ስለምንታይ ሎሚ ዘይትዛረቦ፧ ‘ተቘጢዕካ ኸለኻ፡ ጸሓይ ኣይትዕረብካ።’ (ኤፌ. 4:26) ከምኡ ምስ እትገብር፡ ‘ማእሰር ሰላምና’ ንምሕላው እጃምካ ኸተበርክት ኢኻ።—ኤፌ. 4:1-3።
a ኣብ መንጎ ኽልተ ክርስትያናት ንእሽቶ ቕሬታ ኺፍጠር ከሎ፡ ነዚ ነገር እዚ ብውልቂ ኼደቅስዎ፡ ብናጻ እውን ይቕረ ኺባሃሃሉ ኣለዎም። (ማቴ. 5:23, 24) እቲ በደል ከቢድ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪሕተት ይከኣሉ እዩ። (ማቴ. 18:17) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ሓገዝ ቅድሚ ምሕታቱ፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15, 16 ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓት ኪስዕብ ኣለዎ።