21-27 መስከረም 2026
መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ
ንየሆዋ ብዝያዳ ትፈልጦዶ ኣለኻ፧
“ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ ልቢ . . . ኣገልግሎ።”—1 ዜና 28:9።
ኣትኵሮ
ንየሆዋ ምፍላጥ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ፡ ስለምንታይ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኸም ዘሎና፡ ነዚ እውን ብኸመይ ከም እንገብሮ።
1. ብዛዕባ ፍልጠትን ጥበብን ተግባራትን የሆዋ ኸነስተንትን ከለና፡ ከመይ እዩ ዚስምዓና፧
ብዛዕባ ዕምቈት ፍልጠት የሆዋ፡ ብዛዕባ ስፍሓት ጥበቡ፡ ወይ ብዛዕባ ዕቤት ተግባራቱ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ ፈጣሪና ኽንሓስብ ከለና፡ ነስተንክር ኢና። ንስኻ እውን ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣየወ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ!”—ሮሜ 11:33, 34።
2. ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኸም እንኽእል ዚሕብር እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧
2 ብዛዕባ የሆዋ ዅሉ ነገራት ክንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እንታይነቱ ግና ብእተወሰነ ደረጃ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን፡ “ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ ልቢ . . . ኣገልግሎ፣ . . . እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ” ኢሉ ተላብይዎ እዩ። (1 ዜና 28:9) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ከኣ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ‘ነቲ ናይ ሓቂ ኽንፈልጦ ዜኽእል ልቦና ኸም እተዋህበና’ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (1 ዮሃ. 5:20) የሱስ እውን፡ “ወዲ ኺገልጸሉ ዚደሊ” ዘበለ ሰብ፡ ፍልጠት የሆዋ ኺረክብ ከም ዚኽእል ገሊጹ እዩ።—ማቴ. 11:27።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ዘበሉ ዅሎም፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገራት ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ግና፡ በብግዜኡ ንየሆዋ ብዝያዳ ‘ንምፍላጥ’ እንገብሮ ጻዕሪ መወዳእታ የብሉን። (ዮሃ. 17:3፣ እ.ጽ.) እንታይ ከም ዜሐጕሶን ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ብኸመይ ከም እነደልድልን ብዝያዳ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር፦ ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ብዝያዳ እንፈልጦ፧
ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
4. ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
4 ንየሆዋ ምፍላጥ እንታይ ከም ዜጠቓልል፡ ካብቲ ንሱ ነቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ ኣይሁድ እተዛረቦ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡኒ ኸኣ ልቢ ኽህቦም እየ” ኢሉ እዩ። (ኤር. 24:7) እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ መሸም ብዛዕባ የሆዋ መሰረታዊ ሓቅታት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ ንየሆዋ ንምፍላጥ ዚገብርዎ ጻዕርታት ግና ንልቦም ዜሳትፍ፡ ማለት ንስምዒታቶምን ንውሽጣዊ ድራኸታቶምን ዜሳትፍ ኪኸውን ነይርዎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነዚ ነገር እዚ በዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣብ መንጎ ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥን ንኣምላኽ ምፍላጡን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ። ከምቲ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘንበበን ብፍቕሪ እተታሕዘን ሰብ ዓብዪ ፍልልይ ዘሎ ጌርና ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።” የሆዋ ስም ከም ዘለዎን ኣምላኽ ከም ዝዀነን ጥራይ ምፍላጥ እኹል ኣይኰነን። እንታይነቱ፡ ማለት ባህርያቱ ኽንፈልጦ ንደሊ ኢና።
5. ንየሆዋ ምፍላጥ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ኻብ ንጉስ ዮስያስ እንታይ ንምሃር፧
5 ንየሆዋ እናፈለጥናዮ ምስ ከድና፡ እንታይ ከም ዜሕጕሶ፡ እንታይ እውን ከም ዜጕህዮ ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንጉስ ዮስያስ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ኣብ 8ይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ” ይብል። (2 ዜና 34:3) ዮስያስ ግና ካብ መጽናዕቲ ንላዕሊ እውን ገይሩ እዩ። ነቲ ዝፈለጦ ይትግብሮ ነይሩ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ብዛዕባ ዮስያስ፡ “ፍትሕን ጽድቅን ይገብር” ምንባሩ፡ ንውጹዕን ንድኻን እውን ከም እተጣበቐሎም ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዝስ ንዓይ ምፍላጥ ማለት ደይኰነን፧” በለ።—ኤር. 22:15, 16።
6. ኣብ መዝሙር 9:10 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ንየሆዋ እንተ ፈሊጥናዮ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረልና፧
6 መዝሙር 9:10 ኣንብብ። ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ብዝያዳ ኢና እንኣምኖ። እዚ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ማእሰርቱ፡ ማለት ቀቅድሚ ሞቱ፡ “ኣይሓፍርን እየ። ከመይሲ፡ ነቲ ዝኣምኖ እፈልጦ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 1:12) እቲ ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ ዝፈለጦን እተመከሮን ነገር፡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪኣምኖ ኣኽኢልዎ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ዀነ ነቲ ብተኣማንነት ዘቕረቦ ኣገልግሎቱ ኸም ዘይርስዖ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከም ዜተንስኦ ይተኣማመን ነይሩ እዩ።
ንየሆዋ ንምፍላጥ ብቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
7. ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገልናዮ እንተ ዄንና፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
7 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ከምቲ ኣብ ፈለማ ንየሆዋ ዝፈለጥናሉ ግዜ፡ ንዕኡ ብቐጻሊ ንምፍላጥ ብዙሕ ኣይንጽዕርን ንኸውን። ስለምንታይ፧ በይንና ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ንሕና ኣብ እንረኽቦ ጥቕሚ ወይ ካልኦት ኣብ ዚረኽብዎ ጥቕሚ ነተኵር ንኸውን። ልክዕ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡ ኽንገብር የተባብዓና እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ደራሲኡ እውን ብዙሕ ነገር ይገልጸልና እዩ። (መዝ. 25:8-10) ስለዚ፡ ኣብቲ ኻብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕና እንረኽቦ ጥቕሚ ወይ ካልኦት ዚረኽብዎ ጥቕሚ እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ፡ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ይምህረኒ፧’ ኢልና ምሕታት ክንርስዕ የብልናን።a
8. ንየሆዋ ብዝያዳ ንምፍላጥ እንገብሮ ጻዕርታት፡ ኣብቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (መዝሙር 73:24-28)
8 ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ብዝያዳ እዩ ዚድልድል። ንኣብነት፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብካ፡ ወርሓዊ ፈነወ ምስ ረኣኻ፡ ወይ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተኣከብካ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ኸም ዝቐረብናዮ እዩ ዚስምዓና። ስለምንታይ፧ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ስለ ዝፈለጥና ኢና ኸምኡ ዚስምዓና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንዕኡ ንምውዳስን ንምምስጋንን ንለዓዓል ኢና። ከምቲ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘርኣዮ ሓልዮት ዘስተንተነ እሞ፡ “ኣምላኽ . . . ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ግደይን እዩ” ዝበለ ዘማሪ ይስምዓና እዩ። (መዝሙር 73:24-28 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ንየሆዋ ንምፍላጥ እንገብሮ ጻዕርታት፡ ስለቲ ምስኡ ዘሎና ብዋጋ ዘይሽነን ዕርክነት ብዝያዳ ኸም እነመስግን እዩ ዚገብረና።
9. ንየሆዋ ‘ነስተብህለሉ’ እንተ ዄንና፡ እዚ ንውሳነታትና ብኸመይ ይጸልዎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
9 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ንየሆዋ] ኣስተብህለሉ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ነገርን ነቲ ተግባራትና ኣብ ስምዒቱ ዜሕድሮ ጽልዋን ንሓስበሉ ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዝሓሸ ውሳነታት ንገብር ኢና። ነዚ ብምሳሌ ነብርሃዮ፦ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሰደቓኦም፡ ኣብ ቦርሳኦም፡ ወይ ኣብ ተሌፎኖም ናይ መጻምድቶም ስእሊ ይሕዙ እዮም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ መጻምድቶም ብተደጋጋሚ ኺሓስቡ፡ ከም ዚፈትውዎ ኺዝክሩ፡ ንመጻምድቶም ዜሐጕሶ ውሳነ ኺገብሩ፡ ዚጐድኦ ነገር እውን ከይገብሩ ይሕግዞም እዩ። ንሕና እውን ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝሓሰብና መጠን፡ ንዕኡ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ንገብር ኢና።—መዝ. 19:13, 14።
10. ብዛዕባ የሆዋ እናፈለጥና ምስ ከድና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
10 ብመልክዕ የሆዋ ስለ እተገበርና፡ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 1:26) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ብኸመይ ከም እንመስሎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። የሱስ ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን፡ ባህርያት ኣምላኽ ስለ ዘየንጸባረቑ ዀኒንዎም እዩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ንዚርከብ ንኣሽቱ ሕግታት ይሕልዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን ግና ሸለል” ይብሉ ነበሩ። (ማቴ. 23:23) እምበኣር፡ ዘይከምቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ባህርያት የሆዋ ኣብ ሕግታቱን ስርዓታቱን ብኸመይ ከም ዚንጸባረቕ ንረዳእ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ባህርያት እቲ ንምንጽብራቕ ኪሕግዘና እዩ።—1 ዮሃ. 4:8, 11።
ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ብዝያዳ እንፈልጦ፧
11. ብዛዕባ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ብኸመይ ኢኻ ፈሊጥካ፧
11 ብዛዕባ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ብኸመይ ኢኻ ፈሊጥካ፧ ምናልባት ክርስትያናት ወለዲ ዘዕበዩኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም መሸም ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዚሕብር ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘንትዮምልካ፡ ወይ ፍጥረታቱ ብዛዕባ ባህርያቱ እንታይ ከም ዚሕብር ምሂሮምኻ ኪዀኑ ኣለዎም። ወይ ከኣ ብዛዕባ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ዝፈለጥካ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመርካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መምህርካ ኸኣ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ ኺምህረካ ኸሎ፡ ብዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስን ብተፈጥሮን ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያት የሆዋ ኽትፈልጥ ሓጊዙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ።b (ነህ. 8:8፣ ግብ. 14:17) እምበኣር፡ ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥ ብኸመይ ብቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
12-13. ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧ ኣብነት ሃብ። (ኤርምያስ 39:15-18) (ስእሊ እውን ርአ።)
12 ቀዳማይ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብምጽናዕን፡ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብንጹር ይጠቅስ እዩ። (ዘጸ. 34:6, 7) መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ብዛዕባ ሰባትን ብዛዕባ ውሳነታቶምን እዩ ዜዘንቱ። ነዚ ዛንታታት እዚ ኸተንብቦ ኸለኻ፡ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህረካ ሕሰብ።
13 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ኤርምያስ 38:6-13 ብዛዕባ እቲ ንነብዪ ኤርምያስ ዘድሓኖ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣንቢብካ ንበል። ካብቲ ንባብካ መሸም፡ ካብ ዔቤድ-ሜሌክ ክትወስዶ ዚግባእ ከም ርእሰ መስዋእትን ትብዓትን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ብቕልጡፍ ከተለሊ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ባህርያት የሆዋ ጐሊሑ ኸም ዘሎስ ተራእዩካዶ፧ (ኤርምያስ 39:15-18 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ የሆዋ መማሰዊ፡ ፍትሓዊ፡ ወይ ኣድልዎ ዘይብሉ ምዃኑ ኣበየናይ ፍቕድታት እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ እንታይ ተወሳኺ ባህርያት የሆዋ ኢኻ ኸተስተውዕል እትኽእል፧ ካብ ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ኣብኡ ተንጸባሪቑ ዘሎ ባህርያት የሆዋ ኣለልዮ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ስለቲ ባህርያቱ ኣመስግኖ፡ ከምኡ እውን ወድሶ።
ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ካብቲ ተደርብዩሉ ዝነበረ መዕቘር ማይ ብትብዓት የድሕኖ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)
14. ካብቲ ኣብ ፍጥረት እንዕዘቦ ነገር ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
14 ካልኣይ፡ ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ብምስትንታን፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። (መዝ. 145:9, 10) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንተፈጥሮ ምዕዛብ ጥራይ እኹል እዩ ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ሰባት ምሉእ ህይወቶም ብዛዕባ ተፈጥሮ መጽናዕቲ ንምግባር እኳ እንተ ወፈይዎ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ግና ኣየስተውዕልዎን እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንህልውናኡ ኣይቅበልዎን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ . . . ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 1:20) ሓደ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ ኺትርጕማ ኸሎ፡ ባህርያት ኣምላኽ ‘ንዜስተውዕል ከም ዚርኣዮ’ ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ባህርያት ፈጣሪና ምእንቲ ኸነስተውዕሎ፡ ብዛዕባ ፍጥረታቱ ሓንሳእ ደው ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና።
15. ፓትሪክ ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጦ ኢሉ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 መብዛሕትና ኣብ ከተማታት ስለ እንነብር፡ ካብ ተፈጥሮ እምብዛ ዝረሓቕና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ፍጥረታት ክትምሃር ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ እትርከብ ብራዛቪል እትብሃል ዓባይ ከተማ ዚነብር ፓትሪክ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ሰገነተይ ኰይነ ፍጥረታት ክዕዘብ እጽዕር እየ። ደቀቕቲ ሓሸራታት ወይ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ምግቢ ኺምእርራ ወይ ሰፈረን ኬናድያ ኸለዋ እርኢ እየ። ሓደ ግዜ፡ ገሊአን ኣዕዋፍ ሰፈረን ኪሰርሓ ኸለዋ ተዓዚበ እየ። ኣብቲ ኸባቢና ብዚርከብ ነገራት ገይረን ንጨቓዊተን ዚኸውን ጽቡቕ ሰፈር ሰሪሐን።” ይኹን እምበር፡ ፓትሪክ ካብ ምዕዛብ ንላዕሊ እውን ገይሩ እዩ፣ ብዛዕባ ፈጣሪ ብዕምቈት ሓሲቡ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “የሆዋ ዋላ እውን ነቶም ደቀቕቲ ፍጥረታቱ ኸም ዚሓልየሎም ተማሂረ እየ። እዚ ድማ ንዓይ ከም ዚግደሰለይን ዜድልየኒ ኸም ዜማልኣለይን መረጋገጺ ዀይኑለይ እዩ።”
ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረታት እትርእዮ ብምስትንታን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ፍለጦ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)
16. ማርያም ኣደ የሱስ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኣብነታ ኽንስዕብ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጠሉ እንኽእል ሳልሳይ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ተመክሮታትና ብምስትንታን እዩ። ማርያም ኣደ የሱስ ከምኡ እያ ገይራ። ንሳ ኣቐዲማ ንየሆዋ ትፈልጦ ነይራ እያ፣ ‘ኣብ ቅድሚኡ እውን ሞገስ ረኺባ ነይራ እያ።’ (ሉቃ. 1:30) ድሕርዚ ግና፡ ከቢድ ሓላፍነት ተዋህባ፣ እወ፡ ኣደ ወዲ ኣምላኽ ክትከውን ምዃና ተነግራ። የሆዋ ድማ ብገብርኤል መልኣኽን ብዘመዳ ኤልሳቤጥን ኣቢሉ ኣበርትዓ። ድሕርዚ ኸኣ፡ እዚ ተመክሮኣ እዚ ብዛዕባ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ሓይሉን ምሕረቱን ፍትሑን ሓልዮቱን እንታይ ከም ዚገልጸላ ኣስተንተነት። (ሉቃ. 1:46-55) ከምቲ ማርያም ንደገፍ ኣምላኽ ዘማሰወትሉ፡ ንሕና እውን የሆዋ “ብግዜኡ” ኺድግፈና ኸሎ፡ ነዚ ነማስወሉ ኢና። (እብ. 4:16) እምበኣር፡ ደገፉ ኽትረክብ ከለኻ፡ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧ ካብዚ እንታይ ባህርያት የሆዋ ተዓዚበ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓኻ ዝገበረልካ ነገር ብምስትንታን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ፍለጦ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)c
ፍልጠት ካብ ምቕሳም ኣይከነቋርጽን ኢና
17-18. ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ካብ ምቕሳም ከቶ ኣይከነቋርጽን ኢና እንብል ስለምንታይ ኢና፧
17 ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ የሆዋ ኽንደይ ተወሳኺ ነገራት ከም እንፈልጥ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሽዑ መለክዒታቱ ዚሕብር ሓደስቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ኺውሃበና እዩ። (ራእ. 20:12) ብዛዕባ ተፈጥሮ ዝሰፍሐ መጽናዕቲ ኽንገብር ኢና። (ኢሳ. 11:6-9) ኣብ ህይወትና ሓደስቲ ነገራት ምስ ረኣና ድማ፡ ንኣብነት፡ ትንሳኤ እቶም ሞይቶም ዝነበሩ ሰብና ምስ ረኣና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እውን ናብ ፍጽምና እናቐረብና ምስ ከድና፡ ብዛዕባ ኣቦና ዘሎና ፍልጠት ኪዓምቝ እዩ።
18 ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ካብ ምቕሳም ከቶ ኣይከነቋርጽን ኢና። ንሱ ኻብ ዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ “ኣእምሮኡ ኺልካዕ ዚከኣል ኣይኰነን።” (መዝ. 90:2፣ 147:5) ‘ነቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ኸቶ ምሉእ ብምሉእ ኣይክንፈልጦን ኢና።’ (መክ. 3:11) ስለዚ፡ ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ብዝያዳ ንምፍላጥ ዝረኸብናዮ ዘበለ ዅሉ ኣጋጣሚታት ንጠቐም።
መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን
a ኣብቲ ኣብ ቅድሚት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ፡ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኽፋል፡ ኣብ ሕቶ 20 ርአ።
b ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 07፡ ነጥቢ 5-7 ርአ።
c መግለጺ ስእሊ፦ መደረ ምቕራብ ዜጨንቖ ሓው፡ ኣብቲ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን እተዋህቦ ኽፍሊ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ የስተንትን።