ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሓምለ ገጽ 8-13
  • ብመጽሓፍ ኢሳይያስ ተጸናናዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብመጽሓፍ ኢሳይያስ ተጸናናዕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ
  • መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ክንሳቐ ኸለና
  • ብሞት ሰብና ኽንሓዝን ከለና
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንይቕረታ የሆዋ ተቐበሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሓምለ ገጽ 8-13

14-20 መስከረም 2026

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

ብመጽሓፍ ኢሳይያስ ተጸናናዕ

“የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ . . . ‘ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ።’”—ኢሳ. 66:12, 13።

ኣትኵሮ

ክንጕሂ ወይ ክንድቈስ ከለና፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምስትንታን ብኸመይ ከም ዜጸናንዓና።

1-2. ዜጕህየና ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧

ሓደ ቘልዓ ኣምሪሩ ኺበኪ ኸሎ እሞ ብኣእምሮና ንስኣል። እቲ ዚበኽየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ምናልባት ስድራ ቤቱ ገዛ ይቕይሩ ስለ ዘለዉ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ምስ ኣዕሩኹ ኺፈላለ ስለ እተገደደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ብዝገበሮ ጌጋ ስለ ዝጐሃየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ፈቃር ኣደ እንታይ እያ እትገብር፧ ንውሉዳ ሕቝፍ ኣቢላ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰቦ ነገር ትሰምዖ፡ ከም እትፈትዎ እውን ተረጋግጸሉ እያ።

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንርእሱ ምስ ሓንቲ ንውሉዳ እተጸናንዕ ሓላይትን ፈቃርን ኣደ ኣመሳሲሉ ኣሎ። “ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 66:13) እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ፡ ካብ ናይ ዝዀነ ወላዲ ይዓቢ እዩ። (ኢሳ. 49:15) ክንድቈስ ወይ ክንጭነቕ ከለና፡ የሆዋ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ምጽንናዕን ብርታዐን ይህበና እዩ።—ሮሜ 15:4።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ፡ የሆዋ እተዛረቦ ብዙሕ ዜጸናንዕ ቃላት ኣሎ። (ኢሳ. 40:1) እዚ ፈቃር ኣቦና እዚ፡ ኣብ ጽንኩር ክፋል ታሪኽ ይሁዳ ንህዝቡ ምእንቲ ኼጸናንዕ ኢሉ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እትጽሓፍ ገይሩ እዩ። ንሕና እውን ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ስለ እንነብር፡ ምጽንናዕ የድልየና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) እምበኣር፡ (1) ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ (2) መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ክንሳቐ ኸለና፡ ወይ (3) ብሞት ሰብና ኽንሓዝን ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ ገሊኡ ፍቕድታት ብኸመይ ከም ዜደዓዕሰናን ከም ዜበርትዓናን እስከ ንርአ።

ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ

4. ብኸመይ እዩ ሃንደበታዊ ለውጢ ኺጸልወና ዚኽእል፧

4 ኣብ ህይወትና፡ ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11፣ 1 ቈረ. 7:31) ብሃንደበት ናይ ጥዕና ጸገም፡ ናይ ገንዘብ ጸገም፡ ፖለቲካዊ ናዕቢ፡ ወይ ናይ ምድብ ለውጢ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ለውጥታት እዚ ኸኣ፡ ክንጭነቕ ወይ እንገብሮ ኺሕርብተና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ‘እንታይ እየ ዝገብሮ፧’ ኢልካ ምሕሳብ ንቡር እዩ። ንኣብነት፡ ንኣስታት 17 ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ድሕሪ ምግልጋል ናይ ምድብ ለውጢ ዘጋጠሞ ጆሰፍ ዝስሙ ሓው፡ “ዝገብሮ እዩ ሓርቢቱኒ። ኣብ ቤት-ኤል ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓድሽ ህይወት ምጅማር ኣመና ኸቢድ እዩ። ካበይ ከም ዝጅምር እዩ ጠፊኡኒ” ይብል። እሞ ደኣ ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

5. ኣብ ኢሳይያስ 42:16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና ዘሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

5 ኢሳይያስ 42:16 ኣንብብ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሆዋ ነቶም ብምሳልያዊ መገዲ ዕዉራት ዘበሉ ብዘይፈልጥወን መገድታት ከም ዚመርሖም፡ ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ጸልማት ድማ ናብ ብርሃን ከም ዚቕይሮ ገሊጹ ኣሎ። እቲ “ዕዉራት፡” “ዘይፈልጥወን መገድታት፡” “ጸልማት፡” “ድንጉር” ዚብል ቃላት፡ ነቲ ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ ብዛዕባ መጻኢ ዚህልወና ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብመንጎ ዕሙር ጫካ ንጐዓዝ ከም ዘለና፡ መገድና እውን ከም ዘይንፈልጥ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። የሆዋ ግና ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ዜድልየና ዘበለ መምርሒ ኸም ዚህበና፡ ከቶ እውን ከም ዘይሓድገና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ኣብቲ ጸልማት ብኢድና ሒዙ ኺመርሓና፡ ኣብ መገድና ብርሃን ኬብርሃልና፡ ነቲ ድንጉር መገዲ እውን ጥጡሕ ኪገብሮ እዩ። ብኸመይከ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ብምሃብ እዩ። (መዝ. 119:105፣ ኢሳ. 30:21) ብክርስትያናት ብጾትናን ብኻልኦትን ገይሩ እውን ግብራዊ ብዝዀነ መገድታት ይሕግዘና እዩ። ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ፡ ዘይንጹርን ኣጸጋምን ኣብ ዚመስለሉ እዋን እኳ፡ የሆዋ ስለ ዚሓልየልናን ስለ ዚርድኣልናን፡ ጽቡቕ ገይሩ ኸም ዚመርሓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 41:10፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7።

ስእልታት፦ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:16 ዚርከብ፡ ‘ኣብ ዘይትፈልጠን መገድታት ኣይክሓድገካን እየ’ ዚብል ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ይጥቀሙ። 1. እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንብረቶም ይጥርንፉ። 2. ኣብ ሓዳስ ጉባኤኦም ዚርከቡ ስድራ ቤት ጽቡቕ ገይሮም ይቕበልዎም።

ዘይተሓስበ ለውጢ እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ የሆዋ ኣይኪሓድገካን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)b


6. ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

6 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆሰፍ፡ ንሱን ሰበይቱን ካብ ቤት-ኤል ምስ ወጹ፡ ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝረኣዩ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብቲ እዋን ለውጢ፡ ነታ ፈቃር ኢድ የሆዋ ርኢናያ ኢና። ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ገይሩ ሓጊዙና እዩ። ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ብስጋዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ኣማሊኡልና እዩ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን የማልኣልና ኣሎ።” ንዓኻ እውን ዘይተጸበኻዮ ለውጢ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዕቤት እቲ ለውጢ ብዘየገድስ፡ ዜድልየካ ዘበለ ብርታዐን መምርሕን ካብ የሆዋ ኸም እትረክብ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (ኢሳ. 54:10፣ 58:11) ጆሰፍ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ሓንቲ ናይ ፈለማ መዝሙር ዘሎ ግጥሚ ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ግጥሚ፡ ‘ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ኣይፈልጥን እየ፣ በይነይ ከም ዘይሰግሮ ግና እፈልጥ እየ’ ዚብል ሓሳብ ሒዙ ኣሎ።a እወ፡ ኵነታት ከምቲ ዝሓሰብናዮ እኳ እንተ ዘይከደ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ ኣብ ኵሉ ስጕምትታትና የሆዋ ምሳና እዩ።”

መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ክንሳቐ ኸለና

7. ገሊኦም ብሰንኪ ሕሉፍ ጌጋታቶም እንታይ ቃልሲ እዩ ዘለዎም፧

7 ከቢድ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ከለና፡ ካብ ሽማግለታት ፍቕራዊ ሓገዝ ንረክብ፡ ንዘይምድጋሙ እውን ንቃለስ ኢና። (ምሳ. 28:13፣ ያእ. 5:14-16፣ 1 ዮሃ. 1:9) ኰይኑ ግና፡ ምሕረት ምስ ተገብረልና እኳ፡ ምስ ስምዒት በደለኛነት ንቃለስ ንኸውን። ‘ከመይ ገይሩ እሞ እዩ የሆዋ ንሓጢኣተይ ይቕረ ኺብለለይ፧’ ኢልና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 2:7) ሓጢኣትና ኣመና ኸቢድ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ተዘክሮና እውን ብቐሊሉ ስለ ዘይሕከኽ፡ እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ “ብሰንኪ ሓጢኣተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ ሰላም የልቦን። ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 38:3, 8) ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ ሕሉፍ ጌጋታትካ ኸምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

8-9. ኣብ ኢሳይያስ 1:18 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዚብል፧

8 ኢሳይያስ 1:18 ኣንብብ። የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብለልና ንምግላጽ፡ ሓያል ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። ሓጢኣትና “ኸም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን” እኳ እንተ ዀነ፡ “ከም ውርጪ ጻዕዳ” ኸም ዚገብሮ ገሊጹልና ኣሎ። ድሙቕ ቀይሕ ዝሕብሩ ኽዳን ብቐሊሉ ኣይሃስስን እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ኣብ ዝተረፈ ህይወትና ኣሰር ሓጢኣትና ጾይርና ኸም ዘይንነብር እዩ ዜረጋግጸልና ዘሎ።

9 ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት እስከ ንርአ። ንሱ ብዝሙትን ብቕትለትን ገበነኛ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ፡ ደሓር ድማ ንጹህ ኢሉ ጸውዖ። (2 ሳሙ. 11:3, 4, 14, 15፣ 12:13፣ 1 ነገ. 9:4, 5) የሆዋ ንዳዊት ብጌጋታቱ ዘይኰነስ፡ በቲ ብተኣማንነት እተመላለሰሉ እዋን እዩ ዘኪርዎ። ንሕና ኽንንሳሕ ከለና እውን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይቕረ ይብለልና እዩ፣ ንጹህ ሕልና ሒዝና ንቕድሚት ክንግስግስ እውን ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ ግና፡ መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ክንሳቐ ኸለና፡ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ እንታይ ተወሳኺ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

10. ኣብ ኢሳይያስ 38:17 እንታይ ዜጸናንዕ ቃላት እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፧

10 ኢሳይያስ 38:17ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ። እታ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ” እትብል ሓረግ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ካብ ቅድሜኻ ኣርሒቕካዮ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሆዋ ንሓጢኣት ሓደ ዚንሳሕ ኣባሲ ወሲዱ ናብ ድሕሪ ዝባኑ ኸም ዚድርብዮ፡ ማለት ድሕሪ ደጊም ነቲ ሓጢኣት ከም ዘይርእዮ ወይ ብዛዕባኡ ኸም ዘይሓስብ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ጌርካዮ” ተባሂሉ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ኻብ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ድሕሪኡ ኸም ዘይሓጣእና ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ሓንሳእ ይቕረ ምስ በለልና፡ ድሕሪኡ ምእንቲ ኺወቕሰና ወይ ኪቐጽዓና ኢሉ መሊሱ ንሕሉፍ ሓጢኣትና ኣየልዕሎን እዩ። ንሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚስርዞ። ስለዚ ኸኣ፡ “ሓጢኣትካ . . . ኣይክዝክሮን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳ. 43:25) እዝስ ኣዝዩ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ እቲ ልዑል ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ ንሓጢኣትና ዘይዝክሮ ኻብ ኰነ፡ መን ኴንና ኢና ንሕና እንዝክሮ፧

ሕሉፍ ጌጋታትካ፡ ሕጂ ሓጐስ ኬስእነካ ኣይትፍቀድ

11. ኣብ ሕሉፍ ዝገበርና ንግበር፡ የሆዋ ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 መጠን ዝሓለፈ ናይ በደለኛነት ስምዒት ኪቕልቀለና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ፍቕራዊ መረጋገጺ ኽንዝክር ኣሎና። ይቕረታኡ ናይ ሓቅን ምሉእን እዩ። የሆዋ ብሰሪ ሕሉፍ ጌጋታትና ብኣና ኣይሓፍርን እዩ፣ ቂም ከም ዚሕዙ ዘይፍጹማት ሰባት እውን ኣይኰነን። (ኢሳ. 57:16) ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ነገር፡ ሕሉፍ እንታይነትና ዘይኰነስ፡ ህሉው እንታይነትናን ኣብ መጻኢ ኽንኰኖ እንጽዕር ዘለና እንታይነትን እዩ። (ኢሳ. 55:7) እወ፡ እቲ እነገልግሎ ኣምላኽና ብፍቕርን ብይቕረታን ዓብዪ እዩ። እምበኣር፡ ሕሉፍ ጌጋታትና፡ ሕጂ ሓጐስ ኬስእነና ወይ ካብ ናይ መጻኢ በረኸት ኪዓግተና ኣይንፍቀድ።

ስእልታት፦ ሓደ ሓው ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 38:17 ዚርከብ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ” ዚብል መጸናንዒ ይጥቀም። 1. ሓደ ሓው ብሕሉፍ ሓጢኣቱ ይጕሂ። 2. ደሓር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ተሓጒሱ ይሳተፍ።

የሆዋ ንዓና ብሕሉፍ ጌጋታትና ኣይኰነን ዚዝክረና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)c


ብሞት ሰብና ኽንሓዝን ከለና

12. ሰብካ ኺሞተካ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ኺስምዓካ ዚኽእል፧

12 ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ከቢድ ሓዘን ኪስምዓና ይኽእል እዩ፣ ሓዘንና እውን ንነዊሕ ግዜ ይቕጽል ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ የሆዋ ስለምንታይ ንእንፈትዎ ሰብና ኺመውት ከም ዝፈቐደ ንሓስብ ንኸውን። ማይክል ዝስሙ ሓው፡ ወለዱ ብባርዕ ሞትዎ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ልበይ እዩ ተሓምሺሹ፣ የሆዋ ንዓታቶም ኪሞቱ ብምፍቃዱ እውን ተቘጢዐዮ ነይረ። ጠንቂ ሞቶም ንሱ ኸም ዘይኰነ ኣይሰሓትክዎን፣ እንተዀነ ግና፡ ደው ኣየበሎን።” ምናልባት ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ተሰሚዑካ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓዘን፡ ካብ የሆዋ እንታይ መጸናንዕን ተስፋን ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧

13. ኣብ ኢሳይያስ 25:8፡ የሆዋ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

13 ኢሳይያስ 25:8 ኣንብብ። የሆዋ ንሞት ‘ንዘለኣለም ከም ዚውሕጦ’ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። ሞት ዘይህልወሉ እዋን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ድሕሪ ደጊም ብሞት ሰብካ ኣይክትሓዝንን ኢኻ። (ኢሳ. 35:10) መቓብር እትፈትዎ ሰብካ ዚብሃል ኣይክትርእን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰብካ ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ምሳኻ ኪኸውን፡ ከቶ እውን ኣይኪፍለየካን እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ትምኒት ጥራይ እተመስረተ ኣይኰነን። ካብቲ ኺፍጽሞ ዚኽእል ኣምላኽና እተዋህበና እዩ።—ራእ. 21:4, 5።

14. ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኽትሓስብ ከለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧ (ኢሳይያስ 26:19) (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ኢሳይያስ 26:19 ኣንብብ። የሆዋ ንሞት መወዳእታ ኣብ ርእሲ ምግባር፡ ንምዉታት እውን ኬተንስኦም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ኪገልጽ ከሎ፡ “ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም” ይብል። እዚ ኣገላልጻ እዚ ኸኣ የሆዋ ናተይ ኢሉ ኸም እተቐበሎም የመልክት። እወ፡ ኣብ ተዘክሮኡ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ ምዱብ ግዜኡ ኸኣ፡ ኬተንስኦም እዩ። ከምቲ ኣውሊ ንሓደ ሓሪሩ ዝነበረ ተኽሊ ህይወት ዚመልሰሉ፡ እቲ ምንጪ ዅሉ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ሞይቶም ንዘለዉ ሰብና ኼተንስኦም እዩ። ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎም ከለና መሸም ብሓጐስ ፍንጭሕ ክንብል ኢና!—ምስ ማርቆስ 5:42 ኣረኣኢ።

ስእልታት፦ ሓንቲ ሓብቲ ኻብቲ ኣብ ኢሳይያስ 26:19 ዚርከብ፡ “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም” ዚብል ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ትጥቀም። 1. ሓንቲ ኣደ ኣብ ዓራት ምውትቲ ጓላ ኾፍ ኢላ፡ ስእሊ ብኢዳ ሒዛ ትሓዝን። 2. ነታ ኻብ ምዉታት ዝተንስአት ጓላ ብታሕጓስ ትሓቝፋ።

ሞይቶም ንዘለዉ ሰብና ብትንሳኤ ናይ ምርካብ ውሑስ ተስፋ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15. ተስፋ ትንሳኤ ኻብ ሓዘንና ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧

15 እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ትንሳኤ ንሓዘንና ዜወግዶ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ የሆዋ ንሰብና ኸም ዘይረስዖም ምፍላጥና ግና ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ነቲ ኣቐዲምካ እተጠቕሰ ማይክል ኣጸናኒዕዎ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “የሆዋ ንወለደይ ብብሕቲ ኸም ዚፈትዎም ካብ ኢሳይያስ 26:19 ኽርዳእ ክኢለ እየ። ኣብ ተዘክሮኡ መዝጊብዎም ኣሎ፣ ብግዜኡ ኻብ ምዉታት ክሳዕ ዜተንስኦም ድማ፡ ካብ ተዘክሮኡ ኣይኪጠፍኡን እዮም። እዚ ንዓይ ኣጸናኒዑንን ኣበርቲዑንን እዩ።” ንሕና እውን ነቲ ብትንሳኤ ንሰብና እንረኽበሉ እዋን ብኣእምሮና ንስኣሎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ ሓዘንና ኽንደዓዓስ ኢና።

16. ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እተጸናንዓካ እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ረኺብካ፧

16 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ክንሳቐ ኸለና፡ ብሞት ሰብና እውን ክንሓዝን ከለና ዜጸናንዓና ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ ሒደት ፍቕድታት ርኢና ኢና። ስለቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህበና መጸናንዕን መደዓዓስን ዓብዪ ምስጋና ይግብኦ እዩ! (መዝ. 94:19) እሞ ደኣ ኣብ ጭንቂ ኽትከውን ከለኻ፡ ብፍላይ እተጸናንዓካ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣላትካዶ፧ እንተ ኽኢልካ ብኣእምሮኻ ኣጽንዓያ፡ ኣብ መዝገብካ ጽሓፋ፡ ወይ ብተደጋጋሚ ኣብ እትርእዮ ቦታ ለጥፋ። በቲ ዜደዓዕስ ቃላት እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኸኣ ተጸናናዕ።

ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ዜጸናንዕ ሓሳባት ረኺብካ፧

  • ኢሳይያስ 42:16

  • ኢሳይያስ 1:18፣ 38:17

  • ኢሳይያስ 25:8፣ 26:19

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

a እዚ ቓላት ግጥሚ እዚ፡ ካብታ “I Know Jehovah’s With Me” ዘርእስታ ናይ ፈለማ መዝሙር እተወስደ እዩ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ካብ ቤት-ኤል ዝወጹ ሰብኣይን ሰበይትን በታ ሓዳስ ጉባኤኦም ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንሕሉፍ ጌጋታቱ ረሲዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ተሓጒሱ ይምሃር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ