ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሓምለ ገጽ 2-7
  • ካብ ጊብዖናውያን ተምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ጊብዖናውያን ተምሃር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብእምነትን ብትሕትናን ተመላለስ
  • ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንየሆዋ ተጸበዮ
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ደግፍ
  • እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ታሪኽ ጊብዖናውያን እንረኽቦ ትምህርቲ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • እያሱን ጊብዖናውያንን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሓምለ ገጽ 2-7

7-13 መስከረም 2026

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

ካብ ጊብዖናውያን ተምሃር

‘ነበርቲ ጊብዖን ምስ እስራኤል ሰላም ገበሩ፡ ኣብ መንጎኦም እውን ነበሩ።’—እያ. 10:1።

ኣትኵሮ

ካብ ጊብዖናውያንን ካብቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራትን እንረኽቦ ትምህርቲ።

1-2. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጊብዖናውያን መዝጊብዎ ዘሎ ሓበሬታ ኽንግደሰሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብ1473 ቅ.ክ. ህዝቢ እስራኤል ነታ ምድሪ ተስፋ ኺርስተይዋ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኸተማ ያሪኮን ከተማ ዓይን ዓብዪ ዓወት ረኸቡ። ድሕርዚ ግና፡ ዘይተጸበይዎ ነገር ተፈጥረ። ‘ካብ ርሑቕ ሃገር ኢና መጺእና’ ዚብሉ ተጓዓዝቲ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪዳን ሰላም ኪተኣታተዉ ደለዩ።

2 እቶም ተጓዓዝቲ እቲኦም፡ ጊብዖናውያን እዮም ነይሮም። ካብቲ ጊብዖናውያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶምሉ ዚርከብ ቦታታት፡ እዚ ናይ መጀመርታኦም እዩ፣ ናይ መወዳእታኦም ግና ኣይኰነን። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት፡ ጊብዖናውያን ምስ እስራኤላውያን ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዝነበሮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ካብቲ ብዛዕባኦም ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እውን ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ብእምነትን ብትሕትናን ተመላለስ

3. (ሀ) ጊብዖናውያን እንታዎት እዮም ነይሮም፧ (ለ) ምስ እስራኤላውያን ሰላም ኪገብሩ ዝደለዩኸ ስለምንታይ እዮም፧

3 እስራኤላውያን ንምድሪ ከነኣን ኪርስተይዋ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ጊብዖናውያን ኣብታ ዕርድቲ ኸተማ ጊብዖን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ንሳቶም ካብቶም ሒዋውያን ዚብሃሉ ህዝቢ፡ ማለት ሓደ ኻብቶም ካብ እስራኤላውያን “ዚበዝሑን ዚሕይሉን” ሸውዓተ ኣህዛብ ከነኣን እዮም ነይሮም። (ዘዳ. 7:1) ስለዚ፡ ብወተሃደራዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ሓያል ህዝቢ እዮም ነይሮም። (እያ. 10:2) ዘይከም እቶም ዝተረፉ ከነኣናውያን ግና፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ኪዕወቱ ኸም ዘይክእሉ ኣስተውዓሉ። የሆዋ ንህዝቡ ይዋግኣሎም ምንባሩ፡ ንከነኣናውያን ካብታ ምድሪ ንምስጓጕ እውን ቃል ከም ዝኣተወ ይፈልጡ ነበሩ። (ዘጸ. 34:11፣ እያ. 9:24) ስለዚ፡ እስራኤላውያን ንያሪኮን ንዓይን ምስ ሰዓርወን፡ ጊብዖናውያን ሰላም ኪገብሩ ኢሎም ናብ እያሱ ናብ ጊልጋል ልኡኻትa ለኣኹ።

4. (ሀ) ኣብ እያሱ 9:8-13 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጊብዖናውያን ኪዳን ሰላም ምእንቲ ኺገብሩ ኢሎም ብኸመይ እዮም ንእስራኤላውያን ዘታለልዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) እስራኤላውያን ብጊብዖናውያን ከም እተታለሉ ምስ ፈለጡ፡ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧

4 እያሱ 9:8-13 ኣንብብ። ጊብዖናውያን ካብ ርሑቕ ሃገር ከም ዝመጹ መሲሎም ቀረቡ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሲሆንን ንጉስ ዖግን ዝሃቦም ዓወት ከም ዝሰምዑ ገለጹ። ጐራሓት ስለ ዝነበሩ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ያሪኮን ዓይን እንታይ ከም ዝወረደ ኣይጠቐሱን። ስለምንታይሲ፡ ነዚ እንተ ዚጠቕሱ ነይሮም፡ እቲ ወረ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ “ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር” ኪበጽሕ ስለ ዘይክእል፡ እንታይነቶም ምተቓልዐ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ መራሕቲ እስራኤል ንየሆዋ ኸይሓተቱ ነቲ ጊብዖናውያን ዘቕረቡሎም መርትዖ ተቐቢሎም ምሳታቶም ኪዳን ተኣታተዉ። (እያ. 9:14, 15) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ እቲ ጊብዖናውያን ብምትላል ዝገበርዎ ተግባር ተቓልዐ። እንተዀነ ግና፡ እስራኤላውያን “ብየሆዋ . . . ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ፡” ነቲ ውዕል ሰላም ሓለውዎ። (እያ. 9:16-19) ስለዚ፡ ጊብዖናውያን ትሑት ስራሕ ተዋህቦም፣ “ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ የሆዋን፡ . . . ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን” ኰኑ።—እያ. 9:27።

ገሊኦም ጊብዖናውያን ንእያሱን ንሰብ እስራኤልን ኣብ ቅድሚኦም ተምበርኪኾም ይልምንዎም። ነቲ ዝበለየ ኽዳውንቶምን ነቲ እተቐድደ ኣሕርብቲ ወይኖምን ከኣ የርእይዎም።

ጊብዖናውያን ንእያሱ ብምትላል፡ ምስ እስራኤል ሰላም ገበሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ጊብዖናውያን ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎም ብኸመይ እዮም ኣርእዮም፧

5 ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩ ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ሰሚሮም ኣብ ልዕሊ ጊብዖን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ተላዕሉ። ሽዑ፡ ጊብዖናውያን ካብ እያሱ ረድኤት ለመኑ። (እያ. 10:3-7) እያሱ ኸኣ ንእስራኤላውያን መሪሑ ብምኻድ ኣናገፎም፣ የሆዋ እውን ነቲ ጻዕርታቶም ባረኾ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራዊት ኣሞራውያን ዓበይቲ ኣእማን በረድ ኣዝነመ፣ እስራኤላውያን ኣብቲ ውግእ ምእንቲ ኺዕወቱ እውን ብተኣምራዊ መገዲ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣንወሓ። (እያ. 10:9-14) እምበኣር፡ ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ኪዳን ሰላም ብምትእትታው፡ ኣብ ትሕቲ ሓደጋ ምስ ኰኑ እውን ካብ እያሱ ረድኤት ብምልማን፡ ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎም፡ ማለት ኣብቲ ቓሉ ንምፍጻምን ንዓታቶም ካብ ጸገም ንምንጋፍን ዘለዎ ኽእለት እምነት ከም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም።

6. ኣብቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ እተረስተዩሉ እዋን፡ ካብቲ የሆዋ ንጊብዖናውያን ዝሓዘሉ መገዲ ብዛዕባኡ እንታይ ንምሃር፧

6 እዚ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ የሆዋ ዓብዪ ትሕትናን ምሕረትን ኣለዎ። ኣቐዲሙ ንእስራኤላውያን፡ “ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም” ኢልዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንጊብዖናውያን እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 33:51, 52) ጊብዖናውያን ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ሰላም ምስ ተኣታተዉ ግና፡ የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ ብህይወት ኪነብሩ ፈቐደሎም። ዋላ እኳ እስራኤላውያን ኪዳን ቅድሚ ምትእትታዎም ንዕኡ እንተ ዘይሓተትዎ፡ ነቲ ኺዳን ግና ደገፎ። ድሕሪኡ፡ ንእስራኤላውያን ነቲ ዝኣተውዎ ውዕል ኪሕልዉ ሓገዞም፡ ንጊብዖናውያን እውን ብተኣምራዊ መገዲ ኣድሓኖም።—እያ. 9:26፣ 11:19።

7. ብእምነትን ብትሕትናን ብምምልላስ ዝመጸ ኸመይ ጌርና ኢና ንጊብዖናውያን ክንመስሎም እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ንጊብዖናውያን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ብምሕዳር፡ ንጊብዖናውያን ክንመስሎም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ናይ ጊብዖናውያን ኣጸቢቑ ዚዛይድ ፍልጠት ስለ ዘሎና፡ ምሉእ ብምሉእ ብእኡ ኽንእመን ዜኽእል ምኽንያታት ኣሎና። (መዝ. 40:4, 5) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑት ዕዮታት ብምዕያይ እውን ንጊብዖናውያን ክንመስሎም ንኽእል ኢና። (እያ. 9:23, 27) ሉክ ዚብሃል መንእሰይ ሓው ነቲ ኻብኡ ዚዓቢ ቤት-ኤላዊ ኸምኡ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ኣይርስዖን እዩ። እቲ ቤት-ኤላዊ ኸቢድ ሓላፍነት እናሃለዎ ኽነሱ፡ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ከሎ ናይ ለይቲ ሓላዊ ዀይኑ ንምግልጋል ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ። ሉክ ካብዚ እተማህሮ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ትሕትና ኣብ ስምዒት ጥራይ እትተርፍ ነገር ዘይምዃና ተማሂረ። ብተግባር እውን ትርአ እያ” ይብል። እምበኣር፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ መዓልታዊ ኣብ የሆዋ ብምውካልን ንዚቐርበልና ዘበለ ቲኦክራስያዊ ዕዮ ብትሕትና ብምዕያይን ኣብኡ ዘሎና እምነት ነርኢ።

ስእልታት፦ ገለ ኻብቲ ብፍታው ዚዕየ ትሑት ዕዮታት። 1. ሓደ ጊብዖናዊ ማይ ይወርድ። 2. ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንዚርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ይዅስኵስ።

ትሑት ዕዮ ንምዕያይ ፍቓደኛ ብምዃን ንጊብዖናውያን ምሰሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንየሆዋ ተጸበዮ

8. ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ጊብዖናውያን እንታይ ገበን እዩ ፈጺሙ፧

8 ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ ጊብዖናውያን ከም ብሓድሽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጊብዖናውያን ተላዕለ። “በቲ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት” ተላዒሉ ድማ ኬጽንቶም ፈተነ።b ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት ካባታቶም ተቐትሉ። (2 ሳሙ. 21:2, 5, 6) እዚ ዓብዪ ግፍዒ እዩ ነይሩ! ሳኦል ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ጊብዖናውያንን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ኪዳን ሰላም እዩ ኣፍሪስዎ።

9. የሆዋ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ጊብዖናውያን ዝወረደ ግፍዒ ስጕምቲ ዝወሰደ መዓስ እዩ፧

9 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጊብዖናውያን ዜስካሕክሕ ግፍዒ ዘውረዱ ሰባት ቅልጡፍ ስጕምቲ ኣይወሰደን። ዳዊት ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ ግና፡ የሆዋ ኣብታ ምድሪ ንሰለስተ ዓመት ጥሜት ከም ዝኸውን ገበረ። ዳዊት ንየሆዋ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ጥሜት ምስ ሓተቶ፡ ሳኦልን ቤቱን ብሰንኪ እቲ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ጊብዖናውያን ዝፈጸምዎ ግፍዒ ብዕዳ ደም ተሓተትቲ ኸም ዝዀኑ ነገሮ።—2 ሳሙ. 21:1።

10. ኣብ 2 ሳሙኤል 21:3-6 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ጊብዖናውያን ኣብቲ ንዳዊት እተዛረብዎ ዘረባ፡ ንሕጊ ኣምላኽ የኽብሩ ምንባሮም ብኸመይ እዮም ኣርእዮም፧

10 ካልኣይ ሳሙኤል 21:3-6 ኣንብብ። ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ ካብቲ ሳኦል ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸሞ ገበን ምእንቲ ኺክሓሱ እንታይ ኪግበረሎም ከም ዚደልዩ ሓተቶም። እሞ ደኣ ጊብዖናውያን ካብ ዳዊት ብዙሕ ገንዘብ ብምሕታት ኪህብትሙ ፈቲኖምዶ፧ ኣይፋልን። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ካብ ቀታል ነፍሲ ዚኽፈል ጋር ነፍሲ ኪቕበሉ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ነገሮም ‘ናይ ብሩር ወይ ናይ ወርቂ ኸም ዘይኰነ’ ምላሽ ሃቡ። (ዘሁ. 35:30, 31) ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ፡ ንሓደ እኳ ኪቐትሉ ኸም ዘይክእሉ እውን ይፈልጡ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ዳዊት ንጊብዖናውያን፡ ኣብቲ ሳኦል ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለት ኢድ ነይርዎም ኪዀኑ ንዚኽእሉ ሸውዓተ ኻብ ዘርኢ ሳኦል ኪቐትልዎም ፈቐደሎም። ድሕርዚ፡ ዝናም ዘነመ፡ እቲ ጥሜት እውን ኣብቅዐ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኻብቲ ብሰንኪ እቲ ግፍዒ ተላዒሉ ዝነበረ ቝጥዓኡ ኸም ዝዘሓለ ዜርኢ ነበረ።—2 ሳሙ. 21:9, 10, 14።

11. ካብዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

11 እዚ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ የሆዋ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምዃኑ ንጹር መርትዖ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (መዝ. 37:28) ኵሎም ሰባት ብፍትሓዊ መገዲ ኺትሓዙ እዩ ዚደሊ። ዋላ እውን እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ዚግፍዑ ጓኖትን ውሑዳንን ብፍትሒ ኺትሓዙ እዩ ዚደሊ። የሆዋ ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣምለኽቱ ዚወርድ ዘይፍትሓውነት ኪእርሞ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ንእስራኤላውያን ነቲ ምስ ጊብዖናውያን ሰላም ከም ዚገብሩ ዝኣተውዎ ቓል ኪሕልዉ እተጸበዮም፡ ንዓና እውን ቃልና ኽንሕሉ ይጽበየና እዩ።—ምስ ኣሞጽ 1:9 ኣረኣኢ።

12. ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንጊብዖናውያን ክንመስሎም እንኽእል፧

12 ንጊብዖናውያን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪገፍዑና ኸለዉ እኳ፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ብግዜኡ ንጸገማት ከም ዜዐርዮ ዘሎና እምነት ነርኢ ኢና። ንኣብነት፡ ታሪኽ ሓብትና ሎራ ፍረንች እስከ ንርአ። ንሳ ብ1926 ኣብ ካናዳ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከተገልግል ጀመረት። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ግና፡ ኣደዳ ዜስካሕክሕ ግፍዒ ዀነት። ምስ ከሓድቲ ኸም እትሓብር ብጌጋ ተኸስሰት፡ ካብ ቤት-ኤል እውን ተሰጕጐት። እሞ ደኣ ድሕሪኡ እንታይ እያ ገይራ፧ በዚ ውሽጣ እኳ እንተ ተጐድአ፡ ከቶ ኣየማረረትን። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመት፡ ፈላሚት ኰይና ብቕንኣት ኣገልገለት። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ብ1940 ናብ ቤት-ኤል ክትምለስ ጻውዒት ቀረበላ። ምድራዊ ህይወታ ኽሳዕ እትውድእ ከኣ፡ ንኣስታት 50 ዓመት ኣብኡ ኣገልገለት። ንሕና እውን ከም ሓብትና ፍረንች ጸኒዕና ቕኑዕ ዘበለ ብምግባርን የሆዋ ብግዜኡ ንጸገማት ኬዐርዮ ብምጽባይን፡ ንዜጋጥመና ዘይፍትሓውነት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 26:3, 4።

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ደግፍ

13. “ነቲኒም” መን እዮም ነይሮም፧ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎንከ እንታይ እዮም ገይሮም፧

13 ካብ ዘመነ ንጉስ ዳዊት ኣስታት 500 ዓመት ኣቢሉ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ንጊብዖናውያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና። ሽዑ፡ እቲ 70 ዓመት ዝወሰደ ምርኮ ባቢሎን ኣብቅዐ፣ ብ537 ቅ.ክ. ከኣ፡ ቀዳሞት ምሩኻት ኣይሁድ ምስ ዘሩባቤል ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (እዝ. 2:1, 2, 58) ብ468 ቅ.ክ. ድማ፡ ካልኦት ምሩኻት ኣይሁድ ምስ እዝራ እቲ ቐዳሒ ተመልሱ። (እዝ. 7:1-7) ክልቲኦም እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ጕጅለታት ኣይሁድ ብዙሓት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ግና “ነቲኒም” ዚብሃሉ ነይሮም እዮም። (ኣብ እዝራ 2:58ን 7:7ን እግረ ጽሑፍ ርአ።) እዞም ነቲኒም ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም ነይሮም፧ “እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ” እዮም ነይሮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ዘርኢ ጊብዖናውያን እዮም ነይሮም።—ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ነቲኒም” ርአ።

14. ጊብዖናውያን ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (1 ዜና መዋእል 9:2ን እግረ ጽሑፍን)

14 ቀዳማይ ዜና መዋእል 9:2ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ። ካብቶም ናብ እስራኤል እተመልሱ ቐዳሞት ምሩኻት፡ “ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ” እተባህሉ ኸም ዝነበሩ ተጠቒሱ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኦም ዝወሰድዎ ስጕምቲ ቐሊል ነገር ኣይነበረን፣ ስለምንታይሲ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣይኰኑን ተመሊሶም። ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ጥሪት ገይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ፡ ናብታ ዓንያ ዝነበረት ዓዶም ተመሊሶም ዳግም ንምህናጽ ዚሓትቶም መስዋእቲ ኪኸፍሉ ኣይደለዩን። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ካብ ዘርኢ ጊብዖናውያን ዚርከብዎም እሙናት ምሩኻት ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትቐውም ቤተ መቕደስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዳግም ኪቐውም ሃንቀው ይብሉ ብምንባሮም፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣይሁድ ኣብ ምድሪ እስራኤል ርስቲ ነይርዎም እዩ፣ ጊብዖናውያን ግና ኣብታ ምድሪ ርስቲ ኣይነበሮምን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእተዋህቦም ዕዮ ንምዕያይ፡ ኣብ ጽገና መካበብያ የሩሳሌም እውን ንምስታፍ፡ ናብታ ዓዲ ተመልሱ።—ነህ. 3:26።

15. ዛንታ ጊብዖናውያን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

15 እዚ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ ኣምላኽና ንእሙናት ኣምለኽቱ ኣዝዩ ኸም ዚፈትዎምን ወትሩ ኸም ዚከናኸኖምን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ምርኮ ባቢሎን ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን፡ ካብቲ የሆዋ ንጊብዖናውያን ብዘመነ እያሱ ዘድሓነሉ እዋን ኣስታት 1,000 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ብቐጻሊ ይባርኾም ነበረ። ገሊኦም ጊብዖናውያን ካብቲ ብ607 ቅ.ክ. ዝመጸ ጥፍኣት ይሁዳን የሩሳሌምን ድሒኖም ነይሮም እዮም። ድሕሪ እቲ ምርኮ ኸኣ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እጃም ነይርዎም እዩ፣ ምስ ሌዋውያን ኣብታ ቤተ መቕደስ የገልግሉ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ኣብ ጥቓ እታ ቤተ መቕደስ ሰፊሮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (እዝ. 2:70፣ ነህ. 11:21) ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘለዎም ዕዮ ድማ፡ ካብ ግብርን ቀረጽን ተጎን ሓራ ዀኑ።—እዝ. 7:24።

16. ምስ ኣምልኾና ብእተተሓሓዘ፡ ብኸመይ ኢና ንጊብዖናውያን ክንመስሎም እንኽእል፧

16 ንጊብዖናውያን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧ ንሕና እውን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ባህ ከነብሎ ስለ እንደልን፡ ብፍታው መስዋእቲ ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ኣልዊን ዝስሙ ሓው ከምኡ እዩ ገይሩ። ንሱ ኣብ ኩባንያ ነዳዲ ዘይቲ ልዑል ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ነበሮ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ግና ዝያዳ ኣበርክቶ ኺገብር ደለየ። ሓላው ወረዳ ናብ ጉባኤኡ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን፡ ዕረፍቲ ወሲዱ ነቲ ምብጻሕ ይድግፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ብዝያዳ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት ግና፡ ነቲ ስራሑ ኺሓድጎ እሞ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ንምግልጋል ዜኽእሎ ስራሕ ኪረክብ ወሰነ። ከም ቀደሙ፡ ብዙሕ ደሞዝ ከም ዘይክፈሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሸቶኡ ወቕዐ። ሰበይቱ እውን ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ተጸምበረቶ። ክልቲኦም ድማ ን21 ሰባት ናብ ሓቂ ኣብ ምምጻእ እጃሞም ኣበርከቱ። የሆዋ ነቲ እዞም ሰብ ሓዳር ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣየጠራጥርን እዩ። ንሕና እውን፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እንገብሮ መስዋእቲ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮን ዜድልየና ዘበለ ወትሩ ኸም ዜማልኣልናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:33።

17. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ጊብዖናውያን ብምምርማርና እንታይ ተማሂርና፧

17 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጊብዖናውያን ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ ይምህረና እዩ። የሆዋ ዓብዪ ትሕትናን ምሕረትን ኣለዎ፣ ብዘይካዚ፡ ፍትሓውን እሙንን እዩ። ንእሙናት ኣምለኽቱ ወትሩ ዓስቦም ይህቦም እዩ። ብተወሳኺ፡ ካብዚ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብዙሕ ግብራዊ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከም ጊብዖናውያን፡ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት ከነሕድር፡ ዜፍርህ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ኸኣ ኣብኡ ኽንውከል ንደሊ ኢና። ከምዚ ዓይነት እምነት ድማ፡ ንዚውሃበና ዘበለ ቲኦክራስያዊ ዕዮ ብትሕትና ኽንዓዪ ይድርኸና እዩ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም ዚእርሞ ብምትእምማን፡ ንዕኡ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ንደሊ ኢና። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ብቕንኣትን ብተኣማንነትን ንድግፍ ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ ጊብዖናውያን ጽቡቕ ትምህርቲ ኸም እተምሃርና ኸነርኢ ኢና።

ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት ካብ ጊብዖናውያን እንታይ ተማሂርና፧

  • ብእምነትን ብትሕትናን ብዛዕባ ምምልላስ

  • ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዘይፍትሓውነት

  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ብዛዕባ ምድጋፍ

መዝሙር 148 የሆዋ መናገፊ እዩ

a እቶም ልኡኻት ጊብዖናውያን ነተን ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን ዚብሃላ ሰለስተ ኻልኦት ከተማታት ሒዋውያን እውን ወኪሎም ዝመጹ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—እያ. 9:17።

b ሳኦል ስለምንታይ ነዚ ገበን እዚ ኸም ዝፈጸመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ገሊኦም ምሁራት፡ ሳኦል ብሃገራዊ ስምዒት ተላዒሉ ኸም ዝገበሮ ይዛረቡ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ