ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ለካቲት ገጽ 8-13
  • ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትርጉም ጥምቀት
  • ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ ይግበር፧
  • “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን”
  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ለካቲት ገጽ 8-13

13-19 ሚያዝያ 2026

መዝሙር 52 ክርስትያናዊ ወፈያ

ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት

“እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴ. 28:19።

ኣትኵሮ

ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት፡ ከምኡ እውን ጥምቀት ብኸመይ ከም ዚግበር።

1. ጥምቀት መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

ሓደስቲ ሰባት ኪጥመቑ ኸለዉ፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ! እዚ ሓጐስ እዚ፡ ካብቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ መጀመርታ ኣኼባኣ ዝገበረትሉ እዋን ኣትሒዙ ኸም ዝጀመረስ ትፈልጥዶ፧ ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ዚገልጽ መሰረታዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ብዙሓት ተጠሚቖም እዮም። (ግብ. 2:38, 40, 41) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ትምህርቲ ጥምቀታት” ምስቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ” ከም ዚጽብጸብ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 6:1, 2) ጥምቀት መሰረታዊ ነገር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣጸቢቕና ግና ክንርድኦ ኣሎና። ስለምንታይ፧

2. ብዛዕባ ጥምቀት ምሉእ ርድኢት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

2 ከምቲ ድልድልቲ ቤት ኣብ ድልዱል መሰረት እትስረት፡ ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽትህልወና እውን ብዛዕባ ጥምቀት ምሉእ ርድኢት ኪህልወና ኣለዎ። ናብ ጥምቀት ዕቤት እንገብር ዘለና ንኹን ወይ ካብ እንጥመቕ ሓያሎ ዓመታት ዝገበርና፡ እዚ ርድኢት እዚ ኺህልወና ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ ትርጉም ጥምቀት እንታይ እዩ፧ ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ክንጥመቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ትርጉም ጥምቀት

3. ብጥምቀት ኣቢልካ እንታይ ኢኻ እተርኢ፧

3 ክትጥመቕ ከለኻ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ዚገልጽ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኸም እተቐበልካ፡ ካብ ሓጢኣትካ ኸም እተነሳሕካ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል መገዲ ህይወትካ ኸም ዝቐየርካ፡ ንየሱስ ከም መገዲ ድሕነት ጌርካ ኸም ዝኣመንካሉ፡ ንኣምላኽ ከኣ ምስ ውድቡ ሓቢርካ ፍቓዱ ንምግባር ዘሎካ ባህጊ ብጸሎት ከም ዝገለጽካሉ ኢኻ ንሰባት እተርኢ። ሓንሳእ መብጽዓ ምስ ኣቶኻ ወይ ርእስኻ ምስ ወፈኻ እሞ ምስ ተጠመቕካ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መገዲ ኢኻ እትጅምር።

4. ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥሓል ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ክትጥመቕ ከለኻ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ጥሒልካ ኢኻ ኻብኡ እትወጽእ።a ከም እተቐበርካን ካብ ሞት ከም ዝተንሳእካን ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። (ምስ ቈሎሴ 2:12 ኣረኣኢ።) ጥምቀት ነቲ ኣብ ህይወትካ ዝገበርካዮ ዓብዪ ለውጢ ብምሳልያዊ መገዲ ዜርኢ እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ ትሕቲ ማይ ክትኣቱ ኸለኻ፡ እቲ ዝቐደመ መገዲ ህይወትካ ኸም ዘብቅዐ የርኢ። ካብ ማይ ክትወጽእ ከለኻ ድማ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዘተኰረ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ የርኢ።

ስእልታት፦ ሓደ ሰብኣይ ብዙሕ ጸገማት ድሕሪ ምስጋሩ ይጥመቕ። 1. ኣብ ቲቪ ግጥም መኸተ ጕስጢ ብስምዒት ተዋሒጡ ይርኢ። 2. ሽጋራ የትክኽ። 3. ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ይሰቲ። 4. ድሕርዚ ዅሉ ይጥመቕ።

ክትጥመቕ ከለኻ፡ እቲ ዝቐደመ መገዲ ህይወትካ የብቅዕ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዘተኰረ ሓድሽ ህይወት እውን ትጅምር (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. እቲ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እትገብሮ ነገራት ምስቲ ኖህ መርከብ ንምስራሕ ዝገበሮ ነገራት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (1 ጴጥሮስ 3:18-21)

5 ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:18-21 ኣንብብ። እቲ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እትገብሮ ነገራት ምስቲ ኖህ መርከብ ንምስራሕ ዝገበሮ ነገራት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ኽትምሃር ካብ እትጅምር ነዊሕ ዘይገበርካ እንተ ዄንካ፡ ከምቲ ኖህ መርከብ ንምስራሕ ዓብዪ ዕዮ ዚጽበዮ ዝነበረ፡ ንስኻ እውን ገና ብዙሕ ዕዮ ኸም ዘሎካ ይስምዓካ ይኸውን። እሞ ደኣ ኽሳዕ ክንድቲ ኽትደኽመሉ ዚግባእ ድዩ፧ እወ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ብዛዕባ ኖህ እሞ ሕሰብ። ነታ መርከብ፡ ኣምላኽ እዩ ነዲፍዋ፣ ኖህ ድማ ካብቲ ማይ ኣይሂ ንምድሓን፡ ነቲ እተዋህቦ ንድፊ ተጠንቂቑ ኺስዕብ ነበሮ። ብእምነትን ብደገፍ ኣምላኽን ከኣ፡ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ተኣዚዙ መርከብ ሰርሐ። ንስኻ እውን ከም ኖህ፡ ‘ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዘካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።’—ዘፍ. 6:22።

6. ብኸመይ እዩ ጥምቀት ዜድሕነካ፧

6 ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ፍቕዲ 21፡ ጥምቀት “የድሕነኩም ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ማይ ምጥሓል ጥራይ ድሕነት ኣየምጽኣልካን እዩ፣ ካብ ሓጢኣትካ ሓጺቡ እውን ንጹህ ኣይገብረካን እዩ። ደም የሱስ ጥራይ እዩ ኻብ ሓጢኣትካ ኼንጽሃካ ዚኽእል። (1 ዮሃ. 1:7) ይኹን እምበር፡ ጥምቀት ኣገዳሲ ኽፋል ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ፣ ብእኡ ኣቢልካ እውን ‘ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ትልምኖ’ ኺብሃል ይከኣል እዩ። የሆዋ ድማ ተሓጒሱ ኸምቲ ልማኖኻ ይገብረልካ እዩ። ስለዚ፡ ጥምቀት ‘የድሕነካ ኣሎ’ ወይ ናብ ድሕነት ይመርሓካ ኣሎ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ ይግበር፧

7. ጥምቀት ብኸመይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ከም ዚግበር ጥራይ ደኣሉ ዚገልጽ እምበር፡ ብዙሕ ካልእ ዝርዝር ነገራት ኣይሕብርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ እዋን ጥምቀት ግቡእ ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሕጹያት ጥምቀት እንታይ ክዳን ኪኽደኑ ኸም ዚግባእ፡ ኣብኡ ዘለዉ ተዓዘብቲ እውን እንታይ ስርዓት ኪህልዎም ከም ዚግባእ ካብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 14:40፣ 1 ጢሞ. 2:9) ኣብዚ ግዜና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሽማግለ እዩ ዜጠምቕ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቶም ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚውሃቦም ሰባት ፍሉይ ኣትኵሮ ኣይንገብረሎምን ኢና። (1 ቈረ. 1:14, 15) ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ይገበር ወይ ኣብ ቅድሚ ሒደት፡ ማዕረ ተቐባልነት እዩ ዘለዎ።—ግብ. 8:36።

8. ሕጹያት ጥምቀት እንታይ ሕቶታት እዮም ዚሕተቱ፧ ስለምንታይከ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-42) (ስእሊ እውን ርአ።)

8 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝኣመንናሉ ነገር ‘ብኣፍና ተኣሚንና ኸም እንድሕን፡’ ማለት ድሕነት ንምርካብ እምነትና ኽንገልጽ ከም ዘሎና ይሕብር እዩ። (ሮሜ 10:9, 10) ኣብቲ ንድሕነትና ወሳኒ ዝዀነ ስጕምቲ እንወስደሉ ግዜ ጥምቀትና እውን ከምኡ ኢና እንገብር። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንሕጹያት ጥምቀት ክልተ ሕቶታት ይቐርበሎም እዩ። እታ ቐዳመይቲ፡ “ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩምን ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹምን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚርከብ መገዲ ድሕነት ተቐቢልኩምዎን ዲኹም፧” እትብል እያ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ንጥምቀት ዚግበር ምድላው እያ እተተኵር፣ ምስቲ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ንእተዛረቦም ህዝቢ ዝሃቦ ምሕጽንታ እውን ትመሳሰል እያ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ፡ “ምጥማቕኩም ምስ ውድብ የሆዋ ብምሕባር ከም ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜፍልጠኩም ምዃኑ ተረዲኡኩም ድዩ፧” እትብል እያ። እዛ ሕቶ እዚኣ ድማ፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበርዎ ምስቲ ብውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒ ብምትሕብባርን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ሓቢርና ንኣምላኽ ብምግልጋልን፡ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኸም እንመላለስ ተዘኻኽረና። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-42 ኣንብብ።) እቶም ንኽልቲአን ሕቶታት ‘እወ’ ኢሎም ብምሉእ ልቦም ዚምልሱ፡ ንጥምቀት ብቑዓት ይዀኑ እዮም።

ኣብ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ ሕጹያት ጥምቀት ኣብ ቅድሚት ካብ ዚርከብ ኮፍ መበሊኦም ሓፍ ኢሎም እምነቶም ብኣፎም ይእመኑ ወይ ይገልጹ።

ኣብ እዋን ጥምቀትካ፡ ‘ብኣፍካ ተኣሚንካ ትድሕን’ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)d


9. ነፍሲ ወከፍና ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

9 ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥካ እኳ፡ ጽቡቕ ህይወት እትመርሕ፡ ከቢድ ሓጢኣት እውን ዘይትገብር ኔርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ፍቕሪ የሆዋ ዘሕደሩልካ ክርስትያን ወለዲ ዘዕበዩኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ክትንሳሕን ክትጥመቕን የድልየካ ድዩ፧ እወ። ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ሓጢኣት ከም ዝወረስና፡ ብሰንኪ እዚ እውን ካብ ኣምላኽ ከም ዝረሓቕና ኽንርስዕ የብልናን። (መዝ. 51:5) ንየሆዋ ምስ ፈለጥናዮ ግና፡ ፍቓዱ ኢና እነቐድም። ከምኡ ምስ ገበርና ኸኣ፡ ካብቲ ሕሉፍ ህይወትና ተነሲሕና ኽንምለስ፡ ማለት ነቲ ንሰማያዊ ኣቦና ባህ ዜብሎ መገዲ ህይወት ምስዓብ ክንጅምር ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ክንጥመቕ ንኽእል።—ግብ. 3:19።

10. ሰዓቢ ኻልእ ሃይማኖት ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ተጠሚቕካ እንተ ኔርካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

10 ሰዓቢ ኻልእ ሃይማኖት ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ተጠሚቕካ እንተ ኔርካ እውን፡ ከም ናይ የሆዋ ምስክር ክትጥመቕ ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስን እኹል ፍልጠት ኣይነበረካን። ርእስኻ ብጸሎት ንኣምላኽ ወፊኻ እንተ ኔርካ እኳ፡ ብዛዕባ ፍቓዱ ኣብ ቅኑዕ ርድኢት ተመርኲስካ ኣይኰንካን ተመባጺዕካሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብዛዕባ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ግቡእ ርድኢት ከይሓዙ እተጠምቁ ሰባት ምስ ኣጓነፍዎ፡ ዳግም ከም ዚጥመቑ ገይሩ እዩ።b (ግብ. 19:1-5) ሎሚ እውን ኣብ ልክዕ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ተመስሪትካ ዚግበር ጥምቀት ጥራይ እዩ ቕቡል ዚኸውን።

“ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን”

11. “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ማቴዎስ 28:18-20)

11 የሱስ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ኪጥመቑ ኣዚዙ እዩ። (ማቴዎስ 28:18-20 ኣንብብ።) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ስም” እትብል ቃል ነቲ በቲ ስም ዚጽዋዕ ዘበለ ዚልለየሉ እንታይነት ወይ መንነት ከተመልክት ትኽእል እያ። ነቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ዘበለ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ስለዚ፡ “ብስም” እገለ ሓደ ነገር ንገብር ኪብሃል ከሎ፡ ንስልጣን እቲ በቲ ስም ዚጽዋዕ ዘበለ ኸም እተቐበልናዮ የመልክት። እምበኣር፡ ነቲ ኣቦን ወድን ዘለዎም ቦታን ስልጣንን ኰነ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ብኸመይ ከም እትቕበሎ እስከ ንርአ።

12. ከመይ ጌርና ኢና ብስም ኣቦ እንጥመቕ፧ (ራእይ 4:11) (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ብስም ኣቦ። የሆዋ ሰማያዊ ኣቦና ወይ ወሃብ ህይወትና ኸም ዝዀነ ንኣምን ኢና። ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ፈጣሪ ዅሉን እዩ። (ራእይ 4:11 ኣንብብ።) ሰማዕ ጸሎትና ኸም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ፡ ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና ዀነ ብዛዕባኡ ምስ ካልኦት ክንዛራረብ ከለና፡ ንብሕታዊ ስሙ ኸይተሰከፍና ብኣኽብሮት ንጥቀመሉ ኢና። (መዝ. 65:2) ብስም ኣቦ ምጥማቕ ግና ካብዚ ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ንጴጥሮስ ዝሰምዕዎ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ድሕሪ እቲ እዋን እቲ ግና የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዘለኣለማዊ ድሕነት ዚኸውን መገዲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኸም ዝኸፈተ ኺግንዘቡ ነይርዎም።—ሮሜ 5:8።

ኣብ ዝሓለፈት ስእሊ ዝነበረት ሓንቲ ኻብቶም ሓደስቲ ጥሙቓት፡ ኣብ ገዛኣ ትጽሊ።

ድሕሪ ጥምቀት፡ ነቲ ኣቦ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ከም እትቕበሎ ወትሩ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)


13. ከመይ ጌርና ኢና ብስም ወዲ እንጥመቕ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ብስም ወዲ። የሱስ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ “መገዲ” እዩ፣ ማለት ብእኡ ኣቢልና ጥራይ ኢና ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት እንኽእል። (ዮሃ. 14:6) ብተወሳኺ፡ የሱስ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ምእንታና ዝሞተ ተበጃዊና እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ፡ ኣብ እንጥመቐሉ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብነቱ ኽንስዕብ ይድርኸና እዩ። (1 ዮሃ. 2:6) ስለዚ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ፡ ድምብርጽ ከይበለና ብቕንኣት ንሰብኽ ኢና። (ሉቃ. 4:43) ብምኽንያት እቲ ብተኣማንነት ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ መስጐጕቲ ንምጽዋር ፍቓደኛታት ኢና። (2 ጢሞ. 3:12) ብዘይካዚ፡ የሱስ “ርእሲ ጉባኤኡ” እዩ፣ ስለዚ፡ ነቶም ንሰዓብቱ ኺመርሑን ኪከናኸኑን ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት ብታሕጓስ ንግዝኦም ኢና።—ኤፌ. 4:8, 11, 12፣ 5:23።

ኣብ ዝሓለፈት ስእሊ ዝነበረ ሓደ ኻብቶም ሓደስቲ ጥሙቓት፡ ኣብ በቤት እናኸደ ኼገልግል ከሎ ንዝረኸቦ ሰብኣይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበሉ።

ድሕሪ ጥምቀት፡ ነቲ ወዲ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ከም እትቕበሎ ወትሩ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


14. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ብስም መንፈስ ቅዱስ እንጥመቕ፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ንቕቡኣት እንታይ ተወሳኺ ጥምቀታት እዩ ዘለዎም፧ (“ቅቡኣት ዚጥመቕዎ ጥምቀታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

14 ብስም መንፈስ ቅዱስ። ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እተምሃርናዮ ሓቂ ንቕበሎ ኢና። መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ወይ ክፍሊ ስላሴ ኣይኰነን። ነብያትን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተመርሑ ንኣምን ኢና፣ ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ነንብብ፡ ትምህርትታቱ እውን ንስዕብ ኢና። (2 ጴጥ. 1:20, 21) ብዘይካዚ፡ ከቢድ ሓጢኣት ካብ ምግባር ንቝጠብ ኢና። ስለምንታይሲ፡ ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ንሕና መንፈስ ኣምላኽ ከይንረክብ ኣብ ርእሲ ምዕጋቱ፡ ኣብ ጉባኤ እውን ንዋሕዚ እቲ መንፈስ እቲ ይዓግቶ እዩ።—ኤፌ. 4:30።

ኣብ ዝሓለፈት ስእሊ ዝነበረት ሓንቲ ኻብቶም ሓደስቲ ጥሙቓት፡ ኣብ ገዛኣ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

ድሕሪ ጥምቀት፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ኸም እትቕበሎ ወትሩ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


ቅቡኣት ዚጥመቕዎ ጥምቀታት

ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ብማይ ዚጥመቕዎ ጥምቀት፡ እዚ ዚስዕብ ተወሳኺ ጥምቀታት እውን ይጥመቑ እዮም።

  • ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኬገልግሉ ጻውዒት ኪቐርበሎም ከሎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ይጥመቑ። (ማቴ. 3:11)

  • ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ስጡም ሓድነት እተላዕለ ሰብነት ክርስቶስ ተባሂሎም ስለ እተጸውዑ፡ ‘ብክርስቶስ ይጥመቑ’ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ገላ. 3:27, 28፣ 1 ቈረ. 12:27)

  • ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡን ናብ ሰማያዊ ህይወት ክሳዕ ዚትንስኡን ኣብነት ክርስቶስ ብተኣማንነት ስለ ዚስዕቡ፡ ብሞት ክርስቶስ ይጥመቑ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ሮሜ 6:3-5)

15. እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

15 ጥሙቕ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ንዅሉ መዳያት “ትምህርቲ ጥምቀታት” ክትርዳእ፡c ምስ ወፈያን ጥምቀትን ብእተተሓሓዘ ኸኣ ንየሆዋ ዝኣቶኻሉ መብጽዓ ኽትሕሉ ቘራጽነት ግበር። ገና ዘይተጠመቕካ ክርስትያን እንተ ዄንካኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ምናልባትዶ ዚዓግተካ ነገር ይህሉ ይኸውን፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ክርስትያናዊ ጥምቀት ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

  • ሕጹያት ጥምቀት እንታይ ሕቶታት እዮም ዚሕተቱ፧ ስለምንታይከ፧

  • “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

መዝሙር 161 ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ

a እታ “ጥምቀት” ተባሂላ እትትርጐም ባፕቲስማ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምጥሓል” ወይ “ምጥላቕ” ካብ ዝትርጉማ ግሲ ዝመጸት እያ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ፡ ከምቲ ገሊአን ሃይማኖታት ዚምህራኦ፡ ማይ ኣይኰነን ዚንጸገሉ፣ የግዳስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ እዩ ዚጥሕል።

b እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሰባት “ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት” እዮም ተጠሚቖም ነይሮም። (ግብ. 19:3) ዮሃንስ መጥምቕ ንኣይሁድ፡ ካብቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝገበርዎ ሓጢኣት ኪንስሑ እዩ ተማሕጺንዎም፣ ነቶም እተነስሑ እውን ኣጥሚቕዎም። (ማር. 1:4, 5) እቲ ሕጊ ምስ ኣብቅዐ ግና፡ ናይ ዮሃንስ ጥምቀት እውን ተቐባልነቱ ኣብቂዑ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣምላኽ ዚቕበላ ናብ ድሕነት እትመርሕ “ሓንቲ ጥምቀት” ጥራይ እያ ዘላ።—ኤፌ. 4:5።

c ኣብ jw.org ወይ ኣብ JW Library® “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ኣብ ዚብል ዓምዲ፡ “ጥምቀት እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ፡ ሕጹያት ጥምቀት ሓፍ ኢሎም እምነቶም ብኣፎም ይእመኑ ወይ ይገልጹ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ