ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp25 ቍ. 1 ገጽ 10-13
  • ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ
  • ኣምላኽ ንሓጢኣት ኬጥፍኦ እዩ
  • ኣምላኽ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኬጥፍኦም እዩ
  • ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
wp25 ቍ. 1 ገጽ 10-13
ሓደ ወተሃደር ኣብ ፍርስራስ ብውግእ ዝዓነወት ከተማ ኾፍ ኢሉ ይሓስብ።

ሰባት ንውግእ ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን

ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ” ዚገብረሉ ኣምላኽ እምበር፡ ሰብ ከም ዘይኰነ ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 46:9።

ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ

ኣምላኽ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውግእ ኣርማጌዶንa ኢሉ ዚጽውዖ፡ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ። (ራእይ 16:16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” “ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪእከቡ እዮም። (ራእይ 16:14) ኣርማጌዶን፡ ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት ዜጥፍኣሉ ውግእ እዩ።

ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእን ንዘለኣለም ዘይትጠፍእን መንግስቱ ኺትክአን እዩ። (ዳንኤል 2:44) ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ እዛ መንግስቲ ኪኸውን መሪጽዎ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ማቴዎስ 28:18) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዛ መንግስቲb እዚኣ ኺጽልዩ እዩ ዝመሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኵሎም ደቂ ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ የሱስ ዜመሓድራ መንግስቲ ሓድነት ኪህልዎም እዩ።

የሱስ ዘይከም እቶም ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ንስልጣኑ ንጥቕሚ ርእሱ ኣይጥቀመሉን እዩ። ፍትሓውን ዘየዳሉን ስለ ዝዀነ ድማ ሓደ እኳ ብዓሌቱ፡ ብዜግነቱ፡ ወይ ብድሕረ ባይታኡ ኣይኪግፋዕን እዩ። (ኢሳይያስ 11:3, 4) ሰባት ምእንቲ መሰላቶም ኪቃለሱ ኣይኬድልዮምን እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሱስ ብዛዕባ ድሕንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይግደስ እዩ። “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። . . . ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” እዩ።—መዝሙር 72:12-14።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ቐታሊ ኣጽዋር ካብ ብዘላ ምድሪ ኸተወግዶ እያ። (ሚክያስ 4:3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ቃልሲ ደው ዘየብሉ ወይ ሰላም ካልኦት ዚዘርጉ እኩያት ሰባት እውን ከተጥፍኦም እያ። (መዝሙር 37:9, 10) ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ቈልዑ ኣብ ዚኸድዎ ዘበለ ምድሪ ዅሉ ድሕንነት ኪስምዖም እዩ።—ህዝቅኤል 34:28።

ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሉጽ ህይወት ኪህልዎም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ከም ድኽነትን ጥሜትን ሕጽረት ኣባይትን ዝኣመሰለ ንውግእ ምኽንያት ዚኸውን ጸገማት ከተወግዶ እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብዙሕ መኣዛታት ምግብን ምሹእ መንበርን ኪረክብ እዩ።—መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21-23።

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጐዳኢ ሳዕቤናት ውግእ፡ ማለት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ኣይኪህሉን እዩ። እቶም ዝሞቱ እውን ኣብ ምድሪ ኻብ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። (ኢሳይያስ 25:8፣ 26:19፣ 35:5, 6) ስድራ ቤታት ሓድነት ኪህልዎም እዩ፡ ‘እቲ ቐዳማይ ስለ ዚሓልፍ’ ድማ ሕማቕ ተዘክሮታት ኣይኪህሉን እዩ።—ራእይ 21:4።

ኣምላኽ ንሓጢኣት ኬጥፍኦ እዩ

መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት፡ ነቲ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ዝዀነ የሆዋc ኣምላኽ፡ ብሓድነት ከም ዜምልኽዎ ኽትገብሮም እያ። (2 ቈረንቶስ 13:11) ሰባት ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩ ኺምሃሩ እዮም። (ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 11:9) ኵሎም እቶም ንእተማህርዎ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ኻብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ናጻ ኪዀኑ እዮም።—ሮሜ 8:20, 21።

ኣምላኽ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኬጥፍኦም እዩ

መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ውግእ ዜለዓዕሉ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከተጥፍኦም እያ። (ራእይ 20:1-3, 10) እኩይ ጽልዋኦም ስለ ዘይህሉ ኸኣ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7።

ኣምላኽ ንውግእን ዓመጻ ንዝመልኦ ግጭትን ከም ዜጥፍኦ ንዝኣተዎ ቓል ከም ዚፍጽሞ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ፡ ውግእ ንምጥፋእ ድሌትን ዓቕምን ኣለዎ።

  • ኣምላኽ ውግእን ዓመጻን ንምጥፋእ ዜድሊ ጥበብን ሓይልን ኣለዎ። (እዮብ 9:4) ንኣምላኽ ዘይከኣሎ ነገር የልቦን።—እዮብ 42:2።

  • ኣምላኽ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ባህ ኣይብሎን እዩ። (ኢሳይያስ 63:9) “ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ” እዩ።—መዝሙር 11:5።

  • ኣምላኽ ወትሩ ቓሉ ይሕሉ እዩ፣ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።—ኢሳይያስ 55:10, 11፣ ቲቶስ 1:2።

ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ኬምጽእ እዩ።

ኣብ ሓዳስ ዓለም ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ከረን ኮፍ ኢላ ትስሕቕ። ኣፍራስ ድማ ኣብ ጥቓኦም ሳዕሪ ይበልዑ።

ኣምላኽ ንውግእ ኬጥፍኦ እዩ

ኣምላኽ ውግእ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ክሳብ ሕጂ ውግእ ኪቕጽል ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ የተሓሳስበካ ይኸውን። መልሱ ኣብታ ኣብ jw.org ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

a ነታ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ኣንብብ።

b ኣብ jw.org መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ