ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ጴጥሮስ 3-5
“መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ”
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጸበባ ኺመጽእ እዩ። ሕጅን ኣብ መጻእን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣዘውቲርና ዅሉ ዓይነት ጸሎት ንጸሊ
ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓያል ፍቕሪ ነማዕብል፣ ብዝያዳ ድማ ንቕረቦም
ሓንጐፋይ ኢልና ኣጋይሽ ንቀበል
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ነቶም አብ ከባብየይን ኣብ ብዘላ ዓለምን ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓያል ፍቕሪ ኸርእዮምን ጽቡቕ ገይረ ኸአንግዶምን ዝኽእለሉ እንታይ ግብራዊ መገድታት ኣሎ፧’