ክርስትያናዊ ህይወት
ንጹህ ኣካይዳን ብዙሕ ኣኽብሮትን፡ ልቢ ይትንኪ
ኣመንቲ ዝዀና ኣንስቲ መብዛሕትኡ ግዜ፡ በታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ኣካይዳአን ንሰብኡትን ሓቂ ኪቕበሉ ኺሕግዛኦም ይኽእላ እየን። እዚ ግና ንሓያሎ ዓመታት ጸገማት ምጽዋር ኪሓትት ይኽእል እዩ። (1ጴጥ 2:21-23፣ 3:1, 2) ግፍዒ ይወርደኪ እንተ ኣልዩ፡ ወትሩ ነቲ እከይ ብሰናይ ስዓርዮ። (ሮሜ 12:21) እቲ ሰናይ ኣብነትኪ ድማ ቃላት በይኑ ኺገብሮ ዘይክእል ጽቡቕ ውጽኢት ኬምጽእ ይኽእል እዩ።
ንነገራት ብዓይኒ ብዓል ቤትኪ ኽትርእይዮ ፈትኒ። (ፊል 2:3, 4) ድንጋጸን ርሕራሐን ኣርእዪ፡ ሓላፍነትኪ ብኣኽብሮት ንምፍጻም ዚከኣለኪ ዘበለ ግበሪ። ጽን ኢልኪ ስምዒ። (ያእ 1:19) ዕግስቲ ኹኒ፡ ንብዓል ቤትኪ ኸም እተፍቅርዮ ድማ ኣረጋግጽሉ። ዋላ እኳ ብዓል ቤትኪ ብምላሹ ሕያውነትን ኣኽብሮትን እንተ ዘየርኣየኪ፡ የሆዋ ንተኣማንነትኪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ።—1ጴጥ 2:19, 20።
ነታ የሆዋ ጾርና ኽንጸውር የበርትዓና ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ግሬስ ሊ ሓዳር ምስ ገበረት፡ ኣብ መጀመርታ ህይወታ ኸመይ ይመስል ነይሩ፧
ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሰሓባ እንታይ እዩ፧
ሓብትና ሊ ምስ ተጠምቀት፡ ጸገማት ክትጻወር ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧
ሓብትና ሊ ብዛዕባ ሰብኣያ እንታይ ኢላ እያ ጸልያ፧
ሓብትና ሊ ሳላ እቲ ንጹህ ኣካይዳኣን ብዙሕ ኣኽብሮታን እንታይ በረኸት እያ ረኺባ፧
ንጹህ ኣካይዳን ብዙሕ ኣኽብሮትን፡ ሓይሊ ኣለዎ!