ተቐባል ጋሻ ብምዃን “ጽቡቕ” ነገር ኣማቕል (ማቴ. 12:35ሀ)
ኵላትና “ተቐበልቲ ጋሻ” ብምዃን “ጽቡቕ” ነገር ከነማቕል ከም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። (ሮሜ 12:13) ሽማግለታት ነቶም በጻሕቲ ተዛረብቲ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ከም ዚሽፈን ኪገብሩን ኬተኣናግድዎምን መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ። ንሕና ግና፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዓቕምና ድሩት ብምዃኑ ወይ ሰባት ናብ ቤትና ኺመጹ ኸለዉ ስለ እንጭነቕ፡ ‘ኣጋይሽ ንምቕባል’ ንወላወል ንኸውን። እቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ምኽሪ ምስ እነቕልበሉ፡ ነቲ ዘሎና ጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 10:39-42) የሱስ ኣብ ምቕባል ጋሻ፡ “ጽቡቕ ግደ” ዚብሃል፡ እቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ምቅርራብን ምትብባዕን እምበር፡ እቲ እነቕርቦ ምግቢ ወይ ትርኢት ቤትና ኸም ዘይኰነ እዩ ኣጕሊሑ። ንሕና እውን ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕና ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንኣሕዋትና “ጽቡቕ” ነገር ከነማቕሎም ንኽእል ኢና።—3 ዮሃ. 5-8።