ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 6-7
ብልግሲ ስፈሩ
ለጋስ ሰብ ንኻልኦት ንምሕጋዝን ንምትብባዕን ተሓጒሱ ግዜኡን ጕልበቱን ጥሪቱን ይህብ እዩ።
እታ “ሃቡ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ቀጻሊ ተግባር እያ እተመልክት
ንህብ እንተ ዄንና፡ ካልኦት ከኣ፡ “እተሰጐደን እተነኽነኸን መሊኡ ዚፈስስን ጽቡቕ ስፍሪ” ኣብ ሕቝፍና ኺህቡና እዮም። እቲ “ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም” ዚብል መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዕዳጋታት ዚርአ ዝነበረ ልምዲ ኼመልክት ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ገሊኦም ነጋዶ ነቲ ዓዳጊ ዝዓደጎ ነገር ኣብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ ይመልኡሉ ነበሩ