ክርስትያናዊ ህይወት
ስብከትን ትምህርትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት
የሱስ ንሰዓብቱ ኸይዶም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ 28:19) እዚ ድማ ምስባኽን ምምሃርን የጠቓልል። በብግዜኡ፡ ኵላትና ንርእስና፡ ‘ኣብዚ ኣገዳሲ መዳያት ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኸመሓይሽ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።
ስብከት
ሰባት ናባና ኺመጹ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ነቶም ‘ዚግቦኦም’ ብንጥፈት ከነናድዮም ኣሎና። (ማቴ 10:11) ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ ነቶም ‘እንረኽቦም’ ሰባት ከነዘራርቦም ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ንጥቀመሉ ዲና፧ (ግብ 17:17) ሳላ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግለቱ ዘርኣዮ ትግሃት፡ ልድያ ጓለ መዝሙር ክትከውን ክኢላ እያ።—ግብ 16:13-15።
“ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ” (መክ 11:6)
ነታ ‘ኸየቋረጽኩም’ ስበኹ—ብዘይወግዓዊ መገድን ኣብ በቤትን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ሳሙኤል ኣብ መዓልታዊ ልማዱ፡ ብንጥፈት ዘርኢ ሓቂ ኺዘርእ ከም ዚደሊ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ኵሉ ዓይነት ስብከት ክንጸንዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ኣብ መዓልታዊ ልማድካ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንመን ከተካፍሎ ትኽእል፧
ትምህርቲ
ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር፡ ጽሑፋት ምብርካት ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ኪገብሩ ንምሕጋዝ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክንገብር የድልየና እዩ። (1ቈረ 3:6-9) እንተዀነ ግና፡ ንሓደ ሰብ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር እንገብሮ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ፡ ብዙሕ ውጽኢት እንተ ዘይረኺብናሉኸ፧ (ማቴ 13:19-22) ነቶም ልቦም ከም “ጽቡቕ ሓመድ” ዝዀነ ንምድላይ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።—ማቴ 13:23፣ ግብ 13:48።
“ኣነ ተኺለ፡ ኣጵሎስ ኣስትዩ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቊሉ” (1ቈረ 3:6)
ነታ ‘ኸየቋረጽኩም’ ስበኹ—ብግህዶን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ሰሎሞንን ሜሪን ነቲ ኣብ ልቢ ህዝቅኤልን ኣቢጋይልን ዘሎ ዘርኢ ሓቂ፡ ማይ ዘስተይዎ ብኸመይ እዮም፧
ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት፡ እንተላይ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ክንካፈል ከለና ሸቶና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧
ነቲ ንኻልኦት ሓቂ ናይ ምምሃር ዕዮ፡ ዝያዳ ኣትኵሮ ኽንገብረሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧