መደብ 28 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
28 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 4 ኣብ ገጽ 46-49 ዘሎ ሳጹናት (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ዜና መዋእል 25-28 (8 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።”—ግብ. 14:22።
15 ደቒቕ፦ ንኣሕዋትኩም ጸልዩሎም። ምይይጥ። ንግብሪ ሃዋርያት 12:1-11 ብምንባብ ጀምር። ካብታ መስክር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 77-80፡ ሕጡብ ጽሑፋት 5-12 ኻብ ዘሎ ዚሰማማዕ ነጥብታት ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ jw.org ኣብ “ክፍሊ ዜና” ዝወጸ ነገራት ጥቐስ። ኵላቶም፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ እተፈላለየ ፈተናታት ዜጋጥሞም ዘሎ ኣሕዋትና ኺጽልዩሎም፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ስሞም ጠቒሶም ኪጽልዩሎም ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 13ን ጸሎትን