ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 28 ታሕሳስ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
ከምቲ ገሊኦም ኣብ 1 ዜና መዋእል 20:3 ተመርኲሶም ዚገልጽዎ፡ ዳዊት ንምሩኻቱ ብዜስካሕክሕ መገዲ ድዩ ዜሳቕዮም ነይሩ፧ [2 ሕዳ.፡ w05 15/2 ገጽ 27]
ዳዊት፡ ለጋስ ኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ለጋሳት ንኽንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1 ዜና 22:5) [9 ሕዳ.፡ w05 1/10 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 7]
ዳዊት ንሰሎሞን “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ” ኺብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ዜና 28:9) [16 ሕዳ.፡ w10 1/11 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 3, 7]
እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 1:10 ዚርከብ ሰሎሞን ዝለመኖ ልመና ብዛዕባኡ እንታይ ይሕብር፧ ንሕናኸ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ብሕታዊ ጸሎት ብምምርማር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (2 ዜና 1:11, 12) [23 ሕዳ.፡ w05 1/12 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 6]
ብመሰረት 2 ዜና መዋእል 6:29, 30፡ የሆዋ እንታይ ፍሉይ ክእለት እዩ ዘለዎ፧ ብጸሎት ኣቢልና ልብና ናብኡ ኸነፍስስ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ (መዝ. 55:22) [30 ሕዳ.፡ w10 1/12 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 7]
ኣሳ ኣብ ልዕሊ ሓደ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዓወት ኪረክብ ዝጸለየ ብምንታይ መሰረት እዩ፧ ንሕናኸ ምስ መንፈሳዊ ውግእና ኣብ እተተሓሓዘ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (2 ዜና 14:11) [7 ታሕ.፡ w12 15/8 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 6-ገጽ 9 ሕ.ጽ. 1]
እቲ የሆዋ ንጕድለት ዮሳፋጥ እተረድኣሉ መገዲ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ነቲ ንኻልኦት እንሕዘሉ መገዲ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧ (2 ዜና 19:3) [14 ታሕ.፡ w03 1/7 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 13፣ cl ገጽ 245 ሕ.ጽ. 12]
ሎሚ ‘ቦታና ኽንሕዝን ደውን ክንብልን’ ዚግብኣና ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧ (2 ዜና 20:17) [21 ታሕ.፡ w05 1/12 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 2፣ w03 1/6 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 15-16]
ምስ ሞት ዮራም ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ፡ ኣብ 2 ዜና መዋእል 21:20 እንታይ ረዚን መዘኻኽሪ ኢና እንረክብ፧ [21 ታሕ.፡ w98 15/11 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 4]
ብመሰረት 2 ዜና መዋእል 26:5፡ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዑዝያ ጽቡቕ ጽልዋ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ኻብ ዚርከቡ ብሱላት ክርስትያናት ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ [28 ታሕ.፡ w07 15/12 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 2, 4]