ሳጹን ሕቶ
◼ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቁራጽ ግቡእ ዝዀነ መዓስ እዩ፧
መንፈሳዊ ዕቤት ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዖ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ደው እንተ ኢሉ፡ ነቲ መጽናዕቲ ብሜላ ኸተቋርጾ ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 10:11) ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእቱ፦ ቈጸራ ኣኽቢሩ ብግቡእ የጽንዕ ድዩ፧ ነቲ ዜጽንዖ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ይዳለወሉ ድዩ፧ ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብ ድዩ፧ ነቲ ዚምሃሮ ንኻልኦት ይነግሮም ድዩ፧ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ለውጥታት ይገብርዶ ኣሎ፧ ሓቂ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚገብሮ ዕቤት እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ዕድሚኡን ክእለቱን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣቋሪጽካዮ፡ እቲ ተምሃራይ ለውጢ ኺገብር ድሉው ምስ ኰነ መጽናዕቲ ኽትገብረሉ ፍቓደኛ ኸም ዝዀንካ ኣረጋግጸሉ።—1 ጢሞ. 2:4።