መደብ 2 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
2 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 52ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 2 ሕ.ጽ. 1-11 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዜና መዋእል 16-20 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ዜና መዋእል 17:15-27 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ጥምቀት—ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት—td 41ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኤሊፋዝ—ፍረ ነገር፦ የሆዋ ሓሳዊት መልሓስ ይጸልእ—w05 15/9 26-27 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ሱር ስደዱን ብእምነት ጽንዑን።’—ቈሎ. 2:6, 7።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሕዳር መጽሔታት ዓድል። ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ እቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ብምግባር ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣቀራርባታት ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተንትኖ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ኣስፋሕቲ፡ ነቲ ኣብታ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ኼማዕብሉ ኣሰልጥኖም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዚርከብ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ኺገልጹ ዓድሞም፣ ምስኡ እተተሓሓዘ ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ኬዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
መዝሙር 44ን ጸሎትን