ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ሓይሊ ኣለዎዶ፧
መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሱር ክንሰድድን ብእምነት ክንጸንዕን’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 2:7) ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ሓይሊ ምእንቲ ኺህልዎ፡ ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ነቲ ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ይግብኣና። (እብ. 4:2፣ ያእ. 1:22-25) እያሱ 1:8 ኣብ መስርሕ ንባብ ኪዕየየሉ ዚኽእል ውጽኢታዊ ዝዀነ ሰለስተ ነጥቢ ተቕርብ፦ (1) ቃል ኣምላኽ “መዓልትን ለይትን” ኣንብብ። (2) ከተንብብ ከለኻ “ኣስተንትኖ፣” እዚ ማለት ንምስትንታን ብዚሕግዝ ኣገባብ ምንባብን ነቲ ሃዋህውን ነቲ ዅነታትን ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣልን የጠቓልል። (3) “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ” ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር። ነዚ ነጥብታት እዚ እንተ ተግቢርናዮ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኪቐንዓናን ኪሰልጠናን እዩ።