ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/15 ገጽ 4
  • ወረቐት ዕድመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወረቐት ዕድመ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍሉይ ወረቐት ዕድመ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ውጽኢታዊ ወፈራ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ወፈራ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ኺዕደል እዩ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 4/15 ገጽ 4

ወረቐት ዕድመ

1. ንኣኼባ ዞባ፡ ወረቐት ዕድመ ንምዕዳል ዚግበር ወፈራ መዓስ እዩ ዚጅምር፧

1 ንስድራ ቤትካ ወይ ንፈተውትኻ፡ ብዙሕ ጻዕርን ወጻእን ዚሓትት ፍሉይ ድግስ ንኸተዳልወሎም መደብ እንተ ኣልዩካ፡ ወረቐት ዕድመ ንኽትዕድሎም ከም እትህንጠ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዚመጽእ ኣኼባ ዞባ ንዚቐርብ መንፈሳዊ ድግስ ንምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ካብቲ ኣኼባ ዞባና እንገብረሉ ዕለት፡ ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንሰባት ናብዚ ኣኼባ እዚ ንኽንዕድሞም ፍሉይ መሰል ሂቡና ኣሎ። ነዚ ወረቐት ዕደመ እዚ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ንኽንዕድሎ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2. ኣብቲ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

2 ካብቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታትና ዜዳልዎ መንፈስ ዜሐድስ ትምህርቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ኣብቲ ዚግበር ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ክንካፈል ኢና። (ኢሳ. 65:13, 14) ዓመታዊ ወፈራና ውጽኢት ከም ዘለዎ እውን ኣይንረስዕ። (“ውጽኢት ኣለዎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ገለ ኻብቶም እንዕድሞም ሰባት ምሳና ኺእከቡ ኸለዉ፡ ካልኦት ግና ኣይኪእከቡን እዮም። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ኣኼባ ዚመጹ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ኣብ እዋን እቲ ወፈራ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእን ልግስናኡ ዜንጸባርቕን እዩ።—መዝ. 145:3, 7፣ ራእ. 22:17።

3. እቲ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ እዩ ኺዝርጋሕ፧

3 ኣካል ሽማግለታት፡ ኣባላት ጉባኤኦም ነቲ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ብስፍሓት ኪዝርግሕዎ ኸም ዘለዎም፡ ማለት ኣብቲ ሰብ ዘይረኸቡሉ ኣባይቲ ኺሓድግዎ ወይ ከኣ ኣብ ክሎም ኣብቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ኪዝርግሕዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪውስኑ ኣለዎም። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ከኣ ምስቲ ወረቐት ዕድመ መጽሔታት ኪዕደል ይከኣል እዩ። እቲ ወፈራ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብቲ ወፈራ ብውዕዉዕ ስምዒት ብምክፋልናን ንሓያሎ ሰባት ኣብቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ድግስ ንኺሓብሩና ብምዕዳምናን ኣዚና ኽንሕጐስ ኢና።

እንታይ ኢኻ ኽትብል፧

በቲ ልሙድ መገዲ ሰላም ምስ ተባሃሃልኩም፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ንሰባት ናብ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣኼባ፡ ወረቐት ዕድመ ንኽንህቦም ብደረጃ ዓለምለኸ ፍሉይ ወፈራ ንገብር ኣለና። ዕለትን ሰዓትን ኣድራሻን እቲ ኣኼባ፡ ኣብዚ ወረቐት ዕድመ ሰፊሩ ኣሎ።”

ውጽኢት ኣለዎ

  • ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ወረቐት ዕድመ ንምዕዳል ኣብ ዚግበር ወፈራ እትሳተፍ ዝነበረት ሓብቲ፡ እቲ ዅሉ ጻዕሪ ጻማ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሰባ። ‘ሰባት ብሓቂ ነዚ ዕድመ እዚ ተቐቢሎም፡ ምሳና ኣብቲ ኣኼባ ኺእከቡ ድዮም፧’ ኢላ ሓሰበት። ኣብቲ ናይ ቀዳም ንግሆ ኣኼባ፡ ሓደ ሰዓቢ እምነት ሲክ ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ጥቓኣ ኾፍ ኢሉ ምስ ረኣየት ንኸተዘራርቦ ወሰነት። ናብቲ ኣኼባ ኺመጽእ ዝኸኣለ፡ ወረቐት ዕድመና ስለ እተቐበለ ምዃኑ ፈለጠት። እታ ሓብቲ ኸኣ ነቲ ዝነበሮ ብዙሕ ሕቶታት መለሰትሉ። ነቲ መደብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፈተዎን ብትርኢትን ጠባይን እቶም ልኡኻት ከኣ ኣዝዩ ኸም እተመሰጠን ነገራ። ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ጥቓኣ ኾፍ ኢሎም ምስ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ዝርርብ ጀመረት። ንሳቶም እውን እንተዀኑ ወረቐት ዕድመ እዮም ተቐቢሎም፣ ናብቲ ኣኼባ ድማ ብኣውቶቡስ መጹ። በቲ ኣኼባ ስለ እተሓጐሱ፡ ሰንበት እውን ንኺእከቡ መደቡ። በዚ ድማ እታ ሓብቲ ዓመታዊ ወፈራና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዘበት።

  • ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ተላለይዎም። እቶም ሰብ ሓዳር ናብቲ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ኸም ዝመጹ ነገርዎም። እቶም ፈለምቲ፡ “መን እዩ ዓዲምኩም፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎም፣ “ሓደ መዓልቲ ናብ ገዛ ምስ ተመለስና፡ ኣብ ትሕቲ ማዕጾ ወረቐት ዕድመ ረኺብና” ብምባል እዮም መሊሶም። ነታ ወረቐት ዕድመ ኣንበብዋ፣ ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ዚርከብ ኩፖን እውን ከይተረፈ መልእዎ። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ኻልኦት ልኡኻት ከኣ ነዞም ሰብ ሓዳር ምስኦም ንኺምስሑ ዓደምዎም። በቲ ኣኼባ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ድማ ንጽብሒቱ ንኺመጹ መደብ ገበሩ። ምብጻሕ ንኺግበረሎምን ነቲ ተገዳስነቶም ንምክትታልን ድማ ምድላዋት ተገብረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ